Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ  ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ኣቐሚጥዎም ዘሎ  ከም

ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ  ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ።

ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ኣቐሚጥዎም ዘሎ  ከም ግርማይ ዘርኣይ ዝኣመሰሉ ሃሱሳቱ ኣሰንዩ ንኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ዝተባህሉ ክልተ ጳጳሳት ብኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ፥ ካብ ሕዳር 18-19, 2016 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ንኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝምእከሉ ኣቕሽሽትን፥ ኣማሓደርቲ ቤተክርስቲያናትን፥ ኣኼባ ገይሮሙልና ቀንዮም።

ዓላማ እቲ ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ስኢንዎ ዘሎ ክልተ ካብ ሚእቲ ብተዘዋዋሪ መገዲ ካብታ ቀንዲ ናይ እቶት ምንጩ ገይሩ መጻንሒት ትንፋሱ ዝጥቀመላ ዘሎ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ክትክኦ መደባት ኣውጺኡ ሰንበት ሰንበት ንዝእከብ ሞባእ ንምዝራፍ ይንቀሳቐሰሉ ኣሎ።

ግርማይ ዘርኣይ፥ ዓሚ ልክዕ ከምዛ ወርሒ እዚኣ፥ ሓሙሽተ ጳጳሳት ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ኣጀንዳ ኣጽኒዖም ብፌርማን ማሕተምን ዝወገዝዎም ዝዝከር እዩ። እንተ ኾነ እቲ ስርዓት ስዉር መጋበርያኡ ስለ ዝኾነ ብግዴታ ንጳጳሳት ኣስገዲዱ ዕላምኡ ንምፍጻም ዝመለሶ ካድረ እቲ ስርዓት ስለ ዝኾነ ተልእኹኡ ዝፍጽም ዘሎ ኣረሜን እዩ።

ኣጀንዳ ኣኼባ ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ቀንዱ መደቡ ሞባእ ቤተክርስትያን ምዝራፍን ህዝቢ ምፍልላይን እዩ። ዝቐረቡ ምኽንያታት ከኣ፥ ቤተክርስትያን ኣብ እስራኤል ክንሰርሕ ስለ ዝኾንና፥ ናይ ቲኦሎግያ ቤት ትምህርቲ ክንከፍት ስለ ዝኾንና፥ ገዳማት ገንዘብ ስለ ዝሰኣና፥ ብዝብል ጉልባብ፥ ኩለን እተን ኣብ ትሕቲኦም ዝርከባ ቤተክርስቲያናት ካብ ኩሉ ኣታዊአን 15% (ዓሰርተው ሓሙሽተ ካብ ሚእቲ) ናብ ኤርትራ ክኸፍላ።  ተሓድሶ መናፍቓን ዝበሃሉ  ኣትዮምና ስለ ዘለዉ ክንሰጉግ፥ ዝብል እዩ።

እቲ ዘሕዝንን ዘጉህን ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ተቓወምቲ እቲ ስርዓት ምንባርና እዩ ብዙሓትውን ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞ ዝወዓልና ተራኺብና። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ካሳታት ሞባእ ዘሚቱ ኣብ ኢዱ ይእቲይዎ ምህላዉ ንፈልጥ ሰባትውን ኢና። እንተ ኾነ ብባህልና ይትረፍ ንጳጳስ ንዓቢ ሰብውን ምምላስ ነውሪ ስለ ዝመሰለና ዓይኒ ካድረ ግርማይን ኣባ ሉቃስን ፈሪህና፥ ዘረፋን ምፍልላይን እናኣወጁልና ሓንቲ ቃል ክንምልስ ዘይምኽኣልና ክሳብ ክንደይ ዓንዚዝና ምህልውና ንነብሰይ ይወቅስ።

ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣቦና እንጦንዮስ ተላዒሉ፥ ብልኡምን ፈራህን ኣዘራርባ ስለምንታይ ተዓሪቕና ነገር ተወዲኡ ኢልኩም ከተብቅዑ፥ ንድሕሪት ተመሊሱ ትብል ሕቶ ቀሪባ። ካድረ ግርማይ ዘርኣይ፥ እወ ዕርቂ ተገይሩ እዩ። ኣባ እንጦንዮስ ይቕረታ ሓቲቶም እዮም። ረኣይዎ እዚ ቪድዮ፥ ኢሉ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ድምጺ ዘይብሉ፥ እቶም ጳጳሳት ክሰዓዓሙ  እንከለዉ ዘርኢ ኣቕሪቡ። ድምጺ ግበረላ ምስ ተባህለ፥ ንስኻትኩም ክትሰምዕዎ ዘይግባእ ስለ ዝኾነ ድምጺ ኣይገብረሉን እየ። ብምባል ብትዕቢት መለሰ። ኣስዒቡ እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሕራይ ከይትብሉ ምስ በልዎም ግና ተመሊሶም ኣብዮሙና ክብል ብንዕቀት መለሰ። እቲ ዘገርም ኣብ ኣኼባ ስምዕ ውዒልካ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ንዘይምዕጋብካ ብሓሜት ንሕድሕድካ ምዝርራብ ጥራይ እዩ። ይትረፍ ንሕና እቶም ምሉእ ስልጣን ናይ ኣማሓዳሪ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ተሰኪሞም ዘለዉ ኣባ ባስልዮስ ዝበሃሉ ጳጳስ’ውን ካባና ብዘይፍለ መገዲ ተሸቑሪሮምን ፈሪሆምን ሓንቲ ቃልውን ካብ ኣፎም ከየውጽኡ ኣኼባ ምዝዛሙ እዩ። ኣብ ናይ ምልላይ ሰዓት ግርማይ ምክትል ኣባ ባስልዮስ ምዃኑ እዩ ተሓቢሩ። ሓደ ፈላሲ’ውን በሉ ዝተባህሉ ምዃኖም ኣብ ገጾም ዝንበብ፥ ገጽ ግርማይን ኣባ ሉቃስን እንዳሓለዉ ይዛረቡ ነይሮም። እዞም ፈላሲ ኣብቲ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ነይረ ዝብሉ እዮም። ኣብ ኩሉ ዘረብኦም ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም ትብል ቃል ግን ኣይወጸቶምን።

ድሕሪ ኣኼባ ናይ ምሸት ነቶም ወከልቲ ተባሂልና ከካብ ቤተክርስቲያናት ዝመጻእና ኣኪቦም፥ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ትእዛዛት ግዴታ ምስ ኣቕሽሽቲ ኮንኩም ኣኣብ ቤተ ክርስቲያንኩም ኣተግብርዎ፥ ኩሎም ኣቕሽሽቲ ፍቓደኛታት እዮም ንሶም እዮም ኣቦ መንበራት ናይቲ ቤተ ክርስቲያን፥ እዚ ምስ ዘይትገብሩ ነታ ቤተክርስትያንኩም ኣይንፈልጣን ኢና። ናይ ግድን 15% ከተዋጽኡ ኣለኩም። ዝብል ትእዛዝ እዩ።

ካልእ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያናትን ህዝብን ምፍልላይን ምፍንጫልን ምእታዉ ብመደብ ተታሒዙ እዩ እቲ ኣኼባ ተኻይዱ። እቲ ስርዓት ካብ ዝጥቀመሉ ሓደ ሜላ ድማ ህዝቢ ምፍልላይ እዩ። ኣባ ሉቃስን ግርማይን ብትእዛዝን ብምጉብዕባዕን፥ እዞም ኣቦና እንጦንዮስ ኢሎም ኣመኽንዮም ተፈልዮም ዘለዉ ከይትሰምዕዎም። ንሳቶም ጸረ ሃገርን መንግስትን መናፍቓን ተሓድሶ እዮም። ኣብ ዝኾነ ጉዳይኩም ከይትሕውስዎም፥ ኣብ ቀብርኹም ከይትሕውስዎም ኣብ ዝሰብኩሉ ከይትጽምበሩ። ካብኣቶም ሰብ ምስ ሞተ ተቐላጢፍኩም ሓብሩና ጸሎተ ፍትሓት ኣይነገብረሎምን ኢና ኢሎም፥ ባእሶም ከምቲ ስርዓትት ኢሳያስ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ምስ ሞተ ዝተባእሶ ክሳብ ምስ ምዉታት ባእሲ ከም ዘለዎም ብነድሪ ገለጹ። ኣብ ጥቓና ዝነበሩ ሓደ ቀሺ ቅጭ ግዲ ኢልዎም ኮይኑ፥ ብሂወት ፈላሊዮምሲ ብሞት ድማ ክፈላልዩና። እንታይ ክፉእ ዘበን እዩ!! ፍትሓት ጥራይ ዘጽድቕ እንተደኣ ኮይኑ ደኣ እሞ፥ እቶም ኣቕሽሽቱ ባዕላቶም ዶ ኣየለውዎን ክብል ሕርቃን ናይ ውሽጦም በጨቕ ኣበሉ።

እቲ ካልእ ኣብ ኣኼባ ዝተራእየ ስቕታን ምሽቑራርን ግን ተኣካቢ ብሙሉኡ ስቕ ኢሉ ብተቓውሞ ድምጹ ዝዓቀበ ይመስል። ነዚ ተዓዚቦም እቶም ናይ ግርማይ መጉልሒ ድምጺ ኮይኖም ዝቀነዩ ኣባ ሉቃስ፡ ክልተ መዓልቲ ምሉእ ተኣኪብና ሓደ ውሳኔ ከየሕለፍኩም ምኻድኩም ብሓደ ከም ዘየለና እዩ ዘመልክት ክብሉ ስምዒቶም በጨቕ ኣቢሎም እዮም።

ጸገምና ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፥ ብፍላይ ኣብ ሃይማኖት ተዋህዶ ንዘልኣለም ክዕረቕ ዘይክእል ጸገም ከም ዘሎ ኢኻ ትግምግም። ኣባ ሉቃስን ግርማይን ብመደብ ህዝቢ ንምዝራግን ገንዘብ ህዝቢ ንምዝራፍን ካልእ ጎናዊ ባእሲ ንምትካልን ብዕላማ ተላኢኾም  ምህላዎም፥ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ንብርሰትና ተዓጢቑ ከም ዘሎ እዩ ዘብርህ። እቲ ምፍልላይ ብኣውራጃን ብዓድን ብውሽጠ ውሽጢ እዩ ክካየድ ጸኒሑ። እዚ ናይ ሃይማኖት ግና ሕጂ ዓው ብዝበለ ድምጺን ብግልጽን እዩ ዝንገረና ዘሎ። ሕማቕ ዘበን በዓል ጋዕሳ ኣለዋ።

 

ገባር ኣባል ቤተክርስትያን ተዋህዶ እየ ካብ ኣሜሪካ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • k.tewolde November 26, 2016

    Born Tewahdo and raised Tewahdo and I was baptized and raised in the grounds of the iconic grounds of Inda Mariam,however,after hearing this news coming out from this once sacred church,.as odd as it sounds,I am glad my mother and father did’t live to see this unholy contamination and satanic desecration of their sanctuary.RIP my beloved parents,missing you tonight.

  • King November 26, 2016

    ኣብ’ቲ ጉባኤ ኔረ እየ’ሞ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ግን ዋላ ሓንቲ ሓቂ ኣይረኸብኩሉን!!!!

  • habte November 26, 2016

    king ከመይ ኣምላኽ ዘይትፈርህ ሰብ ኢኻ፥ ደረቕ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ብዘይድምጺ ኣየርኣዩናን? ድምጺ ምስ በልናዮም ንስኻትኩም ክትሰምዕዎ ኣይፍቀድን ኣይበሉናን? ተዓሪቕና ኢና ግን እዞም ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ እምቢ በሉ ምስ በልዎም እምቢ ኢሎም ኣይበሉን? ካብ ኩሉ ኣታዊታትኩም 15% ክፈሉ ኣይበሉናን? ንምንታይ ትሕሱ ዘይነበርካ? ኣባ ሲኖዳ ኣውጽእዎም ካብቲ ገዛ ዘለውዉ ኣይበሉናን? ነዞም ተሃድሶ መናፍቓን ተተንቀቑሎም፥ እንተ ሞቱውን ኣይንፈትሖምን ኣይበሉናን? ኣብ የሩሳሌም ቤተክርስትያን ክንሰርሕ፥ ናይ ቲኦሎጂ ትምህርቲ ክንጅምር ገዳማት ሓገዝ ኣይበሉናን? 15% እንተዘይከፊልኩም ኣይንፈልጠኩምን ኣይበሉን? ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ኣይክዕበናን ኣይትብሉን ዲኹም እዞም ህግደፍ ከመይ ድዩ ሕማምኩም?

    • King November 27, 2016

      ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኩሉ ክትገብር ስልጣን ኣለዋ። ግቡኣ እዩ። ቀንዲ ነጥበይ እቲ ሓው ገባር ነቲ ውዕሎ ጉባኤ ዝሃቦ ትርጉም ግጉይ እዩ ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መናፍቓን ክትውግዝ፡ መንፈሳዊ ኮሌጅ ክትሃንጽ፡ መባእ ካብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣኪባ ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮታት ከተውዕል፡ ቤተ ክርስቲያን ክትሃንጽ ምሉእ ሓዋርያዊ ስልጣን ኣለዋ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝተባህለ ኩሉ ኣዚዛ። እሞ ከዓየየት ከይፈረየት ደኣ ስቕ ትበል። ቅድሚ ናብ ፖለቲካን ካልእ ኣረኣእያን ምእታውካ ቤተ ክርስቲያን ብገዛእ ርእሳ ነዚ ተግባራት ክትዓዪ ክትውስን ከም ትኽእል ዘይምርሳዕ። እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ኣእትዩ ንረብሕኡ ክብል ዘዕገርግረና ዘሎ ዓምጻጺ ዘየሕምመና ኣይኮነን። ግን ንዕኡ ንምርካብ ተባሂሉ ንቤተ ክርስቲያን ዘይስማን ዘይምስላን ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን እናዓየየት እናኣዘዘት ተጋዲላ መጺኣ እያ። ሕጂ’ውን ጠጠው ኣይክትብልን እያ።

  • ፍስሃየ November 26, 2016

    King ሓሚምካ ደኣ ከይትኸውን እምበር፥ ጽባሕ ኣብ ኩሉ ቤተክርስትያናት ምስ ተኣወጀ ትሰምዖ፥ 15% ብኣፍንጫ ኣምጽእዎ ምስ በሉ ህግደፍ ሽዑ ትሰምዖ፥ ነዚ ኣቕሽሽቲ ክመርሕዎ ኣለዎም እዩ ተባሂሉ ዘሎ። ካድራት ኮይኖም ንህግደፍ ገንዘብ ክግብሩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝእከብ ሞባእ ስለ ዘይኣኸሎ ህግደፍ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ክምልእዎ ኣለዎም ተባሂሉ ኣሎ። እዚ እንተዘይገርካ ረይሳኻ ኣይፍታሕን ተባሂሉ ኣሎ። ንምዃኑ ኣብቲ ኣኼባ እንተ ነርካ እንታይ ደኣ እሞ ገለ ዘይትብል ወይስ ኣኼባ ኣይነበረን ወይ ኣይነበርካን ማለት እዩ።

    • King November 27, 2016

      ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኩሉ ክትገብር ስልጣን ኣለዋ። ግቡኣ እዩ። ቀንዲ ነጥበይ እቲ ሓው ገባር ነቲ ውዕሎ ጉባኤ ዝሃቦ ትርጉም ግጉይ እዩ ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መናፍቓን ክትውግዝ፡ መንፈሳዊ ኮሌጅ ክትሃንጽ፡ መባእ ካብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣኪባ ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮታት ከተውዕል፡ ቤተ ክርስቲያን ክትሃንጽ ምሉእ ሓዋርያዊ ስልጣን ኣለዋ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝተባህለ ኩሉ ኣዚዛ። እሞ ከዓየየት ከይፈረየት ደኣ ስቕ ትበል። ቅድሚ ናብ ፖለቲካን ካልእ ኣረኣእያን ምእታውካ ቤተ ክርስቲያን ብገዛእ ርእሳ ነዚ ተግባራት ክትዓዪ ክትውስን ከም ትኽእል ዘይምርሳዕ። እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ኣእትዩ ንረብሕኡ ክብል ዘዕገርግረና ዘሎ ዓምጻጺ ዘየሕምመና ኣይኮነን። ግን ንዕኡ ንምርካብ ተባሂሉ ንቤተ ክርስቲያን ዘይስማን ዘይምስላን ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን እናዓየየት እናኣዘዘት ተጋዲላ መጺኣ እያ። ሕጂ’ውን ጠጠው ኣይክትብልን እያ።

  • kiros yeman November 27, 2016

    Kem diablos kalie msli tegolbibka kristna yelen king simka kilae hakena entekonka

  • weldesemayati tela November 27, 2016

    ስምዑ እሞ ኣንቱ ኣሕዋት ገሌኹምሲ እንታይ ነይሩ ኢልኩም ክትዛረቡ ከለኹምሲ ቁሩብ ኣስተዒልኩምን ሓሲብኩምን መዚንኩምን ድድገም ዘረባ ክትዛረቡን እቲ ዝተባህለ ብሃሊኡን ኩሉ ሰሚዕናዮ መን ካብ ኣየናይ ቤተክርስትያን እንታይ ተዛሪቡ ሰምዕናዮ ኢና። እቲ ዝበዝሐ ናይቲ ጉባኤና ከካትዓና ዝወዓለ ድማ ብዛዕባ ሓላፍነት ካህናትን ገንዘብ ገመይ ጌርካ ይዋጻእን ይዋጻእ እዩ። ኰይኑ ግዳ እቲ ጉባኤ ቕንዕና ስለ ዘይነበሮ ብዘይ ሓደ ፍረ ተፋላሊና። ኣባ ሉቃስ እውን ባዕሎም ዝተዛረብዎ ቃል እዩ።

  • ዳዊት በርሀ November 28, 2016

    King እትብሎ ዘሎኻ ሓቅነት ኣለዎ፥ ቤተክርስቲያን ገንዘባ ህዝባ እዩ፥ ዕሽር ከፊሉ ከካይዳ ግቡእ እዩ። ዘዛርብ ዘሎ ግን፥ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ቤተክርስትያናት፥ ገንዘበን ብመንግስቲ ተዘሚቱ እዩ። ግርማይን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ከየፍቀደ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ የለን፡ ሓንቲ ቤተክርስትያን ካህናታ ሰቢኾምን ምሂሮምን ካብ ምእመናኖም ዘውጽእዎ ገንዘብ፡ ወናኒኡ ህግደፍ እዩ። ፖለቲካ ኢልካ ካልእ መልክዕ ከተልብሶ ኣይትፈትን። ግርማይ ሓሙሽተ ጳጳሳት ብፌርማ ካብ ቤተክርስትያን ሰጒጎሞ እዮም። ህግደፍ ግን ንኣባ ሉቃስ ሒዙ ነቶም ካልኦት ኣገዲዱ ውግዘትውን ከይተላዕለ ብኣስገዳድ ኣእትይዎ። ኣብቲ ኣኼባ ነይረ ካብ በልካ ድማ ካድራዊ ኣዘራርብኡ ርኢናዮ ኢና። ምኽኒት ዘይብሉ ዘይቅቡል ዘረባ ኣይንዛረብ ክርስቲያን ተባሂልና። ሓቂ ሓልዮት እንተሎካ፥ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣሲራ ተሳቕዮም ኣላ ወዲ 90 ዓመት ዓገብ ዝብል ኣይተረኽበን። ብትእዛዝ ቤተክርስትያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኣቦታት ቁጽሪ የብሎምን። ዝዘኽተሙ ህጻናት ክንደይ ክበሃሉ ቤተ ክርስቲያን ዘዘኽተመቶም ብፍላይ ድማ ኣባ ሉቃስን ዮፍታሄን ሕጂ ድማ ግርማይ። ፍትሒ ንዛረብ ንሒልናና

  • መብራህቱ November 28, 2016

    ወልደሃዋርያት ክልተ መዓልቲ ምሉእ ብዛዕባ ገንዘብን ሓላፍነት ካህናትን እዩ ከካትዓና ውዒሉ ማለትካ ድዩ? እቲ ከም ልቢ ዘይብሎም ቆልዑ፥ ድምጺ ዘይብሉ ቪድዮ ወሊዖም፥ ኣቦና እንጦንዮስ ተዓሪቕና ኢና፥ በዚ ወጻኢ ዘለዉ እዮም ዘጋግይዎም ዘለዉ እምበር፥ ኢሎም ኣይዕሸውናን ድዮም። ስልምንታይ ድምጺ ክስማዕ ዘይፈቐዱ፥ ቃል እቶም ውጹዕ ኣቦናኸ ስለምንታይ ዘይተሰምዐ፥ ከሰስቲ ንሳቶም፥ 11 ዓመት መእሰርቲ ንሳቶም፥ ዓረቕቲ ንሳቶም፥ ተዓሪቕና ኢሎም መውረይቲ ንሳቶም፥ ተዓሪቕና ዝብሉ ክልተ ተበኣስቲ ዶ ኣይኮኑን? ኣባ ሲኖዳ ካብቲ ገዛ ብፖሊስ ኣውጽእዎም ኣይተባህለን ድዩ? ዘምሕጓስ ኣባ ሉቃስ ከም ዝደለይዎ ገንዘብ ዘይሸምጠጡ እምበር ንሃይማኖት ሓልዮም ድዮም? ተንኮል ህግደፍ ከመይ ገይሩ እዩ ዝስወረና ዘሎ?

  • ገበረመድህን ሃብተ November 28, 2016

    ኣሕዋት ኣብ ብዙሕ ዘየድሊ ክትዓት ምእታው ንቤተክርስቲያን እንታይ ይጠቕማ? ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣጀንዳን ስዉር መልእኽቱን ትግባረኡን ዘይንዛረብ ከም ለባማት።
    1. ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስቲያን ክንሰርሕ ገንዘብ ክዋጽእ ተባሂሉ። ብሕጊ መንግስቲ እስራኤል ድሕሪ ሰነ 19, 1947 ዝኾነ ሃይማኖታዊ ትካል ክስራሕ ኣይፍቀድን እዩ። Status Quo Ante ማለት ኩሉ ኣብ ዘለዎ ከይውሰኽ ዝብል እዩ? እሞ ብኸመይ ደኣ እዮም ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኤርትራ ተባሂሉ እስራኤል ሕጎም ኣፍሪሶም?
    2. ናይ Theology (ትምህርቲ ሃይማኖት) ክንከፍት ተባሂሉ፥ ኣበይ ኣለዉ ምምህራን ናይ theology ዝርካቦም እታ ግብጺ ዝመሃረቶም ዝእሰር ተኣሲሩ ዝስደድ ተሰዲዱ፥ እቶም እንኮ ከም ሓሙስ ቦኣለም ደረጃ ምሁር ናይ ሃይማኖት ዝበሃሉ ኣባ መቃርስ ድማ ብህግደፍ ተሰጒዶም ኣብ ሰደት ኣለዉ፥ ብዘይመምህርዶ ቤት ትምህርቲ ይኽፈት እዩ?
    3, ገዳማት ዓንየን እሞ፥ ንገዳማት ሃገዝ ኢሎም፥ መስሓቕ እዩ፥ ኣብ ዝሓለፈ ገዳማት መሕብኢ ሸፋቱ ኮይኑ፥ ተባሂሉ ኣብ ኩለን ገዳማት ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ፥ ገለን ተኣሲሮም ገለን ተሰዲዶም፥ ገዳማት ዘዕንዉ ዘለዉ ባዕሎም ኣባ ሉቃስ ዶ ኣይኮኑን?
    4, ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ቤተክርስትያናት ናይ ሞባእ መትሃዚ ካሳ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ> ብ3 መፍትሕ ሓደ ግርማይ፥ ሓደ ሃሱስ ናይ ህግደፍ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዘሎ፥ ሓደ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፥ ተቖጺሩ ብቐጥታ ናብ ካዝና ህግደፍ ዶ ኣይኮነን ዝኣቱ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ገንዘብ እናተዘምተ፥ ስለምንታይ ናትና ክዝመት ዓይንና ይዕመት። ኣብ ቁም ነገር እንተኣተኮርና ይሓይሽ። ኣብዘይጠቅም ካብ ምክታዕ። ከመይ ገርና ነዚ ርኹስ ተግባር ደው ነብሎ ንቃለስ

  • Afo December 1, 2016

    ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም፡ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ እዩ።በቲ ሓደ ወገን ካህናት ኣብ ቃልስን ሰለማዊ ሰልፊን ምሳና ዘይኮኑ ኢሎም ንካህናት ይኸሱ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ኣገልገልቲ እቲ ስርዓት ይኾኑ።ከመይ ገይሮም ደኣሞ እቶም ፍትሒን ሕግን ዝደልዩ ካህናት ምሳኹም ደው ክብሉ ይኽእሉ፧።ስለዚ እዞም ካህናት ብኽልተ ይውቅዑ ኣለዉ።በቲ ሓደ ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ፍትሒ ምባሎም፡በቲ ሓደ ድማ ንዘይሕጋዊ መሪሕነት ኣይንቕበልን ኢሎም ምስ ዝኣብዩ ብህግደፍን ኣገልገሎቶም ካህናትን ናይ ዘመና ሰብ ነጸላን ይውቅዑ።ስለዚ ኣበይ ከም ዘለናን ናበይ ንኸይድ ከም ዘለናን ነስተውዕል።ከምዚ ኢልካ መገዲ ፍትሒ ክመጽእ ኣይኽእልን እዩ።

POST A COMMENT