Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቁሉዕ መልእኽቲ ንህዝብን ንመሰጋገሪት ሽማግለን ኣብዚ ህልው ሲቪካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ሚነሶታ።

ንሕና ኣባላት "ኤ.ም.ል.ም.ግ."  (ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንቲን፤ ምፍታሕ ግርጭትን) ብዝብል ሽም እንጽዋዕ ኣቐዲምና ንመሰጋገሪት ሽማግለ ነቲ ብርቱዕ ስራሕ ብምቕባሎም ልዑል ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም ንብል። ከምኡ እውን ነዚ ወሲዶሞ ዘሎዉ ዕማም ምስላጥ ዓቢ ሓላፍነት ምዃኑ፤ ብፍላይ ድማ

ንሕና ኣባላት “ኤ.ም.ል.ም.ግ.”  (ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንቲን፤ ምፍታሕ ግርጭትን) ብዝብል ሽም እንጽዋዕ ኣቐዲምና ንመሰጋገሪት ሽማግለ ነቲ ብርቱዕ ስራሕ ብምቕባሎም ልዑል ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም ንብል። ከምኡ እውን ነዚ ወሲዶሞ ዘሎዉ ዕማም ምስላጥ ዓቢ ሓላፍነት ምዃኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ ታሪኽና ቐጻሊ ግርጭትን ሕልኽልኽን ዝመልኦ መንገዲ ኣዝዩ ትዕግስትን ተጻዋርነትን ከም ዝሓትት ንዕዘቦ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ሚነሶታ ኩነታት ጸገም ኤርትራ ብዝምልከት ዓቢ ምብርባርን ምንቕስቓስን ክንዕዛብ ኪኢልና ኣሎና። ኤርትራ ንጽልትን ፍንፍንትን ሃገር ኮይና ካብ ትልለን፤ ህዝባ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኣብ ጭካነ ዝመልኦ ዓዘቕትን ክፉእ ኣተሓሕዛን ግዳይ ኮይኑ ካብ ዝወድቕ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሓደጋ ላምፐዱዛ መቕዘፍቲ ኣማኢት ዜጋታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፤ ብተለቪዢዮን ምስ ተቓለሐ፤ ሓቀኛ ኣቓልቦ ከምጽእ ኪኢሉ ኣሎ። እዚ ፍጻመ እዚ ድማ እዩ ንዳግመ ምላድ ሓዲሽን ሓያልን ምንቕስቓስ ኤርትራውያን ንለውጢ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት ኣገንፊሉዎ ዘሎ።

ብመሰረት ኣብትን ዝሓለፋ ክልተ ዕላውያን ኣኼባታት ብመሰጋግሪት ሽማግለ ዝተኻየደ ትዕዝብትና ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤

ድሕሪ ዘሰምብድ ኣጋጣሚ ላምፐዱዛ ናይ ሕልና ጸሎት ብኤርትራውያን ነቲ ልሙድ ኣገባብን ብዘይ ፍቓድ ወከልትን ልኡኻትን መንግስቲ ኤርትራ ምክያዱ ዘይልሙድ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ መንቐሊ ፍታሕ ሽግር ምንዳይ ንዝተኻየደ ተበግሶታት ንብዙሓት ዘተባብዔን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ገይርዎም ኣሎ። ኣብ ናይዘን ክልተ ኣኼባታት ብዝምልከት ትዕዝብትና ዘተባብዕ ኩነታት ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር፤ እዚ ድማ ሳላ እቲ ግልጹን ኣዝዩ ጽዑቅን ተኻፋልነት ዝመልኦ ብዛዕባ ሃገርናን ኸባቢናን ዝምልከት ኣርእስታት ኣልዒልና ዝተመያይጥናሉ ደራኺ መድረኽ እዩ ነይሩ። ክምኡ እውን ንመሰጋጋሪት ሽማግለ ብዘይ ምርጫ ግን ብምርድዳእ ሓላፍነት ዝተሸከመትሉ ተዓዚብና ኣሎና፤ ሓደሓደ ካብ እቶም ምሩጻትን ካብ ተኻፈልቲ ዝነበሩ ኣኼበኛታትን ድማ ነዚ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ብምኽትታል ቀጻሊ ርኽክባት ከም ዝገበሩ ተዓዚብና ኣሎና።

ስክፍታትና፤

ንሕና ኣባላት “ኤ.ም.ል.ም.ግ.” (ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንቲን፤ ምፍታሕ ግርጭትን) ነቲ ኣብዘን ክልተ ኣኼባታት ብህዝብን ብመሰጋጋሪት ሽማግለን ንዝመጸ እማመታትን ርእይቶታትን ክምኡ እውን ኣገዳሲ ነጥቢታትን ብሰፊሕ ተዛቲናን ተረዳዲእናሉን ኣሎና። ካብዚ ተበጊስና ድማ ብዝሓሸንን ብዝበለጸንን ውዳበ ንቐጻሊ ምስቲ ህሉው ኩነታትን ፍጻመታትን ንኹሉ ኩርናዓት ዝዕግብ ኣከያይዳ ዘትሕዝ መርሚርና ኣሎና። ኣብዘን ዝስዕባ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘሎዋ “ኣርባዕተ ነጥቢታት” ድማ ብዚያዳ ትኩረት ዝገበርናለን፤ ህዝብን መሰገጋሪት ሽማግለን ብዝለዓለ ደረጃ ኣዕሚቖም ክሓስቡለንን  ከማዓራርዩወንን፤ ምእንቲ ናብቲ ዘላቒ ኤርትራዊ ሓድነት ክረጋገጸሉን ዝኽእለሉን ባይታ ከብጸሐና ስለ ዝኾነ ንኹሉ ንላቦ።

1. ትኩረት ናይ እዚ ተጣባቒ ሲቪካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ምምስራትን ምኽባርን ግዝኣተ ሕጊ ዝተመስረተ ኮይኑ ኣብ ከባቢናን ከምኡ እውን ኣብ ኤርትራ ዘማዕዱ ክኸውን ኣሎዎ፤ እዚ ምንቕስቓስ እዚ ማሕበረሰብ ኣይኮነን፤ምስ ኣግልግሎትን ዕማምን ማሕበረሰብ ኤርትራ አብ ሚነሶታ፡ ክደናገር እውን የብሉን፤ንማሕበረሰብ ክትክእ፤ ወይ ክቆጻጸር፤ ወይ ክዕንቅፍ፤ ወይ እውን ነቲ ነጻ መንፈስን ነጻ ኣገልግሎትን ክትንክፍ ወይ ክሕንኩል የብሉን። እዚ ምንቅስቅስ እዚ ግን ንግብኣተ ሕጊ ወኪሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ከባቢና ይኹን ኣብ ኤርትራ ዓገብ ክብል ክኽእል ኣሎዎ።

2. እዚ ምንቅስቃስ ዕማማቱ ብግቡእ ንከሰላስል፤ ብመሰረት ሚነሶታ ሲቪካዊ ተጣባቒ ኣወዳድባን ቅርጽን ክልተ ኣማራጺ ይህልውዎ፤

ሀ.         ቐዳማይ ኣማራጺ (ብዘይ ኣባልነት)፤ ክፉት ንኹሉ ኤርትራዊ ግን ኣባልነት ብኣባላት ቦርድ ቁጽሮም ካብ 16 ክሳብ 20 ዝበጽሑ በብዓመታዊ ብሓፈሻዊ ባይቶ ዝምረጹ ጥራሕ ይውሰን። እዚ ኣማራጺ ውልቀሰብኣዊ ወይ ድማ ማሕበራዊ ኣባልነት ኣይህልዎን።

ለ.         ካልኣይ ኣማራጺ (ብኣባልነት)፤ ክፉት ንኹሉ ኤርትራዊ ንክምረጽን ክመርጽን ኮይኑ ግን ብውልቀሰብኣዊ ወይ ድማ ብማሕበራዊ ኣባልነት ዝቅረጽ፤ ብካብ 20 ዘይበዝሑን ካብ 16 ዘይውሕዱን ኣባላት ቦርድ ዝመሓደር ይኸውን።

ሐ.         ዝኾነ ኣባል ፖሊቲካዊ ወይ ድማ ሲቪካዊ ማሕበር፤ ኣባል ቦርድ ኮይኑ ከገልግል ወይ ድማ ክምረጽ ኣይክእልን። ኣባል ቦርድ ድርብ ማሕበራዊ ኣባልነት ክህልዎ ኣይፍቀድን።

3. ናይ ክብሪ ኣባልነት ንጥርኑፍ ኤርትራዊ ማሕበራት (ፖሊቲካዊ፤ሲቪካዊ፤ህይማኖታዊ፤ ወዘተ) ይወሃብ። እዘን ምንቅስቃሳት እዚኣተን ብቅጥታ ክሳተፋ ስለ ዘይፍቀደን ስክፍታታን፤ ጥርዓናተን፤ ርእይቶታተንን፤ ብጽሑፍ ኣብ ዝኾነ እዋን ከቅርባ ይኽእላ። ብተወሳኺ ሓንሳብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንህዝብን፤ ንኣባላት ቦርድን ብኣካል መልእኽተን ከስማዓ ዕድል ይወሃበን።

4. እዚ ምንቅስቃስ ስርሑ ብዝለዓለ ደረጃ መምዘንን፤ ተሓታትነትን የሰላስል። ዝኾነ ይኹን ፋሉላዊ ወይ ድማ ካብ ፍቃድ ወጻኢ ተግባራት ምስቲ ሕጊን፤ መትከላትን፤ ኣገባባትን፤ ማሕበርን ህዝብን ወይ ድማ ኣባላት ቦርድን ዝገራጮ ክፍጽም የብሉን።

እዚ ምንቅስቃስ እዚ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓትን መትከላትን ክሳብ ዝምራሕ፤ ንሕና ብዕቱብነትን ውሕስናን ናብ ዓወት ክነብጽሖ ኣበርቲዕና ከም እንሰርሕ ነረጋግጸልኩም።

ሓርነት ንህዝቢ ኤርትራ፤

ስምና፡   “ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንትን፤ ምፍታሕ ግርጭትን”፡ ስለዚ  ድማ “ኤ.ም.ል.ም.ግ.”

ዕላማና፡ ነቲ ፖሊቲካውን ሲቭካውን ሽግራት ኣብ ከባቢናን ኣብ ሃገርናን ኤርትራ ዘሎ ግርጪታት ብምፍታሕን ልፍንቲታ ብምህናጽንን ነቲ ጾር ምቅላል እዩ።

ብዛዕባና፤           “ኤ.ም.ል.ም.ግ.” (ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንትን፤ ምፍታሕ ግርጭትን) ሲቪካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ሚነሶታ ኮይኑ ዓለማዊ መልእኽቲ ክሓድግ ዝህቅን እዩ። ቅዲ ኣሰራርሓና፤ ኣብ ግርጭታት ምፍታሕን፤ ልፍንቲታት ምህናጽን፤ ፍልልያት ምቅርራብን ዝተመስረተ እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምትግባር እንስዕቦ ኣካያይዳ፤ ባይቶታት ልዝብ፤ ሰሚናራት ብምድላው፤ ካብ ዝተፈላለዩ ፖሊቲካዊን፤ሲቪካዊን፤ማሕበራት ዝውክሉ ክምኡ ድማ ናይ ትምህርቲ ሊቃውንትን፤ ናይ ሞያ ኪኢላታትን ምስቲ ጉዳይናን ዕላማናን ተመኩሮ ዘሎዎም ናብ ህዝቢ እናቅረብካ ሰፊሕን ዓሚቁን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ትምህርትን ሃዋሁ ምፍጣር ይርከቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Angesom Hadgu January 8, 2014

    We Eritreans want to see finally actions and substantiality, but not always bla bla… ኤርትራዊያን፤ ንምህናጽ ልፍንቲን፤ ምፍታሕ … to the x-th time since the existence the so-called opposition. Like the Ethiopia saying “lewerye yelew frye – labeba yelew geleba” states, it is really ashaming that the opposition has not achieved any useful organisational and functional strukture yet.

    You better let the dictator reign over his helpless slaves untill his mafia-lkie government collapses by itself. This version seems to me more efficient.

    yerhwo

    • Yonas Ghebregziabiher January 8, 2014

      It is not difficult to topple Issaias Afewerqi and his handful cronies, what is difficult, is to organize and function democratically with openness and transparency towards a “National Congress”. We should NOT be inhibited or intimidated by the slothfulness, quagmire, or complexities of “democratic processes”, it pays off at the end; but till then we need to explore, practice, and NEVER give up.

      ብርቱዕ ኣይኮነን ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ውሑዳት ኮራኹሩን ምእላይ፤ እቲ ጸገም ብደሞክራሲያዊ መንገድን፤ ብሓቅን፤ ብጋህድን፤ ተወዳዲብካን እናሰራሕካሉን ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ምብጻሕ እዩ። ብጋሕማጥን፤ ሕልኽልኽን፤ ዙሑልን፤ ኣካይዳ “ዲሞክራሲያዊ ኣገባባት” ክንተዓናቀፍን ክንዕገትንን የብልናን፤ ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ኣሎዎ፤ ግን ክሳብ ሽዑኡ ክንፈታትሽን ክንሙከርንን ተስፋ፤ክንቆርጽን የብልናን።

  • amir akeza January 8, 2014

    I know your concerns. We are really fed up with the emergence and piling up of new organizations. This did not and will not help. I would however like to underline that history has never witnessed any collapse of a government by itself. The best solution is to join and actively participate with any one of the existing political and civic organization, including PFDJ and then seek a common solution. Let us stop creating new organizations please.

    • berhan gedem January 8, 2014

      think twice before speaking proverb english.No matter where you are contribute what you can do.everyone has vision and respose.I don’t want to tide with some handicap organizationl for name they are already unfunctional what they do for twenty years.the better way ocuppide yourself wit enough knowledg teach and organize new generation for change.change comes not by praying by hard working.

  • Melake Zeweldi January 8, 2014

    IT IS GOOD START, AND I AM CONFIDENT YOU WILL BRING CHANGE TO THE SITUATION OF THE POOR COUNTRY/PEOPLE BUT TRY TO AVOID SOME IRRELEVANT SMALL NEGATIVE WORDS COME FROM THE PAPETS OF THE RULING PARTY IN MN.

  • GOJAM January 8, 2014

    ZAMBIS HAPPY NEW YEAR HE WE GO AGAIN OTHER’S MORANS I THINK THE SNOW MAKE THEM BRAIN FREEZE. DON’T WORRY FIRST DO YOUR LIFE HERE BEFOR THINKING ABOUT PEOPLES. THERE ARE A LOT OF HEROS LIKE ( WE DI ALI ) FORT I HOPE YOU GATT TRUE YOUR THICK HEAD. THE SAME TIME CALL AND WORK WITH ( WE DI VACARO ) ATHERS WISE SHARAPPPP.

  • zemat rzun January 9, 2014

    Organizing comity is not our problem .performing on the ground is the main thing what we want

POST A COMMENT