Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ

"ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ እቲ ጕያ ወዲኤ፣ ነታ እምነት ሓልየ" (2ጢሞ 4፣7)። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ፣ ብዘጋጠሞም ናይ ማኪና ሓደጋ ሓሙስ 14 ጥሪ 2016 ብሞተ ስጋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ ኣብ ካናዳ ከተማ ፎርት-ማክመሪ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ

“ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ እቲ ጕያ ወዲኤ፣ ነታ እምነት ሓልየ” (2ጢሞ 4፣7)።

ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ፣ ብዘጋጠሞም ናይ ማኪና ሓደጋ ሓሙስ 14 ጥሪ 2016 ብሞተ ስጋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ ኣብ ካናዳ ከተማ ፎርት-ማክመሪ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ዮሃንስን ኣገልጋሊ ዝነበሩ ኣቦ እዮም።

ናይ ኣቦና ስነ ስርዓት ቀብሪ 23 ጥሪ 2016 (14 ጥሪ 2008 ግዕዝ ) ኣብ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ማርቆስን ኤድመንተን

St Mary & St Mark Coptic Orthodox Church
5803 11A Ave NW Edmonton, AB T6L 6A8

ክፍጸም እዩ። ጸሎት ዝጅመረሉ: 8፣30 ንጉሆ ጀሚሩ መስዋእቲ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ክግበር ኢዩ።

ርደተ መቃብር ስጋ ኣቦና፣ ብካህናትን ዲያቆናትን ተሰንዩ፣ ኣብ

Glenwood Memorial Gardens & Funeral Home
52356 Range Rd 232, Sherwood Park, AB T8B 1K4, Canada

ከተማ ኤድመንተን ዝርከብ መካነ መቃብር ሓመድ ክለብስ ምዃኑ ብትሕትና ንገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ ንምባል፣ ናብ ኣዳራሽ ቤተክርስቲያን ግብጺ ክንምለስ ምዃና ንሕብር።

ምሉኣት ስድራ ቤት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • abyssinia January 19, 2016

    I learned from the Geneva Demonstration that Abba Haileab was great priest who stood fast for justice and human rights. May the Almighty God rest your soul in peace.

POST A COMMENT