Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዋሚ ምዱብ ሰራዊት ይሃልወና

ቋም ምዱብ ሰራዊት ይሃልወና የዋህ ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ጊዜ ገድሊ ጀሚሩ፡ ከምዚ ሕጂ ዘይኮነስ ብጀካ ኢሳያስ ካልእ ሊቅ ዝኾነ መራሒ የልቦን ኢሉ ዝኣመነሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ተዛሪቡ መዓርን ጸባ ዘፍስስ፥ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ሰሪሑ ደድምዕ፡ ተቃሊሱ ዘውድቅ፡ እፍ

ቋም ምዱብ ሰራዊት ይሃልወና
የዋህ ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ጊዜ ገድሊ ጀሚሩ፡ ከምዚ ሕጂ ዘይኮነስ ብጀካ ኢሳያስ ካልእ ሊቅ ዝኾነ መራሒ የልቦን ኢሉ ዝኣመነሉ እዋን ነይሩ’ዩ። ተዛሪቡ መዓርን ጸባ ዘፍስስ፥ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ሰሪሑ ደድምዕ፡ ተቃሊሱ ዘውድቅ፡ እፍ ኢሉ ህይወት ዝስኹዕ፡ ኲሉ ዝፈልጥ፡ ተኣምር ድሰርሕ፡ ዝተንበዮ ዘብጽሕ፡ ሊቀ ሊቃውንት ኮታስ መዓረ ፈጣሪና ጌርና ሓሲብናዮ ኔርና ኢና። ሕጂ ሕጂ ግዳ ኩሉ ነገር ኮር ተገምጠል ኮይኑ፡ ግናያት ሕልሚታት ኢሳያስ ኣብ ባይታ ጋህዲ ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ።

ውሕስነት ሓንቲ ሃገር ብናይ ዓይነትን ዕብየትን ምክልኻል ሓይሊ ሰራዊት ይምዘን። ናይ ሓንቲ ሃገር ምክልኻል ሓይሊ ብሰለስተ ወይ ሊዕሊኡ ደረጃታት ሰራዊት ክህልዋ ይኽእል። ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ግን ምዱብ ሰራዊት እዩ። ዝኾነት ሃገር ከም ሃገር ክትቀውም ኮላ ብቅድምያ ሰሪዓ ትሰርሓሉ እንተሎ ምምስራት ቋሚ ምዱብ ሰራዊት እዩ። እዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ቀጻሊ ልምምድን ተዓሊምን ጊዚኡ ዘሕልፍ፡ ወሰናስን ሃገር ዝሕሉ፡ ዝኾነ ቅልውላዋት ውሽጢ ሃገር ዝከላኸል፡ ደመወዙን መነባብሮኡን ዝተፈልጠ ቁጹር ሰራዊት እዩ። ዓንዲ ሕቆ ምክልኻል ሓይሊ ኮይኑ ከኣ የገልግል።

ካልኦት ኣካል ናይዚ ምክልኻል ሓይሊ ወይ ከኣ ተደመርቲ ዝበሃሉ ከኣ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ወይ ዕቁር ሰራዊት ዝበሃሉ እዮም። ሃገራዊ ኣገልግሎትዝበሃሉ ካብ ክልል ዕድመ 18 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንዝተወሰነ ጊዜ (18 ኣዋርሕ) ንተዓሊምን ነጻ ኣገልግሎት( ብዘይካ ኦለታዊ መግቦምን ሚሊታሪ ክዳኖምን ናይ ጁባ መሻርፎምን ዝሕሰበሎም) ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ይኹን ኣብ ካልእ ክፍልታት መንግስቲ ተጸንቢሩ ጸኒሑ፡ ተፋንዩ ንኣብ ሲቪል መነባብሮ ዝምለስ እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ዝበሃል ከኣ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሰራዊት ተዓሊም ወሲዶም ዝተፋነዉ፡ ብቁዓት ኣካል ዘለዎም፡ ሓሓሊፎም ተዛማዲ ልምምድን ተዓሊምን ክወስዱ ዝኽእሉ፡ ካብ ስንክልና ነጻ ዝኾኑ፡ ኣብ ጊዜ ሓደጋ ወይ ኩናት ከም ደጀን ኮይኖም ዘገልድሉ ኣባላት ዘለዉዎ ኣካል ምክልኻል ሰራዊት እዩ። ቅልል ብዝበለ ዘረባ እዞም ዳሕራዎት ክልተ ተሓጋገዝቲ ናይ ምዱብ ሰራዊት ማለት እዮም።

ምቛም ቛሚ ምዱብ ሰራዊት፡ ማዕረ ማዕረ ምትግባር ቅዋም ኤርትራ 1997 ዝሕተተሉ ጉዳይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ቋሚ ምዱብ ሰራዊት ዝበሃል የለን። ንምድንጋር ብምዱብ ሰራዊት ዝፍለጡ፡ ካብ መራሕ ጋንታ ንላዕሊ ዘለዉ ካብ ኮፕራል ክሳብ ጀነራል ማዕርግ ዝተወሃቦም ተጋደልቲ ደሞዝተኛታት ጥራይ እዮም። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንጣር ሓደ’ኳ ማዕረግ ዝረኸበ የሎን። ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ምዕላምን ምልምማድን ክሳብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ቅርጽታት ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝተሸፈነ እዩ ነይሩ። መቃን ጊዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘበናዊ ባርነት መወዳእታ ምስ ተሳእነሉን ምስነውሐን፡ ዕሱብ ኢሳያስ ምኳኑ ምስ ፈለጠን፡ ሞያ ከይመሃርን ሰሪሑ (ምኒዋለ ወሲኻ) ከይኣቱን ምስ ተከልከለ፡ ዘርሞ-ዘርሞ ኮይኑ ከይተርፉ፡ ባኪኖም ከይተርፉ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብምሬት፡ ናብ ጸልማት ስደት፡ በብዝጠዓሞም ምስተጓደሉ፡ ምዕላምን ምውዳብን ህዝባዊ ሰራዊት ተጀሚሩ። ወዮ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዓበይቲ ስለዝኾኑ፡ ንስደት ኣይከዱን ‘ዮም ተባሂሉ እዩ።

እምበኣርከስ ሕጂ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሰራዊት ደምሂት ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ህዝባዊ ሰራዊት ተሰጋጊሩ ኣሎ ማለት እዩ። እሞ እዚ ሰራዊት እዚ ምስብዙሕ ጸገማቱ ሃገር ካብ ዝኾነ ወራር የድሕና ‘ዶ ይኸውን? ኣይግበሮ ድኣ ‘ምበር የድሕነና እዩ ዘብል።

ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኩነታት ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን እየ ዝብል ኢሳያስ፡ “ህዝቢ እዩ ሰራዊት” ብዝብል ጠባሪ ቃል ቁሚ ምዱብ ሰራዊት ከይምስረት ከልኪሉ ደሞዝ ዘይክፈሎም ሃገራዊን ህዝባአን ሰራዊት ክውድብ ጊሩ። እምበኣርከስ ኢሳያስ ኣብ ዘየሎ ቅርጺ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፍልስፍና ኣትዩ እዩ ኣብ ህዋ ዘንሳፍፍ ዘሎ ጨለ ተዛራባይን ሓሃላማይ ቀትሪን እሱ እዩ።

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ በዛ ቀልድ ክውድእ። ወዲ ኣርብዓን፡ ሓምሳን ዓመት በብተራ ናብ ስደት ክወጹ ዝተዓዘቡ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣቦ፡ ንሶም ‘ውን ብሰለስተ እግሮም ንስደት ተበገሱ። ብኹነታቶም ዝተገረሙ ወዲ ሱሳ ዓመት ኣቦ “ናይ ደሓን ዲኹም? ናበይ ድኣ እኹም ተበጊስኩም ደለኹም?” ኢሎም ሓተትዎም። “እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ናብ ስደት።” ክብሉ መለሱ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣቦ ቅልጥፍ ኢሎም። ብመልሶም ዘይዓገቡ ወዲ ሱሳ ዓመት ኣቦ “እንታይ ተረኺቡ ደኣ ሓደ እግሩኹም ኣብ መቃብር ኣትዩ ከሎ ንስደት ተበጊስኩም?” በሉዎም። ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣቦ ህድእ ኢሎም “ወዲ ኣርብዓ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንስደት ከይዶም ኣለዉ፡ ወዲ ሱሳን ሰብዓን ከኣ ክስዕብዎም እዮም፡ ድሕሪኡ ንዓይ ከየረኻኸበለይ ከሎ ክእለየሉ ኢለ እየ።” በሉዎም ንብለኩም።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!
ደብረ
 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • alena January 7, 2015

    Hafash hzbi eritrea aytbel, kifal hizbi eritrea bel.

    • DEBRE January 8, 2015

      kburAlena
      Zbeze hzbi entelna’wn Hafash hzibi malet eyu. bkemAuteredeayo

  • AHMED SALEH !!! January 7, 2015

    Sometimes the facts inside Eritrea force us to
    find an answer about exact meaning of respected
    government . So far one individual alone took control on all political aspects of the country .
    He warned loud “nobody mess with me or else”
    means he is the one and only executioner and he
    cares less if we complain or not .

  • ogbai January 8, 2015

    ሕንቅል ሕንቕሊተይ ኣብ 23 ዓመት ዘይተራእየ ለውጢ ምንጣር ድሕሪ 5 ውርሒ ክንርኢ ኢና ሽዑ ሕተተኒ ዘበለ መላኺ እሳያስ እንታይ ማለርቱ እዩ ፍለጠለይ፤
    ሀ\ ስርዓተ ወያኔ ኣብቲ ድሕሪ 5 ውርሒ ዝግበር ምርጫ ክወድቕ እዮ’ሞ፡ ሽዑ መልክዑ ብዘያገድስ ኣነ ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍርቃ ኮይነ ክዕወት እየ
    ለ\ ከምቲ ልሙድ ኣመለይ ናይ ከንቱ ተስፋ እንዳሃብኩ ዕድመይ ንምንዋሕ እዩ
    ሐ\ ኣነ ፍሉይ ፍጥረት ሰለ ዝኾንኩ ካልኦት ዘይሪእይዎ ዝራኣኽዎ ሕልሚ ኣለኒ
    መ\ ኣነ ናይ ስልጣነይ ዕድመ ምንዋሕ ድኣምበር ካልእ መድብ የብለይን ዋርሳይ ይካኣሎ እንትሃደሙ መተካእታ ዲምህት ኣለውኒ፡ ወይልኣ ኤርትራ እምበር ንዓይ ዓባይ እትዮጵያ ኣላትኒ
    ሰ\ ኩሉ ኣብዚ ላዕሊ እተጠቅሰ

    • DEBRE January 10, 2015

      Dear Ogbai
      The answer for me is B.
      in A he knows that no body will allow him to be GOBLEL in Africa. That dream already went off.
      in C his prophetess was dead before many years ago.
      in D he can not proud of Ethiopia, and he knows that Ethiopians hate him
      Debre

  • Berhe Tensea January 9, 2015

    How can people that are in slavery have their own regular army. The Eritrean people normally a retarded people believe it or not.
    The Eritrean people are a gpoup of herd owned by The Tembenay Isuu, Therfore, it is very unwise to demand about having regular troops.
    The Tembenay will not give up his slaves or the agelglot that easily.

    • DEBRE January 10, 2015

      Dear Berhe Tensea
      please Understand the country which has no regular Army. The DIA purposely made the country to run with out the Regular Army in order to prevent confrontation that comes from setoff military groups. That is the main message.
      Debre

POST A COMMENT