Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስውርቲ ሰልፊ ገበነኛ ዲያ?

ስውርቲ ሰልፊ ገበነኛ ዲያ?     04.02.16፡ ብዘይጥርጥር ገበነኛ! ዋላ ምሒር ድኽነት ፖለቲካ ወይ ስስዐ ነብሲ ይሃልወና ነዚ ህግደፍ ከም ድርዒ፡ ሰልፉ ድማ ከም ርቂ ገይሩ ህዝብናን ሃገርናን ዘጽንት ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ከመይ ከደናግረና? መቸም ኢሳይያስ ሰውራና ከዕኑ

ስውርቲ ሰልፊ ገበነኛ ዲያ?     04.02.16፡

ብዘይጥርጥር ገበነኛ! ዋላ ምሒር ድኽነት ፖለቲካ ወይ ስስዐ ነብሲ ይሃልወና ነዚ ህግደፍ ከም ድርዒ፡ ሰልፉ ድማ ከም ርቂ ገይሩ ህዝብናን ሃገርናን ዘጽንት ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ከመይ ከደናግረና? መቸም ኢሳይያስ ሰውራና ከዕኑ ብንጉስ ሃይለስላሰ ተላኢኹ ምግ ዳሉ ዝቐተሮ ኣኽባር’ዩ። ንሶም ኣመሪካ ነቲ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ከበርዕን ዝለኣኽዎ ኢሳይያስ ከተሰልጥነሎም’ኳ እንተተላበዉ፡ ኣመሪካ ግና ሰውራ ድሮ ተጀሚሩን ሓይሉን ብምንባሩን ንርእሳ’ውን ብጉዳይ ናጽነትና ከም ተሓታቲ መጠንን ነቲ ናይ ኢሳይያስ ጸረ-ሰውራዊ ተልእኾ ሰረዘቶ። የግዳስ ከምቲ ናይ ቻይና፣ ኩባን ቬትናምን ዝኣመሰለ ህዝባዊ ሰውራታት ተሰኒፋ ብምንባራ ዓወት ኤርትራዊ ክድረቦ ኣይፈቐደትን ኮይናስ ንኢሳይያስ ናብ ረብሓኣ ከተአንፍቶ ተጣበበት። ኢሳይያስ ጸረ ኣመሪካ ኢዩ ያኢ!!!!

ብትሕተ-ሃገራውነት ዝተመልመለ መራሒ ንናጽነት እንዳተቓለስና ንናይሓዋሩ ናጽነት ዘዕኑ ፖለቲካ ንጸፊ ምንባርና ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ድርቀት ሕግን ቁጠባን ቀንዲ መርኣያኡ ኢዩ። “ኢሳይያስ ብከመይ በጽሖ?” ኢልና ነገር ከነሐድሶ’ኳ እንተዘይደለና ንምጥ ቃሱ ዝኣክል ግና እቲ ጥበብ ምስረታ ስውርቲ ሰልፊ ምንባሩ ንጠቅስ። ስለዚ ብሓጺሩ ሰልፊ መሓውር ኢሳይያስ ኢያ። ነሳ ብሳንቡ ኡ ተተንፍስ ንሱ፡ ንሱ ንሳ። ልቦም ሓንቲ ዓላማኦም ሓንቲ። ከምታ ንሱ ንስዉር ዓላማ ዝተዓሰበ ንሳ’ውን ብብላዕ ተዓሲባ ኣሕዋ ታ፡ ህዝባን ታሪኻን ተጽንት ኢደቤዛ ፈጣሪኣ ብምኳና ንሱ ብሳላኣ ብዘይታሪኹን ሃገራዊ ዓላማኡን ዝተኾለዐ ሰብ ኮይንልና።

ኣብ 94 ዝተገብረ ጉባኤ፡ “ህግደፍ” ዝብል ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓድሽ ውደባ ከም ቆፎ፡ እታ ሓዳስ ሕብእቲ ሰልፊ ድማ ከም ንህቢ ክትመስለልና ዘይተገብረ ጎስጓስ ኣይነበረን። ወዮ ግሩህ ሰብና ድማ ብዘእምነቱ ጥራይ መልሓሱ ንወለላ ናይቲ ዘይቀመሶ መዓር ከተ ምዕሮ ኣዘዛ። እንተኾነስ ህግደፍ ብንጉሁኡ ነቲ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ሰለስተ-ምኢቲ ሚሊዮን ዶላር ከምዘለቅሐት ምስ ኣቃልሐት ብኡ-ንብኡ ወለላዊ መቐረታ ዓርዒሩ ዝምድና ህዝብን ግንባርን ብዘይትን ማይን ተመሰለት’ሞ እታ ኣብ ዝበሪኽ ዝተሰቕ ለት ቆፎ ህግደፍ ዝሰተረቶ ተዋፋሪ፡ መዓር ዝሕለብ ንህቢ ዘይኮነ ሕንዛም ዕኮት ምኳኑ ከምተኸሽሐ መድረኻዊ ዕላል ኮይንልና ሓ ለፈ። ስለኡ ሎሚ ሃገርና መፈተኒ ኩሉ ዓይነት ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ቤተ-ምርምር ኮይናትልና እንሀት። ንኣብነት፦

ኢሳይያስ ኣብቲ ካልኣይን ዝረቐቐን ጽፍሒ ዕሱብነቱ ዓቕሚ ሰብና ኣዳቒቑ ዝተረሰየት ሃገር ክሰርሕ ብምንባሩ ንተግባራውነቱ ዝተ ጠቕመሉ ብልሓት ድማ ብምስሉይነት (Narcissism) ዝተባዕጠ መላኽነት (dictator) ኮይኑ ሕጊ-ኣልቦነትን ቁጠባዊ ማሕንቖን እ ተን ቀንዲ ካራሩኡ’የን። ንበል ትማሊ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እንተኣቕሊብኩም፡ ምቕያር ባጤራ ንር እሱ ብልሽውና ንምቁጽጻር ከምዘመኽነየሉ ሰሚዕና። ብልሽውና’ሞ ደመ-ነብሲ’ቲ ስርዓት ብምዃኑ ንመን ከድሕን ክከላኸሎ? ጸኒ ሑ ምስጢሩ ምስተመርመረሞ፡ ገንዘብ ምሕናቕ ዘድለየ ኣየነይቲ ስድራን ብከመይን መዓስን ትምርዖ ከምዘላ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምኳኑ ተረጋጊጹ’ሎ። እዚ ማለት ብፍላይ ጸረ-ህግደፍ ምዃነን ዝፍለጣ ስድራታት ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ክቆጻጸረንን ዝበርሳሉ ር ቂ ጽንተትን ክርአ’ዩ። እንተራህሪሁ’ታ ስድራ ንከይትስስን ዘጽንት ትኽተብ ትኸውን። ካልእ ንምውሳኽ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ።

እታ ቀዳመይቲ ፈተነ፡ ህዝብታት ንፖለቲካዊ መሰሎም ክቃለሱ ግቡእ’ኳ እንተኾነ ግናስ ብሰላማዊ መገዲ (Nonviolence) መሰል ክረጋገጽ ከምዝከኣል ይጉስጉሱ። ሓደ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ሃገሩ ዘምለሰ ህዝቢ ክንዲ ዝተኸፍለ ሂወት፡ ግዜን ማልን ይከፈሎ ዝተቓለ ሰሉ ዓላማ ከመይ ከምዝብርዕንን ዕጥቁ ከምዘውርድን ካብ ዝፍተን’ውን ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። እሞ ብቋንቋ ‘ሓንቲ ዓለም’ ወዮም ሰብ ጎነጻዊ ዓወት ድሮ ፍሩዳት እንዲና፡ ከምተን ከምፈኸርእን ዝገበራ ንከይንኸውን ምእንቲ ዕጥቅና ብከመይ ንፈትሕ ኢዩ’ቲ ዝፍተን ዘሎ ጥበብ። እዚኣ ድማ እታ ዝረቐቐት ናብ ጊላነት ዝደቕደቐትና ዳሕረወይቲ ተልእኾ መራሒና ምዃና ክንጠቅስ ግድን ይኾነና።

ቀደም ዘመን እተን ጊላታት ከካብ መረበቶም ሓኒቐን ዝሽጣን ዝዓደጋን ሎሚ ባዕልና ተሰሪዕና ምስመጻናየን ጊላነት’ውን ትሕቲ ንቡ ር ሓሲሩ ከምዘሎ ይርአ እንሀ። እሞ ሓደ መዓልቲ እንተሓሊፍልናስ ከምቲ ብመልክዕ ሰብኣውነት ዝዓደላና፡ ዜጋታተን ወረቐት መ ንነትና ክንዕድለለን ከምዝጽበያ ዘይርዳእ ኣብዲ ክኸውን ኣለዎ። እሞ ከምቲ ብዓለሙ ተዘሪእና ዘለና፡ ከምቲ ድማ ዜግነትና ኣብ ሃ ገራት ኣዕራብ ዝተሸጠ፡ ንብዓለማ’ውን ናይ ሃገርና ዜግነት ክንህብ ምስትሕተቱ መልስኹም እንታይ ምኾነ?

ቃል ሰንዲኻ ሓኸፍ-ሓኸፍ ኣይኮነን። ኪኖኡ ዘሎ ዝረቐቐ መስገደል ኣቕሪብኩም ጠምቱ! ማለተይ ሃገርና መሬት ዝንጉሪዕ (ሕብሪ ኣከቦ) ከምትኾነልና ድማ ኣስተውዕሉ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ሽዑ ሕጊ ወፍሪ ርእሰማል ገንዘብ ንዘለዎ ስለዝፍቀድ ንሕና ነቶም ጸ ዓደ ዜጋታትና ክንወዳደሮም ንኽእልዶ? እንተዘይከኣልና “ጸዓዱ ይውጽኡልና’ ክንብል ዲና ክንእድም? ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን ግ ና ባዕልኹም መልእዎ። በሉትርጉም ሓንቲ ዓለም ከምኣ’ያ’ሞ ነብስኻ ዘይምኽኣል ጽባሕ ዘምጽኦ መዘዝ ካብሕጁ ክሕሰበሉ ኣለዎ።

እዚ ኣዚዩ ህርኩት ዕሱብ ዕጥቅና ክወርድ ግድን ሰብና ክሃልቕ ከምዘለዎ ስለዝተነግረ፡ እንሆ ኣስሓኾን ሃገራዊ ስምዒትን ብዘይብሉ ንጉሆ-ንጉሆ መርድእ ኣርካናት ክእወ ንሰምዕ። ዕጥቁ ዘውረደ ከመይ ነብሱ ይከላኸክ” ከመይከ መሰረታዊ ለውጢ ይምነ? ግናድማ ሰብ መሰሉ ዝሓተተሉ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ካብተሓረሞን ብዘይጎነጻዊ ተሰሪዑ መሰሉ ክሓትት ካብዘይከኣለን፡ ተሰሪዑ ኣብ ባሕሪ እ ናተደርገመን ኣብ ዝኣተዎ እናጨርሐን ዓለም ከምትዕጀብ ክገብራ ኣይተጸገመን። እሞ ህግደፍ ንህዝብና ክሳብ’ታ ትካኣሎ ገይርዎ ኣ ሎ። እንተኾነስ እቶም ገላዩ ግብጻውያን ዝነበሩ ኢስራኤላውያን’ውን’ኮ ዓዶም ተመሊሶም’ዮም! ‘ቲ ሕንቅልሕንቅሊተዩ እዚ ትማሊ ዓለም ዘደነቐ ተጋዳላይ ህዝቢ ከመይ ኣብ ሕቕፎ ከምዝኣተወ’ዩ። ዝኾነ ኮይኑ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ብሓያል ወኒ ግድን ሃገርና ከምንምለስ ንተኣማመን ኢና። እንተ’ቲ መልክዕ ፖለቲካዊ ቤተ-ምርምር’ሞ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ዓለማውያን ፈላጣት ዓለማዊ

መጻሕፍቲ ከምዝጽሕፉልና እናተኣማመንና ንሎሚ ዝጠቐስናዮ ይኣክል።

ዓላማ ጽንተት ብሰፊሑ ከምዘዕለልናሉ መጠን፡ ፈጻሚቱ ሰልፊ ህግደፍ ኮንትሮባንዳዊት’ምበር ሕጋዊት ከምዘይምኳናን፡ ኣስተዋጽ ኦኣ ድማ ንኤርትራዊ ወዲኣይተነት ንምምብርካኽ ጥራይ ከምዝኾነን ዘይፈለጠ ኣይህሉን። ኣባላታ‘ውን ዘቑጸልጸሉ ኢዮም። መብዛ ሕትኦም ብኣሰራርሓ ሰልፎም ኣይሕጉሳትን’ኳ እንተኾኑ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ኣብ ውሽጢ’ዛ ሕብእቲ ሰልፊ ብዙሓት ጨናፍር ከ ምዘለዋ’ውን ብዓቕመይ ድሮ ገሊጸዮ ኣለኹ። ሓንቲ ካብአን ጉጅለ 03 ኢያ። ወያ ነቲ ክመስል ዝተደለየ ምስሊ ተምስል ቀባኢት!

ኢሳይያስ በዛ ለቕላቒት ኣሃዱ ንነዊሕ እዋን ልቕሉቕ መንነት ሒዙ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ኢቲዮጲያ ንርእሳ ምስጢራ ንከይኽሻሕ ከ ምጸላኢቱ ብዛዕባኡ ክቱር ትጉስጉስ ብምንባራ ነተፈታውነቱ ኣስተዋጽኦ ነይርዋ። 03’ሞ ነቲ ንኢሳይያስ ክቐትልዎ ከምዝተላእኩ እ ናጠቀነት ዝሕለፈቶ ሰብና ዝዝከርሉ ግዜኦም ኣለዎም። እናሳዕ’ውን ኣብ እምነታትን ልምድታትን እናኣተወት ድርዒ መራሒኣ ተርጉ ድ ነይራ።

መቸም ሳላ ምዕጎ ድሙድሙ ዘይተመከተ ሽርሒ 03 የለን። ክሳብ ኢሳይያስ መሳቅልን ኣእዳው መሻይኽን ክስዕም ርኢኹሞ ኢኹ ም። ዓላማኡ ብሃይማኖታዊ መገዲ ዝክር ክበዓለሉ ምስለሓዀ ገለ ካብ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክስ ስለዝመከቱ ከምዝበርዓነ ሰምዐት እዝ ኒ። ፍቕዶ እንዳ ጠንቋሎ ከከይዱ ማሪት ከዝሩሉ’ውን ዘይገበሮ የለን። ግናስ ኣይከምቲ ነተን ፍርቂ ህዝብና ዝኾና ደቂንስትዮ ዝገበ ረንን። ንሱ ብአአን እንተተፈትዩ መደቡ ከምዝሰልጦ ኣሚኑ ክሳብ ኣብ ጸጋመይቲ ምዕጉርቱ ናይ መስተፋቕር ጸላም ብሮት ከምተወ ቀጠ ደርጎሖቶ ምዕጎ ድሙ-ድሙ። ሓቅነቱ ግዳ እዝገ-ነየፍለጠኒ! ግዳስ ንሱ በቲ እዋን’ቲ ከም ኣርሓ ገመል ብፍትወት ሕሩያት ደቂ -ሄዋን ተሰኒፉ ክዓፍር ምስጀመረ፡ 03 ኣብ ማእከል ከተማ ስግኣት ጸጥታ ከምዘሎ ፈንያ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትእግድ’ሞ ንሱ ግና ድ ምብጃን ዊስኪ ከፊቱ እናግብአ ውኖኡ ስሒቱ ክዕውል ዝሓደረሉ ኣይወሓደን። ጉጅለ 03 ነዚ ነውራም ስራሕ ኢሳይያስ ከተውግዕ “ንሱስ ኣይ ሰብ እንድዩ? ክዘናጋዕ ኣይግብኦን ዲዩ?” ክትብል ተጋደለት። ውጽኢቱ ክርአ ልዕሊ ደርዘን ከምዝወለደልና ተሰምዐ። ክ ሳብ እቲ ብናይ ወዲባካሮ ዝተዘርበሉ ወላድ’ታ ጋዜጠኛ’ውን ናቱ ምዃኑ ተወረየ’ሞ ሽዑ ዓርክና ወደባቴ ክዋዘ “እንኳዕ ወረ ከምሰ ቡ ሓንቲ ጥራይ ሃለወቶ። መሬት ብጎበጨረ መዕለቕለቓ” ክብል ኣዛነየና። መሳርሕቲ ከምዝሰኣነ ተመሲሉ ዝግበር ድራማ’ሞ ክንደ ይ ክበሃል! ሸባጢት ሕብሪ ብዙሓት ከምኣ’ውን ኣለዋ ግናስ ከፍአ ናይታ ኢዳ ኣብ ደም ዝጠምዐትን ዝተሓጽበትን ጉጅለ ወጋኒት!

ማንም ስብ ዝውገኑ እናረኣየ ብዛዕባ ከመይነቱ ምሕሳቡ ገበን ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ’ታ ኮንትሮባንዳዊት ሰልፊ ክሳብ ማእሰርትን ሞትን ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዘሎ ኣብ ግዜ ኣባልነት ይመሓለሉ ኢዩ። እናተሓድረ ኣብቲ ጸሊም ትካል ‘ወግዓውን ጸሊምን’ ዝዓይ ነቱ መቕዘፍቲ ከምዘሎ ይቕላዕ። አዚ ማለት ኢሳይያስ ምስ መሳርሕቱ ዝዋስኣሉ ብስም “ሃገራዊ ድሕነት” ብዝፍለጥ ትካል ከም ወ ግዓዊ ዝውሰድ ስጉምቲ ኣሎ። ኣብዚ ንቡር ዝመስል ስራሕ ጸሊም ፍርዲ ድማ ንተፈጻምነቱ ናይ ይምሰል ሕጋውነት ክለብስ ሙሉ እ ደገፍ ፌርማ ኣባላት ሰልፊ ከምዘድሊ ይንገር። እዚ ከምቲ ባህ ክብላ ዱባ ዝጽበሓላ፡ መሐጎስ ዓሻ ተባሂሉ ዝተወጠነ ተንኮል’ዩ።

ክቡር ኢሳይያስ ንብሕቱ ዝገብሮ ድማ ብሕቡእ ሓይሊ ዕማም ዝፍጸም ዝጸለመ ሕመረት ገበን ከምዘሎ እናኣዘኻኸርኩ ሕሉፋት ብሕቱዋት ቀተልቲ ከምዘለውዎ’ውን እምልእ። እዞም ናይ ብሕቱ ተላኣኣኽቲ ሓሳብልቡ ምስፈጸሙሉ ምእንቲ ክስተር ተጠቒሙ ክ ዓልዎም ውሁባትን ቅሉዓትን ኢዮም። ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ቅትለት ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ።

ብላዕሊ-ላዕሉ ክርአ ጠንቂ ኩሉ መቕጻዕቲ “ጠሊሙ፡ ተላኢኹ፡ ኣኽሪሩ” እናተባህለ ዝስናዕ ጠቐነ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተባህለ እንተተባ ለ ሓቁ ግና ተጠቃዕቲ ንህዝቦም ዝቖሙ ሓቀኛ ሃገራውያን ብምኳኖም ጥራይ ኢዩ። ስለኡ ዝኾነ ኣባል ኣሰሓኾ ተሰሚዕዎ ክቃወም ዘኽእሎ መሰል ብዘይምህላዉ፡ ብኣቦ ወንበር ሰልፊ ብዝዕብለል ኮሚተ ወይድማ ብውልቁ ዝተወሰነ ፍርዲ ክፍርምን ክፍጽምን ግ ዱድ ኢዩ። ንበል ክልቲኦም ሰብ-ሓዳር ኣባላት ሰልፊ እንተኾይኖም ሰበይቲ ሰብኣያ ክቕዘፍ ክትፍርም ኣለዋ። ሰብኣይ’ውን ኣብ ርእ ሲ ሰበይቱ ንዝፍጸም ገበን ተቐቢሉ ብሽመት ኤምባሲነት ኬኒያ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ክምደብ ይኽእል። (ኣብዛ ኣብነት’ዚኣ ኣመዓባ ብላ ክሕደትን ፍትወተ-ነብስን ተገሊጻትልኩም ትህሉ) ክልቲኦም ኣብ ርእሲ መጻምዶም ንዝውሰድ ግፍዒ እንተኾኒኖም ድማ ክል ቲኦም ንሕልፈቶም ይቕፈዱን ይጸንቱን። ጸነትቲ ወለዲ ምናልባሽ ነውራማት ውሉዳት እንተኣፍርዮም፡ ብፍታው ወይ ብጎነጽ ባሌ ህ ዝብል ክሳብ ዘይተረኽበ ወረስቲ ብርሰት ወለዶም ስለዘይዓጦም ኣብ ዳስ ቀታሊቶም ህግደፍ ክሰራሰሩ ክረኣዩ ተራእዮም’ዩ።

ንነገሩ ሰልፊ ንዝተጠቕመትሎም ኣባላታ ይኹኑ ካልኦት ሃገራውያን ምጽናት ካብተተሓሓዘቶ ከመይነቱኸ ከመይ ይመስል?

ንሱ’ሞ ብዙሕ ኢዩ። ኣቐዲመ እቲ ካብ በረኻ ዝተለምደ ብወሓጥ-ድምጺ ጠበናጁ ማለት (Silencer) ዝግበር ልሙድ ቅትለት ኣብ ድሕሪ ናጽነት’ውን ከምዝቐጸለ’ኳ እንተፈለጥና ብመንጽር ተቐላዕነቱ ኣይተደልየን። ማለት ባዕልኻ ብወሓጥ-ድምጺ ቦጂልካዮ ከተ ብቅዕ ብሽጉጡ ከምዝተቦጅለ ከተምስሎ ስለዘይጥዕም ኣይተመርጸን። ብቀንዱ ግና ንድሕነት ናይቲ ባዕሉ ቀተልቲ ዓዲጉ ባዕሉ ዝዕ ወት ኢሳይያስ ክበሃል እቶም ነተን ጠበናጁ ከምዘለዋ ዝፈልጡወንን ምናልባሽ’ውን ከምዝዓደጉወን ዝውረየሎምን (ከም ሃለቃ ዝኣ መሰሉ) ጉዳዮም ብድፉኑ ከምተወገኑ ተዓዚብና። ካልኦት ጥበባት ከም ብትሕዞ ተቀቲሎም ክንሶም ብውልቆም ወይ ምስ መኪናኦ ም ሸለው ከምዝበሉ ዘምሰሉዎምን ብጎንጺ ዘንትዕዎምን ግዳያት ናይዛ ምስጢራዊት ሰልፊ ጉብጥሽና ዝረኣየቶ ባዕላ ትቑጸሮም።

“ቀመማዊ” ዝበሃል ጥበብ ምውጋን ድማ ኣሎ ኢለሞ። መቸም ብወገነይ ዕላል ናይቲ ’ሳይናይድ’ Cyanide) ዝበሃል ቀመም ክሰምዕ ነፍሲ-ሄር ዶክተር ተወልደ ባካሮን ኣድላይነት ናይቲ ከኒና ኣብ ስርሒት ከተማን’ዩ ዝዝከረኒ። እንኮላይ ዕላል ናይቶም በቲ ግዜ’ቲ ብልሕጺ ዝተደሃልና’ውን ይዝከረኒ። ሽዑ ወዲ-ሰብ “መርኩሪ” (Merkury) ብዝበሃል ቀታሊ መርዚ ብቀሊሉ ተሰሚሙ ብዘይምሕ ረት ፍወሳ ከምዝኽርበሽ ኢዩ ዝጀመረ’ቲ ዕላል ምዕጎ ድሙ-ድሙ። ተራኺ ሒዝና ናብ እዋን ናጽነት ተጨለጠ። በቲ ግዜ’ቲ ኩለን’ ተን ብሜርኩሪ ዝሰርሓ ኣብ ኩሉ ቤተ-ሕክምና ዝጸንሓና ቴርሞ-ሜተራት ቅጽበት ከምተዘምታ ኣውረየ። ቀጺሉ መንነት ዘመቲ ከ ይሰመየ ምኽንያት ዝምታ ግና ሜርኩሪ ኣብ ዕደና ወርቂ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብዝፈለጡ መልዓልቲ ቅሙጥ ከምተፈጸመ ጠ ቐሰ። ወዮ’ቶም በቲ እዋን ምስ ሕማምና ኣስመራ ዝኣተና’ሞ ከምገለ ገብኢ ዓሶ ከንገብግበና ኣብዛ ቱሽቱሽና ንቕርቅራ መዐቀኒት ረስ ኒ ስኢንና ከምዝነበርና’ውን ኣዘኻኽረና። ጸኒሑ ዝተወርየ’ሞ ኣይከምኡን። ባህሪ ሜርኩሪ ንወዲ-ሰብ ብሉጽ መሰመሚ ብምዃኑ ቴ ርሞ-ሜተራት ብትእዛዝ ግዜያዊ መንግስቲ ተኣኪበን ከምዝኾና ነበረ’ቲ ዕላል። ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ይኹን ወይ’ውን ከምዚ ማ ግኔት ወርቂ ክሓፍሰለን ኣኪብወን እንተኾይኑ’ቲ ግዜያዊ መንግስቲ ሓልዮት እንዳኣሉ ዝመሰለና! እምበር ሽዑስ ከምዚ ናይ ሎሚ እ ኪት ስማዕ ኣይተተናኾለናን ዝነበረ። “ምስ ዝወጸ ኣውጽኣና ጎይታይ ምዓረይ!” ዶ ኢልኩም ወይስ ጌና ኣይመሰለትኩምን?

ሎሚኸ ተግባር ስውርቲ እንታይ ይመስል? ሎሚ’ሞ ናይ ዓድስ ግደፍዎ፡ ዝርካባ ውድብቲ ጉጅለ-ሰልፊ ክሳብ ስደተኛ ተመሲላ ም ሳኻትኩም ከምተሰደት ትርእይዋ ስለዘለኹም እንታይ ሓበሬታ ኣድልይኩም። ናይ ቡሕልባ’ውን ኣብ ጎስጓስን ምእካብ ሓበሬታን ተ ዋፊራ ከምዘላ ንመን ኣደናጊራ። ንበል ንሳ ‘እዚ ዝሓልየልናን ነፍቅሮን ኤርትራዊ መራሒና’ ኣብ ኢድ መርማሪት ኮሙሽን ከይወድ ቕ ከምሕሱም ትጉስጉስ። ስደተኛታት ድማ ቁጠባዊ’ምበር ፖለቲካዊ ጸገም ከምዘይብሎም ክምስክሩ ይስርዑ። ኢሳይያስ ድማ እተ ን ብሳላ ሓሶቶም ዝረኽበን ዶላራት ምስጨበጠ ብዕሊ ቑጠባዊ ጸገም ከምዘይብሉ ይእውጅ። በቲ ካልእ ንነፍሲ-ወከፍ ከይገብርን ታሪኽ ከየመሓላልፍን ምልክት ዝተሓለገሉ ዜጋ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብልሓት ሓሙሽተ-ንሓደ፡ ብምስሊ ጥብቂ ሕውነት ወይ ብጻይነት እናተለክዐ ቀጻሊ ምክትታል ኩነተ-ህላወ ዝግበር ስዉር ሓለዋ ዓላማኡ ንጹር ኢዩ። ክንደይ ተጋደልቲ ብሂወት ከምዘለዉ ንሓንቲ ዓለም ምሒር’ዩ ዘድልያ። እሞ ህግደፍ መድሎ እንተረኺቡ ከምቲ ዝፍክሮ ኢዱ ነዋሕ ብምኳና ተደላይ ሰብ ኣብ ዝኣተወ ይእቶ ክምንጥሎ ከምዝሓልም ድሮ ነጊሩ’ዩ። ዓለማዊ ፖለቲካ ብነብሱ ንመደናገሪ ዝተጋለጸ ብምዃኑ’ውን ክሳብ ብመልክዕ ምትሕ ልላፍ ሓበሬታ ብዝግበር ውሽልኽና ሓያለይ ሰብና ኣብ ትሕቲ ስዉር ሓለዋ ወሃብቲ ዑቕባ ከምዝኣተወ ምፍላጥ ጽቡቕ’ዩ።

ብሓጺሩ ሎሚ ዘደናግር ወይ ዝስወር እኪት የለን። ርግጽ ኩሉ ነገር ብሰልፊ ጀሚሩ ብኣ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣባላት ግንባርን ሰልፍን ዝፈሊ ደረት ስለዘየለ ፈጸምቲ ናይዚ ኩሉ ገበናት ኣባላት ስውርቲ ሰልፊ ምኳኖም ከይተደቀሰ እንተተሓልመ ኣየኽፍእን። ን ሳቶም በዓልመን ምኳኖም’ውን ኣይምስጢርን። ተለኣኣኽቲ’ሞ መብዛሕትኦም’ቶም ብመልክዕ ምጥያስ ካብ ስራሕ መንግስቲ ከምተ ኣለዩ ዝመስሉ ምኳኖም ይፍለጡ። ኩሎም ኣባላት ትሕቲ-ሕልና ብዘይምኳኖም ገሊኦም ብተግባር ሰልፎም ከምዝሓንኩ ምፍላጥ’ ውን ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ዝተገልጸ ላህመት ውዲት ዕሱብ መራሒና ኢዩ። ንምሕጻሩ አቲ ልዕሊ ፔንታጎናዊ ቅርጺ’ታ ዓባይ ሃገር ኣ መሪካ ዝተሓላለኸ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ንሃገርና ካበየናይ ጸላኢ ከናግፋ’ዩ ክንድኡ ተመስጢሩ ሰብና ዘብርስ ዘሎ?

ሓቁ ከምዚ እናኾነ ብዙሕ እዋን ናብታ ስውርቲ ሰልፊ ዘለና መረዳእታን ኣጠማምታን ክፈላለ ከምዝጸንሐ ርዱእ’ዩ። ንኣብነት እቶ ም ዘይገበነኛታት ኣባላታ ካብቲ ኣስጊእዎም ወይ ጎልቢብዎም ዘሎ ተጻብኦ ኣናጊፍካ “ነየናይ ጸላኢ’ኹም ትሕልዉ፡ እንታይ ዝኣመ ሰለ ጽልኢ ስለዘለኩም?” ኢልካ እንተትሓቶም ሓቀኛታት ውሉዳት ደቂ-ሃገር እንተኾይኖም ነብሶም ጸሊኦም ተዓኒዶም ምተረፉ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጉዳይ ሕብእቲ ሰልፊ ከምዝበልኩዎ ተ/ልቲ ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተኽለገርግሽን ብዛዕባ ዝሃብዎ ምስ ክርነት ጠቓቒሰ ብምንባረይ ንሳቶም ንዋሕዚ እኪት ተግባራት ሰልፊ ዘቃልዕ ተመኩሮኦም ተዛንዮም ብጥልቀት ዘሀብትሙሉ እዋን እናተጸበኹ ዕድመን ጥዕናን እምነየሎም። ግዳስ እቲ ምንዮተይ እንኮላይ ነቶም ነታ ሰልፊ ብክንድቲ ዝፈልጡዋ ዘይገለጹዋ ኮይኑ ዝ ተሰማዓኒ’ውን ጽባሕ ክንጽበዮም ብምዃንና ኣይበቐቕኩሎምን። ብዛዕባ’ቲ ዝሃብዎ ገምጋም ክዛረብ ዘይክፉእ ስለዝመስለኒ’ውን ር ኢቶይ ክህብ ኢየ።

ተ/ይ ኣሕመድ ኣልቀይሲ ኣባላት ሰልፊ ጀጋኑን ንመስዋእቲ ዘይድሕሩን ምንባሮም ምጥቃሱ፡ “ብሓቂ ዲዩ ኣባላት ሰልፊ ካብ ኣባላ ት ግንባር ዝተፈልየ ጅግንነት ከምዝነበሮም ክምስክር ዝፍትን ዘሎ?” ተባሂሉ ኣዛረበ። ንነገሩ ተጋዳላይ ብመፈጠሩ ዲዮ ጅግና ወይ ስ ብባርኾት ወዲ-ኣፎም ዘውዲ ጅግንነት ምስተደፍአሉ? ቀይሲ ነቶም ጀጋኑ ኣባላት ክጠቅስ እንተዘይኮይኑ ንርእሱ ብሓድሹ ኣባል ክመርጽዎ እንከለዉ ትርፎ ብውክልና ኣበየናይ ዓቐበ-ቁልቁለት ምስረሃጸን ነቐጸን ተፈቲኑ ነበረ ተመስኪርሉ ንኣባልነት ዝበቕዐ? እ ምበርከ ብህሎኡ ምስ ማእሰርቱ ይዋሰብ ዲዩ? ንተሓጋገዝን ንደጋገፍን ጥራይ! ካልእ ኮለኔል ጸጉ ዝጸሓፋ “ሕብእቲ ሰልፊ” ዘርእስ ታ መጽሓፍ ከምዝረኣኹ እዝክር። እቲ ተበግሶ ከምዘለዎ ክድገፍ እላቦ። ግናስ ትሕዝቶኣ ኣይከምተጸበኹዋን። ስለምንታይ?

ምኽንያቱስ ኣነን ደራስን ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓንቲ ኣሃዱ ኢና ተመዲብና ዝነበርና። ፍልልይና ንሱ ክሳብ ብደረጃ መዓርግ ኮለኔልነት ዘብጽሖ ናይ ግዳም ኣባል፡ ኣነ ድማ ምስቶም ብሂወቶም ዓለም ዝጸልመተተቶም ዘይዛረቡን ከም ሰብ ዘይሕሰቡን ናይ ውሽጢ ኣባ ላት ምንባርና ኢዩ። እሞ ኮለኔል ኣነ ምስ ብጾተይ መዋእልና እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ዘይዓጠጦ ግዲ ኮይኑስ መጽሓፉ ትርፎ ታሪኽ ሂወቱ ንናብራ ናይቶም ናይ ውሽጢ ክትገልጽ ኣይረኣኹዋን። ከም ትጽቢት ተዓዛቢ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ሰብ ብዛዕባ ንሱ ንሰውራኡ ካበየኖት ጸላእቲ ከምዝሓለወ እንተዘዘንቱ ምጸበቐ። ማለተይ ወያ ሓዳስ መጽሓፍሲ ብዛዕባ ኣጠፋፍኣ ናይቶም ከም እኒ ተ/ይ ሰለሙን ወልደማርያም ዝኣመሰሉ ናይ ሽዑ ‘ትሕቲ ሰብ’ ክትዛረበልና እንተጸይራትና ‘ታይ ኮይና ብዛዕባ ኣባላታ ክትዛረብ ዘይደለየት? እንታይ ኮይና ብዛዕባ ሕልፈት ገሬ ኣይትዛረብን? ‘ታይ ኮይናኸ ብዛዕባ ወዘነት ቃል ኣየምለቖትን? ወረ‘ታይ ኮይና ብዛዕ ባ ናይ’ኒ ሃለቃ፡ ኣሽዓልን ስምረትን’ ከምኡድማ ናይእኒ መራሒ ክፍሊ ነበር ሚኒስተርን ዓሊ ስዒድን ኣይተረኸትን ዶስ ኣይተረረዳ እኩዎን ወይውን ካልኣይ ሕታም ትመጸና ሃልያ? ደራሲ ብዝመረጾ ከቕርብ መሰሉ እንተኾይኑ ተዓዛቢ ድማ ዝመሰሎ ክብል መሰል እንተኣልይዎ መጽሓፉ ንዓና ነቶም ከም ኣእማን ዝተጨራሕና ዘይንዛረብ ኣባላት ኣይወከለትናን ማለተይ ጥራይ ምኳኑ ክርዳኣለይ እትስፎ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ዝነበረ ዓመጽ’ሞ ተጋደልቲ ስለዝኾንና ሰቲርናዮ ንኸይድ ከምዘለና ‘ዚ ናይ ሎሚ ፍጻመ ታት ይምስክሮ።

‘ሃለውለወይ’ ክዛዝሞስ፡ ታሪኽ ናይዛ ሕብእትና ኣብ ክንዲ ብዛንታ ተግባራታ ብግብሪ ትርእይዎን ገና ዝስዕበና ስለዘሎን ብወገነይ ንሎሚ ይኣኽለኒ። እሞ እዛ ሕብእቲ ሰልፍና ገበነኛ ከምዝኾነት እንተኣሚንኩም እንታይ ትፈርዱዋ?

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde February 5, 2016

    The verdict is unanimously,death by hanging to all the active members of the so called SELFI,but before the ultimate punishment, we will have them carry MEDID on their back, and parade them around Asmara and apologize to the Eritrean people and repent of their sins.This scenario is not far fetched and it is approaching fast, and they know it.Thanks Godefa.

  • wefri February 6, 2016

    Nexur aqerareba entekone geda bezaeba Asheal entay kitebelena tekieil agebabb mesewaetu

  • Genet February 6, 2016

    As usual well done Godefa! But the tigrigna is a bit tough.
    It would also be a very proactive step if you take the initiative of listing the names of those who are members of this monstrous party. I mean those you know are members. It is important because we need to watch out now that we are determined to stand up for our right and fight for it. They are or could be among us dragging us down.
    thank your again for the informative article.

  • Yohannes February 6, 2016

    The Hgdef clique are fascist gangsters licensed to kill and rob, psychopaths and criminals whose final goal is to exterminate and depopulate our country.
    Your argumentation is crystal clear and evident and no Eritrean in his right mind can refute it.
    Bravo Godeffa, keep up the good work. Remember, the truth shall set you free.
    ጽሑፍካ ነበልባል ኢዩ እንተኰነ ግን ብመልክዕ ሰምና ውርቅ (Wax and Gold) ስለ ዘንበርካዮ ብዙሓት ኣንበብቲ ክርድእዎ ጸገም ክፈጥረሎምዩ።

  • AHMED SALEH !!! February 6, 2016

    Brother Godefa
    The secret party is indeed the tool of Issayas doctrine notorious organization within organization consist of sold out members that betrayed their comrades , the spirit of Eritrean nationalism inside
    EPLF and the dream of Eritrean people .
    Time will tell their ugly history perpetuated against innocent victims
    to protect monstrous human being who enjoy sufferings of their fellows.
    Our UNITY is the answer to defeat our ugly side that destroys lives .

  • gebar February 7, 2016

    ኣንታ ጎደፋ፡ እትረፍ እታ “ስዉርቲ ሰልፊ”… ብዓቢኡ እቲ “ቅሉዕ ቃልሲ” ዉን ገበነኛ እዩ ኔሩ፡፡

  • ኣርዓዶም February 7, 2016

    ጎደፋ የቐንየልና
    እቲ ቓላት ጽሑፍካ ጽቡቕ ኢዩ፡ እንተኾነ ጽሑፍካ ነዊሑ፡ ካልኣይ ድማ ንኽትነቦ ከቢድ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሞንጎ ቓል ስፓስ ስለትጥቐም፡ እቶም ቓላት ይፈላለዩ`ሞ ንኽትነቦም ጸገም ኮይኖም።
    ምስ`ቲ ዘለካ ልሃጃን ንውሓት እቲ ጽሑፍን ኣድካሚ ረኺበዮ።
    ክነብብ እንዳደለኹ ክነሰይ ኣቝሪጸዮ።
    ብዝኮነ ነመስግን።

  • ጎዶፋ፡ February 8, 2016

    ኣርዓዶም፡
    ዝሃብካዮ ሓበሬታ ሓቂ ኢዩ። ግናስ እቲ ዝፈላለ ቃላት ካብ ተክኒኽ ድኽመት ኣለኣእኻይ ክኸውን ይኽእል። ገለ’ውን ስቕለት ዝፈጥሮ ጸገም ይህልዎ። እቲ ንውሓቱ’ውን ጠለብ ናይታ ኣርእስቲ ምዃኑ ተረድኣለይ። ምናልባሽ ከፋፊለ ከቕርቦ ኣይመተጸገምኩን። እንተኾነ “ከብ ንኹለፍሲ ዋላ እንዳኣዕረፍና ከነንብቦ ስለዘየጸግም” ዝብል ርኢቶ ስለዘሎ፡ ብወገነይ ብዝተኻእለኒ መጠን መልእኽቲ ናይታ ኣርእስቲ ከይተቖርጸ ምቕራቡ እመርጽ። ብተወሳኺ ዝቕጽል ጽሑፍ ተኸታቲሉ ከይስቀል ስለዝኽእል ግቡእ መልእክቱ ዝበታተኽ’ውን ኣሎ። ኣብ ኣጸሓሕፋይ ዘሎ ጸገም’ሞ ኣየርእኻ! ብዝኾነ ዋና ጸገም ነገር እናደለኻዮ ክትስእኖ ብምኳኑ፡ ካብ ንዝደለኻዮ እናርኣኻዮ ትገድፎ በቲ ዝጥዕመካ ኣገባብ ክትጥቀመሉ ክትጻገም እላበወካ። ብቀንዱ ልቦናን ዓወትን ካባኻን ካብኣን ተመላሊእካ’ዩ’ሞ ኩሉኹም ተጠቀምቲ ጉድለተይ ክትምሉእለይ እላቦ።

POST A COMMENT