Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነስርዓት ቐብሪ ኣቶ ኣማረ ገብረማሪያም ብዓርቢ 18 ግንቦት ኣብ ኣልመዳ, ካሊፎርኒያ ቤተሰቡን ብርክት ዝበሉ ተቓለስቲ ለውጢ ንዲሞክራሲ ኣብ ዝተረኽብሉ ተፈጺሙ፡፡

ኣብቲ ስነስርዓት ቐብሪ ዝተነበ ሓጺር ታሪኽ ኣቶ ኣማረ [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/05/Amare_Funeral.pdf"] አ

ኣብቲ ስነስርዓት ቐብሪ ዝተነበ ሓጺር ታሪኽ ኣቶ ኣማረ

…   …   !

ዲሞክራሲ ኢሉ ዝስተምሃረ

ውልቀ ምልክነት ቅድሚ 40 ዓመት ዝሓበረ

ጉልበቱ ንሓፋሽ  ዝገ’በረ

ጊዚኡ ንህዝበዩ ዝበለ

ፍልጠት መፍትሕ ምኻና ዘስተብሃለ

ፍልጠቱ ንኤርትራውነት ዘካፈለ

ጽኑዕ ኣብ መትከሉ ዘትከለ

ተመሃሩ ኢሉ ዝመሃረ

ታሪኽ ህዝቡ ኣብ መዝገብ ዝወቐረ

ጸኒዑ ንህዝቡ ዘትረረ

ጸኒዑ ንቤተሰቡ ዘኽበረ

ኣጆኹም ንለውጢ ኢሉ ዘማኸረ

ኣንጻር  ውልቀ ምልክነት መንጸፍ ዘንበረ

ድሌት አንተሎ መንገዲ ኣሎ አሉ ዘትረረ

(If there is a will, there is a Way!)

ምኻድሲ ብኣካል ኬድካ

ሰረት ዲሞክራሲ ኣንጺፍካ

ጽቡቕ ታሪኽ ነባሪ ምኻኑ ኣዘኻኺርካ

ብመንፈስ ግን ወትሩ ኣብ ቓልስና ኣለኻ

ኣ…   ማ…   ረ!

ዳኒኤል መሓሪ, May 2013.

መልቀስ
ንመምህር ኣማረ ገረማርያም
ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!
ወዲ ኣይተ ገረማርያም ኣንታ ኣምረ
ክብለካዶ ብህጻኑ በትሪ ዝዓተረ
ካብ ዓዲ መንጎቲ ቲቦ ዝተማህረ
ቀጺሉዉን ሳንጆርጆ ዝደመረ
ንፉዕ ተማሃራይ ብኑእሱ ዝተረረ
ከይተመልሰዓዱዶ! ኣብ ደገ! ሓደረ።
ወዲ ኣይተ ገረማርይም ብንእሱ
ንትምህርቲ ኣንጊሁ ገስጊሱ
ማህደሩ ተኾልኹሉ ድንቑርና ጥሒሱ
ንኽምህር ሳንጆርጆ ተመሊሱ።
ኣንታ ክንደይ ካብኻ ተማህሩ
ክንደይከ እዮም ብኣኻ ዝተመኽሩ
ሃገርዊ ቓልሲ ብኣኻ ዝተነግሩ
ተኣኪብኩም ብሓደ ትዝምሩ
ክንደይ እኮ ኣሎ ታሪኽ ብዑቑሩ
ገና ዘይተነግረ ብዙሕ ተሰቲሩ
ዝወጹ ኩሎም ብዙሕ ነይሰረሩ
ኣሎ ገና ዝወጽእ ዛንታ ብዝርዝሩ
ኣለዉ ብዙሓት ግዳም ዝሓደሩ
ካብ ሳንጀርጆ ምሳኻ በርኻ ዝወፈሩ
ንነጻነት ሃገር ኣብ ባርዕ ዝሓረሩ።
መምህር ኣማረ ወዲ ዓዲሞንጎቲ
ዓዲ ጀነራላት ዓዲ ትልንቲ
ዓዲ ሰብ ስረ ዘይብልካ መዳርግቲ
ወዲ ኣድከመ ምልጋእ ወዲ ሓገግቲ
ዓንዲ ማእከል ንሕጊ ተርጎምቲ
ጻዕዳ ጣፍ ትዘርእ ብዓል ርስቲ
በዓል ዑና ኢኻ ብዓል ጉልቲ
ካብ ቀደም ዝጸንሔ ካብ ጥንቲ
ምስ እንዳ ሃጸይ ፋሲል መዋስብቲ
ወዲ ማይተኸላ ኣርሒቑ ጠማቲ።
ኣማረ ሓወይ ሳንጀርጆ ዝተማህረ
ብብዙሓት ተናኢዱ ዝትኸብረ
ፍትሒ ንኽደሊ ግዳም ዝሰፈረ
ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ዘይቀየረ
ተስፋ ዘይቖርጽ ኣንጊሁ ዝመኸረ።
ሳንጆርጆ ንድሕሪት ገዲፍካያ
ክንደይ ጀጋኑ እኮ እያኣፍርያ
ሲኢና ተመላሊሱ ዝርእያ
ሓደ ጅግናዶ ምተሳእነ ብዓልቅያ
ደቃ ኣጥፊኣቶም በይና የዕነንያ
በብሓደ እናፈረሰት ኩላ ዓንያ።
መምህር ሓወይ ኣንታ ተጋዳልይ
ብማዕረ ትርኢ ንኹሉ ሓላያይ
ብቖላ ጀሚርካ ንኸበሳ ላዕላይ
ነብሪዶ ክብለካ ንጸላኢ ሃዳናይ
ሓኔታዶ ክብለካ ፋረ ኣሳራይ
ብዓል ዘንጊ ኣብ ባይቶ መጓታይ።
ኣንታ እንታይ ዘበን ገጠመና
ፍትሒ ንኽንደሊ ሓለፈ ዕድሜና
መርገም ስንቁ ነጊሱ ኣብ ሃገርና
ድንጋጼ ዘይብሉ ኣረመኔ ንጉስ ዓድና
ዝተሰደ ዓዱ ንኸይንቕበር ከልኪሉና
ኤርትራዊ ተመልከት ክንደይ ተገፊዕና።
ተጋዳላይ ኣማረ ብዓል ድርብ ስረ
ነጻነት ከም እትመጽእ ቀደም ዘበሰረ
መዛዘሚ ንኽገብር በረኻ ሓደረ
ኣብዝኸዶ ከይዱ ህዝቡ እናማሃረ
ድንቁርና ንኸጥፍእ መጽሓፍ ዝዓተረ
ናይ ዓለም ግዜኻ ሰዓት ካብ ተኸብረ
ኪድ እምበር መን ኣሎሞ! ዝነበረ
ሰሪሓካ ደኺምካ ኣይይጥዓምካ ዕረ
ክቕበሉኻእዮም እቶም ዝሓለፉ ሰብ ስረ
ወልደዳዊት!! ስዩም!!ገብረኣምላኽ ክንዝክረ
ንገሮም ሓርነት ገና ኣይተኸብረ
ቃልሲ ቀጺሉዩ ዉሒዶም ሰብ ስረ
ብሸፋቱ ህግደፍ ሃገርና ገረረ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣሎ ዘይተነግረ።
ድሓንኩን ክሳብ ንስዕበካ
በል ዕረፍ ሕጂስ ይኣኽለካ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ቃልሲ በዚሑካ
በልኪድ ካብ ኣኸለ ሰዓትካ
ክርስቶስ ኣብ መንበሩ ይቀበልካ
ስድራ ቤት ኣማረ ጽንዓት ይሃብኩም
ጽቡቕ ስም ገዲፉ እዚ ጅግና ኣቦኹም
ዝዓበኹም ኮነ ዝነኣስኩም
ደምበ ተቛውሞ ኣጽንዑ ብረትኩም
ቀጽልዎ ቃልሲ ብዙሕ ሕድሪ ኣለኩም
ሓራ ክትከውን ኤርትራ ሃገርኩም
ከይጸነተ ብሸፋቱ ህግደፍ ህዝብኹም።
ተኻፈሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ(ተማሃራይ ሳንጆርጆ)
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
17 ግንቦት 2013

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Genet May 20, 2013

    Mr Amare, RIP.
    Genet

  • ahmed saleh May 21, 2013

    Glad he passed away with pride as patriotic Eritrean .
    GOD BLESS HIM .
    Him and others like him will stay as our mentors to follow their path of determined political struggle .

  • Hederi May 21, 2013

    May his soul rest in peace

  • MightyEmbasoyra May 21, 2013

    RIP Amare.
    He was a “standup for his people” guy!

  • ካህሳይ ገረዝጊሄር May 21, 2013

    መምህር ኣማረ፣
    ብሐቂ መምህር፣ አነ እውን ኣብ ሐደ ዝተውሰነ እዋን ተማሃራዩ ነይረ። ከምቲ ዝጠቀስኩምዎ ድማ ቅኒዕን ተሪርን መስተውዓሊን 2 ገጽ ዘየብሉ ቅኑዕ ምንባሩ ምስክር ኢየ።
    መምህር ኣማረ ጸረውጽዓ ኣድልዎ ዘይፈቱ ኣብነት መምሀር ኢዩ ነይሪ። በቲ ትሑት ኣንደበቱ በቲ ተሪር ኣቀራርባኡ ንኩሉ ብማዕረ ክ ኣልን ክሕብሕብን ጽግጥ ዘይብል መምህር ኢዩ ነይሩ።
    መምህር 32 ዓመት ኣይተራኸብናን ግን ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ኣፓል ምስ ቀረበ ብ ኢመይል ተራኺብና ደቃይቅ ኣይወሰደሉን ንክዝክረኒ፤ እዚ ኣብነት ናይ ተገዳስነት ኣን ርእሲ ተማሃሮኡ እዩ ዝሕብር። መምህር ኣማሪ ክምፍልጠቱ ዓቅሙ ትዕቢትን ንዕቀትን ዘየዘውትር ንሕማቅ ነገር ሽለል ወይ እውን ፍርሂ ዘይፈልጥ መምህርን ተቃላስይን
    ነይሩ።
    ሕጂ እውን ሰንጣቂ ኣረኣእያ ዘለዎም ተቃለስትን ምኩራትን ኣጥፊእና።
    ንመምህር መንግስተ ሰማያት ን ዘለዉ ስድራቤት ጽንዓትን ራሕስን
    መምህር ብሰላም ዕረፍ ሞያኻ ዘለዕለማዊ ኢዩ።
    ካሕሳይ

  • Sahle Habtegabr May 21, 2013

    What a manner of Hero!

POST A COMMENT