Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽያብ አይተጸውዕ ለባም ጸውዕ

ሽያብ አይተጸውዕ ለባም ጸውዕ መለሲ ንኣቶ ዓበዱ ሓቢብ (march 27/2014   ነዚ ዝስዕብ ጽሐፍ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ፤ ኵነታት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ነት፤ ብዓበዱ ሓቢብ ናይ ኢመይል ምልልስ ዝብል፤ ብዛዕባ ጎይትኦም ጸጋይ (ጌቱ)፤ ጽሑፍ ምስ አንበብኩ ብጣዕሚ ተገሪመ፤

ሽያብ አይተጸውዕ ለባም ጸውዕ

መለሲ ንኣቶ ዓበዱ ሓቢብ (march 27/2014  

ነዚ ዝስዕብ ጽሐፍ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ፤ ኵነታት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ነት፤ ብዓበዱ ሓቢብ ናይ ኢመይል ምልልስ ዝብል፤ ብዛዕባ ጎይትኦም ጸጋይ (ጌቱ)፤ ጽሑፍ ምስ አንበብኩ ብጣዕሚ ተገሪመ፤ ንጎይትኦም (ጌቱ) ክም ሓደ ፍትሐዊን አብ ኤርትራ ድማ ፍትሒ ንኽነግስ፤ ለይትን መዓልትን ዝቃለስ፤ ንብዙሓት መናእስይ እናጠርነፈ፤ አብ ከተማ ቶሮንቶ ጥራሕ ከይትሓጸረ፤ አብ ከባቢ ቶሮንቶ ዝርከባ ክተማታት ንዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፤ ብሓባር ብመቅላስ ሓንቲ ብስም (ፎርቶ 2013 ታስክ ፎርስ) ብዝብል ስም ዝተሰየመት ሽማግለ ካብ ማሕበር መንእሰይን አባላት ውደባትን ብሓባር ብምምሰራት፤ ከም ኣቦ መምበር ኮይኑ ብምምራጽ፤ ነቲ ኩሉ ዝካየድ ዝነበረን ዝካየድ ዘሎን፤ ቃለሲ ኣንጻር ህ-ግ-ድ-ፍ፤ ደኺመ ከይበለ ብነጻ ጉልበቱን ገንዘቡን፤ ነቲ ኩሉ ሰላማዊ ሰልፊ ዘድሊ ጽሑፋትን ንዋትን መጓዓዝያን ብምውሃሃድ፤ ዝቃለስ ዘሎን ንድሕሪሕጂ እውን ንዝኾነ ቃለሲ ንምቕልባስ ብኣኹምን መሰልትኹምን ብዝካየድ ውዲት ክምህ ከይበለ፤ ቃለሱ ከም ዝቕጽል ብዓል ምሉእ ተስፋ ኢየ።

 እዛ ሽማግለ ካበቲ ኩሉ ዘካየደቶ ዕማመት፤

  1. 1.    ካብ ቶሮንቶን ከባቢአን ናብ ከተማ ኦታዋ ብምኻድ ምስ አብ ከተማ ኦታዋ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብሓደ መዓልቲ ናብ ፓርላማ ናይ ካናዳን ናብ ቤት ጽሕፈት ዩንን፤ አምባሳደር ሱዳንን፤ አምባሳድር ግብጸን ስላማዊ ሰልፊ አካይዳ።
  2. 2.     ንቆንስል ኤርትራ (ህ-ግ-ድ-ፍ) ካብ ካናዳ ንኽስጎግ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ አብ ካናዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓቢ ግደ አበርኪታ።
  3. 3.   አብ ቶሮንቶ ዝርከብ ናይ ወርቂ ብሻ ማዕድን ኩፓንያ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ተቓውሞኣ አስሚዓ።
  4. 4.   አብ 2013 አብ ዋሺንግቶን ዝተገበረ ሰላማዊ ጽዑቕ ጎስጓስ ብምክያድ ዓቢ ተራ ተጻዊታ።
  5. 5.   አብ ከተማ ቶሮንቶ ማለት አብ ቤት ጽሕፈት ህ-ግ-ድ-ፍን አብ ዝገብርዎ በዓላትን ብዘይ ምቑራጽ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ብዙሕ ስራሓት አካይዳ ተካይድ እውን ኣላ።  
  6. 6.      ዶክ. ተወልደ ወዲ ቫካሮን፤ ክምኡ ውን አማኒኤል ኢያሱ ራድዮ አሰና፤ ብምዕዳም ንኸታማ ቶሮንቶን ከባቢአን፤ ዓቢ ኣድማዒ ምብርባር ሰሪሓ።

እሞ አቶ ዓብዱ ጽሑፍኩም ነቲ ቃልሲ ንምዕንቃፍን፤ መናእሰይ ሓቢሮም ንኸይቃለሱ ንምብትታን ዝዓለመ እዩ፤ ዕድመኹም ናብ ሰባዓታት ዘቕንዔ ክነስኹም’ ክትመኽሩን ክትምህሩን እዩ ዝግባእ፤ ግን ካብ ሕሉፍ ታሪኽኩም ከዘክረኩም፤ ባይቶ አብ ዝምስረተሉ ዝነበረ ግዜ፣ ዘይተመረጽኩ ኢልኩም ብዙሕ ኣዕገርጊርኩም፤ ዘድልን ዘየድልን እውን ጺሕፈኩም፤ አነ አብ ሱዑዲ ዓረብ አብ ዝነበርኩሉ ግዜ ደርግ ንህዝቢ ኤርትራ እናኣጥፍኤ ከሎ፤ አብ ቤት ጽሕፈት አምባሳደር ናይ ኢትዮጵያ ትሰርሑ ነርኩም፤ ብዙሓት ኤርትራውያን ግደፍ ትጋገ አሎካ’ውን ይብልኹም ነይሮም፡ አይ ሽዑ እንዲኹም ደኣ ኤርትራ ገድል ትግባ ዝበልኩም፤ ኩሎም ዝፈልጡኹም ከኣ ካባኹም ሪሕቖም አነ አብኡ ሰልዝነብረኩን ስለዝፈልጠኩምን እየ ዘዛኻኽረኩም ዘልኹ።

 

አልማዝ ብርሃነ

ካናዳ  ( almazberhane@gmail.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ahmed saleh March 29, 2014

    I do not know the person and I do not know about the whole scenario .
    But if in deed the person mentioned on the above article was working for Ethiopia at the time of Eritrean struggle ,
    we might forgive but to give him a place to play a role on our political affairs doesn’t make a sense . Sometimes
    I observe weakness of our people to ignore facts than head on resistance . Regardless its outcome , our principle ,
    honesty and truthfulness are the most important tools to achieve constructive future in our socio-political affairs.

  • Tesfu Kidane March 29, 2014

    But this man is still continuing to obstract the struggle.

  • ERITRAWIT March 29, 2014

    If someone name came to Meskerem=Metaqusit web-site that means he is doing a good job against pfdj!!!!!! Getu keep going Brother I don’t know you personally but hey thanks to Assenna we know you work we love you and we need you!!!!!!!!!!

  • wedi Forto March 29, 2014

    Getu,

    Do not be distracted by the likes of Abdu. Keep the good fight against PFDJ, brother!

  • gebre March 29, 2014

    you are right,

  • Saron Bereket March 29, 2014

    Keep it up the good work brother Getu, we’re so proud of you. Do not be distracted by the likes of useless ppl.

  • Suleiman Salim March 29, 2014

    ኣልማዝ ብርሃነ? ጓል ብርሃነ ኣየለ?

POST A COMMENT