Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስውእ ዮናስ ሽመንዲ!

ስውእ ዮናስ ሽመንዲ!   "ጅግና ስውእ ዮናስ ሽመንዲ ወልደማርያም፡ ንሸሞንተ ሰዓታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ጸኒሖም ብረቱን ወተሃደራዊ ዕጥቁን ከረክብ ምስ ሓተቱዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኪጠፍእ ሙዃኑ ስለ ዝተረድአ፡ ብቐጥታ ብረቱ ሒዙ መጺኡ፡ ነቲ ገዛውቲ ህዝቢ ንኪፈርስን ንኣኡውን ተቓውሞኡ

ስውእ ዮናስ ሽመንዲ!
 
“ጅግና ስውእ ዮናስ ሽመንዲ ወልደማርያም፡ ንሸሞንተ ሰዓታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ጸኒሖም ብረቱን ወተሃደራዊ ዕጥቁን ከረክብ ምስ ሓተቱዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኪጠፍእ ሙዃኑ ስለ ዝተረድአ፡ ብቐጥታ ብረቱ ሒዙ መጺኡ፡ ነቲ ገዛውቲ ህዝቢ ንኪፈርስን ንኣኡውን ተቓውሞኡ ስለ ዘስምዐ ንኺእሰር ዝእዘዘን ካፒተን ሙሴ ነጋሲ ዚተባህለ ሓላፍን፡ ነቶም ካብ ካልእ ጋንታ መጺኦም ዝእሰሩዎ ሰባትን ደሚርካ፡ ንሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ፡ ንኽልተ ካልኦት ኣቑሲሉ፡ ንነብሱውን ቦንባ ፈንጂሩ ብምሕላፍ፡ ጅግና በጃ ህዝቢ ተሰዊኡ! ዮናስ ሽመንዲ ወ/ማርያም ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 16 ዙርያ ኣብ ሳዋ ዝሰልጠነ ዋርሳይ እዩ። ስውእ ዮናስ፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቈልዑን’ዩ!”  ቃል ስሙር ደሞክርያሳዊ ግንባር ኤርትራ! እዚ መዘና ኣልቦ ትብዓቱን ተዋፍይነቱን ስለ ዝመሰጠኒ ድማ’የ፡ነዚ በጃ ህዝቢ ክቡር ህይወቱ ዝወፈየ ጅግና፡ ንኽብሩ ወየ! ክብለሉ ዝፍትን ዘለኹ።
 
 
ስውእ ዮናስ ሽመንዲ!
 
ኣታ ወዲ ህዝቢ ኣንበሳ ኣናብስ
ቤት ቈልዓ ሰበይቲ መታን ከይተፍርስ
ህይወትካ ከፊልካ ዓማጺ ኪትቅልስ
ገዲዶሙኻዶ ደምካ ከተፍስስ
በቲ ዝርደኦም ስቓይና ኪትፍውስ
ነቶም ዘይስብኣውያን ኣቢልካዮም ምልዕስ!
 
ኣታ ነዛ ስረስ ኩሉ ደኣ ይዓጥቃ
ገሊኡ ኪፈትሓ ገሊኡ የዝልቓ፡
ንስኻ ግን ዮናስ እምብዛ ኣትሪርካያ
ልዕሊ’ቲ ግቡኣ ንስማ ኣድሚቕካያ
ሰብኣይ ሰብኡት ኴንካ ክብሪ ደሪዕካያ!
 
በሉ ኣቱም ልሙሳት ልኡኻት እቲ *ኣርዌ      *ተመን፡ ከይሲ
ነዚ በጃ ህዝቢ ደሙ ዝኸዓወ
ምእንቲ ውጹዓት ነብሱ ዝበጀወ
ሞይቱ ከይትብሉዎ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ
ኣብ ልቢ ኩልና ኣሎዎ ህላወ!
 
ንውሉድ ወለዶ ዘዪሓልፍ ስሙ
ህዝቡ ንኽጥዕሞ ንነብሱ ኣሕሲሙ
ሕድሪ ናይ ሰማእታት ብግብሪ ፈጺሙ
ዝሓለፈ ጅግና ገፋዕቲ ለኪሙ
እቶም ዕሸላት ደቁ መታን ከይዝኽትሙ
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ይፈጽም እጃሙ!
 
ኣነውን ከም ሰበይ ግቡአይ ክፍጽም
እታ ዝነኣሰትውን ሰሪሐ ክዓምም፡
ስድራኡ ክሕግዝ ዓቕመይ እናወፈኹ
ብስም እዚ ጅግና እምሕል ኣለኹ!
 
ቈልዓ ወልደማርያም ወድኺ ሽመንዲ
ጅግና ናይ ጀጋኑ ቅሰን ጎብለል ዓዲ
እዞም ገብርቲ እከይ ናይ ጀጋኑ ጉርዲ
ርሑቕ ከምዘይኮነ ዝቐርብሉ ኣብ ፍርዲ
ኣርዲእዎም ኣሎ ናይ ማይ ዕዳጋ ነጉዲ!
 
ኣንታ ዋርሳይ ጅግና ኣብ ንኡስ ዕድመኻ
ህዝብኻ ክግፋዕ ኣብ ቅድሚ ዓንኻ
ስለ ዘይጸወሮ ርህሩህ ሕልናኻ
ዓገብ’ዩ ኢልካዮም ዓጢቕካ ስረኻ
ስለ ዘይሰምዑ ግን ገፋዕቲ ህዝብኻ
መስዋእቲ ከፊልካ ጅግና ተበጂኻ
ኣይሞትካን ንኡሰይ ኣብ ልብና ኣለኻ!
 
ዝኽርን ክብርን ነዚ በጃ ህዝቢ ዝሓለፈ፡ ስውእ ጅግና ዮናስ ሽመንዲ!
 
ምስጋና ነቶም መስዋእቲ ጅግና ንህዝቡ ዝነገሩ ጀጋኑ ኣባላት ስሙር ደሞክርያሳዊ ግንባር ኤርትራ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 5/04/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Teme April 8, 2015

    Esayas dey medey elu eu zgebro zelo eti kulu slemntay mesarya adilu nkulu eritrawi nenhdhdu ktafae elu eu kea ya far alo kea
    ember kemzs teraeu ayfeltn ab eritrea
    yonas jigna eu atleast netom ekeyat keysI keman lekimu
    ato eseyas gna zkone seb ktefe kelo neu abi awet eu
    sebenteketilu wey hardu tsbuk dkas eu zdks
    yonas jigna gna nawet ayreyan eyu
    msgna

  • FTHIYINGHES April 8, 2015

    ጅግና ስውእ ዮናስ ሽመንዲ ወልደማርያም
    ANBESA WEDI HZBI R.I.P MY BROTHER YOU WILL BE REMEMBERED AS JIGNA SIBKAYOM JEGANU ABOTATKA SHIMKA KEM ARAMA KT’TKEL ILA AB NEXA ERETRA XINAT YIHABOM N SDRABETU KEMU WUN NHZBI ERITRA.

  • Berhe Tensea April 9, 2015

    This is real heroism. TheTembenay, puppets and ignorant ashakr deserve death and strong measures .This action will be repeated again and again as the dictator and his tatulas will not stop their satanic action in the near future.
    Yonas will be remembered and get the respect he deserves as soon as we get rid of the kurdid regime in Asmara.

    RIP Yonas

  • Dawit April 13, 2015

    እንተድአ ኩውን ኮይኑ
    እንተድአ ኩውን ኮይኑ፡ታኣምር ጂግንነት፡
    ሃብሮም ወዲ ህዝቢ ብሓቂ ብኡነት
    ጠሊ መሬት ካብ ሰማይ ሰግለለት
    ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ውርደት ካብ ሕስረት፡
    ፍናን ንውጹዓት ብዕሊ ኣብቅርዓት

    ኣብ ምንባር ዘሎ ሞት
    ኣብ ሞት ዘሎ ሂወት
    ኣሰር ቀዳሞትካ ኹቡር መስዋእትነት
    ኣሳሒታ ቑሪ ሽለት ባዓል ሽለት
    በጃ ህዝቡ ሞባእ ንመሰል ሓርነት፡

    መንእሰይ ሽሞንዲ ኣባ ሰልዒ
    ታሪኽ ቅያ ንፍትሒ ንርትዒ
    ብቀረባ ዘሎ ብሩሑቅ ሰማዒ
    ብርቃዊ መጥቃዕቲ ሓያል ወቕዒ
    ተስፋ ውጹዕ ራዕዲ ንገፋዒ
    ብህርቲ እቶትና በረኸቱ ቀውዒ

    ሸቖጥቖጥ ኣእቲኻሉ ነቲ ሕጊ ኣልቦ

POST A COMMENT