Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ን 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ከሎ ንሽሙ ናጽነት ጥራይ ኣይኰነን። ነታ ሕጂ እተንበልብል ዘላ ባንደራ ጥራይ እውን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንኽብሩን መሰሉን ኢዩ ነይሩ። ቀጻልነት ምዕባሌን ራህዋን ዘይብሉ ነጻነት ትርጉም የብሉን። ውጹዕ

ህዝቢ ኤርትራ ን 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ከሎ ንሽሙ ናጽነት ጥራይ ኣይኰነን። ነታ ሕጂ እተንበልብል ዘላ ባንደራ ጥራይ እውን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንኽብሩን መሰሉን ኢዩ ነይሩ። ቀጻልነት ምዕባሌን ራህዋን ዘይብሉ ነጻነት ትርጉም የብሉን። ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሓፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈለ ንመሰላቱን ክብሩን ኢዩ ነይሩ።እንተ ኮነ ግን እቲ ዓላማ ማኣዝኑ ሲሒቱ፡ ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። ከፊኡኒ ዝበለ መግናሕቲ፡ ለውጢ ዝደለየ ማእሰርቲ ዝካየደላ ሃገር ኢያ ተፈጢራ። ወለዲ ወሊዶም ኣብ ክንዲ ዝጥወርሉ፡ ቀባሪ ሲኢኖም ዝዋረድሉ ኩነታት ኢዩ ተፈጢሩ። ቈልዑት ተወሊዶም ዓብዮም ኣብ ክንዲ ናብ ትምህርቲ ናብ ስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝወድቅሉ ኩነታት ኢዩ ዘሎ።
ለውጢ ንኹሉ ጽቡቚ ኢዩ። ለውጢ ንሓይልታት ምክልኻል፤ለውጢ ንሓረስቶት፤ ለውጢ ንነጋዶ፡ ኮታ ለውጢ ብጀካ ነቲ ጨቋኒ ኣካል ንኹሉ ኤርትራዊ ሰናይ ኢዩ። ምልስ ኢልና ምስ እንዝክር፡ ብወገን ተ.ሓ.ኤ. ዝተኸፈለ ገዲፍና ብኣባላት ምክልኻል ሓይልታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ጥራይ ስጋብ ሕጂ ንለውጢ ዝተኸፍለ ዋጋ ብዙሕ ኢዩ። ቅድም ቅድም ኣብ ሜዳ ከለው ብዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ) ናይ 1973፡ ናይ የማናውያን ምንቅስቓስ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ምንቅስቓስ ናይ 1993 ብተጋደልቲ፤ ናይ ኣካለ ስንኩላን ተረኽቦ ማይ ሓባር፡ ናይ 2001 ምንቅስቓስ G15 ወዘተ ምጥቃስ ይኣክል። እዚ ምንቅስቓሳት’ዚ ድማ ሰኣን ሓድነት ሰራዊት መሰረታዊ ለውጢ ከየመዝገበ በርዒኑ ተሪፉ።
ብመሰረቱ ሰራዊት ሓደ ሃገር ብዓይነቱ ኣብ ክልተ ኢዩ ዝምቀል። እቲ ሓደ ንመሰል(ድሕነት) ህዝብን ቅዋምን ዶባት ወይ ድማ ላዕላወነት ሃገርን ዝከላኸል ኢዩ። እቲ ካልኣይ ንሓደ ጮቋኒ (ዲክታተራዊ) ስርዓት ዝሕሉ ወይ ዝከላኸል ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ዓይነት ኣብተን ብዲሞክራሲ ዝሰጎማ ሃገራት ዝርከብ ሰራዊት ኢዩ። ብትሕዝቶኡ ድማ ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ። ይኹን’ምበር ኣብ ሓደ ዲክታተርያዊ ስርዓት ዝረከብ ሰራዊተ እውን ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዝመረረ መድረኽ (ጭቆና) ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፡ ብሙሉኡ ይኹን ብከፊል ምስቲ ህዝቢ ኢዩ ጠጠው ዝብል። ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን፡ ከምኡ ድማ ብከፊል ኣብ ሊብያን ሶርያን “ኣንጻር ህዝብና ብረት ኣይነቕንዕን” ዝበሉ ሰራዊት ከምዝነበሩን ከም ዘለውን ናይ ግዜና ምስክር ኢዩ።
ናብቲ ቀንዲ ከርሰ-ነገር፡ ጉዳይ ሃገርና ክኣቱ። ተረኽቦ ፎርቶ ኣብ ህዝባዊ ሕቶ(ጠለብ) ዝተመርኮሰ ኢዩ። ኣብዚ ዝተዋስኡ ጀጋኑ ክፋል ሰራዊት፡ ዝተለምዎ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ቦታ ኣለዎ።”ኣብ ፎቖዶ ጐዳጉዲ ዝምቱ ዘለው ተቓለስቲ ይፈትሑ፤ብሕጊ ንገዛእ፤ ንለውጢ ንተስእ” ማለት ህዝባዊ ሕቶ ኢዩ።ስለዚ ደላይ ለውጢ ኩሉ ኣብ ጐድኒ’ዚ ምንቅስቓስ’ዚ ከም ዝስለፍ ኣይጠራጠርን።
ዋላ’ኳ እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ እዋናዊ ቅልውላው ብሩህ እንተዘይኮነ፡ ሐደ ነገር ግን ዝተረጋገጸ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣፍደገ ሞት በጺሑ ይሳሓግ ከም ዘሎ ኢዩ። ኣነ ብወገነይ፡ ኣይ ኣምንን ብድሕሪ ሕጂ ሂወት ረኺቡ ከም ቀደሙ ንደለይቲ ለውጢ ክኣስርን ከደስክልን ዝኽእል።ምኽንያቱ ብኹሉ ሸነኻቱ ማለት ብውሽጥን ብደገን ኣዝዩ ኢዩ ተዳኺሙ።ስለዚ እዚ ስርዓት’ዚ ከብቅዕ ኣለዎ።
ክቡራት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ንሕና ኣብ ወጻኢ ኰይና ክንሕብረኩም ኣይንህቅንን። ኣብ ሕቚፈኡ ኣሎኹም። ክደሚ እንከሎ ምስኡ ትደምዩ ኣሎኹም። እዚ ኣረመንያዊ ስርዓት’ዚ ህዝቢ ክብድል ዝኸኣለ ድማ ንዓኻትኩም ሒዙ ኢዩ። “ኣይፋል ህዝብና ዝብድል ስርዓት ኣይንፈቅድን” ምስ እትብሉ ግን፡ እቲ ጉዳይ ተወዲኡ ማለት ኢዩ። ስለዚ ተርእዮ ፎርቶ ምልክት ሓርነትን መሰልን ህዝባና ኢዩ።ኣብ ወጻኢ ዝረከብ ህዝብኹም ብፍላይ ድማ መንእሰይ ብሰላማዊ ሰልፊ ይድግፈኩም ኣሎ። ንእግረ-መንገደይ’ውን ኣብ በብዓዱ ኢምባሲታት ኤርትራ ዝረከበሉ ደገፍ ነቲ ሰራዊትን ተቓውሞ ድማ ነቲ ስርዓትን ዘካየዱ ዘለው መንእሰያትና እና ሞጎሰኩ ሓበን ድማ ይስማዓኒ።
ኣብ መጨረሻ፡ ኣነ ብወገነይ ክላበዎ ዝደሊ፤
1) ቅድም-ቅድም አቲ ሰራዊት ኣብ ውሽጡ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ።
2) እዚ ዝደኸመ ስርዓት ኣብ ህዝብና ሃይማኖታውን ወገናውን ምፍልላይ ከይፈጥር ምክልኻል።
3) እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ህዝቢ(ሲቪል) እንተ ዝሕወሶ፡ እቲ ቃልሲ ሽቶኡ ክወቅዕ ይኽእል።
4) ልዕሊኹሉ ግን እቲ ስርዓት ተኣልዩ መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ።

ዓወት ንህባዊ ቃልሲ
ውድቃት ንዲክታተርነት

ኣድሓኖም ፍትዊ
02-02-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • belay nega February 4, 2013

    ADHANOM
    WHY DON’T YOU GO AND BE AN EXAMPLE?

  • sam February 4, 2013

    Belay Nega

    Why don’t you shut up and keep liking your DIA ass, the man is doing what he can and millions of genuine Eritreans will follow, without you and other KORAKUR KEDAIT such slavery mentality will regain Eritrea again, we will hunt you down, keep in mind you are going down hill only there will be hiting rock bottom soon.

    • belay nega February 5, 2013

      SAM
      YOU ARE DEAD BODY CHOOSE THE PLACE TO BE BURIED. STUPID GUYS LIKE YOU THE TALK ABOUT CONSEQUENCE THAN A CAUSE.

    • Gedeam February 6, 2013

      Hi belay nega are u ok with ur mind if u say yes.
      u are rong if u say no u must have go to heel.
      cous u don.t have any feeling of hummanright that means loking & what
      hapning with our youth in desert & in the see .what going on in the country
      the time is over for ur dictactor essays.

  • Haben Shet Manta February 5, 2013

    Ata Aregit (adhanom) Hawi kitimels delika nihizban nihadinetan. sebay entekonika wired emo mirihana kinisiebeka. kab welfare endatekebelika bleaka kabtewiri kid ni Eritrea tekales. ember niriesika zayfeletika tseniho ab Alem zihabeka halewilewo tebizhie. bizikone awet nihafash zikiri nisematat

    • ahmed Saleh February 5, 2013

      Show a little respect to get a respect brother . You
      can criticize or argue but not with such manner of
      street language in public forum .

    • rahwa2013 February 5, 2013

      Haben??
      megletsi sidinetka eyu… mis maEbeyakka tifaE yiblu abotatna nikemzi kemakka zimesele eyom..

      miHret yewridelka!

      • Gedeam February 6, 2013

        haha haben etyom zebeyuni ke entay geyromki da dahn kes elna niradada
        minalbat nay kalatna hesret kikewun sile zikel .

    • Gedeam February 6, 2013

      haben first of alle sorry u are in the rong pleace u cant disccus
      with this words i think u are unedcetd.
      malet nay poletica Bisletki amahyishi ni essyas melku fetki entekonki
      subuk aleki tegbaru ente rikyo way astewilki entekoynki gin eti nifetwelu zineberna gizye akilu lewtiy delina.

      • belay nega February 6, 2013

        GEDEAM
        COME TO YOUR SENSE YOU ARE GETTING UNGUIDED MISSILE.

    • Gedeam February 6, 2013

      haben are u there try to chose right words ok.& be modern thinker.
      thanx

  • kefali h February 5, 2013

    Hi Haben, you need to go to school first before you attacking you’re older brother. By the way do you know what Haben mean? I don’t think so!
    kefali

  • Asgedom Abraham February 5, 2013

    Adhanom,

    Which TEQALESTI are you talking about?

    • ahmed Saleh February 5, 2013

      To answer your question , he is talking about real Eritreans .
      Children of patriotic society who never kneel down for their
      right to resist when they face wrongs .

      • belay nega February 6, 2013

        You couldn’t even challenge the kids of LIBYA leave alone to be patriotic….

  • Badme February 5, 2013

    Ab serawit koleka zeygeberkayos hgi bnaymen meswaeti ktnebr delika etom snkulan ab may habar badraga ktefu kelewu dea zeytzareb shiu xbuk tbl nerkas hgi nab nebska ms metseka seb atafika meliska bota delika ygrm eyu etom ab dege zelekum zey kurumtka hoxa kortmelu eyu nmen ketednagru

  • Fenkil February 6, 2013

    Adhanom dande kab mebal halifu zebheal yilon niakaa. Werja madoo, sebeay kea tibehal tikowun ab mengo ansti koff mis belka

POST A COMMENT