Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል ብመኽንያት 18 መስከረም 2001 ዕለተ ማእሰርቲ ሃዋርያታት ለውጢ

ቃል  ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል  ብመኽንያት 18 መስከረም 2001  ዕለተ ማእሰርቲ ሃዋርያታት ለውጢ ‘‘ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ዝኽሪ  መበል 13 ዓመት  ፣ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓብሰሉ ዕለት  18 መስከረም 2001። ዝኸበርኩም ግዳይ እዛዕለት ዝኾንኩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ  ናጽነት ንምድላይ

ቃል  ሰራዊት ሕድሪ ዞባ እስራኤል  ብመኽንያት 18 መስከረም 2001  ዕለተ ማእሰርቲ ሃዋርያታት ለውጢ

‘‘ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ዝኽሪ  መበል 13 ዓመት  ፣ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓብሰሉ ዕለት  18 መስከረም 2001።

ዝኸበርኩም ግዳይ እዛዕለት ዝኾንኩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

ህዝቢ ኤርትራ  ናጽነት ንምድላይ በረኻ ዝወጸ  ፣መሰልን ማዕርነትን ዘጋታት ንምርግጋጽ ፣ዴሞክራስያዊ ባህልን  ሰብኣዊ ክብርን ንምህናጽ ፣ብዓብ’ኡ ድማ ጉዳይ መንነት እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዕለት 24 ጉንበት 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት፣ መሬት ብዶብ ምኽላል ጥራይ ኣይነበረን።  ቅዋማዊትን  ልዑላዊትን ሃገር ፣ህዝባ ብስኒትን ፍቕርን ዝነብረላ ሃገር ምትካል እዩ ነይሩ።

ነዚ ኣብ ማዕልቦኡ ንምብጻሕ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ፣ ህዝቢ ተኻቲዑ ዘጽደቖ  ቅዋም ፣ብሰንኪ  ናይ ዶብ ኲናት ተወንዚፉ። ኲናት  ብሽምግልና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝዓረፈሉ እዋን ድማ ሃገራዊ ምሕደራን ስራሕን  ብኲናትን ሓድግታት ኲናትን ጅሆ ,ከይተታሕዘ ፣ህዝብን መንግስትን ዝምእከለሉ  ቅዋም  ንኽትግበርን ትካላዊ ኣሰራርሓ ከተኣታቱን ፣ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ምዱብ ኣኸባ ኡ ከካይድ ነይሩዎ። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ  ሽዱሽተ ወርሒ ፣ባይቶ ህግደፍ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ወርሒ ተኣኪቡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ይዝትን ይሰሪሕን ነይሩ።እንተኾነ  ኣቦወንበር ክልቲኡ ባይቶታትን  ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ፣ቻንስለር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከም ኡ’ውን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ኲናት ምስምስ ብምግባር   ኣኸባ ክልቲኡ ባይቶታት  ከይጽውዕ ተሓሲሙ።ልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይ ኣኸባ  ስለዝቐጸለን ሕሰም ህዝቢ እና በኣሰ ስለዝኸደን ፣ ነዚ ንምፍታሕ ገለ ኣባላት ባይቶ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ወሲዶም  ዘዋሪት ደብዳበ ናብ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ኣመሓላሊፎም።ኣብ መጨረሽታ ድማ 15 ኣባላት ባይቶ ፈርማኦም ኣተኣኻኺቦም ኣኸባ ንኽጽዉዕ ሕቶ ናብ ፕረሲደንት ኣቕሪቦም። ሕቶኦም ብፕረሲደንት ምስተነጽገ ድማ ኣብ ሜድያ ቀሪቦም ጸገማት መንግስቲ ንህዝቢ ክገልጹ ጀሚሮም።ልምዳዊ መጸዊዕ ኦም ድማ ጉጅለ 15 ኮይኑ። እት ዝገልጽዎ ዝነበሩ ጸገማት መንግስቲ  ብመገዲ ብሕታውያን ጋዜጣታት ናብ ህዝቢ የመሓላልፍዎ ብምንባሮም ህዝቢ ሓሳብካ ብናጻ ኣብ ምግላጽ ዓቢ ተመኩሮ ክድልብ ኪእሉ ነይሩ። ጋዜጠኛታት ብሕቲ ዝተጻወትዎ ተባዕ ሃገራውን ሞያዉን ሓላፍነቶም  ድማ  ን ኢሰያስ ጭንቀት ፈጢሩሉ ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ህዝብን ብጾቱን ክምልስ ኣይከኣለን ። በዚ ተሰናቢዱ ኢሰያስ ናይ ተንኮል ፍሕሶኡ ክፍሕስ ግዜ ኣይወሰደሉን። በዛ ንዝክራ ዘሎና ዕለት  18 መስከረም 2001 ንግሆ ንኹሎም ኣብላት ባይቶን ጋዜጠኛታትን ከካብ መደቀሲኦም ኣሲሩ ሃለዋቶ ኣብዘይፍለጠሉ ቤት ማእሰርቲ ሓዪሩዎም።

ድሕሪ እዛ ዕለት እዚ ኣ ድማ ኩሎም ቀረብቶምን መሓዙቶምን ስድራቤቶም ብጃምላ ተሓይሮም።እዚ ማሕዩር እዚ ፣ናብ ምሕያር መላእ ህዝቢ ኤርትራ  ኣስፋሕፊሑ፣ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዓባይ ቤት ምእሰርቲ ኮይና ህዝባ ኣብ ምብትታን ይርከብ።

ኣብ’ዚ ዕለት እዚ ድማ እቶም ሃዋርያ ለውጢ ዝኾኑ  ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን  ዝኽርታትና ንምሕዳስን ለብዋኦም ንምትግባርን  ብመንፈስ ምሳና ኣለዉ።ካብ ጉጅለ 15 እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ………

1 ,ሚንስተር   ማሕሙድ  ኣሕመድ ሸሪፎ  ሚንስተር ዞባዊ ምምሕዳር

2, ሚንስተር  ሃይለ ወልደትንሳኤ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን

3, ሚንስተር ፔጥሮስ ሰሎሙን  ሚንስተር ሃብቲ ባሕሪ

4, ሚንስተር ሳልሕ ኢድሪስ ከክያ ሚንስተር መጓዓዝያ

5, ጀነራል  ዑቑበ ኣብረሃ

6,ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገብረዝገኣቢሄር

7,ብ/ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

8, ኣምበሳደር ሃሚድ ሕመድ

9, ኣምበሳደር ባራኺ ገብረስላሴ

10, ኣማሓዳሪ ጀርማኖ ናቲ

11, ኣባል ባይቶ ኣስተር ፍስሓጼን

እዚ ኦም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኮይኖም፣እቶም ዝተረፉ 4 ሰባት ድማ ኣብ ስደት ይርከቡ።

12, ኣምባሳደር  ሃይለ መንቀርዮስ

13,ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

14 ,ኣማሓዳሪ መስፍን ሓጎስ

15,ኣማሓዳሪ መሓመድ ብርሃን ብላታን ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብዛዕለት እዚ ኣ ኣብ መዓሙቕ ጸልማት ዝተሓየሩ ጋዜጠኛታት ዝተዓጽዋ ጋዜጣታትን..

1,ጽጌናይ,2,ዊንታና 3,ቀስተ ደመና 4,ኣድማስ 5,ሰቲት 6,ሳሊና 7,ዘመን 8መቓልሕ….

ጋዜ ጠኛታት ድማ ብኸፊል ፣-1,ዳዊት ሃብተኣብ 2,ዳዊት ኢሳቕ ,3,ኣማኒኤል ኣስራት  4ማትዮዎስ ሃብተ  5,ስዩም ጸሃየ  6,ተመስገን ገብረየሱስ  7,ፍስሃያ የውሃንስ ኣሚነ ሃይለ ካልኦትን።

እዚኦም  ናይ መጀምርያ ድኣ’ምበር  ድሒሮም  ብጅምላ ብ ዓሰርተታት ዝቑጸሩ  ፣ናይ መንግስቲ ከይተርፉ ኣብ መዓ ሙቕ  ቤት ማእሰርቲ ዪበልዩ ኣለዉ።ናይ ‘ዞም ጀጋኑ ምብላይ ዝጀመረ፣ምብላይን ስቓይን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣስዒቡ ፣ሃገር ባዲማ፣ረሳታት ከይተረፈ ዘይምለሰላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

ኣብ፣ዚ ብምምርኳስ ድማ ሰራዊት ሕድሪ፣ቋንቋ ሰላም ንዘይርዳእ ስርዓት፣በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ንምግጣም ፣ኣብ ባይታ ወሪዱ ብረት ሓርነት ዓትዒቱ ይርከብ።ድሮ’ኳ ነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዑ ዕሱባት ካብ ገጽ መሬት ክኣልዮም ጀሚሩ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ  ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሕድሪ ብምስላፍ  ኣብ’ዚ ተበጊሱ ዘሎ ቃልሲ ጸረ ምልኪ እጃሙ ከበርክት እዋናዊ ጻውዒትና ነቕርብ።

ሰብ ዝፈጠሮ ሽግር ፣ሰብ ኢዩ ፈትሖ’ሞ ፣ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ብ ተሳትፎ  ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ  ዝፍታሕ።እቲ ፍታሕ ድማ ሕጂ ኢዩ።

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ዘል ኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!!!!!!!!!’’

1

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Semhar September 22, 2014

    Please edit the photos that you displayed. You have mixed the killers and the innocents.
    You should omit the photos of Petros Solomon, Haile, Duru, Sherifo, and Oqube Abreha.
    They were the right hand of the tyrant Isayas. They were the one who did all the vicious crime against our land and our people.
    There is no difference between Petros Solomon, Haile Duru, Sherifo, Oqube Abreha and Isayas wedi Berad. They were all his obedient servants till the day he depose them.
    They took down our liberation flag (SEMAYAWIT BANDERANA) and replaced it by his own flag. The dissolved our original provinces and replaced them by his Zobas. They destroyed our culture, our religion, our laws, our land and our people.
    As long as the mad dog Isayas wedi Medhin Berad and his blind followers are alive the misery will continue.
    We must get reed of these killers Isayas wedi Berad and his blind followers HIGDEF just like we did with Menghistu and raise our LIBERATION FLAG (Semayawit Banderana, the flag of our martyrs, the flag of our for fathers, the flag of our heroes) and liberate our land and our people!

    • loony asmarino September 26, 2014

      The blue flag has no thing to do with our people. Because it was given to us by aliens. The currrent flag has more to do with our people and strugl.

      • Semhar October 1, 2014

        Loony,
        This is the time that we as ERITREANS unite and get rid of the dictator.

        Eritrean assembly officially adopted the first flag of ERITREA on September 15, 1952.

        In 1962 Ethiopia took down our flag and replaced it by Ethiopian flag…. it took us 30 years to raise our flag all over Eritrea again. Our flag was used during the fight for independence from Ethiopia (won in 1991).

        In 1993, the dictator took down our flag and replaced it by his own flag. Instead of raising our original freedom flag at the United Nations he gave them his own flag (HIGDEF’s flag).

        We should use our original flag again during our fight against the dictator and his regime (HIGDEF).

  • Semhar September 23, 2014

    These are not different from their master DIABLO Isayas.
    These are not victims; these are killers, crocodiles, just like their master DIABLOS Isayas. Kish, if you were serving Isayas by killing our people you should be languishing underground with them. This is the time to bring all the criminals to justice and dill with them.

    1. ሚንስተር ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ
    2. ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ
    3. ሚንስተር ፔጥሮስ ሰሎሙን
    4. ጀነራል ዑቑበ ኣብረሃ
    5.ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገብረዝገኣቢሄር
    6. ኣባል ባይቶ ኣስተር ፍስሓጼን
    7.ኣማሓዳሪ መስፍን ሓጎስ

    The tyrant Isayas used these cronies to destroy our land and our people. They eliminated our revolutionaries at the time of our struggle for independence and after independence the eliminated our disabled veterans, they destroyed our culture, our religion, our laws, our provinces and our flag.
    ሕጂ ኣይኮኑን ሞይቶም ።
ስንኩላን ኪርሸኑ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ፣
ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይሞኖትን ኣብ እርጋኖም ኪሕየሩ፣
ጥራይ ናባይ ኣይትምጻእ እናልካ፣ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምጽማምን ምጽቓጥን ናይ ሞት ሞት እዩ።
ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ ሓደ ሰብ ንኤርትራ ከም ንብረት ናይ እንዳዓሎብኡ ፊን ከምዝበሎ ኪገላብጣ ከሎ መን ኢኻ? ካባናን ካብቶም እታ ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑኸ እንታይ ሓለፋ ዚገብርካዮ ኣሎ? ኢሎም ኪምግቱ ትብዓትን ሕልናን ምስ ኣጥፍኡ ሽዓኡ እዮም ሞይቶም።

    Please watch Voice of Assenna: Intv with Mr Yemane T/Gergish former EPLF Security & Secret Party Member Part 8
    http://www.youtube.com/watch?v=MKNrMuxqXy0

  • Semhar October 1, 2014

    Thanks God!
    PFDJ is on the RUN…
    Finally the time for change has come slowly but surely!

    The youth have now got their voice back.

    We should remember our history…

    For more than 60 years, the Eritrean flag
    has been the symbol of our nation’s strength and unity. It’s been a source of pride and inspiration for millions of citizens. And the Eritrean flag has been a prominent icon in our national history.

    Here are the dictators that took down our national flag and replaced it by their own flags, Ethiopian flag in 1962 and Isayas’s(PFDJ’S) flag 1993.

    Let’s not fool ourselves by raising Isaya’s flag.

    We should all raise one flag, our original flag; the flag of our fathers, the flag of our martyrs.

    Our “OLD GLORY!”

    The flag of our forefathers,
    The flag of our martyrs,
    The flag of our heroes!

POST A COMMENT