Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዩም ጸሃየ

ስዩም ጸሃየ፡ ወናኒ ባር ዳኦስታ ካብ ዝነበሩ ኣቦኡ ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያም፡ ኣደኡ ወ/ሮ ሮማን ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ኣቶ ጸሃየ ኣብ ዓዶም ትኹል (ከባቢ ደቀምሓረ) ድሕሪ ምውላዶም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣስመራ ሳጊሞም። ኣደኡ ወ/ሮ ሮማ፡ ሸውዓተ

ስዩም ጸሃየ፡ ወናኒ ባር ዳኦስታ ካብ ዝነበሩ ኣቦኡ ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያም፡ ኣደኡ ወ/ሮ ሮማን ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ኣቶ ጸሃየ ኣብ ዓዶም ትኹል (ከባቢ ደቀምሓረ) ድሕሪ ምውላዶም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣስመራ ሳጊሞም። ኣደኡ ወ/ሮ ሮማ፡ ሸውዓተ ደቀን ኣብ ሰውራ ድሕሪ ምጽምባሮም፡ ደቀይ ካብ በረኻ ከይኣተዉ ናብ ኣስመራ ገጸይ ኣይከይድን እየ ብምባል ንልዕሊ 17 ዓመት ነስመራ ኣይተቐልቀላኣን። ኣብ ትኹል ምስ ኣድገን ይቃለሳ ነይረን። ኣብ መጨረሽታ’ውን ኣድገን ግቡኡ እናፈጸመ ከሎ ሞይቱ። ስዩም ትምህርቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ቀሃስ (ቀይሕ ባሕሪ) ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቋንቋ ፈረንሳ ኣጽኒዑ። ኣብ 1976 ብዝነበሮ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፉ ኣብ ክፍሊ ሃንደሳ ተመዲቡ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ህግሓኤ ፋሽን ንኡስ ቡርጅዋ ተባሂሉ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተላኢኹ። ብዕድል እቲ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝተቐበሎ መርማሪ መስተውዓሊ ስለ ዝጸንሐ፡ “ስለምንታይ ሰዲዶምኻ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ናብዚ ዘልእኽ ጕዳይ የብልካን፡” ድሕሪ ምባል ብዛዕባቲ ዝነበሮ በጦሎኒ ኣዕልለኒ ብምባል ብዛዕባ ኵነታቱ ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብዝኾነ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዝጸንሓለን ኣዋርሕ (9?) ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ጽቡቕ ገይሩ ክስንዶ ክኢሉ ነይሩ። እንተ ኾነ መርማሪኡ፡ “እዚ ጽሑፍ’ዚ ዳግማይ ኣብ ሓደጋ ከእትወካ ስለ ዝኽእል ክሳብ ናጽነት ምሳይ ከጽንሓልካ” ስለ ዝበሎ ክህቦ ተገዲዱ። ካብ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ብዙሕ ኣይጸንሐን ኣብ 1984 ናብ ክፍሊ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ተመዲቡ ክሳብ ግዜ ናጽነት ኣብቲ ኣሃዱ ብንጥፈት ሰሪሑ። ስዩም ጸሃየ ኣብ ክፍሊ ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዝሰነዶ ኣሳእል፡ ቪድዮታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግኣት ንዝነበረ ኵነታት ብዝገልጽ ስራሓቱ፡ ይትረፍ ብህዝቢ ኤርትራ ብማዕከናት ዜና ዓለም’ውን ፍሉጥ ሰኣሊ ጋዜጠና እዩ። ኣብ ስእሊ ዝነበሮ ክእለት ኣዝዩ ፍሉይ ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝፈልጡዎ ሰባት ይዛረቡ። ሓደ ካብኣቶም ጨካን ውልቀመላኺ ኢሳያስ እዩ።

ኢሳያስ፡ ንስዩም ብዙሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከእትዎ ዘይፈተነ ኣይኮነን። ሓደ ግዜ ኣብ ሆቴል እምባሶይራ ገለ መመረቕታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣባላት ዜናን ስነ ጥበባውያንን፡ “ስዩም ስለምንታይ ኢኻ ዓቕምካ ዘይትጥቀመሉ? ገንዘብ እንተ ስኢንካ ምጻእ’ሞ ጸገምካ ኣዕልለኒ፡” ክብል ተዛሪቡዎ። ብዙሓት ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ፈለጥቱ ገለ ካብኣቶም፡ “ሰብኣይ ክውድበካ ደልዩ ኣሎ ማለት እዩ፡” ክብሉዎ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ “ዝሓሰበ ይሕሰብ እንታይ ገደሰካ ፈትዩ ከሎ ነቲ ዕድል ዘይትጥቀመሉ፡” ከም ዝበሉዎ ባዕሉ ኣዕሊሉኒ። ኢሳያስ ነዚ ዘረባ’ዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝተዛረቦ ኣይነበረን። ቅድሚኡ’ውን፡ “ገለ ነገር ክትገብር ኣለካ” እናበለ ይውትውቶ ከም ዝነበረ ስዩም ድማ “ቦታ ኣይረኸብኩን፡” ይብሎ ከም ዝነበረ እዩ ዘዕልል።

ስዩም ጸሃየ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓሰብ ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ብናቱ ዓቕሚ ኣብ ዓሰብን ከባቢኡን ቲቪ ክዝረግሕ ዝኸኣለ ኣዝዩ ጻዕራምን ንህዝቢ ደው ዝበለን ሰብ እዩ። ኣብቲ ቦታ ንገለ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ ድማ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ናብ ኣስመራ ተቐዪሩ ብምጻእ ሓላፊ ቲቪ ኤረ ኮይኑ ተመዲቡ። ዝዓበየ ጸገም ወይ ብልጫ ክንብሎ ዲና ዝበየገድስ፡ እሺ ናይ ዘይምባል ባህሪ እዩ። ስዩም ዘይቅበሎ ነገር ሕራይ ክብል ማለት ሞት እንተ መጻአውን ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ስራሕ ንመራሒ ዝውድስ ነግራት ጥራይ ክስራሕ ስለ ዝተደልየ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣይሰርሕን’የ ብምባል ክጣየስ ክኢሉ። ድሕሪ ምጥያሱ ናጻ ጋዜጠኛ ሰኣሊ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣታዊኡ ድማ መሳጢ ደረቕ ኣሳእል ድሕሪ ምስኣል ምርኢት የካይድሞ ይሸጦ። ኮታ ከምዚታት እናበለ ናብራኡ ክኣሊ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1997 ምስ ወይዘሪት ሳባ ገብረመስቀል ቃል ኪዳን ኣሲሩ። ክገርመኩም! ካብ ሓጺን ስለ ዘይተሰርሐ ከም ሰብ መጠን ብፍቕሪ ሳባ ተጠቒዑ’ምበር መሮኣ ዝብሃል ነገር ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ ኣይነበሮን። እታ ወረጃ ዝኾነት ሳባ ግን መፍትሕ ልቡ ረኺባታ። ንቀዳመይቲ ጓሉ ድማ ንምልኪ ዘለዎ እምቢታ ንምግላጽ ኣብየ ዝብል ስም ሂቡዋ። ካልኣይቲ ጓልውን ወሲኾም እዮም።

 

ስዩም ጸሃየ ከም ሓደ ናጻ ጋዜጠኛ መጠን፡ ብፍላይ ድሕሪ ምፍቃድ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ ጋዜጣ ሰቲት ጽቡቕ ናይ ስራሕ ምትሕብባር እዩ ነይሩዎ። ካብዚ ዝተበገሰ ብርክት ዝበለ ዓምድታት ይጽሕፍ ነይሩ። ልዕሊ ኵሉ ግዝን ደለይቲ ለውጢ ዝነበሩ ሓለፍቲ ምንቅስቃስ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ንዝተፈላለዩ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ጥዩሳት ተጋደልቲ ቃለመሕትት ብምክያድ፡ ህሉው ኵነታቶም ክገልጽ ይፍትን ነይሩ። ስዩም ጸሃየ ብሓቂ ንውጹዕ ህዝቢ ዝቘመ ምዃኑ ብምንቅስቃሳቱ ይፍለጥ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብቲ ድኻታት ድራሮም ንምምእራር ዝዝንብዩሉ ቦታ ካሜራኡ ሒዙ ኰለል ክብል ኢኻ ትረኽቦ። ኣብ ጽርግያ ኮመደረን ሽጉርትን ሰጢሓ ንዝጸንሓቶ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ሚዛን ናይ ሰብ ሒዙ ኣብ መንገዲ ኣጋር ንዝጸንሖ ጥዩስ ተጋዳላይ፡ ሃንደበት ሰላም ኢሉ ድሕረባይታኡ ድሕሪ ምፍላጥ፡ ቃለመሕትት ከካይደሉ ከም ዝደሊ ይሕብሮ። እንተ ተረዳዲኦም ድማ ንጽባሒቱ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ብስእሊ ዝተሰነየ ቃለመሕትት የቕርብ። እዚ ስራሕ’ዚ ግን ነዊሕ ኣይቀጸሎን ምኽንያቱ ብዙሕ ከይደንጐየ ንኣእምሮ ህዝቢ ዝሰረቐ ምንቅስቃስ ደለይቲ ለውጢ ተላዒሉ። ብዘይካ መሳርሒ ህግደፍ ዝነበረት ትርግታ ድማ ኩላተን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ተርእዮ ክጽሕፋ ጀሚረን ነይረን።

 

ስዩም ከም ናጻ ሰኣላይ ጋዜጠኛ መጠን ክነብር እንተ ኾይኑ ክሰርሕ ነይሩዎ። ካብ ኣፉ ካብ ዝረኸብኩዎ ዕላል፡ ዕላማኡ ቦታ እንተ ረኺቡ ኣብ ምቹእ ንእስ ኢሉ ዓቕሙ ዝኾነ ክፍሊ ብምክራይ ናይ ግዜጠኝነትን ናይ ቪድዮ ስራሓትን ንምጅማር እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝረኣኹዎ ግን ሃሙን ቀልቡን በቲ ሽዑ ዝተላዕለ ውዕዉዕ ህዝባዊ ናይ ናጽነትን ደሞክራስን ስምዒት ተጸልዩ ስለ ዝነበረ፡ 90% ናይ ግዜኡ በዚ ጕዳይዚ ዝተታሕዘ ነይሩ። ኣብ ጥቃ ገዛይ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ቤትፖስጣ ቀጻሊ ንራኸብ ስለ ዝነበርና  ድማ ኣብ ሓደ ጽምው ኢሉ ቦታ ሻሂ ንስተ ተባሃሂልና ኮፍ ንብልሞ፡ ኣብ ሰፊሕ ዕላል ንኣቱ። እዝክር ሓደ እዋን ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት እዩ ነይሩ። ኣብ ባር ገደም ኮፍ ኢልና ከለና ብዛዕባ እታ ሽዑ መኦኣልቲ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ዝወጽአት ንድሩዕ ትምልከት ዓንቀጽ ብምልዓል ከምዚ ክብል ምኽረይ ለጊሰሉ። “ስምዓኒ ስዩም፡ ንስኻ ክፍኣት ግብሪ ናይ ህግደፍ ሎሚ ዘይኮነ ቅድመይ ኢካ ትፈልጦ። ንዓይ ዘጋጠመኒውን ኣዕሊለካ እየ። ስለዚ፡ ነቲ እከይ ዓላማኦም ብተዓጻጻፍነት ክትብድሆ ኣለካ። ኣነ ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ከም ዝጽሕፍ ትፈልጥ ኢኻ። ግን ኣስማት ሓንሳብ ጊላይ፡ ሓንሳብ ተስፉ እናበልኩ ስለ ዝጽሕፎ ክግጥሙኒ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ንስኻ’ውን ሜላ ክትጥቀም ኣለካ። ካብኡ በለ ተጠማቲ ስለ ዝኾንካ ክትጥንቀቕ ኣለካ። ነዚኣቶም ብገዛእ ጥይቶም ኢኻ ትገጥሞም፡ ኣብዚ ኣለኹ ጸላኢኹም ኣይትበሎም፡” ክብል ኣምሪረ መዓድኩዎ።

 

ኣብ ህይወተይ ከም ስዩም ዝተርርን ዝተብዕን ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ከም ድፍረት ድዩ ክግለጽ እዚ ወላ ከም ዕሽነት ኢልካ ምስ ኣእምሮኻ ትማጐተሉ እዋን ኣሎ። ብዝኾነ፡ “ሓቅኻ ኣለኻ፡ ኢሉ ድሕሪ ምጅማር፡ እቲ ዝገደደ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ምእሳር እዩ። ምእሳር ድማ ፈለማይ ኣይኮነን። ንክንስዋእ ኢልና ወጺእና ስለምንታይ ከይንእሰር ንፈርሕ!?” ክብል መለሰለይ። ብወገነይ “ምፍራሕ ዘይኮነ ምጥንቃቕ ምዃኑ፡ ካብ ዕላማኻ ዝሕጥ ከይበልካ ብስቱር ማለት ንህግደፍ እናመሰልካ ኣድማዒ ቃልሲ ክተካይድ ትኽእል ኢኻ። እዚኣቶም ሱሮም ነዊሕ እዩ ኣይትጋገ፡ ካባይ ተማሃር። ኣባል ህግደፍ ኣይኮንካን፡ ናብ ማይተመናይ ኬድካ ንህዝቢ ፖለቲካ ኣይምህርን ኢልካ፡ ብዝብል ምስምስ’ዮም ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመትን ኣሲሮምኒ። ደቀይ ዘኽቲሞም፡ በዓልቲቤተይ ብድሕረይ ከቲታ ኣብ ቃኘው ተገልግል ነይራ። ብስንክዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀይ ብቀሊል ዘይግመት ንዕድመኦም ምሉእ ምስኣቶም ዝነብር በሰላ ተፈጢሩ። ስለዚ፡ እንታይ ዝኣበሳ ቈልዑ’የን ተዘኽትመን?” ክብል ኣምሪረ ገኒሐዮ። ባህሪና ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ ግን፡ ንዘረባይ ሰሚዑዎ ግን ካብ ባህሪኡ ወጻኢ ክገብር ስለ ዘይክእል ድሕሪታ ዕላልና ኣብ መበል ክልተ ሰሙን ምስ ኩላቶም ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣስረ ሰሚዐ። ሽዑ ምስ መን ክዛረብ ኢለምበር ኢስያስ ናብ ፍርዲ ከም ዘየቕርቦም ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ነይረ። ምኽንያቱ ቅድሚኦም ቍጽሪ ዘይብሉ ሰብ’ዩ ብዘይፍርዲ፡ እሞ ኸኣ ብሃውለከ ንዓመታት ተኣሲሩ።

ቅድሚ ምዝዛመይ ግን ልክዕ ቀቅድሚ ምእሳሩ ዘጋጠመት ሓንቲ ፍልይቲ ፍጻሜ ከዕለልኩም። ኣብ ፌስቲቫል ናይ ዝነበረ ራይሞክ ብዙሕ ሰብ ይሓምን ይዛረብን ስለ ዝነበረ፡ ሃለፍቲ ወይ ዳያኑ ራይሞክ ዝነበሩ፡ ተስፋንኪኤል፡ ቢንያምን ሓደ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ሳልሳዮምን ኣብ ካዛ ዴሊ ኢታልያኒ ሓደ ሴሚናር ኣካዪዶም። ምስ ስዩም ተተሓሒዝና ድማ ናብኡ ኬድና። እቲ ሴሚናር ብዘይካ ነብሰ ምክልኻል ካልእ ቁምነገር ኣይነበሮን። ሰብ ከምዚ ኢሉ ከም ዝዛረብ ንፈልጥ ኢና ግን ከምኡ ኣይኮነ፡ ንሕና ንኽተሎ ኣገባብ ኣለናዶ ገለዶ ዝብል ሃተው ቀተው ዝበዝሖ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ሕቶን ርእይቶን ምስ በሉ ስዩም ጸሃየ ከምዚ ክብል ይጅምር። “ቅድም ቀዳም ንስኻትኩም ኣብዚ ራይሞክ ከም ዳያኑ ክትምዘዙ ዓቕሚ ኣለኩም ድዩ የብልኩምን መታን ክንፈልጥ ኣበይን እንታይ ከም ዝተመሃርኩም ሓብሩና፡”ክብል ተወከሶም። ተስፋንኪኤል ናይ ሙዚቃ ምሁር እቲ ሓደ ስሙ ዘይሓዝኩዎ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነጽሑፍ ስለ ዝተማህሩ ጸገም ኣየነብሮምን። ቢንያም ግን ዝዛረቦ ጠፊኡዎ ዓሰራይ ምስ በጻሕኩ ተሰሊፈ፡ ኣብ ምንቕቓሕ ድማ ሰሪሐ ክብል ገሊጹ። ብሓጺሩ ዓቕሚ ከም ዝገድሎ ተጋሂዱ። ቅጽል ኣቢሉ ስዩም ጸሃየ ንስኻትኩም ናብዚ ቦታ በየናይ መምዘኒ ኢኹም ተመዲብኩም? መንከ እዩ ናብዚ ቦታ መዲቡኩም?” ዝብል ደቦላ ሕቶ ምስ ኣቕረበሎም፡ “ህግደፍ” ክብሉ መሊሶም። ስዩም ድማ፡ “እሞ ንስኻትኩም ሓደ ስነጥበብ ዝምልከቶ ኣካል ብቕዓትኩም ገምጊሙ ዘይኮነ መዲቡኩም፡ ናይ ህግደፍ መጋበርያ ኢኹም። ህግደፍ ዘይደልዮ ነገር ክትውስኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡” ዝብል ሰፍ ዘይብል ዘረባ ደርበየሎም። ዝዛረቡዎ ጠፊኡዎም፡ “ከምኡ ኣይኮነ፡” ብምባል ከመሻኸኑ ምስ ፈተኑ፡ ሓደ ካልእ ሰብ “ንስኻትኩም ብፍላይ ንደረፍትን ደረስትን ወላ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ ይስርሑ ንህግደፍ ዘይውድሱ እንተ ኾይኖም፡ ኣይትሽልሙዎምን ኢኹም። ወዲትኹል ተኣሲሩ ጸኒሑ ምስ ወጻአ ህግደፍ ክኸስቦ ስለ ዝደለየ፡ ድጋም ደርፍታት ደሪፉ ከብቅዕ ሸሊምኩሞ፡ ንበኦኣል የማነ ባርያ ዝኣክል ብሉጽ ስነጥበባዊ ድማ ምስ ሞተ ጥራይ ክትሽልሙዎ ተራኢኹም። ናይ መጨረሽታ ዝተዛረበ ነብሱ ይምሓር ደራሲ ግሬ ነይሩ። “ሓደ ታሪኽ ክነግረኩም። ኣብ ኣዲስኣበባ ሓደ ጀማሪ ደራሲ ናብቲ ናይ መንግስቲ ቤትማሕተም ዝነበረ ኩራዝ ብምካድ መጽሓፍዶ መሕተምኩምለይ ይብሎም። ንሳቶም ድማ መጽሓፍካ ዕዳጋ ክርከቦ ስለ ዘይክእል ኣይንሓትሞን ኢና፡ ምስ በሉዎ ናብ ሓደ ናይ ብሕቲ ቤትማሕተም ብምኻድ ኣሕቲሙ ይዝርግሖ። መጽሓፍ ልክዕ ከም ምቁር ሕብስቲ (ሆትኬክ) ተሸይጣ። ነዚ ዝተዓዘበ ኩራዝ ንደራሲ ጸዊዖም መጽሓፍካ ክንሓትሞ ሃበና ኢሎም ለሚኖሞ። ንሱ ግን ኣይፋል ኢሉ ብምእባይ ኣንበብቲ ስለ ዝረኸበ ካልኣይ ሳልሳይ ሕታም ክሸይጥን ስም ክረክብን ክኢሉ። ሕጂ ድማ እዞም ናይ ራይሞክ ዳያኑ ኢና ዝብሉ ንስራሓትኩም ስለ ዘይኣመኑሉ ስኽፍ ክብለኩም የብሉን። ኣንባቢ እዩ ዝፈርደኩም ነዚኣቶም ትርጕም ኣይትሃቡዎም፡” ክብል ልቢ ሰብ ዘረስረሰ ዘረባ ኣስሚዑ።

ናብ ስዩም ክምለስ፡ ድሕሪ ምእሰርቲ ደለይቲ ለውጢ ማእሰርቲ ጽቡቕ ገይረ ኣስተማቒረዮ ስለ ዝኾንኩ፡ ንደቂ እሱራት ምብጻሕ ከም መደብ ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝኩዎ። ስዩም ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ዳግማይ ስለ ዝተኣሰርኩ ግን ድሕሪ ምውጽአይ እየ ቀጺለዮ። ናብ ደቂ ስዩም ናብ ማይተመናይ ከምኡ’ውን ናብ ጓል ኣቡዓረ በልቂሳን እንተወሓደ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ኮታ ኣብ ግዜ በዓላት እበጽሕ ነይረ። ገይረ ንምባል ዘይኮነ ናይ ሕልና ዕግበት ንምርካብ ጥራይ። ካልእ እንተ ተረፈ እተን ሕጻናት ሰብ ኣለና’ባ እዩ ዝብል ስምዒት ስለ ዝሓድረን ኣብ ገጸን ተስፋ ይንበብ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ምስኪነይቲ ሳባ ደቃ ናብ ውሑስ ቦታ መታን ክትኣሊ ናብ ወጻኢ ክትከይድ ቪዛ ሓቲታ። እንተ ኾነ ብዘይ ምኽንያት ኣይከውንን እዩ ተባሂላ። “ስለምንታይ? ኣነ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጕገ ከብቅዕ ግቡአይ ዘማላእኩ ሰብ’የ፡” ኢላ ምስ ኣጨነቐቶም፡ “እሞ ብሰንኪ ናይ ሰብኣይኪ ምእሳር ቪዛ ከይትህቡዋ ተባሂልና ኢና፡” ዝብል መልሲ ምስ ተወሃባ፡ ናይ ሰብኡት ስጕምቲ ብምውሳድ ብዝጥዕማ መንገዲ ናብ ሱዳን ሰጊራ። ኣብ ፈረንሳ ምስ ኣተወት ድማ ብስቱር ናብ ሱዳን ድሕሪ ምኻድ ደቃ ብዓወት ክተስግረን ክኢላ። ድሮ ኣብ ፈረንሳ ኣትየንስ ኣብየ ከም ስማ ኣብ ጀነቭ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ወኪል ኣንጻር ፋሺስታዊ ጃንዳ ህግደፍ ዝኾነ ቦጅባጅ ወዲገራህቱ ንማሕበረ ሰብ ዓለም እጹብ ቃል ኣስሚዓ።

ኢሳያስ ማስጣ ብዘይበደል ዝተኣስሩ ዜጋታትና ክወርዶ እዩ!

ውድቀት ንፋሺስታዊ ጃንዳ ህግደፍ!

እስጢፋኖስ ገበረሚካኤል ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • belay nega September 19, 2013

    “ብዕድል እቲ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝተቐበሎ መርማሪ መስተውዓሊ ስለ ዝጸንሐ፡ “ስለምንታይ ሰዲዶምኻ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ናብዚ ዘልእኽ ጕዳይ የብልካን፡” ድሕሪ ምባል ብዛዕባቲ ዝነበሮ በጦሎኒ ኣዕልለኒ ብምባል ብዛዕባ ኵነታቱ ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብዝኾነ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዝጸንሓለን ኣዋርሕ (9?) ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ጽቡቕ ገይሩ ክስንዶ ክኢሉ ነይሩ። እንተ ኾነ መርማሪኡ፡ “እዚ ጽሑፍ’ዚ ዳግማይ ኣብ ሓደጋ ከእትወካ ስለ ዝኽእል ክሳብ ናጽነት ምሳይ ከጽንሓልካ” ስለ ዝበሎ ክህቦ ተገዲዱ።”

    This shows how the E.P.L.F was usefully challenged.

    ስለቲ ውዳሰ ማርያምካ ግን “ዝራአናዮ አየዛርበና በለት ጉብጥሽ”

  • ተወልደመድኅን September 20, 2013

    ዝከበርካን ፍቱው ኢስቲፋኖስ………………………………………………………………………….ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወት ስዩም ጸሃየ ምጽሃፍካ ዝነኣድ’ዩ።ግን ሎሚ ስሮኣት ህግደፍ ብርእሱ መሽሚሹ ኣብዝጨነወሉ ግዜ ነዚ ታሪኽ’ዚ ምጽሃፍካ ህግደፍ ስለዝደከመ ኣየርክበለይን ኢልካ ዲኻ ወይስ ክወጹ ይኽእሉ ኢዮም’ሞ፡ምእንቲ ኣይረሳልኩኹምን ጺሒፈ ነይረ።ይጽሕፍ ነይረ ንምባል’ዩ።………………………………ብጻያዊ፡ሕውነታዊ ነቐፈታ’ምበር ጸርፊ ኣይኮነን።ጸርፊ ኮይኑ እንተተሰመኦኣካ ከኣ ይቅረታ።………………….እዚ መበልየይ፡ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ሕሱም ተግባራት ክሰርህ፡ሕሪ ሕራይ ገይሩ ዘጋልጾን ሞራሉ ዝሰብሮን ስለዝሰኣነ ጥራሕ’ዩ።እቲ ዝጸንሃ ተቃውሞ ናይ ውሽጢ ካብቲ ሕሱም ተግባሩ ዝተበገሰ ዘይኮነ ናይቶም ብማኦዶ ካብቲ ተባህለን ተገብረን ተባሂሉ ብውሽጢ ውሽጢ ዝመሃላለፍን ዝወረን ተበጊሶም ዝተላዕሉ ገለ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ተሓኤ ዝንበሩን ብሰንኪ ህግ ዘጋተሞም ካብ ናይ ቃልሲ ወኒ ምቁራጽ ገለ ከኣ ካብ ሃይማኖታዊ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተበገሰ’ዩ ኔሩ።ነዚ ተቃውሞዚ ጽቡቕ ገይሩ ኢሳያስ ፕሮፖጋንዳ ወቒዑሉ ተዓዊቱሉ ከኣ።ንጸላኢኻ ብክልተ መንገዲ ጥራሕ ኢኻ ተውድቖ።ሓንቲ ብቅልጽም’ያ፡ካል ኣይቲ ከኣ ትፈልጦ ጉድን ሚስጢርን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምክሻሕ’ዩ ( ነዚ ንምግባር ከኣ ጽሑፍ ከምዚ ዛመሰለ መሳጢ ታሪኽ ምድላው’ዩ ) ሞራሉ ቅስሙ ምስባር’ያ።እዞም ሰባት ንክንድዚ ኦኣመታት ደሃዮም ጠፊኡ ህግደፍን ኢሳያስን ከመሽምሽዎም ክጽዕሩ ታሪኽ ኢሳያስን ታሪኽ’ቶም ተሓባበርቱ ዘጋልጽ እንታይ ኦኣይነት ሰብ ምንባሩ ዝሕብር ስለዝተሳእነ ኢሳያስ መመሊሱ’ዩ ክብሪ ወሲኹ ጸኒሑ።እዚ ወቐሳ’ዚ ን ኣካ ጥራህ ኣይኮነን።ብዙሃት ታጋደልቲ ኣጸቢቖም ክንደይ ጉድን ሚስጢርን ዝፈልጡ ትም ኢሎም ኣለው።ትማሊ ሕማቕ ክግበር ከሎን ኣናፈለጡ ስቕ ኢሎም ዝረኣዩ እንተኪኢሎም ክሃባብ ኡ ጥራሕ ዝፈተኑ’ዮም።ሎሚ ኣብዚ መድረኽዚ ኣገዳስቲ ሓበረታ ክህቡ ዝግበኦም መኦኣልቱ ምስ ኣከለ ክዛረበሉ’የ ብምባል ኣብ ኮለል ጥራሕ ኣሕሊፎሞ።ስሮኣት ኢሳያስ ንምውዳቕ ቀዳማይ ዝኾነ እገዳን እቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ምስቲ ዞባዊ ዝጋጮ ኮይኑ ዘምጸኦ ቅልውላው’ዩ።ህዝቢ ብምንቃሕን ብምውዳብን ኣንጻርቲ ስርዓት ክለዓዓሉ ዝገበር ኣካል የለን።ሕጂ’ውን ገና ኢሳያስ ናብ ናይ ቀደም ዝናን ወለል ክብለሎም ዝደልዩ ሰባት ስለዘለው ትፈልጦ ታሪኽ ምጽሃፍ የድሊ’ዩ።ታሪኽ ንዝኾነ ይኹም መጻኢ ስራሕ መሃሪ መማዕበሊ’ዩ።

  • simerrrr2012 September 20, 2013

    Is he not the brother of Alem Tsehaye Woldemariam the Eritrean Ambassador in India who serve the dictator who called the police when the daughter Siyum Tsehaye went to Eritrean Embassy to ask “Where is my father?”. What a loser individual their mother gave birth and one stand for justice and democracy and the other just doing the opposite and support the dictator. A normal human with normal brain would not do that , would not sleep one night without thinking how can I help my brother and children of my brother, how can I expose the regime who illegally arrest my own brother, a brother where shared everything you had in childhood , a brother you want to defend from others who want to harm him. Even a 3 years old boy will defend his younger or older brother from anything and anybody automatically. However, those individuals who work for higdef already put down their pants in front of the dictator are not good enough to defend their love one and nobody will expect them to stand for their people. I can feel the pain of the mother when she has to accept one is a traitor and serve the dictator and one is paying the highest price for his country and people .Mam God bless you and give you strength

  • belay nega September 20, 2013

    “ሓደ ታሪኽ ክነግረኩም። ኣብ ኣዲስኣበባ ሓደ ጀማሪ ደራሲ ናብቲ ናይ መንግስቲ ቤትማሕተም ዝነበረ ኩራዝ ብምካድ መጽሓፍዶ መሕተምኩምለይ ይብሎም። ንሳቶም ድማ መጽሓፍካ ዕዳጋ ክርከቦ ስለ ዘይክእል ኣይንሓትሞን ኢና፡ ምስ በሉዎ ናብ ሓደ ናይ ብሕቲ ቤትማሕተም ብምኻድ ኣሕቲሙ ይዝርግሖ። መጽሓፍ ልክዕ ከም ምቁር ሕብስቲ (ሆትኬክ) ተሸይጣ።”

    ነታ ሰምበል አለም በቃኝ ዘርእስታ ዓውደ አዋርሕ ዲኽ?
    ነታ ክምአዶ የጥፍእካ እንዳተባህለ ዝማሓለላ ዝነበረት

    Come on Stefanos

  • Morroso September 21, 2013

    እስጢፋኖስ ገበረሚካኤል ተሞልሶ
    bro.Estifons Very interesting and touching,thank you for writing this article,even tho I don’t know Tegadaly Siyum he made history in the field repeat history by saying I will not kneel(aybrkeken) N wedi medhn berad I wished that we had 10 like him will not be in this situation, I admire you for bringing his story to public,please keep writing about our heroes,i know you have a lot to say and write it’s time to spit it out all you know,again thx.

POST A COMMENT