Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስድራ’ዚ ሓርበኛ!

ስድራ’ዚ ሓርበኛ! ስድራ ወዲ ዓሊ ጅግና ሰባር ራዕዲ ብሰንኪ ድያብሎስ ወጺእኩም ካብ ዓዲ እዚ ርጉም ጉጅለ ሓራዲ ጎማዲ ኣብ ቈልዓ ሰበይቲ ሕነ ንኽፈዲ ንስደት ቀሲቡኩም ናይ ጥፍኣት መገዲ! ወይልኡ ንሱ’ምበር ገሃነም ዝሰፈሩ ንስኻትኩም ደኣ ዘልኣለም ክትከብሩ እቲ ጅግና ሓርበኛ ተኣምር ፈጢሩ ተወፊዩልና እንድዩ ፍናን

ስድራ’ዚ ሓርበኛ!
ስድራ ወዲ ዓሊ ጅግና ሰባር ራዕዲ
ብሰንኪ ድያብሎስ ወጺእኩም ካብ ዓዲ
እዚ ርጉም ጉጅለ ሓራዲ ጎማዲ
ኣብ ቈልዓ ሰበይቲ ሕነ ንኽፈዲ
ንስደት ቀሲቡኩም ናይ ጥፍኣት መገዲ!
ወይልኡ ንሱ’ምበር ገሃነም ዝሰፈሩ
ንስኻትኩም ደኣ ዘልኣለም ክትከብሩ
እቲ ጅግና ሓርበኛ ተኣምር ፈጢሩ
ተወፊዩልና እንድዩ ፍናን ምልኪ ሰይሩ
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክፍጽም ንሕድሩ
ክሕብሕበኩም’ዩ ኣብ ልቡ ኣስፊሩ
እኖሆ እኳ ገንዘብ ከዋጽእ ጀሚሩ!
ሓፋሽ ኤርትራዊ በቲ ሰናይ ባህሉ
*ሙዝያሁ ተሻሞ ብቕጽበት ደዊሉ                *ቃጭል
ስድራኡ ክሕግዝ ዳግም ተላዒሉ
ግብኡ ክፍጽም ኢደይ ኢድካ ኢሉ
እኖሆ እኳ ድሮ ገንዘብ ኣዋህሊሉ
እዚ እንድዩ ኣታ ባህልና እቲ ንሕበነሉ!
ስለዚ ቅሰኑ ስድራ ገንሸል ህዝቢ
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንኡስ ይኹን ዓቢ
ከምቲ ዝተለምደ ስድራኡ ክናቢ
ድባብ ክኾነልኩም መጽለሊ መዕቖቢ
እኖሆ ኣብ ልዕሌኹም ከም ደበና ይዝምቢ!
ስድራ’ዚ ሓርበኛ ሓበን ናይ ህዝብኹም
ርሑስ ሓድሽ ዓመት *ሃንአ ክብለኩም                *ዮሃና
ካብ ኣፍ እዚ ሓርገጽ ብሰላም ምውጻእኩም
ስድራ’ዚ ጅግና’ወ እንቋዕ ኣሐጐሰኩም
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣሎ ኣብ ጎድንኹም
ደጊም ሽግር የለን ኣይትፍርሁ ኣጆኹም
ካብ መቚሕ መላኺ ናጻ ኴንኩም ኢኹም!
እዛ ሓዳስ ዓመት ኣብቲ ምጅማራ
ንደላይቲ ፍትሒ ዓወት ምብሳራ
ዓዲ ሰብ ክትኮኒ ሃገርና ኤርትራ
ይረኣየኒ ኣሎ ናይ ሓርነት ጩራ
ኣብ ጥርዙ በጺሑ ትወጹሉ ሓራ!
ሓራ ከም ትወጺ’ወ ካብ ምልክነት ዓደይ
እኖሆ የማዕድዎ ይርኦ ብዓይነይ
እኖኹ ይሰምዖ ራህዋኺ ብእዝነይ
ጽባሕ ክድህስሶ ዘርጊሐ ኣእዳወይ
ብስራት ሓርነት ወሪሩዎ ልበይ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ክቐስን’ዩ ህዝበይ!
ኣርማ ሰላም ረሓት ረጋቢት ክነፍራ
ፍትሕን ደሞክራስን ኣዕዋፍ ክዝምራ
ውግእ ወረ ውግእ ናይ ምልኪ ምሕደራ
ደሓን ኩን ክትብሎ ንሽግር መከራ
ይደጉሖ’ሎ ዓይነይ ብኹሉ *ማእዘራ        *ብዙርያኡ ጸንጸባርቕ ጩራ
ፍትሒ ክነግሳ’ዩ ሃገርና ኤርትራ!
ራህዋ ክዓስሎ’ዩ መሬታ ምስ ባሕራ!
“ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”
ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 07-01-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Yemane Ghebre December 31, 2013

    well said, that is proper poem and the content is absolutely right. Pls keep on writing!

POST A COMMENT