Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሾሞንተ መጋቢት

ሾሞንተ መጋቢት ብፍረወይኒ ባይረ/ጀርመን ዕለት  6.03.2016 ንመሰል ንፍትሒ ንማዕርነት ደበኽ ካኣ በለት እዛ ክብርቲ ዕለት ሓርነት ሓቁፋ እናሃ ተቀልቀለት   ዓመት መጸ ዓመት ክትዝከሪ ፍሊይቲ ማዓልቲ ወጽዓ እተለሊ ፈላሚት ናይ መሰል ዓወት ተበስሪ   ናይ ውጹዕ መቓልሕ ካብ ኩለን ክብርቲ ሽግ ክውላዓልኪ ክትኮኒ ፍሊቲ ተባሃጊት ዕለት ከም

ሾሞንተ መጋቢት

ብፍረወይኒ ባይረ/ጀርመን ዕለት  6.03.2016

ንመሰል ንፍትሒ ንማዕርነት

ደበኽ ካኣ በለት እዛ ክብርቲ ዕለት

ሓርነት ሓቁፋ እናሃ ተቀልቀለት

 

ዓመት መጸ ዓመት ክትዝከሪ

ፍሊይቲ ማዓልቲ ወጽዓ እተለሊ

ፈላሚት ናይ መሰል ዓወት ተበስሪ

 

ናይ ውጹዕ መቓልሕ ካብ ኩለን ክብርቲ

ሽግ ክውላዓልኪ ክትኮኒ ፍሊቲ

ተባሃጊት ዕለት ከም ጻሓይ ድምቅቲ

 

ወጽዓይ ተረዲእኪ ንኹሉ ፈንጢዝኪ

ክብረት ኣልቢስክኒ ኒሕ ኣቀኒትኪ

ፍትሓዊት ዕለት ባርነት ቀንቲጥኪ

 

ኣብ መዝገብ ናይ ዓለም ፍሉይ እዩ ታሪኽኪ

ንሰለ ማዕርነት ሽግኪ ዝወላዕኪ

ተዋዲቀን እወ ጀጋኑ ምእንታኺ

 

ብሓደ እስከ ንትኣከብ ደቂ ኤረ

ታሪኽና ነዘንቱ ታኣምር ዝተገብረ

ካላሽንኪ ዓቲርኪ ክትዋደቂ ብማዕረ

 

ከም ኢራብ ክትነጥሪ ክትንድሪ

ታንክታት ጸላኢ ሒዝኪ ክትምንጥሊ

በጃ ዝሓለፍኪ ንኤርትራ ክብሪ

 

ኣካልኪ ጎዲሉ ምእንቲ ህዝቢኺ

ምስ ጀጋኑ ይሕዋትኪ ባሓባር መኪትኪ

ብመኽደን ብራሾ ማይ ኣንዳ ተኻፈልኪ

በጃ ንኽትሓልፊ ኣብ ክንዲ ብጻይኪ

እንታይ ድኣ ሎሚ ዓዚሙኪ

ኣብ ፈቆዶ ሃገር ፋሕ ኢሉ ውላድኪ

ድራር ዓሳ ኮይኑ እቲ ቦኽሪ ውላድኪ

 

ኣፋልክን ኣዳነይ ናይ ትማሊ ዘክሪ

ዝሓለፈ መሪር ናይ በረኻ ገድሊ

እቲ መሪር ስቃይ ኣብ ኣሳሓይታ ቁሪ

 

ኣይፍልክን ኣዳነይ ሽግ ንወልዕ ሓቢርና

ቀንደል ከነብርህ ናይ ሓርነት ባና

ምእንቲ ክቀስኑ ንዘላለም ደቅና

ይዳሃየኪ ኣሎ ውላድኪ ኣብ ናይ ሓርነት ጎደና

 

ኣይፋልክን ኣዳነይ ይኣክል ዝሓለፈ

ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩሉ እና ተቀዝፈ

ንስደት ኣምረሔ ኩሉ ዝጸፈፈ

ሃገርኪ በሪሱ ዑናኺ ጸደፈ

 

ናብ ፍቲሒ ዕሰሊ ነድሪ ከምታ ሓራስ ነብሪ

ሃየ ዘክርዮ ናይ ጀጋኑ ሕድሪ

ሽጥ ኣብሊ ማዓንጣኺ ባንደራ ኣንበልብሊ

ነዚ ሓድሽ ወለዶ ታኣምር ግበሪ::

 

ኢደይ ኢድካ ንበል ከብቅዕ ሽግርና

ኩሉ ፍልልያትና ወጊድና

ይኣክል ንበሎ ብሓደ ሓቢርና

ሰላም ክነግስ ክርህዋ ሃገርና

ዲክታተር ከብቅዕ ካብ ሱሩ ሚሒና

ክነንበልብል ባንደራና ኣብ ሓርነት ጎደና::

 

ዘላኣላማዊ ክብርን ሞኦስን ንስዋትና

ሾሞንተ መጋቢት ንዘላኣለም ክበሪ::

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Womens' Rights March 6, 2016

    ፍረወይኒ ባይረ,

    ክብርቲ ሓውቲ፣

    ኤርትራ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዝዕብልለሉ ሕብረተሰብ ምዃኑን፣ ደቀንስትዮ ድማ ማዕርነተን ክቃለሳ ኩላትና ፈተውቲ ኣዴታትናን ኣሓትናን ክንትሓባበር ግዴታና እዩ።ደቀንስትዮ ብሕልፊ እተን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝኸዳ ግን መጋረጃ ምዝመዛ በቲኸን ምባል ነቲ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ዘሕስሮ ኮይኑ ይስምዓኒ።ደቀንስትዮ ተቓለስቲ ህዝባዊ ግንባር ኢደን ኣይረኸባን ፣እቲ ውድብ መሊሱ ኣሕሲርወን ፣ክብረተ ደቀንስትዮነተን እውን ከም ዘይተኸብረ ናይ ስድራ ወብ ሳይት(family website) ስለ ዝኾነ ክገልጾ ዘይደሊ ኩነታት ኣሎ።ደቀንስትዮ መሰለን ክረኽባ ኩላትና ንቃለስ ፣ኣብ ገድሊ ህዝባዊ ግንባር ግን ለውጢ ኣምጺኤን ምባል ነቲ ጉዳየን ይጸርፎ ኮይኑ ይስምዓኒ።

    ምስ ምሉእ ከበሬታ
    ደቀንስትዮ ኤርትራ ዘሕሰረ ቃልሲ ብሓድሽ ቃልስና ከነማዕርጎ ኢና።

    • AHMED SALEH !!! March 6, 2016

      Minya shenkolel irrelevant comment doesn’t make a sense at all . Speak
      ERITREAN straight forward language we understand than twisted remarks.
      Who you think to fool by pretending a concerned Eritrean to derail the
      needed attention ?

  • ተወልደመድኅን March 7, 2016

    ክቡራት ኣሓት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝሰማዕናዮ ኩሉ ግዜ ሰማየ ሰማይ ዘጠምት’ምበር ህድእ ኢልና ክንሓስብ ኣየኸ ኣለናን።እቲ ምኽንያት ጸብጺብካ ክውዳእ ዘይክእል እንተኾነ፡እቲ ባህ ዝብለና ክንሰምዖ ስለዝንገረና’ዩ።ኣዚ መብዛሕቱ ከኣ ስስዐ፡ታህዋኽ ዝሓዘ ዘይምፍላጥ ዝተወሰኾ’ዩ።
    ክብርቲ ፍረወይኒ ባይረ ኣብቲ ግጥምኺ፡
    ደበኽ ካኣ በለት እዛ ክብርቲ ዕለት
    ሓርነት ሓቁፋ እናተቀልቀለት
    ነዘን ክልተ መስመር ዝሓዛ ብዕምቆት እንተመዚናየን፡ኣዝየን ምስቲ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘይሰማማዕ ትርጉም ኣለውን።
    ቀዳመይቲ መስመር፡ደበኽ በለት ክብርቲ ዕለት፡ክትብሊ ከሎኺ፡8 መጋቢት ደኣ እተን ብብስጭት ንፋብሪካ ሓዊ መሊሰን ኣብ ኡ ዝተቃጽጸላ ደቀንስትዮ መዘከርታ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ዕለት ስቕቕታ፡ዕለት ሓዘን፡ዕለት እህህታ ኢዩ።ነዚ ምዝመዛ’ዚ ተራእዩ ከኣ ኣብ ዓለም ምእንቲ’ቲ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ጸገም ንምቅላል፡መንግስታትን ወከልቲ ማሕበራትን ነታ መዓልቲ መሰረት ብምግባር ዘሎ ጸገምን ዘይተፈትሓን ክፍታሕ ዘለዎ ይዝትዩሉ።
    ኣብ ኤርትራ እንተሪኢናዮ፡ኣየናይ ጸገም ጓል’ነስተይቲ’ዩ ተዘሪቢሉስ ዝተፈትሐ።ሎሚ ይኹን ኣብቲ ግዜ ቃልሲ ርእሺ ኩሉ ዝትበደለት፡ርእሺ ኩሉ ኣደደ ጸገም ዝኾነት ኤርትራዊት ጓል’አነስተይቲ ኢያ።ካብዚ እተን ዝተቃለሳ፡ክጸንሃና ኣብዘይበለኦ መፍተት ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን።ገሊኦም መሓለዊ ስልጣን፡ገሊኦም ክሳብ ኣብተን ዓዲ ዝገደፉወን ሰብ ኪዳን ክሳብ ዝበጽሑ መዘናግዒ፡ገሊኦም ከኣ ዘር ኦም ምእንቲ ከይበትኽ ሎሚ ነቲኣ ኣፍቂረኪ ጽባሕ ኖኣኣ ብምግዳፍ ናብታ ሃንቲ ብምዃድ ኣብዝባን ደቅ’ንስትዮ ሸሸ ዝበሉ ብዙሓት’ዮም።እቲ ካልእ እተን ኣብ ኦኣዲ ዝነበራ’ከ ሰብ ኡተን ክጽበያን ደቀን ከዕብያን ዘሕለፈኦ ሽግር ማዕርነት ድዩ ሕስረት።ስለዚ ደቀ’ነስትዮ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ውርደት እንተዘይኮይኑ ሓርነት እንታይ ምኳኑ ኣይፈልጠኦን’የን።ብዓይኒ ትምህርቲ ከኣ ነዚ ደረጃ ኣፍልጦ ዘለወን ገና ኣይረኣናን።ሎሚ ኣብ ናጻ ኤርትራ ርእሺ ኩሉ ደቀ’ነስትዮ ኢየን ውጹዓት።ኣደ ትሸዓተ ወርሂ ኣብ ማህጸን፡ሰለስተ ዓመት ሓዚላ ዘዕበየት ምስ ውላዳ ቅርበት ዘለዋ’ያ።ካብ ሰብኣይ ኣደ ፍቕሪ ውላድ ይስመዓ።እዛ’ደ ሎሚ ኩሎም ደቃ ብባሕርን ብምድርን ሪሒቖማ በይና ኣብ ገዛ ትቛዝም’ያ ዘላ።ወላ ዚ ኣክል መናበሪ እንተሰደዱ ኣደ ገጽን ኣብ ቅድሚ ኦኣይና ክኮኑላ’ያ ትደሊ፡ምሽነይቲ ብመኦኣል ፍረወይኒ ሃርነት ዝተጓነጸፈት ኣደ ዝተባህለት ኣይረከበቶን።ብዘይካኡ ትነብረሉ ዘላ ኩነታት ፍርሂ ሸገርገር፡ምሳን ጥዕና ከኣ ኣሎ።
    ስለዚ ፍረወይኒ ህድእ ኢልኪ ኩነታት ረኣይ።ንስኺ እንተብዕድል ኩሉ ዝተጓነጸፍኪ እንተኾንኪ፡ኩነታት ደቅ’ነስትዮ በቲ ናትኪ ጣዕሚ ኣይትለክዕዮ።እቲ ማሕበር ደቅ’ነስትዮ ዝበሃል፡ብፍላይ ኣብ ኣኤርትራ ፍሉይ ቃና ዘለዎ ጸቕጥን ግፍዕን ቀጥ ኣቢሉ ካብ ምሓዝ ካልእ ትርጉም ዘይብሉ፡ኣስናን ዘይብሉ ማሕበር’ዩ።

    • AHMED SALEH !!! March 7, 2016

      Dear Freweini
      Ignore the ignorant and keep the fight for equality triumph .
      AJOKHN DEKI ANSTIYO ERITRAWIYIAN ALEWUKHN AHWATKAN AB GHONI

  • bikila March 7, 2016

    hajokum deki anistiyo

POST A COMMENT