Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ጎዳና ሽኩሽኳ – ሚኪኤል እምባየ (አራንቺ)

ካብ  ዝሐለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሐሰ 2011 ዓ/ም እቲ አብ መበል 21 ክ/ዘ ጸሊም ዘይርሳዕ ገበን አብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈጸመ ኤርትራን ኤርትራውነትን ፍጹም በታቲኑ ብምብራስ ካብ ዝከፈአ ናብ ዝገደደ መዓሙቕ ድሕረትን ድኽነትን ዝሸመመ ገባቲ 

ካብ  ዝሐለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሐሰ 2011 ዓ/ም እቲ አብ መበል 21 ክ/ዘ ጸሊም ዘይርሳዕ ገበን አብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈጸመ ኤርትራን ኤርትራውነትን ፍጹም በታቲኑ ብምብራስ ካብ ዝከፈአ ናብ ዝገደደ መዓሙቕ ድሕረትን ድኽነትን ዝሸመመ ገባቲ  መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብላዕለዋይ ማፍያዊ መራሒኡ ተማእዚኑ ነቶም ድሕሪ ጸሐይ ብራቕ ነጻነት ሓድሽ ቃምሻ ዝወደዩ ናይ ደም ደቂ ዑቁቡ እኒ የማነ ገብረአብ (ሞንኪይ)አኸቲሉ አብ ሐደ ክልተ ሃገራት አፍሪቃ መደናገሪ ዑደት ከገብር ተራእዩ እዩ፡፡ ስለምንታይ ግን ገበተ ኢሳይያስ ካብ መገሻታት ቀጠርን ኩውየትን ሓሊፉ ገጹ ናብዘን ሃገራት ክመልስን ከቕንዕን ዝተገደደ?መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃ መጋበርያ ሃገራት ምዕራብ ጥራይ  ዘይኮኑ  ምንም ዘይጠቕሙ ዝተአከቡ ጋዋኑ ኢዮም ፡፡ክብል ብዘይ  ገለ ሕነከት በብደዐ አይጸረፎምን ድዩ?ሎሚ እንታይ  ዘሻሙ  ጉዳይ ስለ ዝተረኽበ ኢዩ ብዳም -ዳም ጽፍሒ አእጋሩ አበዘን ሃገራት ብምዕራፍ ቃና ዘረብኡ  ክቕይር ዝተሰምዐ?

እቲ ክዕበጥ ዝተደለየ ሚስጢር ትማሊ መገሸታት ኒዊዮርክ ከም ጸሐይ ቀትሪ ምብራህ ቀላሊዕዎ አሎ፡፡ ነታ ብአዝዩ ክቡር መዳርግቲ አልቦ ብዝኾነ መሰዋእቲ ዝተረኽበት ሐዳስ ሃገር  ኤርትራ ናብ  ዓባይ ቤት ማሕቡስ ቀይሩ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሐቀኛ ምስልን ክውንነትን ኤርትራውያን ከይፈልጥን ከይዕዘብን ማዕጾ ዝረገጠ መራሒ ህ.ግደ.ፍ ኢሳይያስ ሎሚ ንብዓት ሐርገጽ ክነብዕ ናብታ ወግሐ ጸብሐ መንደረጋሕ ዝኾነ ጸርፍታትን ክስታትን ዘዝንበላ ብአበሃህላኡ መንግስቲ ዋሽንግተን አብ ከርሰ ምድራ አብ ኒዊዮርክ እርከብ አሎ፡፡ማፍያዊ መራሒ  ቁንጮ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ቅድሚ ናብ መገሻ ኒውዮርክ ምምርሑ ከምቲ ቀዲመ ዝጠቐስክዎ ናብ ሃገረ ኡጋንዳን ጊኒን’ዩ ክበጽሕ ተቐሲቡ፡፡ እቲ አብዘንክልተ ሃገራት ዝፈጸሞ ድራማዊ ምብጻሕ ድማ ከም ሓደ ገዚፍ ዓወት ተቖጺሩ ሐዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ታሪኻዊ ዑደት  ብምባል አብ ረድዮ  ጋዜጣ ቲቪ ኤረን ብዘይ ዕረፍቲ ንሰሙናት ተጋዊሑ፡፡ብርግጽ ከ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ታሪኻዊ ዑደት ድዩ?  ቅድሚ ነቲ ቁሉዕ ዕርቃኑ አብ አደባበይ ዝወጸ ሃውታቲ ድራማታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምርአይና አብ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ/ም  እቲ ትፉኡ ውን ተመሊሱ ሞልሐስ ዘየሕንኾ ኢሳይያስ ምስተን ባዕሉ ብቐጥታ ወይ ብልክዕ ተምሳሉ ዘማሓድረን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም ዝኾና ተለቪጅን ኤርትራን ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕትን (Eritrean center for strategic studies )ዝገበሮ ሃውታትን አሰልቻውን ቃለ መሕታት ነቲ ተገማጣሊ ምስሊ  ነፋሒቶ  ባህርያቱ አነጺሩ ከርእየና ኢዩ፤፤ ኢሳይያስ ብዛዕባ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ዝሓስብን ዝዝክርን  ፍጡር አይኮነን፡፡ ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ፡፡ ንኢሳያስ ተገድሶ ሎሚ  ሕጂ ጥራይ ኢያ፡፡ በቃ ሎሚ፡፡ ትማሊ ዝበደሎ ዝተጋገዮ እቕሬታ ውን አይሐተሉን’ዩ፡፡ ሚሒር ትምክሕተኛን ገባትን ባህሪያቱ ሎሚ ካብ ዝጓኖፎ መዋጥራት ንኽላቕቖን ንኽናገፎን ክሻታት ሐሶት ንኽርስርሶውን ዘሕፍሮን ዘጸግሞን አይኮነን፡፡ ገለ ዝተደናገረ ሕሉፍ አማኒ እኳ እንተዘይተሰእነ እቲ ዝበዘሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ግን ልቢ የዕቢዩ ብተደጋጋሚ ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ ወገናቱ ጾር ኮይንዎ ንነገራት ብህድአት ይዕዘቦ ከምዘሎ ንባዕሉ ህ.ግ.ደ.ፍ. ውን አይተኸወሎን፡፡ እስኪ ገለ ካብቲ ቅድሚ ሒደት አዋርሕ ኢሳይያስን ምስሊ ኢሳይያስ ዝተላበሱ ዓሽከራቱን ቃል ብቓል ንዝበልዎ ዝተገብረ ቃለ ምሕተት ከም አብነት ንርአ፡፡
ብዛዕባ IGAD ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት

‹‹ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዐት (IGAD)ንናይ ደገ ሓይልታት ከም ጽላል ዘገልግል መሳርሒ ተለዊጡ፡፡››
‹‹ጎረባብቲ አካል ሽግር ሶማል ይኾና ስለ ዘለዋ አብ ጉዳይ ሶማል  ኢደን ከእትዋ ኣይግባእን፡፡ ከም ግቡእ ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ሽግር ሶማል ንምፍታሕ ዞባዊ መሳርሒ ክኸውን ይግባእ ነይሩ፡፡እንተኾነ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ብኸምቲ ዝተነበረሉ ሐላፍነት ተርኡ ክጻወት አይከኣለን፡፡ አብ መጠረሽታ ከአ ንናይ ካሎት ሓይልታት ዘገልግል ጽላል ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ፡፡አብዚ ግዜ’ዚ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (IGAD)ጎረባብቲ ሃገራት ሶማል ዝእከቡለን ብውልቂ ይኹን ብሓባር ረብሓታቶም ንምዕዋት ዘሳልጥሉን ክለብ ጥራይ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡››

እዚ አብ ወርሒ ግንቦት 2011 ኢሳይያስ ንማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲ ፊደላት ውን ከይተቐየረ ቃል ብቓሉ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ፡፡ እስኪ ቁሩብ ረጊእና ንርአዩ፡፡ IGAD  ክሳብ ክንድዚ አንፈቱ ዝሳሓተ ክሳራ እምበር ውጽኢት ዘይብሉ ዞባዊ ውድብ እንተኾይኑ ስለምንታይ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ናብኡ ምምላስ አድለየ፡፡ ክሳብ ክንድዚ ዘሊፍካ ዕርቃኑ ዘውጻእካዮ ውድብ ናብኡ ክትምለስ ምህቃን ምስ ምንታይ’ዩ ዝቑጸር? ድሕሪ ዑደት እቲ ታሪኻዊ ዝተባህለ ብምጻሕ ናብ ሃገረ ኡጋንዳ ቀዳማይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ናብ  IGAD  ምምላስ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ብኣገባብ ብቕንዕና ዘይኮነ ብኮንትሮባንዳዊ አሰራርሓ ህ.ገ.ደ.ፍ. እቲ ዘጋጠመ ዓቢ ውርደት ህዝቢ ተዓዚብዎ ስለዝኾነ ሕጂ ምድጋሙ አገዳስነት የብሉን፡፡ መራሒ ሃገረ ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሶቢኒ ንአባል ሃገራት IGAD  ጸቒጡን ሓባቢሉን ያኢ ንህ.ገ.ደ.ፍ. ካብቲ ተሓሲምዎ ረጊጽዎ ዝወጸ መንበር ብኽብሪ ክሰቕሎ፡፡ ዓጀብ ኢለ ጥራይ ክሐልፎ፡፡ኣባላት ሃገራት በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ ጅቡቲ በቃ ዓይነን ተዓሚተን ይርሓሰና ክብለኦ፡፡
ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ

‹‹ካብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ  አመሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተሰነዐ ደባዊ ሽግር ኤርትራን ጅብቲን መግለጺ ምስ ወጸ እቲ ጉዳይ ተቓሊዑ፡፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ አመሪካ ከመይ ገይሪ’ዩ ከምዚ ዝአመሰለ መግለጺ አውጺኡ ምናልባት ናይቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተኻየደ ዝርዝራት ዊኪሊክስ የውጽኦ ይኸውን፡፡››
‹‹ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ አመሪካ ብሃንደበት ኤርትራ መሬት ጅቡቲ ጎብጣ አላ ዝብል መግለጺ ከውጽእ ዲፕሎማስያዊ ይኩን  ሕጋዊ መመኽነይታ የብሉን፡፡››

‹‹ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ አመሪካ ከመይ ገይሩ ብኸምዚ ሕሱር አገባብ መግለጺ ከውጽእ ዝኸአለ?ስለዚ እቲ ጉዳይ ካብ መጀመርያ መዓልቲ ብሩህ ኢዩ ነይሩ፡፡እቲ ዝወጸ መግለጺ ድማ ንዲፕሎማስያዊ ትምክሕቲ ዋሽንግተን ጥራይ’ዩ ዘብርህ፡፡ ብወገነይ ፖለቲካወን ዲፕሎማስያውን ዕሽነት እየ ዝብሎ፡፡ምምሕዳር አመሪካ ብዘይ ዝኾነ ይኹን አፍልጦ ንኤርትራ አብ ምኹናን’ዩ ተጓይዩ››

‹‹ እቲ ዘደንጹን ዘገርምን ድሕሪ መግለጺ አመሪካ ብኸምቲ አመሪካ ዘውጽአቶ ትሕዝቶን ኩነታትን ካልእ መግለጺ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምውጽኡ ኢዩ፡፡ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሐደ ቤት ጽሕፈት ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ አመሪካ ዘቖጽሮ ኢዩ፡፡ ው.ሕ.ሃ. ከመይ ገይሩ ከምዚ መግለጺ ከውጽእ ዝኻአለ? እቲ ጉዳይ ካብ መጀመርትኡ ዝተማህዘ ተዋስኦ ምንባሩ ብሩህ ኢዩ፤፤››

‹‹ቀጠራውያን ንስኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም ጉዳይኩም ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ኬንኩም ክትፈትሕዎ ይግባእ፡፡ ብምባል ተበግሶ ኣልኢሎም፡፡ ኣብ መርገጺና ዝኾነ ፍልልያት ኣይነበሮን፡፡ሕጂ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ኢድ እሙን ኣካል ቀጠራውያን ኣትዩ ንምስግጋሩ ይስራሓሉ ኣሎ፡፡››
‹‹ነቲ ተጻባኢ ኣጀንዳ ገለ ጎረባብቲ ሃገራት ገና ይቓንየኦ ኣለዋ፡፡ ብፍላይ ከኣ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን ገለ ኣብ ትሕቲ ጽላል በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ዝርከባ ሃገራትን ፡፡ ብዜካዚ ነቲ ጉዳይ ንምትሕልላኽ ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝግበር ቀጻሊ ፈተነታት ኣሎ፡፡››
‹‹ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ብጸቕጢ ዋሽንግተን ዝመጸ ኢዩ፡፡ዋሽንግተን ኣብ ዞባና ተራ ስለ ዘለዋ፡፡ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ደድሕሪኣ ክጎዪ ምኹኑይ ኣይነበረን፡፡እዚ ዝተጠቕሰ ነውራም ውሳነ ንባዕሉ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘሕስር ኢዩ፡፡

‹‹እቲ እገዳ ምስቲ ንሽግር ሶማል ዝሓላለኸን ኣብ ሶማል ዘይ ርጉእ ኩነታት ብምፍጣር ኣካል ሸግር ሶማል ዝኾነን ናይ ወጻኢ ምትእትታው እንተድኣ ኮይኑ ክእገዳ ዝነበረን ሃገራት ኬንያ፡ ኢትዮጲያ፡ ጁቡቲ ኢየን፡፡››

እዚ ገለ ካብቲ ሓሽከት መደናገሪ ምስሉይ ድራማዊ ቃለ-መሕትት ኢሳይያስ ቁንጣሮ መልስታት ኢዩ፡፡እዚ መስደመም ካዕቦ ሓሶታት ኣብ ሓደሳዕ ዝሓለፈ ግንቦት 2011-ዓ/ም ብምኽንያት 20 ዓመት በዓል ነጻነት ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተዘርበ ብምዃኑ ድማ ፍሉይነት ኣለዎ፡፡ኣብ ባይታ ዘሎ ክውን ሓቅታት ካልእ ክነሱ ህዝቢ ኣደናጊርካ ማእዝኑ ከም ዝጠፍኦን ኣንፍቱ ከምዝስሕትን ዝተገበረ ረድራማዊ ሽርሕታት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡አብ ውሽጢ’ዚ ዳሕረዎት ዓሰርተ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሓደ አንጻር ብዙሓትን ሓያላትን እምክት ከምዘሎ ንምምሳል አብ ከቢድ ናይ ከበባ ኩናት ከምዝርከብ ገይርካ ንምቕሻሹ ገባቲ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንመን ዘይዘለፈ ዘይከሰሰ ንኽትአምኖም ብዘጸግም አጸሊሙ ዘይወንጀለ?ብዓቢኡ ናይቲ አብ መንጎ አትዮ -ኤርትራ አብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ዝተወለዐ’ሞ ከቢድ ዕንወትን ህልቂትን ዘስዓበ አሰካሕካሒ ኩናት ካብ ታሓታትነት ንኸምልጥ ብናይ ደገ ሐይልታት ዝተገደደ ዝተሰነዐ ናይ ዶብ ኩናት ክብል ንህዝቢ እቲ ሐቂ ንኸይፈልጥ  ብተደጋጋሚ አእዛኑ ከምዝጸምም ገይርዎ ኢዩ፡፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ  ዓለም ጀማሪ እቲ ኩናት  ባዕሉ ህ.ገ.ደ.ፍ. ምዃኑ ግን ተአሚኑ ኢዩ፡፡መንዩ እቲ ደፋኢ ሐይልን አስገዳድን ከ?ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ በዚ ኣበሃህላዚ ዝደናገር አይመስለንን፡፡ከምቲ ማፍያዊ መራሒ ቁንጮ መሪሕነት ህ.ገ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ዝውንጅሎ መንግስቲ አሜሪካ ኢዩ፡፡ ብርግጽ ግን መንግስቲ አሜሪካ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ክውላዕ ድሌትን ባህግን ነይርዎ ድዩ?ዓው ብዝበለ ድምጺ ኣይፋሉን እንተበልና አብ ባይታ ዝነበሩ  ጭቡጣት ሐቅታት ዘረጋግጽዎ ኢዮም፡፡ ብመትከል ውን መንግስቲ  አሜሪካ አብ መንጎ’ ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ምውላዕ ረብሐታቱ ዝእዝዞን ዘስገድዶን ግዜን ስዓትን አይነበነበረን፡፡ ሓደ የማነ ጸጋም ዘየገላብጥ ሐቂ ንምጥቃስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ምውላዕ ኩናት 5 ግንቦት 1998 ዓ/ም ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ እቲ ኣህላቂ ኩናት ዝዓርፍ ውን ምስ መንግስቲ አሜሪካ ጥቡቕን ስቱርን ዝምድና’ዩ ነይርዎ፡፡ ኢሳይያስ ኣሽሓት ሚሊዮናት ግነዖ ዶላር ዝረኸበሉ ሂወት እቶም ልዕሊ ምእማን ዝኣመኑ ተጋደልቲ ኣብ ረግረጋት ደቡብ ሱዳን ተዋሒጡ ክተርፍ ከሎ፡ ንሃገረ ዛየር ብምኻድ ሂወቶምን ጉልበቶምን ክምጥው ከለዉ ባርኾት መንግስቲ አመሪካ ኢዩ ዝነበረ፡፡ እቲ ውጹእ ሐቂ እዚ ኢዩ፡፡ ዝምድና መንግስቲ አሜሪካን ህ.ገ.ደ.ፍ.ን ድሕሪ’ዚ ዝተባህለ ግዜ’ዩ ሓርፊፉን ናብ ዕጹው ማዕጾ ተበጺሑን፡፡ ኣብ መጀመርያ ምውላዕ ኩናት 5 ግንቦት 1998 ዓ/ም ብመንጎኝነት ሩዋንዳን ኣሜሪካን ዝቐረበ መተዓረቒ ሓሳብ ምውካስ ቀሊል አብነት’ዩ፡፡ ህ.ገ.ደ.ፍ. ዝህውጾ ዝነበረ ናይ ትዕቢትን ንዕቀትን ትምክሕቱ አወጊዱ ነቲ ስምምዕ እንተዝቕበሎ ነይሩ ብዓቢኡ ዓሰርተታት ኣሽሐት ዝሃለቐ ሂወት ምተረፈን ምደሓነን ነይሩ፡፡ እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ከበድቲ ስዕረታት ውን አምበይ መጋጠመን፡፡ጽልዋ እዚ ከቢድ ስዕረት ድማ’ዩ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መዋጽኦ ዘይርከቦ ጎደናታት ሽኩሽኳ ኣትዩ ማእዝኑ ብምጥፋእ ለኻኺምኻ ጥፋእ ዝብል መርሐ ጭርሖ ንኸልዕል ዝተገደደ፡፡

አብዚ ሒዝናዩ ዘለና ዓመት መራሒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስን እቶም ብኣምሳል ልሳን ናቱ ዝዛረቡ ደቂ ዕቁቡን ንቡዙሓት ሃገራትን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዘደንጹ አገባብ ክውንጅሉ ከለዉ ነታኣብ ሶማል ከም ዓቃቢ ሰላም ሰራዊታ ዝለኣኸት ኡጋንዳ ግን ርእዮም ከምዘይራኣዩ ሸፈፍ ኢሎም ተዓሚቶም ኢዮም ሐሊፎማ፡፡እቲ ዝገርም ባይቶ ጸጥታ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዓ/ም አብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ክበይን ከሎ ንሞኒታሪን ግሩፕ ዝተጨበጠ መርትዖ ዘቕረበት አብ ልዕሊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተሪር እገዳ ክግበር ብመትከል ዝደገፈትን ዝጸወዓትን ሃገር ኡጋንዳ ምንባራ’ዩ፡፡ ሎሚ ኢሳይያስ ካብ ተሸሚሚዎ ዘሎ ከቢድ ዓዘቕቲ ንምግልጋል ዋላ እቲ ፍጹም አይገበሮን’ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ጉዳይ ምትዕራቕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጉዳይ ባድመን ዝጠፈአ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት መናእሰያት ብዘየገድስ ክፍጽሞ ከም ዝኽእል ክንስሕቶ የብልናን፡፡ ድሮ ውን እቲ ከዳሚ ስርዓት ጭፍራ ወያነ ጀንዳ ወያነ ——ወዘተ ዘይውርዙይ ቃላት መዝገቦም ተዓጽዩ ስርዓት አዲስ አበባ ተቐይሩ አሎ፡፡ ስለምንታይ ግን ማፍያዊ መራሒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ሎሚ ሕብርታቱ ብምቕያር ዘይመዕበይኡ ባህሪ ተላቢሱ አብ ዘይፈልጦ ጎደናታት ሽኩሽኳ ብሃሳሰ ለባም ክጓዓዝ ዝፍትን ዘሎ? ነቲ ንነዊ ዓመታት ዝተሓሰሞ አኼባ ሕቡራት ሃገራት ንኽምለስ ዝቀሰቦ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ሃገረ ኡጋንዳን ጊኒን እንታይ ዓይነት ደገፍ ክህባን ክገብራን’የን ቀዲመን ምብጻሕ ዝተገብረለን?

ሎሚ   ክልተ ኣፍ ዘለዎ በሊሕ ሴፍ አብቲ ንዓመታት አብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ብኣሽካዕላል    ዝሕንብስ ዘሎ ኢሳይያስን ናይ ጥፍኣትን ምብትታንን ደቂ መዛምርቱን ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፡፡ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝቐደመ አንጫዋ ትሕለፍ ምእንቲ መጎጎ ከምዘይብሎም ውን አዳዕዲዖም ተገንዚቦሞ አለዉ፡፡ዓሚ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘዐወተ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲምክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ምድላዋቱ አጻፊፉ ናይ ሐደ ወርሒ ዘይኣክል ግዜ አብ ዝተበጸሐሉ ኣሽሓት ደለይቲ ለውጢ ውጽዓት ኤርትራውያን ሃንቀውታ ባህጎም ጥርዚ ሃራም አብ ዝዓረገሉ ናይ መቐይሮ መድረኽ ማፍያዊ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ አብ ዘይፈልጦ ጎደናታት ሽኩሽኳ አትዩ ከደናግር ምፍታኑ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ምልክታቶም ኢዩ፡፡ ህዝቢ ነታ ናይ ንቕሎ ፊስካ ክሰምዕ ኣእዛኑ ኩር ኣቢሉ’ዩ ዝጽበ ዘሎ፡፡ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን፡፡ ማዕበላዊ ውሕጅ ህዝቢ ኣሰር ዘይብሎም ከምዝጸራርጎም ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

2ይ ክፋል ይቅጽል
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!
ዘልአለማዊ ዝክሪ ንሰማእታትና!
ሚኪኤል እምባየ (አራንቺ)
aranchi 03 yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Dawit September 28, 2011

    Well said ! Aranchi

    You have brought up very good points of which Issayas’s apparent preparation for future talks with Ethiopia which should raise alarm. His calculating move is becoming clear as you correctly stated. For example, why has the regime suddenly started addressing Ethiopia appropriately?

    Assuming the regime has succeeded reestablishing relationship with ethiopia , it can use Ethiopia as a means for yet another ends- the ends could mean the represstion , subjugation and extortion of hundreds of thousands of Eritreans in Ethioipia. His grand scheme , however, could likely be the elimination of Eritrean opposition forces from Eritrea.

    There were no diplomatic cards on the negotiating table between Eritrean and the United States during his stay in the United States. Issayas failed miserably. No official from the United States met with the tyrant. He was not even allowed to get out of New York. As a result, issayas took out his frustration by blaming everything on America. Please take a look at Issayas interview with VOA. VOA Interview

  • ተ.መድኅን September 29, 2011

    ኢሳያስ ንድምጺ ራዲዮ ኣኤሜሪካ ኣብዝሃቦ ፡” ኣነ ብኮንትራት ዝሰርሕ ኣይኮንኩን ” ኢሉ።እወ ናይ ግዜ ገደብ ይኹን ቅዋም ዘዮኣግተኒ ከምድላየይ ፍንጥርያኦ ዝብል ዕዋላ’የ ማለቱ።ዩ።

    • Dawit September 29, 2011

      YOU stated it correctly. Issayas , in no uncertain terms, told the world that he is accountable to no one. He said he answers to no body. It’s only an entrepreneur, a sole owner of a business, can say he pays himself , no one pays him because it’s his own business. Similarly, Eritrea, in the eye of the tyrant, is his property-he is a land lord.

  • henok September 29, 2011

    aranchi elama teleka fiska ititsebe kid ab megedi tirekibo eka srah sebay giber sigir bahri koinka seb itehimim , kem kaliot merehti ikonen b oral teajibu ikeyidin eyu kid srah sebay giber elama teleka himam

    • Ahmed Saleh September 30, 2011

      Aranchi hawey, you and others like you , using your intelligence and wisdom to inform Eritreans readers is your
      obligation. Beleive me a lot of us are enjoying it . Keep it up and always be in control and positive. You know we lost
      our childhood friends in Eritrean struggle , still they are trying to sideline one onother.NO MORE. Let them know ,
      we have strong will toward our people and nation.
      NB: Do not give consideration for those who try to intimidate. [ KUBUR YEKHBREKA, HUSUR YEHSEREKA]

  • aygidu December 24, 2011

    well done aranchi etom akalib yinbihu nisika ghin guezoka ketsil habrena tifelto

  • aygidu December 24, 2011

    well done aranchi go on writing and forgot and le the dogs bark and pull the camel

  • ሚካል December 30, 2013

    ወይ ኣራንሺ ትገብር ! ካብ ቓጨሮ ሃዲምካ ‘ ዘሎን ዘየሎን ዛንታ ፈጢርካ ‘ ነቲ ዕላል ኣብ ታሪኽ ! ዑረት መንእሰያት ዝጀመርካዮ ” ምህባብ” ስራ ምድላይ ሙዃኑ’ዩ ፣ ኣብዚ ከኣ ተማዕድዎ ኣሎኻ።
    ኣየ ‘ከ’የ ድየን ዝበላ

  • ቪቭያን December 31, 2013

    ኣብ ገድሉ ዝፈልጦ ቦታ “ ሓልሓል
    መዓርጉ ኮብራል
    ዝጸልኦ ነገር ሞራል”

Post a Reply to aygidu Cancel Reply