Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም ብዕለት 26 ሕዳር ብሓደጋ መኪና ዝተሰውኡ 2ተ ዕሸላት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ተኻይዱ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም  ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝተንከፈ ዘሐዝን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክልተ ኮዋኽብቲ ስነ_ጥበበኛታት መርሃዊ ቀሺ ስብሃት-ለኣብን ዮናስ ዮውሃንስ ወዲ ኪኮን ብሓሙስ 01 ታሕሳስ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም  ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ዝተንከፈ ዘሐዝን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክልተ ኮዋኽብቲ ስነ_ጥበበኛታት መርሃዊ ቀሺ ስብሃት-ለኣብን ዮናስ ዮውሃንስ ወዲ ኪኮን ብሓሙስ 01 ታሕሳስ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ተፈጺሙ።

እዞም ድሕሪ ዕለተ መስዋእቶም ክሳብ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቦም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኣብ መጽንሒ ቦታ ንኣርባዕተ መዓልታት ብኽብሪ ተቐሚጦም ዝጸንሑ ዕሸላት ስዉኣት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊ ስደተኛታትን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትጵያውያንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ኣብ’ቲ ህሞት ኣብ ነፍስወከፍ ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፈ ቀባራይ ናይ ምእማኑ ዘጸግም መሪር ሓዘን ገጻ-ባህርያት ይንጸባረቕ ኔሩ። ዝርንዛሕ ንብዓት፡ ዋይዋይታ፡ መሪር መልቀስ. . .  ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን ብዝመልኦ መንፈስ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።

ንመወትቲ መንግስተ ሰማይ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ንምነየሎም።

በዚ ኣጋጣሚ እቶም ኣጉል ብድዐ ዓብሊልኩም “ሕማቕ ተረኺቡ፡ ጽንዓት ይሃብኩም. . ወዘተ ክትብሉ ዝግባኣኩም፡ ኣብ ክንድኡ እዞም ዕሸላት “ስዉኣት” ስለ ዝተባህሉ ሕማም መርዘን ዝሓዘኩም፡ ኣብ ገጻት ኢንተርኔት ኣብ ዘይእዋኑ ኣብ ዘይጠቅም ሓሸውየ ኣቲኹም ዘይጠቅም ስነ-ሞጎት ኣልዒልኩም ትህውቱቱ ዘለኹም ባሃማት፡ ኪንዮ ምቅዋምን ምድጋፍን “ሰብኣውነት” ዝባሃል ኣምር ከምዘሎ ነዘኻኽረኩም ኣለና’ሞ ዓይንኹም ክፈቱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT