Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ ድሕሪ'ቲ ንዓለም ዘሰምበደ፡ ኣብ ባሕሪ ኣፍደገ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንምዝካር "ብትረ-ኦቶብረ" (ሰለስተ ጥቅምቲ) ዝጽውዑ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኢጣልያን ውህደት ንደሞክራስያዊት ኤርትራን (Coordinamento Eritrea Democratica)  ዝፍለጡ ተቓለስቲ ብሓባር

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ

ድሕሪ’ቲ ንዓለም ዘሰምበደ፡ ኣብ ባሕሪ ኣፍደገ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንምዝካር “ብትረ-ኦቶብረ” (ሰለስተ ጥቅምቲ) ዝጽውዑ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኢጣልያን ውህደት ንደሞክራስያዊት ኤርትራን (Coordinamento Eritrea Democratica)  ዝፍለጡ ተቓለስቲ ብሓባር ካብ 3ክሳብ5 ጥቅምቲ  (ዓርቢ፥ ቀዳምን ሰንበትን) ናይ ዝኽሪ መደብ  ተወዲቡ ኣሎ።

እዚ ንህልቂት ኤርትራውያን ዜጋታት ግዳያት ባሕሪ ብምውካል፡ ብኢጣልያውያንን ኤርትራውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተመዲቡ ዘሎ ዝኽሪ፥ ንኹሎም እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት  እውን ዝዝክር እዩ።

እቲ መደባት ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ኮይኑ፡  እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ዓርቢ 3 ጥቅምቲ  ንህልቂት ላምፔዱዛን ግዳያት ባሕርን ንምዝካር ከምእተወፈየትን፡ እተን ዝተረፋ ክልተ መዓልታት ቀዳምን ሰንበትን ከኣ፡ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጺኦም ኣብቲ ዝኽሪ ዝሳተፉ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ እቲ መሪር ህልቂት ዘስዓበ ጠንቂ ስደትን ፍልሰትን ህሉው ኩነታት ሃገርን ብምዝታይ፡ ብስም ግዳያት ላምፐዱዛ ተወሃሂድካ ንምስራሕ ዘተ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ኮሚተ ውህደት ዝኽሪ ላምፓዱዛ ከምዝሓበረቶ፡  እታ ቀዳመይቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ዓርቢ 03 ጥቅምቲ፡ ሰዓት 4.00 ወጋሕታ ፡ ልክዕ ኣብታ ግዳያት ባሕሪ ብሓደጋ ዝጠፍኡላ ሰዓትን ቦታን፡  ምስቶም ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ውጻእ መዓትን፡ ስድራ-ቤት ግዳያትን ብሓባር ኮይኖም  368  በራሪ መብራህቲ ናብ ሰማይ  ክውንጭፉ እዮም።

ቀጺሎም፡  ልክዕ ኣብቲ ረዲኤት ድሕነት ዝተጀመረሉ ሰዓት፡ ብወከልቲ ኩሎም ሃይማኖታት ዝፍጸም ዝኽረ ፍትሓት (ቅዳሴ) ከምዝካየድ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ነበርቲ ላምፐዱዛ፡ ስድራቤት ግዳያት ላምፐዱዛ ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ረድኤት ዝተሳተፉ ወለንታኛታት፡ ማሕበራት ግብረ ሰናይን ተጣበቕቲ  ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳተፍዎ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝዛዘም ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ። ካብኡ ስዒቡ፡ ሓይልታት ባሕርን ወነንቲ ናእሽቱ ጀልባታትን ኣብቲ ረዲኤት ዝተሳተፉ ገፈፍቲ ዓሳን ብሓባር ኣብቲ ናይ ሓደጋ  ቦታ ናይ ዝኽሪ ዕምበባ  ከምዘንብሩን ብምምሕዳር ከተማ ላምፐዱዛን ብኻልኦትን ዝቕረብ  ካልእ ናይ ዝኽሪ መደብ እውን ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝቕጽል መደብ፡ ብማሕበራት ጥልያንን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዝተመደበ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ዝተፈላለየ ኮንፈረንስ ፕሮግራምን ተዳልዩ ከምዘሎ እውን ኣሰናዳኢት ኮሚተ ትሕብር።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ  ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ግዱስ ሃገራዊ ኣብዚ  ታሪኻውን ሕልናውን  ዝኽሪ  ብኣካል ክሳተፍን ንምዕዋቱ ኪደጋገፍን፡ እቲ ብኣካል ክመጽእ ዘጸግሞ ከኣ ነዚ ማሕበራት ጥልያን እኳ ከይተረፋ፡ ብሕልናዊ መንፈስ ዝዝክሮኦን ዝዋስኣሉን ዘለዋ ናይ ዜጋታትና ህልቂትን ጥፍኣትን ዝኽሪ ኣኣብ ዘለዎ  ሽምዓ ኣብሪሁ ብመንፈስን ብጸሎትን ክሳተፎ  ብምዕዳም፣ ነቲ ዕማም ንምዕዋት ከም ቀደሙ ብሞራልን ንዋትን ተርኡ ክጻወት ንምሕጸን።

እዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ ብመንፈስን ኣካላውን ተሳትፎ ክበዓልን ክዝከርን፡ ኣብ ኢጣልያ ዝቖመት ኮሚተ  ብሓላፍነት ክትዋሳኣሉ ጂኦግራፊያዊ  ግዴታኣ’ኳ እንተኾነ ብዘይ ተሳትፎን ደገፍን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዜጋታትና ክሰልጥን ክዕወትን ስለዘይከኣል፣ ኩሉ ሃገራዊ  ዜጋ ብኣካል ይኹን ብኣበርክቶ ክሳተፎ  ትጽውዕ።

ውህደት ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኢጣልያ

ኮሚተ 3 ጥቅምቲ ኢጣልያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • hara September 27, 2014

    i hope
    ambasader nay hgdf wn key’idem

POST A COMMENT