Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስና ኣድጊ ገዲፍካ ዝሓበጠ ጕላ ተኵስ ይኸውን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ካብ ዝስእን ኣማእት ዓመታት’ኳ እንተ ሓለፎ፡ ንኹሉ’ቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ግፍዕታት ድሕሪ ምጽዋርን ምምካትን ኣብታ ከም ብርኽቲ መዓልቲ ዝወሰዳ 24 ግንቦት ፈላሚ ናጽነቱ ኣስተማቒሩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎ፡ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ካብ ዝስእን ኣማእት ዓመታት’ኳ እንተ ሓለፎ፡ ንኹሉ’ቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ግፍዕታት ድሕሪ ምጽዋርን ምምካትን ኣብታ ከም ብርኽቲ መዓልቲ ዝወሰዳ 24 ግንቦት ፈላሚ ናጽነቱ ኣስተማቒሩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎ፡ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ከም ዝብሃል ግን እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸለ ህይወቱ ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ ኮይኑ ኣሎ። ናቱ ሕመቕ ድዩ ናይቶም መን ከማኻ ዝብሉዎ ዝነበሩ ደቀይ ዝበሎም ተቓለስቲ ጥልመት ንታሪኽ ዝሕደግ ኮይኑ፡ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዉኣት ዝተኸፍሎን ዓለም ብዝመስከረሉን ጅግንነትን ዝተረኽበ ናጽነት፡ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ጨው ሓቒቑ ተሪፉ። ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽን ክትርድኦን ክትሓስቦን ዘጸግም ጸሊም ታሪኽ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ክልተ ግዜ ተደናጊሩ፡ ክልተ ግዜ ቍማር ተበሊዑ። ሕጂ ግን ብኸመይ ናብ ከምኡ ከምርሕ ክኢሉ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ወይ ንምትንታን ዘይኮነ፡ ከም ተቓለስቲ ይኹን ሃገራውያን መጠን ክንገብሮ ኣብ ዘለና ነገር እየ ክዛረብ።

ኣብዚ ዘበንዚ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ቍምነገር ክንሰርሕ ክንምድርን ርእይቶ ኣብ ምሃብ ወጠምጠም ምባልን ነንሓድሕድና ምንቛትን ይቐለና እንተ በልኩ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ባህል’ዚ ካብ ኢጣልያውያን ዝወረስናዮ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ምኽንያቱ ኢታልያውያን ንዘረባ ቀዳሞት እዮም ብብዝሒ ሰልፍታት ድማ ኣብ መጀመርያ ይስርዑ። ቀዳሞት ኣቦታትና፡ ምስቲ ዝነበረ ግዕዙይ መስፍናዊ ጭቈና ከይተረፈ፡ ወላ’ኳ ንደሞክራሲ (ምብራቓዊ ይኹን ምዕራባዊ) ብግቡእ እንተ ዘይተማህሩዎ ብግብሪ ግን ብደረጃ ዓዲ ወይ እንዳ ይሰርሑሉ ከም ዝነበሩ ብኣካል ዘርከብናሉ ሰባት እንምስክሮ ሓቂ እዩ። እቶም ነዚ ዘየርከብኩምሉ ንኡሳን ኣሕዋትና ድማ ባይቶ ዓዲ ከመይ ዝበለ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከም ዝነበረ ንኽትፈልጡ ንዓበይቲ ሕተቱ። እዚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣፍሪቃ ዘይተራእየ ምዕቡል ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለ ዝኾነ ንወለዶታት መታን ክተርፍ ከም ታሪኽ ክጸሓፍ ዝግብኦ ዘዅርዕ ባህሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ፋሺስታዊ ስርዓት ጥልያን ንኤርትራ ወሪሩ ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ናይቲ ዓዳዊ ምምሕዳር ኣገባብ ምስ ተዓዘበ ናጻ ክሓድጐ ዝመረጸ። ደርጊ’ውን ኣይተንከፎን። እቲ ጸገም ናይዚ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ናብ ደረጃ ኣውራጃ ወይ ሃገር ክድይብ ዘይምኽኣሉ ጥራይ ነይሩ። እዚ ድማ ምስቲ ዝነበረ ኵነታት መግዛእትን ወራርን ዝከኣል ኣይነበረን። ናብ ኣርእስትና ግን ንመለስ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ዘዅርዕ ባህሊ ዝነበሮ ህዝቢ፡ ዕስራ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እሞ ኸኣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ከይተተንከፈ ዝጸንሐ ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተመርኰሰ ኣሰራርሓኡ፡ ብሰላሕታ ተባሕጊጕ ክተርፍ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዳርጋ ናብ ካልኣይ ዜጋ ክቕየር ከሎ ደም ዘንብዕ ፍጻሜ እዩ። ነቶም ንህዝቢ ከም ዋልታ ክከላኸሉሉ ዝመሓሉ ደቁ ድማ ኣብ ሕሜታ ዘእትዎም ጸሊም ታሪኽ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ዝኾነ ሃገራዊ እየ ወይ ብጕዳይ ሃገረይ ዝብል ሰብ ብዛዕባዚ ጕዳይ’ዚ ብዕቱብ ክሓስብን ከስተንትንን ከም ዘለዎ ክግንዘብ ክኽእል ኣለዎ። ንድሕሪት እናተመልሰ ንፍጻሜታት ክምርምርን ንሕልናኡ ክፍትሽን ከሎ እዩ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ክስቈሮ ዝኽእል። ካብኡ በለ ውድቀት ንህግደፍ ኢልካ ስለ ዝጨራሕካ፡ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ሽምዓ ሒዝካ ኰለል ናይ ዝበልካ ወይ ናይ እግሪ ጕዕዞ ስለ ዝፈጸምካ ንጕዳይ ሃገር ኣሰጕምካዮ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘሎ ኵነታት ቃልሲ ምስ እንዕዘቦ ብዙሕ ክግበር ዘይግብኦ ንቓልሲ ዝጐትት ተግባራት ክፍጸም፡ ብዙሕ ክዕመም ዝግብኦ ሃናጺ ነገራት ድማ ከይተተግበረ ይተርፍ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ሳዕቤኑ ድማ ንረብሓ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ኣይወሃቦን።

እስኪ ‘ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት እንታይ ኣፍሪና?’ ኢልና ንሕተት። 22 ዓመት ገዲፍና ድማ ካብቲ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ውሽጦ ሃገር ብወግዒ ዝተጀመረሉ 2000 ጀሚርና ክሳብ ሎሚ ማለት 12 ዓመታትከ እንታይ ኣፍሪና? ኢልና ንነፍስና ንሕተት። ምናልባት “ተቓወምቲ ውድባት ቍጽረን ወሲኹ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት በርኪተን፡ ሰላማዊ ሰልፍታት በዚሑ፡ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ኣኼባታትን ሰሚናራትን ይካየድ ኣሎ፡ ናይ ፓልቶክ ሩማት በዚሐን፡ ኣብ ኢንተርኔት ዝጸሓፍ ዓንቀጻት ኣዝዩ ብዚሑ. . .” ዝብል መልስታት ንረክብ ንኸውን። ምስዚ’ውን ቃልሲ ካብ ዝነበሮ ዝያዳ ማዕቢሉ ኣሎ ምኽንያቱ ጭፍራ ህግደፍ እናተነጸለን ህዝቢ እናፈንፈኖን ይኸይድ ኣሎ ዝብል ተደራቢ መልሲ ክንረክብ ግድን እዩ። ርግጽ’ዩ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ዝያዳ ከም ዝተነጸለን፡ ቍጠባዊ ዓቕሙ  ከም ዝተዳኸመን ዘዛርብ ኣይኮነን። ነዚ ዅሉ ዝፈጠረ ግን ኣይተ ኢሳያስ ባዕሉ ስለ ዝኾነ፡ ተቓወምቲ ውድባት ወይ ኣብ ቃልሲ ንነጥፍ ዘለና ሰባት ኣገናዕ! ንበሃለሉ ጕዳይ ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ዛጊት ናይ ባዕሉ ጸላኢ ብምዃን ዕድመኡ ዘሕጽር ተግባራት ጥራይ እዩ ዝፍጽም ዘሎ። በንጻሩ ንሕና ነዚ ናቱ ድኽመታት ብምምዝማዝ እሂን ምሂን እናተባሃሃልና ቃልስና ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ክነዕርጐ ኣብ ክንዲ ንጽዕር፡ ልክዕ ከምቲ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋታት ብምፍጻም ኣብ ነንሓድሕድና እናተወናጀልና ነቲ ቃልሲ ኣብ ደልሃመት ወይ ኣብ ዓዘቕቲ ክነእትዎ ንቃለስ ኣለና። እዚ ሓደ ሓሙሻይ መስርዐኛ ካብ ዝገብሮ ዘይፍለ ተግባር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኤርትራዊ መንነት ዝድውን በለጻዊ ባህሪ እዩ። እዚ ባህርዚ ድማ፡ ሰባት ነቲ ቃልሲ ከም ሓደ ናይ ኣገባብ መነባብሮኦም ክወስዱዎ እንተ ጀሚሮምን ንነብሶም ከቐድሙ እንተ ጀሚሮምን ዝገሃድ ተርእዮ ምዃኑ ምፍላጥ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ቃልሲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጽልግልግ ኵነታት ካብ ዝኣትው ነዊሕ ስለ ዝገበረ እቲ ትሃን ናይ ቃልሲ ዝነበሮ መንእሰይ፡ ገለ ፍናኑ ተተንኪፉ ውራይ ውልቃዊ መነባብሮኡ ክገብር ብምሕሳብ ናብ ቤትጽሕፈታት ህግደፍ ለዅለዅ ክብል ከሎ፡ ገለ ክፋሉ ድማ ነቲ ቃልሲ ከም ሓደ ናይ ዘበንና ፋሽን ብምውሳድ፡ እንታይ ይብሃል ኣሎ እናበለ ዘዝተነግሮ ክጭርሕ ጥራይ እዩ ዝስማዕ። ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ብሕልና ዝቃለስ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ኮይኑ ንረኽቦ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ኣብ ፓልቶክ ይኹን ኣብ ናይ ሳይበር መደረ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ እናተረኽበ፡ (እዚ’ውን ምስ ክንደይ ውርደቱን ጸርፉን) ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባታት ወይ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝወሓደ ሰብ ዝርአ። እዚ ቀቀሊሉ እዩ። ኣብ ፓልቶክ ብናይ ብርዒ ስም ከቢድ ነገር ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ሰባት፡ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከቦ ኣጋጣሚ ግን ኣንጻር ህግደፍ ሓንቲ ቃል’ኳ ዘየምልቝ ቍጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ድማ ቃልስና ገና ኣዝዩ ነዊሕ ጕዕዞ ከም ዘጽበዮ የግህደልና። እሞ እንታይ ይገበር? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ።

–       ብቐዳምነት ነፍስወከፍ ሰብ ወይ ጕጅለ ኣብ ክንዲ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ወይ ጕጅለ፡ ንስኻ ከምዚ ኢኻ፡ እንታይ ኣበርኪትካ? ስለምንታይ ከምዚ ዘይፈጸምካ? ወይ ድማ ንዓይ ከይሓተትካ ከምዚ ጌርካ ኢሉ ዝሓትት ወይ ዝውንጅል፡ ወይ ውልቃዊ ጕዳይ ምስ ጕዳይ ቃልሲ ዝሓዋውስ፡ ንነፍሱ ኣነ እንታይ ኣበርኪተ? ክገብሮ ዝነበረኒ እዚ ጥራይ ድዩ? ኢሉ ክሓትት ኣለዎ።

–       ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ግፍዒ፡ ሕሰም፡ መከራ ኮታ ኵሉ ብኣሉታ ዝግለጽ ነገራት ንኹላትና ዝምልከት ጕዳይ`ይምበር ንፍሉያት ሰባት ዝምልከት ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ኣለና። ገለ ሰባት ንፍሉያት መራሕቲ፡ ወይ ንተጋደልቲ ተሓተትቲ ክገብሩ ይፍትኑ፡ ገለ ድማ ንመንእሰያት፡ ገለ’ውን ነቲ ሓላፍነት ናብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ተግፋዒ ህዝቢ ከላግቡዎ ይፍትኑ። ኢሳያስ፡ ምሉእ ስልጣን ሒዙ ጨፍሊቑ ክሳብ ዝገዝኣና ትም ኢልና ዝረኣና ኩላትና ስለ ዝኾንና፡ ሕጂ’ውን ቅልጽምና ብምሕባር ካብ ምቅላስ ወጻኢ ክንገብሮ ንኽእል ኣማራጺ የሎን። ካብዚ ኣማራጺ እዚ ወጻኢ ክንሰርሕ ምስ እንፍትን ኣብ ነንሓድሕድና ብምውንጃል ንቓልስና ንድሕሪት ክንመልሶ እንተ ዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ነዚ ምስ ሕልናናን ብምምብጻዕ ብስም ስዉኣት ምሒልና ወጊድ ክንብሎ ኣለና።

–       ህግደፍ እግሩ ኣብ ኤርትራ ሕቘኡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ስለ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ቀስ ኢልካ ዝብጻሕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ቃልሲ ብምምጥጣር፡ “ከምዚ ክግብር ኣለዎ፡ ከምዚ ክደግም ከኣ ኣለዎ” ብምባል ክንውሕልል ንፍትን፡ ኣብ ዘለናዮ ቦታ ክንገብሮ ዝግብኣና ዕማማት ንፈጽም። መጀመርያ ንህግደፍ ይኹን ወይጦታቱ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ኣመሪካ መርገጺ እግሪ ንኽልኣዮም። ከም ኣብነት፡ ሀ. 2% ደው ዝብለሉ መንገዲ ንምፍጣር ኣበርቲዕና ምቅላስ፡ ለ. ወይጦታት  ህግደፍ ነቲ ብስም ብድሆ እናበሉ ዝገብሩዎ ጓይላታት ደው ዝብለሉ መንገድታት ምፍጣር፡ ሐ. ነቶም ብህግደፍ ተገፊዕና ኢሎም ከብቅዑ ወረቐቶም ምስ ሓዙ ናብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈታት ህግደፍ ላህመም ዝብሉን ኣብ ጓይላታት ዝሳተፉን ኣድላዪ ተግሳጽ ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣይንስመዓኩምን ምስ ዝብሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምቅላዖም። እዚ ኣብ ገለ ቦታታት ተጀሚሩስ ጽቡቕ ውጽኢ’ውን ኣምጺኡ ኣሎ። መ. ኣብ ነፍስወከፍ እንነብሮ ኮሙነ፡ ካንቶን፡ ኼመንት፡ ሙኒሲፓሊቲ ወዘተ ብዝከኣለና መጠን ጐስጓሳት ብምክያድ ጕዳይና ከም ዝፍለጥን ህግደፍ ከም ዝንጸልን ኣብ ምግባር ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድ። ንወይጦታት ህግደፍ ድማ ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓታት እናነበሩ ንዲክታተር ዝድግፉ እዮም ብምባል ከም ሕሱም ምንጻሎምን ምቅላዖምን።

–       ኣብ ነፍስወከፍ ንነብረሉ ከተማ ብደረጃ ከተማ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ለውጢ ጥርናፈ ወይ ማሕበራት ምፍጣር። ድሕር’ዚ ምስተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ከተማታት ብምውህሃድ ናይ ፊልከ ወይ ኣውራጃ፡ ስተት ኣወሃሃዲ ኮሚተ ብምፍጣር፡ ብመንገደን ድማ ንዞባ ወይ ሃገር ምሉእ ዘወሃህድ ሽማግለ ከም ዝምዕብል ብምግባር፡ ተጨባጢ ዝኾነ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምሕንጻጽ። እዚ ኣብ ኖርወይ ድሮ ተጀሚሩስ ጽቡቕ ውጽኢት’ውን ሂቡ ኣሎ። ምውህሃድ ዘይብሉ ቃልሲ ብሓደ ከለኻ ሕቘን ከብድን ዝኾንካ ከምስለካ ይኽእል እዩ። ብሓጺሩ ዛግራ ናብዚ መሸንጐጋ ናብቲ ስለ ዝኸውን ከድምዕ ኣይክእልን። ብግብሪ’ውን ይርአ ኣሎ።

–       ቃልሲ ክብሃል ከሎ ንዕግበት ሕልናኻን ዕዳ ስዉኣት ንምኽፋል ዝፍጸም ዕማም ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ክጥቅወሉ፡ ክዕበየሉ ወይ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ጸብለል ኢሉ ክርአ ዝኽእለሉ ኵነታት ዘይምፍጣር። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ገለ ሰባት፡ እንተስ ኮነ ኢሎም፡ እንተስ ብግርህነት፡ ንውሱናት ሰባት ከም ፍሉያት ተቓለስቲ ብምቝጻር ከም ላህመት ጸምብለል ኣቢሎም ከቕርቡዎን ኣብ ፈቐዶ ፓልቶክ ይኹን ኣኼባታት ክውድሱዎም ይረኣዩን ይስምዑን እዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ጨሪሹ ክውገድ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጌጋ ስለ ዝፈጸምና ኢና ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕለና ቸይ ቸይ ዝብል ዘሎ። ናይ ውልቀሰብ ተራ ምግናን ቀደም ኣብቂዑስ ንኢሳያስውን ንቃወሞ ኣለና። ስለዚ፡ ናይ መራሕቲ ቦታ ግቡእ ቦታኡ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ካብ ውዳሴ ማርማይም ብዘይፍለ፡ እከለኮ! እናበልካ ንሰባት ከም ፍሕኛ ምግታር ንዮ! ንበሎ። ንቃልስና ድሕሪት ካብ ምምላስ ሓሊፉ ድማ ኣየሰጕመናን እዩ።

–       ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንድምጺ ህዝቢ ጽን ዝብልን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሕሉን ምስ ዝኸውን’ዩ ዝዕወት። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ዘይቲ ጸምበለል ክብልን ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ ዝብል እንተ ኾይኑን ግን እቲ ቃልሲ ይትረፍ ክዕወት ህላዌኡ ከረጋገጽ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ንዘልኣለም ድማ ጋም! ማን! ክብል ይነብር። ህግሓኤ ምስቲ ዅሉ እከይ ተግባራቱን ጨካን ባህርያቱን ብኸመይ መንገዲ ከም ዝዕወት ይፈልጥ ነይሩ። ስለ ዝኾነ፡ ወላ’ኳ ምስሉይነት ይሕወሰሉ እንተ ነበረ ህዝቢ ከይነጽጐ ኣመና ይጥንቀቕ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝገበረ ድማ ክዕወት ክኢሉ። ሕጂ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዕዘቦ ዘለና ድማ ካብ ኣገባብ ቃልሲ ኣዝዩ ዝረሓቐን ዳርጋ ናብ ኣንጻሩ ዝቐንዐን ኵነታት እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ንቃልሱ ናብ ኢዱ ከእትዎ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ በብከተማኡን ኣውራጃን ሃገርን ክውደብን ቃልሱ ከወሃህድን ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ክገብር እንተ ዘይክኢሉ ይትረፍ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እታ ዝዀርዓላ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ብኣካላ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካርታ ዓለም ከይንስእና’ውን ዘስግእ እዩ። ነቲ ሳዕቤን ናብ ዝኾነ ባዕዳዊ ክነላግቦ ዘይኮነ ድማ ተሓተትቲ ንሕና ኤርትራውያን ከም ንኸውን ክንግንዘብ ይግብኣና። ቼችንያ ሓንቲ ቀሊል ኣብነት ናይዚ እያ።

 

–       መደምደምታ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዙሓት ኣብቲ ቃልሲ ዘለዉ እናመሰሉ ንቓልሲ ዝዕንቅፉ ሃሱሳት ተጸፊዮሞ ከም ዘለዉ ክንዝንግዕ የብልና። ህግደፍ’ውን ዋዛ ኣይኮነን ብኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ መንገዲ ሃሱሳቱ ምውፋር ስርሐይ ኢሉ ከም ዝሕዞ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ እከይ ተግባር’ዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሩሉ እዩ። ነዚታት ንምፍጻም ማዕረ ቃልኪዳን ምፍራስ ዝኣክል ገበን ይፍጽም ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ይግባእ። ስለዚ፡ እቶም ብሕልናና ክንቃለስ እንደሊ ሰባት ንቝሓት፡ በላሕትን ከም ክርቢት እንነጥፍን ክንከውን ይግብኣና። ቃልሲ ክብሃል ከሎ፡ ላህመም እናበልካ ወይ ድራርካ እናወድኡልካ ትም ኢልካ ብምርኣይ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ተቓለስቲ ኢና እናበሉ ንቃልሲ ንድሕሪት ክመልሱ ንዝፍትኑ መራሕቲ ኢና ኔርና በሃልቲ ክተቀናጅው ትፍትን እንተ ዄንካ፡ ወላ ኢሰያስ ደሞዝ ኣይኽፈልካ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክቱብ (ዓስከር) ናይ ኢሳያስ ወይ ጕጅለ ህግደፍ ኴንካ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ፡ መን’ዩ ብዘየገድስ ዝኾነ ንቃልሲ ዝዕንቅፍ ሰብ ምስ ዘጋጥመና ድሕረባይታኡ ብዘየገድስ ክንምክቶን ክንቃወሞን ክንክእል ኣለና። ልዕሊ ሃገር ዝስራዕ ሰብ ወይ ጕጅለ ክህሉ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሜላታት ወይጦታት ህግደፍ ኣዝዩ ረቂቕ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናይ ተቓውሞ ታቤላ ኸኣ ኵሉ ሰብ ሒዙዎ ስለ ዘሎ፡ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ ተቓላሲ ኣየናይከ እቲ ለዅመኛን መታለልን ካብ ዘረባኡን ተግባራቱን ክነለልዮ ክንክእል ኣለና። ኤርትራውያን መስሓቕ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ምዃን ድሒንና ኣብ ቃልሲ ክንዕወት እንተ ዄንና ቃልስና ክነወሃህዶ ኣለና። ውልቃውነትን ጕጅለይ ጕጅለኻ፡ ሰልፈይ ሰልፍኻ ገዲፍና እሂን ምሂን ነማዕብል፡ ሃገራዊ ጕዳይ ነቐድም! ኣብ በዓል ናጽነት ድማ ክንስዕስዕን ክንጭፍርን ዘይኮነ ሕልናና ክንምርምርን ቃልስና ዝድንፍዓሉ መንገዲ ሃሰስ ክንብልን እላቦ።

ዓወት ንህዝቢ! ውድቀት ንጭፍራ ህግደፍ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Mesinas May 19, 2013

    ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ፡ ጽሑፍካ ንልብን ኣእምሮን ዘሎዎ፡ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ሰብ ልቢ ዚትንክፍ ጽሑፍ’ዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሕልናኡ ሓቲቱ ንእልበት (ሓሳረ መከራ) ሃገርና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መዕለቢ መታን ክርከቦ፡ ንጓል መግዲ ገዲፉ ብዛዕባ’ቲ ዋና ቁውም ነገሩ ክመክርን ክዝትን ምተገብአ። ከምኡ ግን ይግበር የለን። ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ርሑቕ ከይከድና ካብዞም 29 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ጽሑፍካ ዓለቖም (ርእይቶኦም) ሂቦም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሕትን ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም ብዛዕባ’ዚ ዓቢ ቁውም ነገር ተዛሪቦም ዘለዉ። እቶም ዝተረፉ ግን ቋንቆኦም ገዲፎም፡ ብቋንቋ ባዕዲ ንሓድሕዶም ክናቓቐፉ’ዮም መሪጾም።

    መጀመርያ ክገብሩዎ ዝነበሮም ግን ክብሪ ነብሶም ምዕቃብ’ዩ ኔሩ። ክብሪ ነብሲ ምዕቃብ ከኣ ካብ ቋንቋኻን ባህልኻን ምኽባር’ዩ ዝፍልም። ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ግን ዋላ ኣብቶም ምሁራት’ዮም ዓበይቲ’ዮም እትብሎም ሰባት ርእሰ ምትሓት ክንጸባረቅ ኢኻ ትርኢ። ርእሰ ምትሓት ዘሎዎ ሰብ ከኣ ናቱ ንዒቑ ብእንዳማቱ ክምድርን ክሕበንን ኢኻ እትርእዮ። ገለ ሰባት ትግርኛ ገዲፎም ብእንግሊዝኛ ብምዝራቦም ጥርዚ ናይ ምዕባለ ዝበጽሑ ዝመስሎም የዋሃት ኣለዉ። ዘሐዝን’ዩ! ከምዚ እናገበርካ ደኣ ከመይ ጌርካ’ዩ መሰልን ክብረትን ኣብ ሃገርና ክረጋገጽ’ሞ!? ካልእ ንኣይ ብዝመስለኒን ኣገዳሲ ዝብሎን ስምን እንታይነትን ናይቲ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ ሰብ ዘይኮነ፡ እቲ ዘመሓላልፎ ዘሎ መልእኽቲ’ዩ ኣገዳሲ በሃላይ እየ። ስለዚ ገለ ሰባት ሓቀኛ ኣስማቶም እንተዘይ ገለጹ ከም ሓደ ጉድለት ኪረአ የብሉን። ምኽንያቱ፡ በቲ ሓቀኛ ስሞም ምስ ህግደፍ እናተዋስኡ፡ ንደንበ ደለይቲ ለውጢ ዝጠቅም ስለያዊ ሓበሬታ ከምጽኡ ስለ ዝኽእሉ።

    ሓውኻ መሲናስ

POST A COMMENT