Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስጋለት ቀጣን! ብከመይ ክንዝክረኪ?

  ማሕሙ ሳልሕ ወድ ኣሚርን ወድ ሼኽን ገለ ካብቶም ንስጋለት ቀጣን ብትግረ ዝደረፉ እዮም። ወድ ኣሚር ምስ ፍቕሪ ኣተኣኣሳሲሩ ደሪፉላ። ወድ ሼኽ ግን ንክብርን ዝኽርን’ቲ ብ1990 ዝወደኣቶ መንእሰይ ተጋዳላይ እዩ ደሪፉላ። ወድ ሼኽ ኣብ ደርፉ ምስ ቀጣን

 

ማሕሙ ሳልሕ

ወድ ኣሚርን ወድ ሼኽን ገለ ካብቶም ንስጋለት ቀጣን ብትግረ ዝደረፉ እዮም። ወድ ኣሚር ምስ ፍቕሪ ኣተኣኣሳሲሩ ደሪፉላ። ወድ ሼኽ ግን ንክብርን ዝኽርን’ቲ ብ1990 ዝወደኣቶ መንእሰይ ተጋዳላይ እዩ ደሪፉላ። ወድ ሼኽ ኣብ ደርፉ ምስ ቀጣን ገበይ ስጋለት እዩ ዝማጎት። “ “ እቲ ቀደም ግዜ ወድ ኣሚር ምስ ፍቕሪ ኣተኣኣሳሲሩ ደሪፉልኪ ኣንቲ ቀጣን ሸቢበት (ነዊሕ ክፋል ጾጕሪ ወይ ቅኖ)፡ ሎሚ ግን ገጽኪ ብባሩድን ሓጺንን ተደዊኑ፡ ንገርኒ’ስከ ከመይ ነይሩ እቲ ኩነታት” እናበለ ጅግንነትን መስዋእትን  ባሕርያን ኣጋርን ታንከኛን (በዓል ኮማንደር)እናጠቐሰ ይቕጽል። ቅጥናን ጽባቐኣን የወናውን እዩ፤ ንዘይፈልጣ ሰላማዊት እያ ትመስል። ዑስማን ዓብደልርሒም እውን ምስ ምጽዋዕ ሓዊሱ ብትግርኛ እታ ዘይትመውት ዜምኡ ( ኣብ ከተማ ምጽዋዕ………) ለጊሱላ። ደርፍታት ወድ ኣሚርን ዑስማንን ምስ ፍቕርን ስኒትን፡ ምስቲ ድሕሪ ድራር ዘሎ ሸናዕን ወኻዕኻዕን ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም። ወድ ሼኽ ዝመረጾ ቃላት ግን፡ ንፍቕርን ኲናትን፡ ንሞትን ሂወትን፡ ንህንጸትን ዕንወትን የረኣኢ (contrast ይገብር)። ድምጹ ቅሩብ ናይ ሓውሲ ሕንቕንቕ  ጠባይ ስለዘለዎ፡ እታ ደርፊ ዝያዳ ንምረት ኲናት ምሕራር ባጽዕ ናይ 1990፣ ነቲ ጥዋለትን ርእሲ-ምድርን ንምሓዝ ዝተገብረ ምትሕንናቕን ዘፈሰሰ ደም ጀጋኑን ኣንጸባሪቓ ናይ ምስትንታን ወይ ሓዘን ቃናን ስምዒትን ኣለዋ።  ቃላት ናይታ ደርፊ ምስ ናይ ወድ ሼኽ ገጽን ድምጽን ተወሃሂዱ ስእሊ ናይታ ፍጻሜ የመሓላልፍ።

ተጋዳላይ ቀትሪ ምድሪ ብሓንቲ ቀጣን ናይ ሓመድ ገመድ ናብ እንዳ በረድ መታን ክዝጋዕ ክጎዪ፡ ጸረታንኪ ሚሳይላትን ከበድቲ ረሻሻትን ጸላኢ ናብዛ ቀጣን መንገዲ፡ ናብ ግንባር ተጋዳላይ ክቐንዕን ዝተመልዓሰ ተጋዳላይ ንየማነ-ጸጋም ናብቲ ባሕሪ ክወድቕን፡ እተን ድሕሪ ፈተነታት ጫፍ ጥዋለት ዝነኸሳ ታንክታትና ብጸላኢ ተኸቢበን ብሓዊ ክጋጸባ ከለዋ፡ በንዚንን ዝሓረረ ስጋ ሰብን ዝተፋረቖ ሽታ ኣየር ምስ ባሩድን ትክን ተሓዋዊሱ ስማይ ከተማ ባጽዕ ዓፊኑ እንከሎ  ይረኣየካ። “ እንታይ ደኣ ኮይንኪ ኣንቲ ቀጣን ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ክንድዚ ትጭክኒ? ምስቶም ደከት ዘስሓኑኺ ሰራዊ ደርጊ ተደናጊሩኪ ድዩ? ደቅኺ፡ ደቂ ወድ ኣሚር’ኮ እዮም ዝረግጹኺ ነይሮም። ሀሚ ኮይንክዮም፡ ውሒጥክዮም ስጋለት ቀጣን። ትጽቢተይ ኣይነበረን” ኢሉ ዘማርር ዘሎ ይመስል ወድ ሼኽ። ኣነ እውን ናተይ ንእሽቶ ዝኽሪ ክውስኽ።

ብዕለት 10/2/1990፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብስራሕ ኣብቲ ኣብ እግሪ ጎቦ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ ቤት/ት/ካድር ነይረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ካሪኩሉም ካድር ህ.ግ. ካብቲ ንዓመታት ዝህቦ ዝነበረ ደረቕ ማርክሰ-ለኒናዊ ኮርሳት ተገላጊሉ ናብ ውሽጡ ናብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ከም ዝጥምት ኮይኑ ካብ ዝሰርሕ ገለ ቅሩብ ዓመታት ገይሩስ ኣብታ ዓመት’ቲኣ ድማ ነዚ ኣንፈት’ዚ ብምቅጻል፡ ካድረታት በብቋንቋኦም ንምምልማል መደብ ወጺኡ። ብትግረ ክጅመር ስለዝተመደበ፡ ዓብዳላ ጃብርን ናይዝጊ (ወዲ ሃይገት) ኣነን ነቲ መደብ ኣብ ሓጺር መዓልታት ወዳዲእና እቲ ኮርስ ጀሚርናዮ። ዘምህረት ዮውሃንስ ከም ሓላፊ’ቲ ቤት/ትምህርቲ መጠን ከምኡ እውን ኣልእሚን መ/ስዒድ ከም ሓላፊ እቲ ክፍልን ጽቡቕ ምትሕግጋዝ እናገበሩ ቅሩብ መዓልታት ምስ ከድና እዛ ናይ ፈንቅል ኩነታት ተርክብ። እቶም ተመሃሮ ሓለፍቲ ሰራዊት እዮም ነይሮም (ከም ዝዝከረኒ ካብ መራሕቲ ጋንታታት ክሳብ ናይ ቦጦሎኒ ነይሮም)። ዕለት 10 ለካቲት ንግሆ፡ ቀዳመይቲ ፐርየድ ናተይ ስለዝነበረት፡ ናብቲ ኣዳራሽ( ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተገብረሉ) ምስ ኣተኹ ተመሃራይ ዝበሃል ኣይጸንሓንን። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ተክኒሻን-ተጋዳላይ ምስ ሓተትኩ “ እዋእ፡ ሎሚ ደኣ ትምህርቲ ተራእዩካ፡ ቀደም ነፊጾም፤ ናብ ኣሃዱታቶም ከይዶም” በለኒ።

እቲ ኩነታት ንዘምህረት እነግሮ፡ ዘምህረት እውን ዝጽበዮ ነይሩ መስለኒ፡ “ እንታይ ደኣ ይገበር፡ ምሸት ናብ ቦታኹም ክትከዱ ኢኹም ግን ነቲ መደብ እናጻፈፍኩም ጽንሑ ዕድል እንተተረኽበ” በለኒ ብትሕትና- ዘምህረት የውሃንስ ኣዝዩ ህዱእን ኣኽባሪ ሰብን እዩ ነይሩ። ኣከባቢ ሳዓት ሓደ ኣቢሉ ኣብታ ቤት/ጽሕፈት ድሩዕን ኣልኣሚንን ዝነበረኣ ስንጭሮ ኣድራጋ ጠያይቲ ንሰምዕ’ሞ ሰንቢድና ናብኡ ንጎዪ፤ ግን ድሮ ናይ ደስታን ሓጎስን ምትእኽኻብ ይጸንሓና። ድሩዕ ገዓት ይበልዕ ነይሩ፡ተጋደሊት ሮማ (ሰይቲ ድሩዕ) እውን ናውቲ ቡን ትቐራርብ ነይራ። እቲ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ከምዝነበረ ኩላትና ንፈልጥ ነይርና። እቲ ኣሳልጦ ግን ወላ ንበዓል ድሩዕን ኣልኣሚንን ከም ዝመሰጠ ኣስተብሂልናሉ። ድሩዕ ምስቶም ኣብ ሃገር ዝነበሩ ኣባላት ድምጺ ሓፋሽ ነቲ ዜና ብከመይ ከቕርብዎ ብራድዮ ይመያየጥ ከምዝነበረ ካብቲ ኦፐረተሩ ምስኡ ዝመላለሶ ዝነበረ ክርዳእ ክኢለ። ደሓር እውን ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ “ ……ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣትዩ..” ብዝብል መልክዕ እዩ ቀሪቡ። ኣቀራርባ’ቲ ዜና ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። ምኽንያት ከኣ ነይርዎ። ኣብ ጥዋለት እቲ ኩነታት ኣዝዩ ጽንኩር ነይሩ።

ደድሕሪ እዚ ኩነታት ነቶም ብስም ራስ-ገዝ ተዓስኪሮም ዝነበሩ ኣብ ባጽዕ ዝተማረኹ ኤርትራውያን ንምምሃር ምስ ካልኣየይ ናብ ኣዶብሓ ከድና። ወርሒ ወይ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ሂብና፡ ዝጋደል ናብ ክ/ታዕሊም ንዓደይ ዝብል ድማ ብኡ መሰረት ናብ ዝምልከቶ ኣፋኒናዮም። እቲ ኮርስ ብትግረን ሳሆን’ዩ ተዋሂቡ። ናብ ማእከላይ ቦታና ምስ ተመለስና ሰብ ከቲቱ( ናብ ድፋዓት ከይዱ) ጸኒሑና ንሕና እውን ተታሓሒዝና ናብ ኣፍዓበት ኣምራሕና። ወልደንኪኤል ገ/ማርያም ጸኒሑና፡ ክንምለስ’ኳ እንተተዛረበና፡ ኣቕቢጽናዮ። ናብታ ሽዑ ትቐውም ዝነበረት ክ/ሰ/90 ንምደብ፤ ኣብ ግንባር ከረን ንቅሩብ ግዜ ጸኒሐ በጦሎነይ ናብ ክ/ሰ/70 ተመዲባ ናብ ደቡብ ንኸይድ።

ኣብቲ ንሕና ዝመጻእናሉ ግዜ ተጋደልቲ ክ/ሰ/70 ብ/10 ብዛዕባ ጥዋለት ዝነበሮም ዝኽርታት ሓድሽ እዩ ነይሩ። ንቀጣን ገበይ ስጋለት ኣምሪሮም ይረግምዋ ነይሮም። እቶም ዘዕልሉኒ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ መፋርቕ 80ታት ዝተሰለፉ ክንሶም ኣጓብዝ መራሕትን ተዋጋእትን ኮይኖም ነቲ ኣብ ቀጣን ስጋለት ዘጋጠመ ከቢድ መስዋእቲ ተጋደልቲ ዓው ኢሎም ብዓይኒ ነቐፌታ የዕልሉሉ ነይሮም። ሓደ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ዝኸተትኩሉ ግዜ ዘስተብሃልኩሉ ነገር፤ ዝበዝሕ ግዜ እቶም ታሕተዎት ኣዘዝቲ ኣዝዮም ምኩሓትን ብርእሰ-ተኣማንነት ዝሰርሑን እዮም። ርኢቶኦም ይህቡ እዮም፤ ግን “እተዋ” እንተተባሂሎም ትእዛዝ ትእዛዝ እዩ። ነግ-ፈረግ የለን። ዓለም ውትህድርና “ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ” መሰል እትማጎተሉ ኣይኮነን። ኩሉ ክትዓት ንደሓር ‘ዮም ዘወንዝፍዎ። ብሂወቶም እንተርከቡ ጽቡቕ፤ እንተተሰውኡ ድማ እቲ ሕቶኦም ብሂወቶም ዝተረፉ ተጋደልቶም ከምዘልዕሉሎም ይተኣማመኑ እዮም። ተጋደልቲ ክ/ሰ/70 ብ/10 እውን ድሕሪ ምሕራር ባጽዕ እቲ ጉዳይ ከም ዝተዛረቡሉ እዮም ነጊሮምኒ። ሓንቲ ካብቲ ንሶም ዘዕለሉኒ ግን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘይሰምዓክዋ ከካፍለኩም።

ብወገን ዕዳጋ እዮም ኣትዮም። ሲነማ ኣይዳ ምስ ተበጽሐ ቀጣን ገበይ ስጋለት ግድል ፈጢራ። ብከመይ ትሰገር? ጽላኢ፡ ንሰብ ገዲፍካ ንሓጺን እውን ዘምክኽ ኣጽዋር ኣብቲ ማዕዶ ጫፋ ኣጻዊዱላ ነይሩ። ሓለፍቲ ጸላኢ ይኹኑ ሓለፍቲ ህዝባዊ ሰራዊት ተመክሮ 1977 ይርድእዎ ነይርዎም። ጸላኢ ነቲ ተመክሮ ክደግም ተጋዳላይ ድማ ንዕኡ ከውግድ ተረባሪቦም። ብወገን መራሕትና ርኡይ ጸቕጢ ከምዝነበረ ብሩህ እዩ ነይሩ፤ ናይ ግዜ ጸቕጢ። “ ጸላኢ ከይተዳለወ ዝገበርና ገይርና ክንሰግር ኣለና” ዝብል ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ሰ. ኣብ ሲነማ ኣይዳ ኮይኖም “ሕለፍ፡ እቶ” ክብሉ ኣምስዮም። ብዙሓት ኣዘዝቲ መካናይዝድን ኣዘዝቲ ኣጋር ሰራዊትን ነቲ ቀትሪ ምድሪ ብቀጣን ገበይ ስጋለት ናይ ምስጋር መስርሕ ከምዝተቓወሙን፡ ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ “ እዚ ነብሰ-ቅትለታዊ ፈተነ እዩ” ከም ዝበሉዎን ከምዘይተሰምዑን እቶም ተጋደልቲ ብምረት ኣዕሊሎምኒ።  ዝበዝሕ ሰብ ውዕሎ ናይቶም ምዑታት ታንከኛታትና እዩ ዝፈልጥ። ብመሰረት ዕላል’ቶም ተጋደልቲ ግን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝባን ቀጣን ገበይ ስጋለት ማዕበላት ኣጋር ሰራዊትና ረጊጽዎ እዩ። መድፈዓጅታት ጸላኢ ከምታ ናይ ሽዑ መዓልቲ ቀላል ስራሕ ረኺቦም ኣይፈልጡን። Zu23 ጸረ-ነፈርቲ ረሻሽን ጸረ ታንክ ሚሳይላትን ከይተረፈ እዩ ናብ ግንባር ተጋዳላይ ቀኒዑ።

መሬት ጥዋለት ዝነኸሱ ኣጋር ሰራዊት ነይሮም እዮም። ግን ዘዝተበገሰ ህጁም ተጋዳላይ ይዕጸድ ስለዝነበረ ኣብ መወዳእታ ተወጺዖም፡ ውጉኣቶምን ስዉኣቶምን ሒዞም ናብቲ ናብ ዕዳጋ ዘጠምት ጫፍ ማያት ባሕሪ ወሪዶም። እቶም ነዓይ ዘዕለሉኒ ክልተ ተጋደልቲ ካብቶም ነቲ ሚሳይላትን ረሽሻትን እናተኻዕዎም ናብ እንዳ በረድ ዝበጽሑ እዮም። ቅድሚ ንድሕሪት ናብቲ ገምገም ባሕሪ ዝጸድፉ ግን፡ እቶም ንጥዋለት ዝሰገሩ ውሑዳት ብጾት ጠያይቶም ክሳብ ዝውድኡ ነቶም ምዑታት ታንከኛታትና ከድሕኑ ተማዊቶም’ዮም። ታንኪ እንተተጸጋዕካያ ትርጉም ስለዘይብላ፡ እቶም ኣጋር ዝከኣሎም ገይሮም። እቶም ታንከኛታት ተጋደልቲ እውን ብኸምኡ ነቶም ዝከላኸሉሎም ዝነበሩ ውሑዳት ኣጋር ተጋደልቲ ከድሕኑ ተማወቱ። መስዋእቲ ድማ ፈልያቶም። ሓደ ካብቶም ዘዕልሉኒ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብዛ ብርኪ ናይቲ ዕላል ክበጽሕ ከሎ ኣዕንቱ ማይ ይመልኣ ነይረን።

ኣብቲ ጨዋም ባሕሪ ሂወት ውጉኣት ብጾቶም ከድሕኑ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቅልስ ብዙሕ ኣዕሊሎምኒ። ሓንቲ ዘይርስዓ፡ ሓደ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣከሉ ዝተወግአ ብጻይ ነይሩ። ቀልጢፉ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ። ክልተ ምስኡ ዝነበሩ ሓዲኦም ኣብ ኢዱ ብብርቱዕ ተወጊኡ ደም ይኸዶ ነይሩ። ግን ነቲ ኣቀዲሙ ሃላዋቱ ኣጥፊኡ ዝነበረ ብጻይ ከድሕን ክቃለስ ኣምስዩ ጸልማት ምስኮነ ከውጽእዎ ከለዉ ከምልስ ጀሚሩ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ መንገዲ ተሰዊኡ። እቲ ኣብ ላዕለዋይ ኣካላቱ ዝተወግአ ብጻይ ግን ድሒኑ። እቲ ቀንዲ ብደሆ ነቶም ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ከይጥሕሉ ምርብራብ እዩ ነይሩ። እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫ ጸላኢ። ካልእ ብጻይ ሰለፉ ተሓምሺሹ ብኩሹኽን ሓማላን ኣሲሮሞ ነይሮም፡ ንሰለስተ ሳዓታት ተማዊቶምሉ ጸልማት ክሕዝ ምስ በለ ተሰዊኡ። ኣብታ ጨዋም ገምገም ዝነበረ ምትሕልላይ ክነግሩኒ ከለዉ ኣነ እቲ ኣብኡ ዘይነበርኩ እውን ኣዝዩ ተንኪፉኒ እዩ።

ካብ ዕላሎም ከምዝፈልጥክዎ፡ ክልቲኡ ወገን ስጋለት ብውጉኣትን ስዉኣትን መሊኡ ከምዝነበረን ክሳብ ጸልማት ዝኸውን ኣብቲ ጨዋም ማይ ምስ ኣቝሱልቶምን ቃንዘኦምን ከምዘምሰዩን፤ ንዕኦም ንምክልኻል ግን ናይ ወገን ቀጻሊ ጉልባብ ይግበር ከምዝነበረን፤ እቲ ውጉኣት ናይ ምድሓንን ስዉኣት ናይ ምውጻእን ስራሕ ምሉእ ለይቲ ከምዝቀጸለን ብትዝታ ሓቢሮምኒ። እቶም ዘዕለሉኒ ተጋደልቲ ብተወሳኺ፡ ካብቶም ድሕሪ 5 መዓልታት ብፈጣናት ጀላቡ ናብ ርእሲ ምድሪ ዝኣተዉ ‘ዮም ነይሮም። ይግረሙ ከኣ ነይሮም። እቶም ኣዘዝትና ንናይ 1977 ሽግር ከይድገም ይሓስቡ ከምዝነበሩ መቸም ኣየጠራጥን። “ ንምንታይ ደኣ እቲ ኩሉ ህልቂት? ውጥንካ ባሕርን ደሰታትን ዘጠቓልል እንተኾይኑ እሞ ከኣ ክትጥቀመሉ እትኽእል ንብረት ወይ ጸጋታት (assets) ናይ ባሕርያ ጃልባታትን ኩማንዶን እንከለዉ ንምንታይ ቀትሪ ምድሪ ማዕበል ድሕሪ ማዕበል ናይ ተጋዳላይ ተገይሩ? ብውሑዱ እታ ቀዳመይቲ ፈተነ ምስ ተገብረት ከቋርጽ ነይርዎ ” ክብሉ የዕልሉኒ ነይሮም።

ሎሚ ድሕሪ 24 ዓመታት ደኣ እንታይ ኣምጸኦ? እዋእ ብዛዕባ ፈንቅል’ኮ ኢና ንዛረብ ዘለና። ኤሪ-ቲቪ እንዶ ወልዕ። ኣብዚኣ ፍትሓዊ(fair) መታን ክኸውን፡ መደባት ኣዘዝቲ ህ.ሰ. እንታይ ከምዝነበረ ዝፈልጦ የብለይን። እንታይ እንተታት ሒዞም ከምዝነበሩ ንሶም ባዕሎም ይፈልጥዎ። ስጋለት ከምትጽበዮም ግን ፍሉጥ ነይሩ። ንዓ ዝኸውን ጽቡቕ ፍታሕ ኣዳልዮም ከምዘይነበሩ ካብ ዕላል’ቶም ተጋደልቲ ብሩህ ነይሩ። ናይ ሽዑ መዓልቲ ዓቕሊ ጽበትን “ እቶ ጥራይ” ዝብል ትእዛዛትን ነቶም ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ዝተጋደሉ ብጾት ከይተረፈ እዩ ዘገርሞም ነይሩ። ኣዘዝቲ ስርሒት ፈንቅል፡ ነዛ ናይ ቀጣን ገበይ ስጋለት ቅዝፈት ብጎቦ-ጎቦ ክሓልፍዋ ኢና ንርእዮም። ታሪኽ ገበይ ስጋለት ታሪኽ ናይዛ ርግምቲ መዓልቲ እዩ። ክድህሰስ ኣለዎ። እዚ፡ ብቕዓት ናይቶም ነቲ ውግእ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ከም ዘተሓትት ኮይኑ ክመስል የብሉን። ፈቲና ጸሊእና፡ ንእስነቶምን፡ ኣመላምለኦምን (ዘመናውን ምዱብን ወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠት ዘይምውሳዶምን) ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ናይ ሎሚ ተረኦም ብዘየገድስ፡ ናይቲ ግዜ ኣዘዝቲ ህ.ሰ.  ኣብ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ኣይነበሮምን። ቃል ዓለም ዘይብላ፡ ኩሎም ኣብ ውግእ ዝዓበዩን ውግእ ዝመሃሮምን ጀጋኑ እዮም ነይሮም። ኣብዛ ኣልዒለያ ዘለኹ ፍጻሜ እውን መራሕቲ ቦጦሎኒታትን ሓይልታትን እዮም ንሰራዊቶም መሪሖም ዝተደርገሙ። ብዙሓት እውን ተሰዊኦም እዮም። ብርኢቶ እቶም ዘዕለሉኒ ተጋደልቲ፡ እቲ ጸገም “ ናይ 1977 ተመክሮ ከይድገም” ካብ ዝብል ምርባሽ እዩ ነይሩ። ስጋለት ቀጣን በታ ናይታ መዓልቲ ፍጻሜ ጥራይ እንተትፈርዶም ነዚ መረጋገጸት። ግን እቲ ኩሉ ዝካኣሎ ተጋዳላይ ነይሩ። ነቲ ናይታ መዓልቲ ክሳራታት ተጻዊሩ፡ በደግ ኢሉ ተሲኡ ንስጋለት ብዘይተጸበየቶ ሓሪርዋ። ብድሕሪት።

ልክዕ እዩ ቀጣን ገበይ ስጋለት፡ ብቕጥናን ጽባቐኣን ንወድ ኣሚር ማሪኻ ትኸውን። ናይ ቀደም ዛንታ እዩ። ብ1990 ግን ፍቕርን ደታን ዝይኮነ ደም እያ ተሓጺባ። እሞ ብምንታይ ኢና ንስጋለት ቀጣን ክንዝክራ? ከምቲ ትንክፍ ዘበልክዎ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ክዛረቡ ዕድል ዝተዋህቦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ደደሓኑ እዮም ከመሓላልፉ ዝፈተኑ። ታሪኻ ቅሩብ ዝተሓላለኸ እዩ ቀጣን ገበይ ስጋለት። ክሳብ ሕጂ ዝሰምዓኹሞ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓቂ ግን ኣላ፣ ገበይ ስጋለት ዓይነ-ምስክር ወለዶ ናይቲ ግዜ’ቲ እያ። ኤርትራ ዘፍረየቶ ናይ ግዚኡ ብሉጽ ዘርኢ፡ ናይ ግዚኡ ብሉጽ ወለዶ። እቲ ወለዶ እቲ ብደሆ ናይቲ ግዜ ‘ቲ መኪቱ እዩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ከ እንታይ እዩ ብደሆኻ? ንናይ ሎሚ ብደሆ ክትገጥም ቅሩብ ዲኻ? እንታይ እዩ ማሕላኻ?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Sina February 11, 2014

    መግለጺ ሰራዊት ሕድሪ … ሰራዊት ሕድሪ ዕለት 9/2/2014
    ሓፍሽ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ተሕልፎ ዘለኻ ንህላወኻ ዝፈታተን መድረኽን ህይወት ንምድሓን ንሕና ካብ ኣብራኽካ ዝወጻናን ንህላወኻ ዝተፈጠርናን ደቅኻ ኣንጽር ገባትን ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብረት ብምሓዝ መስዋዓቲ ንኸፍል ምህላውና ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን።
    እዚ ሎሚ ብምውህሃድን ሓድነት ወተሃደራዊ ክንፍን ናይ ክለተ ውድባት ማለት ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ከምኡ ድማ ምንቅስቃስ ዲሞክራስን ፍትሕን ኢርትራ ዝተመስረተ ኮይኑ ብመሰረት ስምምዓት እዘን ክልተ ሓይልታት ድማ ሰራዊት ሕድሪ ብዝብል ስያመ ይጽዋዕ ምህላዉ ኣብ ግዚኡ ተገልጹ ኣሎ። እንተኾነ ንሕና ተጋደልቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ካብ መሪሕነት ውድብና ካብ ነውሕ እዋን ክብጽሕ ዝጸንሐ ኣደራዓትን ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ኣሰራርሓታት ብስርዒታዊ ኣገባብ ንምእራሙ ክንሰርሕ ምጽናሕናን ብፍላይ ድማ ኣብ ዉድብና ሓፈሻዊ ጸገማትን ብመሪሕነት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዓትን ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት ተገሊጹ እዩ።
    ሓፋሽ ህዝብና!!
    ሎሚ ነዚ መግለጺ ከነውጽእ ዘገደደና ህሉው ኩነት ህዝብና ኣብ ኣሰካፍን ሕማቅ ኩነታትን ኣብዘለወሉ ህሞት መድረኻዊ ኩነት ህዝብና ንሓድነትን ህይወት ኣድሕን ይጽውዕ ኣብ ዘለወሉ ህሞት ካብ ፈጻሚት መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ዘጋጥም ዘሎ ከብደቱን ብድሆታቱን ዓቅሊ ዘወድእን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ክሳብ ንሓድነት ሰራዊት ዝፈታተን ንሰራዊት ሕድሪ ኣብ ክልተ ንምኽፋል ዝካየድ ዘሎ ተኻታኺ ነገራትን ንምፍላጡ ምኻኑ ንገለጽ።
    ኣብዚ ክንገልጾ ኣጸጋምን ኣሰካፍን ኣካይዳን መሪሕነትን ኣብ ሰራዊት ዝወርድ ዝነበረን ዘሎ ኣደራዓትን ንሰራዊት ኣመንጊካ ንምምርሑ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ዉሳነታት ክቃወም ጻዊዒትና ነቅርብ። ኣብ ማአዲ ቃልሲ ምስ ሰራዊት ዝነበሩን ከምሰራዊት ሓመድን እምንን ተተርኢሶምን ተነጽፎምን ዝሓድሩ መራሕቲ ሰራዊት ብምእላይ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሳብ ፈከራታት ብመሻርፍ ምእጋድን ካሳብ ነዚ ሓድነት ኣፍልጦ ዘይሃቡ ኣባላት ፈጻሚት ከም ኣዘዝቲ ንምግባሮም ዝካየድ ዘሎ ፈተነታትን ከምኡ ድማ ሃገራውን ህዝባውን ድልየታት ማእከል ዘይገበረ ባህግታት ውልቀ ሰባት ንምትግባር ዝካየድ ዘሎ ጡሙሓት ዕላማታቱ ምኻኑ ንገልጽ።
    ብዕለት 31/1/2014 ብብት ጽሕፈት ዚናን ባህልን ብምስያም ዝወጸ ጋዚጣዊ መግለጺ ባህግን ድልየትን ዉልቀ ሰባት ምኻኑ ብምግላጽ ዕላምኡ ንሓድነት ሰራዊት ንምህራም ማእከል ዝገበረ ሙኻኑ ውን ንገልጽ።
    ሓፋሽ ህዝብናን መሰረታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራን
    ንሕና እዞም መንእሰያት ኢርትራ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን እንበር መርወይ ጽምኣት ስልጣን ውልቀ ሰባት ከምዘይኮናን ኣብ ዉሽጢ ውድብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋውን ሃላልን መንገድታት ሙኻኑ ውን ንገልጽ።
    ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ድማ ነቅርብ፤
    1. ህጹጽ ኣኺባ ባይቶ ክካየድን ኩሎም ሕቶታት መሰረታዊ ፍታሕ ብዘይ ንሕስያ ብሕጋዊ መንገዲ መዕልቦ ክግበረሎም፤
    2. ክሳብ ህጹጽ ኣከባ ባይቶ ዝካየድ ፈጻሚት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕድሪ ትገብሮ ዘላ ተካታኺ መንገዲታት ደው ከተብል፤
    3. ብዕለት 8/02/2014 ብገዛእ ስልጣና ብዘይ ምዝርራብ ምስ ምድፍአ ካብ ምምራሕ ሰራዊት ደው ዘበለቶ ተጋዳላይ ፍሳሃየ ሃይሉ ኣብ በትኡ ክምለስ፥
    4. ክሳብ ህጹጽ ኣኺባ ባይቶ ውድብና ፈጻሚት ካብ ተኻታኺ መግለኂታት ደው ክትብል፥
    5. ብገለ ኣባላት ፈጻሚት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ክሳብ መሻርፍ ሰራዊት ደው ንምባል ብጥምየት ንምቅጽዑ ዝካየድ ዘሎ ጎስጋሳት ደው ክብል: ዘይሕጋዊ በደላት ዝበጽሖ ዘሎን ድምጹ ካይስማዕ ድማ ዝተፈላልየ ተጽዕኖታት ዝፍጸመሉ ዘሎ ሰራዊት ደው ክብልን ንሓትት። ኣካል ሰራዊት ሕድሪ ዝኾነ ተጋዳላይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ በዛ ዘላ ፈጻሚት ውድብ ዓማጽን ዘይፍትሓውን ወገናውን ዉሳነታትን ኣካይዳታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱን ዉፉያት ኣባላቱን ከተካይድ ምጽንሓን እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሎ ገለ ካብ መለኪዒኣ ምኻኑን ደጊምና ብምግላጽ ንህጹጽ ፍታሕ ጻዊዒትና ነቅርብ።
    ሰራዊት ሕድሪ ዕለት 9/2/2014

POST A COMMENT