Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን ::

ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን :: ቀዳማይ ክፋል ሽግር ኤርትራ ( ኣማውቱና 2013 ) ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ማሕበር: ሽግር ናተይ ፍታሕ ናተይ ክብል እንከሎ:: ኣገናዕ ክትብሎ ጥራሕ'ዩ ዘለካ:: እዚ ኣብ ጉዳይ ፓለቲካን መሰልን ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ዝኾነ

ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን ::

ቀዳማይ ክፋል

ሽግር ኤርትራ ( ኣማውቱና 2013 )

ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ማሕበር: ሽግር ናተይ ፍታሕ ናተይ ክብል እንከሎ:: ኣገናዕ ክትብሎ ጥራሕ’ዩ ዘለካ:: እዚ ኣብ ጉዳይ ፓለቲካን መሰልን ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ሽግራት’ውን: እቲ ጸገም ኣለኒ ዝብል: ጸገሙ ክፈትሕ ምሉእ ስልጣን ከምዘለዎ ስለዝእምት:: ንኣብነት ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ድምጺ: ሽግር ኣብ ሓዳርና: ፍታሕ ብሓዳርና እንተኢሎም:: ኣብቲ ጉዳዮም: ሓቆም ምበልኩ:: ብኣንጻሩ ግን ሓንቲ መስኪነይቲ ኢድካ ኣብ ኣፋ ዘይትናኸስ: ብሰብኣያ እተበደለት ሰበይትን: ሓደ ጽጋባን ዓማጺን ሰብኣይን ምስምማዕ ምስ ሰኣኑ: “እንታይ’ዩ ሽንንኩም” ምስ ትብሎም: እቲ ሰብኣይ “ሽግር ሓዳርና: ብኣና” እንተኢሉካ’ኸ :: ንሱ ሓቁ:: እናዓመጸ ይነብር:: እቲ ሽግር ግን እቲ ሓዳር ኣይኮነን: እቲ ሰብኣይ’ዩ:: ሓዳር ዝበሃል’ኮ: ክልቲኦም ክኾኑ እንከለው ዩ:: እቲ “ሽግር ሓዳር” ዝብል: ን “ጌግኡ” ዝሽፍን ወገን’ዩ:: ደፊሩ: ናታ’ዩ ‘ቲ ጸገም ከይብል: ባህርያቶም ፍሉጥ ዩ:: ሽግር ናተይ እዩ ከይብል ድማ: እቲ ሽግር ነቲ ዝተወጽዐ ወገን እምበር ንዑኡ ዝጎድኦ ነገር ኣይኮነን:: ስለዚ ክሽፍን እንከሎ: “ሽግር ሓዳርና” ይብል:: እቲ ሽግር ግን ናቱ ናይ ባዕሉ’ዩ:: ናይ ሓደ ወገን ዩ::

ነዚ መጎት እዚ ናብ ፓለቲካዊ ኣርእስቲ ምስ ንመልሶ: ከም ኣብነት ዝዝከረኒ: መራሒ ምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን ነበር: ዶክተር ጆን ጋራንግ: ብዛዕባ ሽግር ደቡብ ሱዳን ( ሽግር ደቡብ – መሽክላ ኣ’ጅኑብ) ምስ ሓተቱዎ: ዝመለሶ ዩ:: “ስምዑ’ሞ ኣቱም ሰባት: ሓደ ሰብ መጽዩ: እንተተሓዚሉካ: ውረደለይ እንተትብሎ ሞ: እንተዝኣብየካ: እቲ ሽግር ኮይኑ ዘሎ መን ምበልኩሞ:: እቲ ሓዚሉ ዘሎ: ወላስ ተሓዚሉ ዘሎ: ወይሲ ክልቲኦም:: እሞ ብኸምዚ: እዞም ኣብ ደቡብ ዘለና: ሓዚልና ዘለና: ከመይ ኢልና “ሽግር” ንኸውን:: ከመይሉ’ኸ: “ሽግር ደቡብ” “መሽክላ ኣ’ጅኑብ” ይብሃል:: ምናልባት ጂኦግራፊካዊ ስም ክትህብዎ እንተደሊኹም: ናይ ሰሜን (ሸማል) በሉዎ እምበር ናይ ደቡብ ኣይኮነን::” ምስ በለ: ቀጺሉ: “ኣብ ሰሜን ሱዳን ድማ: ከም ብዓል: “ኑባ” : ሰሜናዊ ምብራቕ ሱዳን ዘለው: “በጃን” ካልኦትን: ኣካል ናይቲ ሽግር ኣይኮኑን: እኳ ድኣ ይቃለሱ ኣለው::” ኢሉ ይገልጽ:: ስለዚ: “ንሽግራት: ሰፊሕን ኣጠቓላልን ስም ክትህብ ምፍታን: ነቲ ሽግር ብስሙ ክትጽውዖ ከምዘየኽእለካ: ብስሙ ዘይጸዋዕካዮ “ሽግር” ድማ ክትፈትሖ ከምዘይክኣል ይገልጽ:: እዚ ድማ ከምዘየስርሕን: “እቲ ሽግር ደቡብ ሱዳን ተባሂሉ ዘሎ ሽግር ኣብ ኣብ ካርቱም: ኣብ ኡምዱርማን ተሰሪቱ ዘሎ ናይ ውሑዳት ስርዓትዩ ” ኢሉ ነቲ ጸገም የነጽሮን ይፈልዮን:: ትሕዝቶ መግለጺ ጆን ጋራንግ: ልክዕ ድዩ ጌጋ ብዘይገድስ: እቲ ኣቀራርባ ግን ኣዝየ እየ ዝሰማማዕ:: ንፍሉጣት ሽግራት ብስሞም ከይትጽው ዖም ፈሪሕካን ተሰኪፍካን: ኣጠቓላሊ ስም ምሃብ ክትፈትሖምስ ኣይኮነን ጥቓ ምፍታሕ ውን ኣይትበጽሕን ኢኻ:

ሽግርኤርትራ: ….

ብኸምዚ መንጽር ክንርዮ እንከለና እምበኣር:: ሽግር ኤርትራውያን ማለት እንታይ ማለትዩ:: ነየን ኢና ሽግር ንብሎ ዘለና::

ኣብዚ ዘመን ዚ ሽግር ዘይብላ ሃገር የላን: እታ ልዕለ ሓያላት ትበሃል ኣመሪካ ከይተረፈ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሽግር ኣለዋ:: ኤርትራ  ድማ ከም ሰባን ከም ካልኦት ሃገራት 3ይ ዓለምን እልቢ ዘይብሉ ሽግራት ኣለዋ:: ሽግር ድኽነት: ሽግር ጥምየት: ደርቂ: ሕጽረት ቀረብ ሕክምና: ሕጽረት ቀረብ ትምህርቲን: ካልኦት ኣገልግሎት ህዝቢን ወዘተ…:: እዚ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ሽግር ስለዝኾነ: ገሊኡ ድማ ብባህርን ብተፈጥሮን ዝመጽእ ስለዝኾነ: ኤርትራን ኤርትራውያንን ብፍሉይ ዝኽሰስሉ ክኽውን ኣይግባእን::

ፍሉይ ሽግር ኣብ ኤርትራ

ቀዳማይ

ብዘይካቲ ንኹለን ሃገራት ዝብድሀን ሽግር ግን: ኣብ ኤርትራ ካልእ ተወሳኺን ዝዓበየን ሽግር ኣሎ:: ሱር ናይቲ ኩሉ ሽግራት: “ፓለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዘይምዃኑ”: ክኸውን ከሎ: እቶም እዚ ፓለቲካዊ ኩነት ክቕጽለሎም ዝደልዩ: ዝኸዱዎ መላኺ መገዲ: ንክብረት ሰባት ኣዋሪዱ: ዜጋታት ትሕቲ ባሮት ጌሩ ዝርኢ ኣካይዳ: ብዘይ ፍርዲ ፍትሒን ንዓመታት ምእሳርን: ንገለ ድማ: ብዝተኣሰሩዎ ምሕቃቕ: ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰል ምድራት: ናይ እምነትን ሕልናን ብሕትናን ምንቅስቓስን መሰል ምድራት: ካብቶም ነዚ ምልኪ’ዚ ነጺጎም ካብ ሃገር ዝወጹ ብዘይሕጊ ገንዘብ ምምዝማዝ: ንወለዲ ኣብ ክንዲ ደቆም: ወይ ድማ ንዉሉዳት ኣብ ክንዲ ወለዶም ጅሆ ምሓዝ: ንትሕቲ ዕድመን ኣረጋውያንን ዘይናሕሲ ማእሰርቲታት ንካልእን ምልካዊ ኣካይዳን ዩ::

ካልኣይ

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሽግር ሓደ ወገን ኮይኑ: ብኻልእ ወገን: ድማ ኣብ ኤርትራ ፓለቲካውን ኢኮኖሚያውን ስልጣንን ሓይሊ ሒዙ ዘሎ ጉጅለ: ነጸብራቕ ምልኩ: ኣብተን ኣብ ወሰናስን ኤርትራ ዘለዎ ሃገራት ከርኢ ምፍታኑ ሓደ ተወሳኺ ሽግር ዩ:: ፈላጣት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከምዝብልዎ: ሓደ ስርዓት: ኣብ ደገ ዘርእዮ: ባህርያት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝገብሮ’ዩ  ይብሉ:: እቲ ንዜጋታቱ ድሂኹ ዘይጸገበ ጉጅለ: ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፓለቲካውን ውሱን ወተሃደራውን ምትእትታዋት ክገብር: ኢድ ብኢድ ተታሒዙ’ዩ:: ኣብዚ ሎም እዋን ወተሃደራዊ ዓቕሙ ተዳኺሙ: ፓለቲካው ተሰማዕነቱ ሃሲሱ ዘለወሉ እዋን ድማ: ብቁጠባዊ መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ሱዳን: ደቡብ ሱዳን: ኡጋንዳ: ኣንጎላ: ከንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ክጸሉ ይፍትን ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ:: ናይዚ ሽግር እዚ ከፈልቲ ድማ: እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብጎቦ ዓይኒ ከምዝርኣዩ ዝኾኑ ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮኑን:: ህዝብታት እተን ወሰናስን ሃገራት ውን ካልኦት ግዳያት ናይዚ ሽግር እዮም::

ሳልሳይ

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሊፉ: እቲ ክሳብ ኣሜርካን ካናዳ ክሳብ ዱበይን  ዝዝርጋሕ ብቆንስላትን ወከልቲ መንግስቲን ዝሽፈን ናይ ምምሕልላፍን: ምሕጻብን ገንዘብን መሓውራት ብሓደ ወገን: ብመሸጣ ኣጽዋር ብፍላይ ናብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ መወዳእታ 90ታት: ካልኦትን (ኣብ ሓደ እዋን ድማ ስሪላንካን) ብኻልእ ወገን: ንዓለማዊ ስርዓት ዲፕሎማሲ ዝፈታተን ሽግር እዩ:: እዚ ብግምት ወይ ይኸውን ዘይኮነ: እቲ ኣብ ኤምባሲታት ብካሽ (ጥረ ገንዘብ) ዝኸፈል ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት: ብኸመይ ኣቢሉ ናብ ኣካውትታት ባንክታት ህግደፍ ይሓልፍ ብምሕሳብ ጥራይ ምግማት ይኣክል’ዩ:: እቶም ኣብ ቀዳማይ ጸብጻብ: ጉጅለ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት (ሞኒትሪን ግሩፕ) ተጠቒሶም ዘለው ኣገባባትን ሰባትን’ውን: ካልኦት ጭብጥታት እዮም::

እዚን ካልእ ነዚ ዝመስልን’ዩ ፍሉይን ባህርያዊ ዘይኮነ ሽግር ናይ ኤርትራ:: ባህርያዊ ዘይኮነ ክንብል እንከለና ሰብ-ሰርሖ ማለትና ዩ::

ሰብሰርሖ ሽግር

እምበኣርከስ: እቲ ሽግር ኤርትራ ተባሂሉ ዘሎ: ሽግር መሬትን ባሕርን: ጎልጎልን ጎቦን: ሽግር ጣሻን በረኻን ኣይኮነን:: ይብዝሑ ይውሓዱ ብሰባት ዝመጸ እዩ:: እቲ ሽግር ተባሂሉ ዘሎ: ሃንደበት ካብ ትሕቲ መሬት ቦሎኽ ዝበለ: ወይ ካብ ሰማይ ዝነጠበ መዓት: ወይ ሃንደበት ዝተኽስተ ምትሃታዊ ሓይሊ ኣይኮነን:: ንጫበጠሉ ጠንቅን መሰረትን ዘለዎ እዩ:: ነዞም ጠንቅን መሰረትን ዘምጽኡ ድማ ሕጅ’ውን እቶም ሰባት ዮም::  ግን እሞ እዞም ሽግር ኮይኖም ዘለዎ ኤርትራውያን: መን ዮም:: ኩልና ኤርትራውያን ዲና ሽግር? ኣይመስለንን:: እቶም ሽግር እቶም ውሑዳት እዮም:: እሞ ስለምንታይ ድኣ: ኣልማማ “ሽግር ኤርትራውያን” ይበሃል?  ሽግር እቶም ጉጅለ ሰባት ዘይበሃል? ዝብል ጽቡቕ ሕቶ ክልዓል ይኽእል’ዩ :: ድሮ’ውን ከምኡ ኢሎም ዝሓተቱ ኣለው:: ዝመለሰ ስለዘየል: እቲ መልሲ ግን ካብ ተግባራት በሃልቱ ጥራይ ኢና ንወስዶ:: ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ስለዝዛረብ: ዘይመለሱ ኢልና ውን ኣይንቕየምን::

ሽግር ኤርትራ ሰባት ካብ ኮኑ: በዓል መን (እንታዎት) እዮም::

ብርግጽ እቶም ኣብ ኤርትራ መንበር ስልጣን ሒዞም ዘለው ቀተልቲ ኣሰርትን ኤርትራውያን ሰባት እዮም:: እዚኣቶም ብዘይጥርጥር ሽግር እዮም:: እዚኣቶም ኣብ እንግድዓ ኩሉ ህዝቢ ተሓዚሎም ዘለው እዮም:: ኩሎም ኤርትራውያን ኣሰርትን ቀተልት ነይሮም እንተዝኾኑ: ብቐሊሉ “ሽግር ኤርትራ” ምበልናዮ:: እዚ በደል እዚ ግን ብፍላይ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ መሪሕነት ናይዚ ጉጀለ ዘለው ጥራሕ እዮም:: ብጉጀለ ኣስማት ክንህቦም ኣገዳሲ እንተኾይኑ: “መራሕቲ ህግደፍ” ክንብሎም ንኽእል:: ገለ ካልኦት: ወላ ነዚ ቅትለትን ማእሰርትን ባዕሎም ኣይውዓሉዎ ነዞም ቀተልቲን ኣሰርትን ዘጣቕዑ ኣለው:: እዚኦም ‘ውን ሽግር እዮም:: ኣስማት ክንህቦም እንተኾንና:: “ደገፍቲ ህግደፍ” ምበልናዮም::

ግርምቢጥ ኣብነት ሎም ቅነ እምበኣር: ምስ ጉዳይ ኣኼባ ጥልያን ተታሓሒዙ: “ሓደ ህግደፍ ደዊሉለይ’ሲ: ግርም ትገብሩ ኣለኹም ኢሉኒ::” ወይ ድማ ” ሓደ ዝፈልጦ ደጋፍ ህግደፍ ብፈይስቡክ መልእኽቲ ሰዲዱ ከምዝተገረመ ነጊሩኒ::” ክበሃለና ከሎ:: ‘ሓደ ሽግር ናይ ኤርትራስ: ጽቡቕ ኣለኻ ኢሉኒ: ማለት ምዃኑስ ተዘንጊዑ ድዩ?’ የብለካ:: ኣይፋልን: “ንሶም እኮ ሽግር ኣይኮኑን: ተታሊሎም እዮም: ተዘንጊዖም እዮም” ዝብል መልሲ ይመጻካ:: እሞ “ሓደ ዝተታለለን ዝተዘንግዐንሲ ‘ጽቡቕ ኣለኻ’ ኢሉኒ” ማለት’ዶ ይኸውን? ዝኾነ ኮይኑ: እቲ ሽግር ንሶም ኣይኮኑን ዝብሃል እንተኾይኑ: እሞ መን ድኣሉ እቲ ሽግር:: ንኹሉ ኣሕቢርካ “ሽግር ኤርትራ” ኢልካ ሕብሪ ምልካይ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ::  እቲ ሽግር ህግደፍዩ ምባል እንታይ ዝኸብድ ነገር ኣለዎ: ዶስ ክትንከፍ ዘይድለ ኣካል ኣሎ? ህግደፍን ከባቢኡን እቶም ሽግር እዮም:: ካልኦት መጠን ቅርበቶም ምስ ህግደፍ: ክንድኡ ሽግር ኢዮም:: እቲ ሽግር ዘይኮነ: እቲ ካብ ህግደፍ ዝረሓቐ’ዩ:: ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ: ንህግደፍ ናይ “ኣማውቱና” ሽፋን ዝህብን: ፕሮፖጋንዳዊ ቃላቶም ዝደጋግምን: ናብ ዘይተጣዕሱ ደገፍቲ ህግደፍ፦ ክምስጥ ህርድግ ዝብል፦ ዝቐርብን ክቐርብ ድንዕ ድንዕ ዘብሎ ድማ ሽግር ክንዲ ዝፈትሕ ሽግር ክኸውን ድንዕ ድንዕ ዘብሎ እዩ:: እዚ ብዙሕ ዘማትእ ኣይኮነን::

ትም ዝበሉ ሓፋሽ

እዚ ክንድዚ ዘይንጹርነትን ምሽፍፋንን ግን ንምንታይ’ዩ? ነቶም ነቲ ንቕትለት ዝወዓሉዎን: ዝፈጸሙዎን: ዘጣቕዑሎምን: ነቶም ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት: ዝተቓወሙዎምን ብኣልማማ “ሽግር ኤርትራውያን” ኢልካ ምሕባሮምን ብሓደ ምጽውዖምን ፍታሕ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ: ነቲ ኣብ መውዳእታት 90ታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ክኽደኑዎ ዝተዋህበ ወተሃደራዊ ክዳን “ኣማውቱና” ዝመሳሰል ፓለቲካዊ ልብሲ ተኸደኑ: ክንብሃል እንከለና “እዚ ነባሪ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል ድዩ ?” ኢልና ዝሓትት ኣእምሮ’ዶ የብልናን? ነቲ ካልእ ብሰንኪ ህግደፍ ዝመጸ ሽግራት – ገጽካ ጠዊኻ ኣእዛንካ ሓቲምካ ከምዘይነበረን ከምዘየሎን ጎሲኻ ምሕላፍ’ከ ብሓቂ ነባሪ ፍታሕ የምጽእ’ዶ ይኸውን? በዚ ኮነ በቲ: ሱር ፍልስፍና ናይዚ ኩሉ ጽቡቕ ዝመስል ግን ዘይኮነ ስትራተጂ: ካልእ ከምዝኾነ ይበርሃልካ:: እቶም በሃልቱ’ውን ዝስከፉሉ ወይ ተሓቢኦም ዝበሉዎ ስለዘይኮነ: ዕቱብ ግጉይ-ቀመር ፓለቲካ እምበር ክፍኣት ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን::  ንሱ ድማ ነቶም “ትም ዝበሉ ሓፋሽ ኣብ ጎነይ ከሰልፍ’የ” ዝብል እዩ::

ቀዳማይ ግጉይቀመር

ጽቡቕ ሓሳብ:: ምኽንያቱ: ኣብ ተቓውሞ ዘየለው: ኣብ ምድጋፍ’ውን ዘየለው: ንምስሓብን ናብ ቃልሲ ከተምጽእን ምፍታን ግሩም’ዩ:: ጽቡቕነት እታ ሓሳብ ግን ኣብዚኣያ ትውዳእ: በዞም ንዓመታት ትም ኢሎም ዝነበሩ ኣቢልካ: ነቶም ንዓመታት ንፍትሒ ዝጨደሩ: ክትዓብስ ምፍታን ግን: ቀዳማይ ሞራላዊ ባይታ ከምዘይህልወካ ይገብር:: ካልኣይን ቀንድን ግን ፍጹም ኣይከኣልን እዩ:: ብወገነይ እዞም “ጉጅለ-ትም” – እናርኣዩ እናሰምዑ ዓው ኢሎም ዘይቃወሙ ምዃኖም: ንባዕሉ ሽግር ዩ:: ምስ ሽግር ከይተፋታሕካ ከመይ ኢልካ ፍታሕ ትረክብ::  እምበርከ እዞም – ‘ትም ዝበሉ ሓፋሽ’ ወይ ድማ “ሳይለንት ማጆሪቲ” ተባሂሎም ዝግለጹ: ከምዚ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ፍጹም ተሰዊሩዎም ዝጸንሑ መዓስ ኮይኖም:: ስለዚ ከምዛ ሓንቲ ከይሰምዑ ዝጸንሑ ኣጋይሽ ጌርካ ምውሳዶም: እቲ ዝዓበየ ንነብስኻ ምትዕሽሻው እዩ:: እዚ’ዩ ድማ እቲ ዝዓበየ ጌጋ::

ኣብ መንጎ ፓለቲካዊ መርገጽ ናይቶም ኣብ ደምበ ህግደፍን ደምበ ምቅዋምን ዘየለውን: ውልቃዊ ጥቕሞም ከይትንከፍ ብምርጭኦም ትም ዝበሉ ብሓደ ወገን: ብመን ሕራይ ዓው ኢሎም ክቃለሱ ውልቃዊ ናብርኦም ናብ ሓደጋ ዘውደቑ በቲ ካልእ መስመር የለን:: ምስ ውድባት ዘይተጸምበሩ ወይ ኣኼባታት ዘይተሳተፉ ወይ ሰልፊ ዘይመጹ ኣይኮኑን ዝብል ዘለኹ:: እንተኾነ ህዝቢ ግፍዒን መከራን ክጸግብ: ኣብ ርሁው ስቱርን ውሑስን ቦታ ኮይኑ ኣፉ ከፊቱ ብጭቕ ዘይብል: ብዘይካ በለጽ ካልእ መግለጺ የብሉን:: እመኑ ከሓዱ ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ:: ኣነ ብወገነይ ክፈትወኒ ወይ ምርጫ ክመርጸኒ ዝደልዮ ወገን የብለይን: ስለዚ ማእከላይ መርገጽ እናወሰድኩ ዘቃባጥረሉ ወገን የብለይን፦፦ እናቃባጠርካ ዝኽየድ ቃልሲ ውን የለን::

እዞም ትም ዝበሉ ሓፋሽ: ሓደ መዓልቲ ናብ ቃልሲ ይመጹ ኢልካ ተቃባጥረሉ ጉዳይ ኣይኮነን:: ክመጹ እንተኾኖም: ግዝየን ኩነታትን ገዲዱዎም ተገኒሖምን ዝተጋገዩዎ ተኣሚኖምን እምበር ተለሚኖምን ኣቃባጢርካን ኣይመጹን እዮም:: እዚ ክሳብ ዝኸውን እንተወሓድናኸ? ካብ ታሪኽ ንመሃር እንተዄንና:  ካብቲ ብ”ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ዝተገብረ እቲ ብ”ውሑዳትን ጥቁዋትን” ዝተገብረ ከምዝምዘን ምረኣና’ሞ: ካብ ኣብ ብዝሒ ኣብ ዓይነት መተኮርና::

ካልኣይ ግጉይቀመር

እቲ ካል ኣይ ግጉይ ቀመር ግን: እዞም ትም-ዝበሉ ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝኾኑ: ምናልባት’ውን ካብቶም ዝድግፉን ዝቃወሙን ስለዝበዝሑ: ከም ሓደ ብሎክ ወሲድካ ናብ ለውጢ ከተሰጉሞም ክትፍትን ሓደ ነገር ክኸውን ይኽእል:: እቲ ጸገም ግን ብዘይካ ዓው ኢሎም ዘይቃውሙ ምዃኖም: ካልእ ናይ ሓባር ረቛሒ የብሎምን: ከም ሓደ ብሎክ ዝወስዶም መኣዝኑ ክስሕት ዝተዳለወ’ዩ:: ዞም: ኣብቲ የለው ኣብቲ የለው ዝበሃሉ: ግን ምስ ትም ዝበሉ ሓፋሽ ዝቑጸሩ ብዙሓት ውራይ ነብሶም ዓዚዝዎም: ጉዳዮም ጥራሕ ዝገብሩ እዮም:: ገሊኦም ዓመት ሙሉእ ኣጽቂጦም ነይሮም: ኣብ ፌስቲቫል ናይ ህግደፍ ዝስዕስዑ እዮም:: ገሊኦም ተቓወምቲ ክዝልፉ ስኽፍ ዘይብሎም: ናብ ህግደፍ ኣፎም ከፊቶም በጨቕ ዘይብሉ ፈራሓት እዮም:: ገሊኦም ኣብ ኣውራጃውነት ዝነብሩን: ዝኸሱን:: ገሊኦም ኣብ ውልቆም ንዝወረደ በደል ክቃወሙ እናደለዩ: ዓዶም ክበጽሑ መታን ኣፎም ዝሓዙ ፈራሓት እዮም:: ገሊኦም ኣብ ዛንታ ገድሊ ዝነብሩ: ቅድሚኡ ንድሕሪኡን ዝነበረ ዘይግድሶም እዮም: ገሊኦም ስድራቤቶም ናብ ወጻኢ ሃገር ዘስገሩ: ገሊኦም ሕሉፍ ምረት መግዛእቲ ንጉስ ኢትዮጵያን ነበርን ደርግን: ኣመሪሩዎም: ኢትዮጵያ ክሰምዑ እንከለው መርዘን ትለዓሎም:: ገሊኦም ኣብ ኣመሪካን ምዕራብን ኮይኖም ዜግነት ዘለውወን ሃገራት ክወስዱ ባይታ ዝዘበጡ እሞ: ሕጂ ንኣመሪካን ምዕራብን ዘመርሩ እዮም::

ዕላማኻ: ነዚኣቶም ከተቀባጥርን ክትምስጥን እንተኾይኑ: ምስ ኩሎም ናይ ሓባር ረቛሒ መታን ክህልወካ ማዕረ ማዕረኦም: ንተቓውምቲ ክትዝልፍ: ምስ ኢትዮጵያ ኣተኣሳሲርካ ከተመርሮም:: ዘለዎም ሕዱር ፍርሒ ጽቡቕ’ዩ ክትብሎ: ዓዲ ክበጽሑ ኢሎም ትም ምባሎም ከም ጉርሒን ልቢን ክትቆጽረሎም: ኣብ ፌስቲቫላት ህግደፍ ከይዶም ምኹዳዶም: “እንታይ’ዶ ኣለዎ ዩ?” ክትብለሎም: “ኣጆኻ ኢሉኒ” ኢልካ ክትሕጎሰሎምን: ዓው ኢልካ ክትገልጽን ኣለካ:: ናይ ሓባር ረቛሕ ናይዞም ኩሎም: ትም ምባሎም’ዩ:: እቲ ካልእ ጠለባቶምን ዊንትኦምን: ውልቃዊ ጥራሕ ስለዝኾነ ክንዲ ብዝሖም ብዙሕ ዩ: ስለዚ ሓደ ብሎክ ኣይኮኑን::  ነዞም ብዙሓት ክትመስል: ከተቃባጥርን: ክትመሳሰልን: ከተመኽንየሎምን ምስ ጀመርካ: ብብዝሒ ምድግጋም ምስ ለመድካዮን: መስመርካ ብርግጽ ስሒትካ ኣለኻ:: ነቲ ግጉይ መገዶም ክትገንሖን ክትኩንኖን ወይ ድልየት ወይ ዓቕሚ ወይ ክልቲኡ እንተዘይብልካ: ኣብ ምቅብጣር እንተኣድሂቡልካ: እቲ ከተምጽኦ ዝበቓዕካ ለውጢ: ድማ ናይ ነብስኻ ጥራይ’ዩ – ውዑይ መትከላትካ: ከት ከት ዝብል በረድ ፈሲስዎ ተበሪዙ ኣሎ:: ንዘዝመጸ ጠለባት ብስም ትርጉማ ዝሃሰሰ ‘ደሞክራሲያውነት’ ክተእንግድ: ልምሉም: ዓንድሕቖን መትከልን ዘይብሉ ንኹሉ ሐራይ ዝብል ኮንካ ትተርፍ:: ዕዳጋኻ ከተስፍሕ ደረጃታትካ ለጠቕ ኣቢልካ እንዳ ‘እቶ-በሎ’ ጉጅለ/ማሕበር ትፈጥር:: ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመት ዝበልካዮን ዝገበርካዮን ምስ ትዝክር: ካብ ተቓላሳይ ናብ ሓውሲ-ተቓላሳይ ተቐዪርካ ከምዘለኻ ይስወጠካ:: ዝጸልኡኻ ዝነበሩ መትከላቶም ከምዘይቀየሩ ርግጸኛ እንከለኻ: ክፈትዉኻ እንተጀሚሮምን: እንተጣቒዖምልካዝ: ወይ ብፈይስቡክ “ኣጆኽ” እንተ ኢሎምኻ: ብርግጽ: ካብ ተቓላሳይ ናብ ሓውሲ-ተቓላሳይ ተቐዪርካ ኣለኻ:: ሓውሲ ተቓላሳይ ዘመዝግቦ ዝዓበየ ነገር ድማ ሓውሲ-ዓወት’ዩ:: ሓውሲ ዓወት ግን ዓወት ኣይኮነን::

መደምደምታ

በዚ እምበኣር : እዚ ሽግር ኤርትራውያን ዝብል ሸነኽ ናይዚ  “ጭርሖ” ንበሎ “ውዳሰ”: ፍረ ነገሩ ንጽሩይ ቃልሲ ዝጅልሕ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን’ዩ::  ምኽንያቱ: ዝኾነ ቃልሲ ይኹን ምንቅስቓስ: መሰረት ወይ ደጀን የድልዮ እዩ:: ብዘይመሰረት ደው ዝብል: ብንፋስ ሃድሽ ከምዝብል ፍሉጥ’ዩ:: እቶም ንዓመታት ከይደኸሙ: ንፍትሒ ዝጨደሩ ዝዋረዱሉ ባይታ ፈጢርካ: ትም-ዝበለ ሰብ: ጽባሕ ኣብ ጓይላ ህግደፍን ውዳሰ ህግደፍን ገዲፉካ ዝኸይድ: ኣፉ ክሳብ ሕጂ ዘይከፈተ መሰረት ክትገብር ምፍታን ከንቱ ዩ:: ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎአ ብሽንቲ ኣናጹ ዝተለሰነ መንደቕ: ‘ሲ ኛው ምስ ሰምዐ ይፈርስ” ዩ እቲ ነገር:: ነዞም ዘየትሓድሩ ዘየማስዩ ‘ትም ዝበሉ’  ዕዙማት ከተቃባጥርን ነቲ ንዓመታት ዝተወፈየ ክትከስር ድልው እንተኾንካ: ከምታ ናይ ሰንቀ ከተውርድ ኣብ ቱሽቱሻ ቀርቂራቶ ዝነበርት ፋሕ ዘበለቶ በስሮ ምዃንዩ::

ንጹር ንምዃን: እዞም በሃልቲ እዚ ጭርሖ: ህግደፍ እዮም ዝብል እምነት የብለይን:: እቲ ዝገብሩዎ ዘለው ተግባራት ግን ብዘይ ቃልዓለም ንህግደፍ ዘርብሕ’ዩ::

– – –

ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናይዚ ጽሑፍ: እንቲ ፍታሕ ብ ኤርትራውያን ዝብል ሸነኽ ብሓጺር ክድህስስ እየ:

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • kerri September 2, 2013

    Ane kimzridani wala Bologna zkoroyu yimeslu maletey weyane nHIGDEF gemtilu zeyerekebom siltan.selezi kemnay rikib JEBIHA ab Atlanta niameta wala Bologna keman niameta.hizbi Eritrea gin niameta yitsenihdo?GOD BLESS ERITREA….AMEN!!!!

    • ዘይስማዕ'ኳ የለን ? September 2, 2013

      kerri:

      “hizbi Eritrea gin niameta yitsenihdo?”

      እንታይ ክትብል ደሊኻ ኢኻ ሓውና ?

  • Wedi_senita September 2, 2013

    eritrean solution for eritrean problems…as if the whole world is meddling in eritrea’s affairs. this is parroting PFDJ’s “self reliance” fiasco.is the oppostion boycotted by shaabia’s diaspora cadres??

    this slogan, even if it appears sweet – talking of nationalism- is divissive. Be real, there are numerous forces, activitsts, and tens of thousands of potential (volunteer) fighters based in ethiopia. should they seek “help” from weyane (of course they already are receiving help begning from the basic human needs) to focus on the main cause for their misfortune, what’s been the problem and what does this slogan imply to them then??..this is smart designed to strip any sense of eritreanness from the minds of those youngs from taking any real action (the only near place the oppositon can make a concrete challenge against the brutal dictator is from ethiopia), you know this fact for real. I am sure this was crafted by the old jebha islamists, who have “problem” with anything ethiopia(habesha). I am sorry this is what exactly is the situation.

    No problem for weyane, they will keep on laughing at us. In fact a supposedly independent, but non functioning eritrea is an asset to them. It is stabilsing ethiopia as the rest of the nations have a here a good evidence independece is not always for the good. eritrea is not a good model of independece, thanks to PFDJ and the diaspora opposition such as this groups – knowingly or unknowingly are collaborating in furthering the suffering of the nation by supporing a “rejective” mission.

  • Dawit Meconen September 2, 2013

    The main reason why the so called Opposition Failed:

    Subseviency to woyane has been their stumbling-block……………

    What has been woyane’s motive for acting as their stumbling-block?

    Woyane has material interest to incorporate Eritrea into Tigrai. This is not a far fetched assertion; it is boldly written in its Abai Tigrai Manifesto. The fact that it subsequently forcibly incorporated part of Wollo and Begemdr, all of which were claimed as part and parcel of Abai Tigrai in the Manifesto should serve genuine Eritrean as a stark warnning not be hoodwinked by the ever treacherous woyane.

    Woyane may try to hide its morbid intention on Eritrea by citing pre-Independence historical antecedents, such as its association with EPLF, its recognition of the Eritrean colonial question and its recognition of Eritrean Independence but the genuine Eritrean must understand that woyane did all that not out of goodwill for Eritrea and Eritreans but because it was compelled to do so out of pure necessity. If it did not do that,it could have nipped in the bud by the EPLFs long time ago.

    Can you now see that the interest of woyane and that of the so called “Eritrean Oppostions” are fundamentally contradictory?

    You ought to see it because it is clear as the day light. And if you have seen it, then you know why the Oppositions have been dancing in circle without any progress. Woyane would never want them to be United, Strong and Better Organized because to do so is against its basic interest.

    If the so called ” Eritrean Oppositions” have never been able to recognize this Dilemma for twenty-some years, would you entrust them with a leading position in our struggle? No. They are dead-men walking!!!

  • oromay September 2, 2013

    We are sick and tired of your incessant complaints. The word ” The Silent Majority” has become cliche in your daily talks. What do want them to do in the absence any united front?. I would say that first take out the plank in your eyes before you try to remove the specks from the eyes of the majority.
    Some of the so called opposition embrace the relatives of the criminals which is a recipe for crisis. Others argue the mode of struggle to be non-violence presumably to resemble Dr. Martin Luther King Jr. Others still create diversion from the main path by designing funy slogans. ” Eritrean solution by Eritreans” Who else then do want to solve your problem?. It is like the regime’s mantra. Hade hizbi hade libi….
    First dispell the PFDJ phobia from your psyche and clear your house from PFDJ infiltrators and the possess real leadership to get followers. Periodic performance assessment in your organization is critical. Finally, identify any subnational sentiments and take corrective action and champion the grand national goal. Forge counterpropoganda and expose past and current crimes of the bandits.

  • tewlde September 3, 2013

    ARISTI NAY ITI TXIHFWO GUDAY AGEDASI KINESU, NAY AXEHAHFA XEGEM GIN ALEKUM.
    ITI KITBLWO WEY KETE-MEHA-LALFWO ZDELEKUM HABERETA NAB ANBABI YBEXIH YELEN, BSENKI NAY AXEHAHFA XEGEM. SILEZI QIDMI MZRGAHKUM NZFELTU HABWOM IMO ARIMOM YHABKUM.

    INTE ZEY KOYNU IZI TIGRINNA KIBEHAL ZIKEAL AYKONEN.
    THANK YOU

  • jemal September 3, 2013

    SHIGIR ERITREA FITAH BERITREWAYAN.ZISEMAMALU GUDAY IYU GIN NIMNTAYU MEALTI MEALTI HADISH SHIM INDAATEMEKA ABKILITE TIGEMAMA.KEMZRIDANI NA SILTAN HIMAM YIMESLENI.NIHNA NEDELI LEWTI NAY HIZBI MESEL MIHLAW IYU HIGDEF INDIHIR AKAYDU INTEAMHISHI LEWTWI INTEGERU ZENDGIFELU YEEN.HUTENA SELAMI DIMECRASIN IYU.NAY MENBER AYKONEN.

  • Meretse Asmelash September 3, 2013

    ክቡር ሓው ቢኮ፡

    ጽሑፍካ የማነ ጸገም እናጸረገፈ ከም ዝከደ ካባካ ንላዕሊ ዝፈልጦ የሎን ፡ ኣነ ሚዛኑ ዝሓለወ እዋናዊ ጽሑፍ ኢዩ ኢየ ዝብሎ። ኣመትኡ ከኣ ርሑቅ እዩ። ከምዚ ዝበለ ራእይ ብኣንበብቲ ጉብእ ሚዛን ክዋሃቦ ይግባእ። ድሕሪ ጽሑፍካ ምንባበይ – ኣብ ዙርይኡ ዝዓሰሉ ሓሳባት ኮነ ኢለ ኣብ ምንባብ ኣትየ ። ሪኢቶ ኩሉ ኣንባቢ ሓደ ክከውን ዝጽበዮ ዋላ ሓደ’ዃ የሎን። እንተኮነ ግን እቲ ሽግር ንሕምባሻ ጸብሒ ክድለዮ ከሎ እዩ። ገለ ኣንበብቲ ሕርቕ ሕርቅ ዝበሉ ይመስሉ። ብሓደ ወገን ሓቆም እዮም ፋሕ ዝበለ ሓሳባት ዝኣስር ራእይ ደንጉዩ ትብል እሞ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ከላ እንደታ! እንተ ኣልያታ፡ ሕልፍ ተድሊ።

    ኣብዚ ቀረባ ግዝ፡ ካብ ኣደራሽ ቦልኛ ሓሊፋ ኣብ ፈቆዶ መራከቢ ብዙሓን ከተንበልብል ዝቀነየት ጨርሖ(slogan) “ሽግር ኤረትራ ብኤረትራዊያን” ትብል’ያ። ጥዕምቲ! እንታይ ከወጻ? “ግን” ገዲፍካ። እቲ ሓቂ ከሞ!
    ጽላለቱ ጥራሕ ኣሚኑ ዝገይሽ ገያሻይስ ግዲ የሎን፡ ክሰግራ እዩ ‘ዛምድረ በዳ ኢልካ’ዶ ትምሕለሉ ኢካ? ንእተጽለላ ኦም ላዕላያን ታሕታያን ምፍታሽ ንቡር እዩ። ኩሉ ጽላል ግን ኣባይ ኣሎዎ፡ ንዓይስ ግደፉኒ ደኣ” ጽላለተይ ጥራሕ ትኣክለኒ” ንዝብል ሓሳብ ግን እንተ ሓመቀስ ኣይፋል ኣላታ።

    ቀጺሉ-“ዝሓሰበለይ ደኣ እንተ ሃልይዎ’ምበር ለማናይ’ዶ ምተኮበለይ” ህግደፍ ይትረፍዶ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቱሕ ዳስስ…( meskerem.com) ዝኣቦ ዳሱ ፡ ካልእስ ይትረፍ ዝባን እንቛቚሓ ከይሰበረ ክኣቱ ዝፍትን ውድብ ምዃኑ ከመይ ተዘንገዔ? ነዚ ዘይኣምነ ንተቛወምቲ ውድባት ኢና ዝብላ የማዕዱ። ስለዚ ገለ ኣጆኩም ዝብሉ ኣባላት ህግደፍ ሓዊስካስ ክሳላጥ? እዚኦም ደኣ መኣስ እዮም ካብቲ “ዓዓጽሙ ንዓና ሰስግኡ ንከልቢ እንዳቦይ ጎይታና” ዝብል ጸሎት ዝተላቀቁ?
    ስለዚ ምሕራቕስ ሕረቁ ግን ምስኣ ከኣ ብግስ ተድሊ። ኣብ ተበግሰኩም ከኣ ንቅንዕስ ድንን ሓውሱላ። ኦም መልእ ጒንዲ ኦም መላእ ዝበለ ዓዲ ከይኮነ እዩ ዝተርፍ።

    እዛ ሽግር ኤረትራ ብኤረትራውያን እትብል ጮርሖ ግን፤ ሓደ-ህዝቢ ሓደ-ልቢ እትብል ጨርሖ ቦክሪ ገዛ ኮይና እዚኣ ከኣ ሕንሳስ-ልደ ጮርሕ ህግደፍ ከይትከውን ቅድም ጥዕናኣ ዘይተመርመረት ፍልሰተ ሓሳብ እያ’ሞ ንጠንቀቀላ ንዝበለስ ከመይ ከመይ የድሊ።
    እንተ ሓው ቢኮ ግን ቀጽል ጽሑፍካ።

POST A COMMENT