Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ጳጳስት ኦርቶዶክስ ኣንጻር እቲ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ብጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ ጽሑፍ፥ መግለጺ ከውጽኡ ጸቕጢ ይገብረሎም ኣሎ።

ካብ ምንጪ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝለሓዀ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፥ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንዮፍታሄን፥ ጳጳሳትን ጸዊዖም፥ ኣንጻር እቲ ናይ ካቶሊኽ ጳጳሳት ዘውጽእዎ ሓውካ ኣበይ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ፥ ንኸውጽኡ  ጥብቕ ዝበለ መምርሒ ሂቦምዎም ኣለዉ። ነዚ ንምትግባሩ ዝጓየዩ ድማ፥ ቀሺ ሃብቶም

ካብ ምንጪ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝለሓዀ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፥ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንዮፍታሄን፥ ጳጳሳትን ጸዊዖም፥ ኣንጻር እቲ ናይ ካቶሊኽ ጳጳሳት ዘውጽእዎ ሓውካ ኣበይ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ፥ ንኸውጽኡ  ጥብቕ ዝበለ መምርሒ ሂቦምዎም ኣለዉ።

ነዚ ንምትግባሩ ዝጓየዩ ድማ፥ ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን እተባህሉ መጋበርያ ናይቲ ሃገርን ህዝብን ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ከምኡ ድማ ብዘይምስትውዓል ነቲ ምስ ካቶሊክ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ከም መጋበርያ ዝጥቀሙሉ ሒደት ስምዒታውያን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት በሃልቲ፥ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ጳጳስት ኦርቶዶክስ ቅድሚ ሕጂ በዚ ሃገርን ህዝብን ዘጽንት ዘሎ ሓደገኛ ስርዓት ተዓሻሽዮም፥ ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥  ንማእሰርቲ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። እቲ ናይ ቀደም ቁስሊ ከይሓወየ፥ ሕጂ ድማ ደግሲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እዚ ሓውካ ኣበይ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ፥ ምስ ዘውጽኡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ምዕጣቖም እዩ ዘነጽር፣

ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ምስቲ ዘለዎም ኩሉ ጸገማት ኣገናዚብካ፥ ከምቲ ጳጳሳት ካቶሊክ ዝወሰድዎ መርገጽን ስጉምትን ክወስዱ ከም ዘይክእሉ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ስቕታ ምምራጾም’ውን ከም ቅቡል ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ካብኡ ሓሊፎም ግን፥ በዞም ሒደት ተበለጽቲ ብደም መንእሰያት ኤርትራ ዝሕተቱ ተደፋፊኦም፥ ኣንጻር ህዝቢ ንዘውጽእዎ ጽሑፍ ማዕረ እቶም ገበነኛታት ዘሕትቶም ምዃኑ ክርድእዎ ይግባእ።

ጸሓይ ንህግደፋውያንን ኮራኹሮምን ኣጋግዘ ትዓርቦም ምህላዋን፥ ንደለይቲ ፍትሒ ግን ኣጋ ወጋሕታ ብምዃኑ፥ ኩሉ እቶም ሎሚ ዘይወግሕ ዝመስሎም ተበለጽትን ዓመጽትን፥ ርእሶም ዝደፋኡሉ ሰዓት ስለ ዝኾነ፥ ተስፋ ኤርትራውያን ርሑቕ ኣይኮነን።

ግዱሳት ኦርቶዶክሳውያን ካብ ኤርትራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • simon July 21, 2014

    for get about diana she dont now about this brutal regime.ISSAJAS and his regime the make a lot of crime in our country. I am proud about our religiones Leaderes the speak truly.and i hop another our orthdox and moslemes andprotestantes the speak lawduly Everey eritrean citezen he must stand egainst pdjy.

POST A COMMENT