Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ከይብእስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክግበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን

ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ስራሕ ምምዳብ ከም ዝሕግዞም ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ጸገም ከምዘለዎም ኣፍሊጡ፡፡

ነቲ ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ኣገልግሎት ማእከላይን ሓጺርን ማዕበል ፈነወ ረድዮ ክጅምር ዘንቀሎ መደብ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዝፍነው ርግጸኛ ኣይኮንኩን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ከም ሰሜን ኮረያ ብዝጥቅና ሃገራት  እዚ ሓደገኛ ተበግሶ ስለዝኾነ ከም ዝመስለኒ ንቃወሞ ኢና “ ኢሉ፡፡

ንሱ ናጻ ፕረስ ንመስርሕ ዲሞክራሲን ልምዓትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን መንግስቱ ድማ ንነቐፈታ ክፉት ከምዝኾነን ሓቢሩ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH November 7, 2015

    Ayte Kabbire
    IGHZIABHER YISTLN , I hope that settle your usual accusations . And please don’t add more comments with more pen names .

POST A COMMENT