Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ሓዘን

ደሓን ኩን መራሒ ! ዘገርም`ዩ !ሓርበኛነትና  (ንናይ ሓባርን ንኻለኦት ኢልካ ምስዋእን)ተዳኺሙ ፤መስሓቅ ሸራፋት ኣብ ዝኾናሉ እዋን ፤ ብኣዚ`ዩ ዘደንቅ ድፍረት፤ ነቲ ነበረ`ያ ነበረ ክበሃሎ ዝቀረበ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣበራቢርካ ክትከይድ ምምራጽካ ዓቢ ነገር`ዩ። ካብ ሞት ዝተርፍ የለን ኢለ

ደሓን ኩን መራሒ !

ዘገርም`ዩ !ሓርበኛነትና  (ንናይ ሓባርን ንኻለኦት ኢልካ ምስዋእን)ተዳኺሙ ፤መስሓቅ ሸራፋት ኣብ ዝኾናሉ እዋን ፤ ብኣዚ`ዩ ዘደንቅ ድፍረት፤ ነቲ ነበረ`ያ ነበረ ክበሃሎ ዝቀረበ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣበራቢርካ ክትከይድ ምምራጽካ ዓቢ ነገር`ዩ።

ካብ ሞት ዝተርፍ የለን ኢለ ትም ክብል ኣይደልን፤ ብዘይ መዓልትኻ`ውን ከምዘይምወት ከረጋግጽ እፈቱ ። ይምወት ነይሩ እንተዝኸውን፤ ብስንኪ ናይ ፍዳእን ተራኻ (ኣብ ምቅጻል ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ)ተኣሲርካ፤  ናይ ፍርዲ ምርካብ መሰል ተዶናግዩኩም፤ ንብጾትካ ኣለዓዒልካ ኣቤት ማእሰርቲ  ኣብ 60ታት ዝገበርካዮ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ናይ መጨረሽታ መዓልቲ ሂወትካ ምኾነት።

ፈጣሪ፡ ዝኣዘዘና ሕማቅ ክንሪኢ እንኮለና፤ 1- ሰብ ሓይሊ ብሓይሎም ነቲ ሓማቅ ናብ ጽቡቅ ክቅይሩ፤ 2- እቶም ሓይሊ ዘይብሎም ከኣ ብሊሳኖም / ብቀለሞም ፤ 3- እቶም እዝን እትን ዘይብሎም ከኣ  ነቲ ሕማቅ ብልቦም ክጸልእዎን ንጎይታ ክልምኑን`ዩ ። እቶም ትሕቲ`ዚ ዝኾኑ ኸኣ እቶም ሰብኣዊ ሸነኾም ተቀንጢጡ እንስሳዊ  ሸነኾም ሒዞም ዝተረፉ፤ ንኸብድን ቅለትን ጥራሕ ዝነብሩን ምእንትኡ ዝኾነ ገበን ዝፍጽሙ፤ ንዝመጸ ዝግዝኡን`ዮም።

ኣብ ጉብዝናኻ ነቲ ቀዳማይ ምርጫ፤ ኣብ እርጋንካ ኸኣ እቲ 3ይ ምርጫ ዘየኽፍኣልካ ክነሱ ነቲ  2ይ ምርጫ ምምራጽካ መራሒ ምንባርካ ዘርኢ`ዩ።

ንጀና ኹን

እማን ይሃበና

ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

03/03/2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Noor March 4, 2018

    Allah Yerhamu Abona Haji Mussa May Allah Reward him the highest level of Jenah.

  • Noor March 4, 2018

    Ameen

  • Nahon March 4, 2018

    May almighty Allah accept him in His heavens.

  • Danilo March 4, 2018

    ራሕማ ዓለክ ያያያ በጠል
    ያ…ሻሂድ -ሻሂዱን ።

  • meretse March 5, 2018

    ኣንታ’ዞም ኣስላም ኤረትራ — ክንደይ ይልግሱ
    ኣንታ’ዞም ክስታን ኤረትራ — ክንደይ ይልግሱ
    “መሰል” ንዝበል — ፍትሒ ተጋሂሱ
    ጳጳሶም ዘእስሩ– ምስ ናይ ክህነት ልብሱ
    ኢማሞም ዘእስሩ — ምስ ዕማመት ርእሱ
    ጀግንኦም ዝቀብሩ — ኣብ ማሕብሱ
    ኣንታ’ዞም ኣስላም ኤረትራ — ክንደይ ይልግሱ
    ኣንታ’ዞም ክስታን ኤረትራ — ክንደይ ይልግሱ
    እህህ ክብሉ — ኣፎም ብዕቡሱ
    ንግሆን ምሸትን — ንብዓቶም ዘፍስሱ
    ምስ ሙሉእ ጥዕና — እንቅዓ ዘተንፍሱ
    ዓይኖም እንዳረአ — ሃገሮም ዘብርሱ
    ክንዲ ሓቢሮም “መሰሎም” ዘንግሱ
    ርእሶም ዝንቕንቑ — ክብሉ “ንሱ”
    ብዝምታ ኣፎም — መላኺ ዘውሕሱ
    ኣንታ’ዞም ኤረትራውያን –ክንደይ ይልግሱ

    • k.tewolde March 5, 2018

      Indeed meretse,nobody can describe his people better than their son,strangely generous people unlike Abraham giving his son Isaac to honor the Lord,There they are offering tacitly their Fathers,mothers,daughters,sons on a silver plate to the Lucifer to feast on them,intoxicated with their blood the beast pounds his chest and throws them a party and tells them this one is on me and serves them back a concoction laced with their own blood,they sway and gyrate wearing his colors to the cryptic tune like a soul possessed with demons, IT IS A SPECTACLE STRAIGHT OUT OF THE EXORCIST. It is a nation which baffled a few social scientists and left others in awe.Lets leave it for the Almighty to sort it out and receive those who belong to him in his heavenly comfort,Amen! love your poem meretse,thanks.

POST A COMMENT