Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፣

ድሕሪ ልባዊ ሰላምታይ፣እዛ ብመልክዕ ሕቶ እትስዕብ መልእኽተይ ሰማዒ እዝኒ ክትረክብ እትስፎ። ዝኸበርኩም፣ጀነራላትን ኮሎኔላትን ክሳብ ዋርሳይ ይከኣሎ ዘለኹም ክፍላተ ሰራዊት፣ሓደ ካብቲ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ ንስኻትኩም ተዋጊእኩምን ኣዋጊእኩምን ሃገራዊ ነጻነት ኣምጺእኩም ኢኹም።እንተኾነ፣ ሎሚ’ኸ እዛ ተሰዊእኩምን ሰንኪልኩምን ዘምጻእክምዋ ሃገር

ድሕሪ ልባዊ ሰላምታይ፣እዛ ብመልክዕ ሕቶ እትስዕብ መልእኽተይ ሰማዒ እዝኒ ክትረክብ እትስፎ።

ዝኸበርኩም፣ጀነራላትን ኮሎኔላትን ክሳብ ዋርሳይ ይከኣሎ ዘለኹም ክፍላተ ሰራዊት፣ሓደ ካብቲ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ ንስኻትኩም ተዋጊእኩምን ኣዋጊእኩምን ሃገራዊ ነጻነት ኣምጺእኩም ኢኹም።እንተኾነ፣ ሎሚ’ኸ እዛ ተሰዊእኩምን ሰንኪልኩምን ዘምጻእክምዋ ሃገር ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘላ ብኣስተንትኖ ትሓስቡ’ዶ ትኾኑ? እስኪ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ብሕሊናኹም መልሱለይ።

1.      እቶም ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ኣብ ጎንኹም ምእንቲ ህዝቦም ዝወደቑ ውፉያት ብጾትኩም ንመስዋእቶም ዘዕግብ ደበስ ተደቢሶም’ዶ?

2.     እቲ ንሕና ተሰዊእና ህዝብና ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ተገላጊሉ ይቕሰን ይርሃዎ ዝብል ቃሎም ተተግቢሩ’ዶ?

3.     ኣደታት ወደን ወይ ጓለን ክልተ ኣእጋሮም ተቖሪጹ፣ክልተ ኣዒንቶም ፈሲሱ፣ነብሶም ተደይኑ ምስ መጽወን እንቋዕ ድኣ ሃገር ተረኽበት እምበር እዚ ’’ስልማት’’ዩ ኢለን ንፍቕሪ ሃገር ልዕሊ ስንክልና ደቀን ቀዳምነት ብምስራዕ ዝተቐበልኦ፣እስኪ ሕጂ’ኸ ልቢ ኣደታት ከመይ ከም ዘሎ ተወኪስኩመን’ዶ ትፈልጡ?

4.     እተን ኣብ ግዜ ሰውራ ምሳኻትኩም ሓንቲ ኣንሶላ ተኸዲነን ብዘይ ገለ ስጋዊ ስምዒት ኣሚቖናኹም ዝድቅሳ ዝነበራ፣ኣብ ግዜ ነጻነት ዕሸላት ኣሓትኩም ብታህዲድን ብምፍርራሕን መዝሓል ስጋዊ ስምዒትኩም ክኾና ናይ ሕሊና ቅሳነት ይህበኩም’ዶ?

5.     ዕሸላት ኣሓትኩም ካባኻትኩም ብዝተላብዐ ኤድስ ክቕዘፋ ከለዋ ገበነኛታት ከም ዝኾንኩም ናይ ሕሊና ወቐሳ ይስመዓኩም’ዶ?

6.     መንእሰያት ኣሕዋትኩም ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ኢዶምን እግሮምን ብሞቑሕ ምስ ተኣስረ፣ደሞም መንቀሳቐሲ ስኢኑ መሽሚሹ መሓውራቶም ክቑረጽ ከሎ ከመይ ይስመዓካ? እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ተባሂሉ ዝምረርከ ነዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝወዳደር እንታይ ገበረ እስኪ ግለጸለይ?

7.     መንእሰያት ኣሕዋትካ ኣብ 60-70 ሰንቲግሬድ ዋዒ ዘለዎም ኮንተይነራት ተኣሲሮም ከም ስጋ እናተጠብሱ ብትእዛዝካ ህይወቶም ክትሓልፍ ልዋም ዘለዎ ድቃስ’ዶ ትድቅስ?

8.     መንእሰያት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ግዝኣት ጊላነት መሪሩዎም ሃጽ ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ምስ ጠፍኡ፣ገለ ኣካልካ ዝኾኑ ጀነራላት ምስ ራሻይዳ ተሰማሚዖም ንኮላሊቶም ብሓኻይም ምስሪ ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ከሎ፣ቃልሰይ ነዚ ዲዩ ኢልካ’ዶ ትፈልጥ?

9.     ኣደ ስዉእ ዝብላዕ ስኢና ብሕፍረታት ዝኣክል ገጻ ከዊላ ቁራስ እንጀራ፣ማርያም ትሃብኩም እናበለት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክትልምን ሕድሪ ወዳ ወይ ጓላ ብዘይ ምፍጻምካ ምዃኑ ዘኪርካ ናይ ሕሊና ወቐሳ ይስምዓካ’ዶ? ከምዚ ትገብር የላን ኢልካ ንነብስኻ ኣይትቐሺሻ፣ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዜርካ ተዓዘብ’ሞ ክትኣምነኒ ኢኻ።

10.    ኣብ ግዜ ሰውራ፣ድሕሪ ነጻነት ዝነበረካ ትጽቢት ንኸይትዛረብ፣ከይትጽሕፍ፣ከይትሓትት፣መሰልካ ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ከይትገብር፣ብዘይ ቅዋም፣ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ብዘይ ምርጫ፣ብዘይ ህዝባዊ ባይቶ፣ብውልቀ-መላኺ ክትግዛእ፣ብዘይ ፍርዲ ክትእሰር፣ክትድስክል፣ ዲዩ ኔሩ ሃረርታ ፍረ ቃልስኻ?

11.     እቶም ግንባራት መሪሖም ስትራተጂ ኣውጺኦም ተዋጊኦም ኣዋጊኦም ንጸላኢ ስዒሮም ነጻነት ዘረከቡ ሰበ ስልጣን ብጾትካ ንህዝቢ ዝሓይሽ ዲሞክራሲ መሰላትካ ንምዕቃብ ስለ ዝሓተቱ ኣብ ጎዳጉዲ ወኻሩ ብእስሪ ህይወቶም ክትሓልፍ ብኣስተንትኖ ዘኪርካዮምዶ ትፈልጥ?

እዞም ሰላሳ ዓመታት ንነጻነት ዝተቓለሱ፣ምስ ወያኔ ተሳማሚዖም፣ምስ ሲ.ኣይ.ኤ ውሽጣዊ ርክብ ጌሮም ሃገር ኪሸጡ ተሳማሚዖም ዝብል ብሂል ፣ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ከይወዳደርዎን ነቲ ካብ ምጅማር ሰውራ ጀሚሩ ዝነበረ ጸሊም ታሪኹ ከየቃልዕዎን ዝመሃዞ ማእለማ ምዃኑ’ኸ ኣይስቆረካን’ዶ?

12.    ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ንዓመታት ተቓሊሱ ሃገር ዘምጸኤ፣ንውልቀመላኺ’ውን የማናይ ኢዱ ኮይኑ ዘገልገለ፣ናይዝጊ ክፍሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ክፍለ ከሎ፣ኣብታ መፍለጢት መንነቱ ዝኾነት መበቆል ዓዱ ሬሳኡ ሓመድ ኣዳም ንኽትለብስ፣ናብ ሃገር ክኣቱ ኣይፈቅድን’የ ክብል ከሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ኣንታ ናይ ኢሳይያስ እሙን’የ እትብል ዘሎኻ ጀነራል ጽባሕ ንዓይ’ውን ከም ናይዝጊ ክፍሉ ክበጽሓኒ’ዩ ዘይትብለሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ወይስ ””ኣርሆስ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ”ዩ?

13.    ሓደ ውልቀ-መላኺ ዓይኑ ከፍጥጠልካ ከንፈሩ ክርምጥጠልካ ወይ ኡስ ሱቕ በል ክብለካ ከሎ ኣዒንትኻ ሰም ከተብል ወይ ክሳድካ ኣድኒንካ ብፍርሕን ሹቕራረን ክትነብር ዲዩ ነይሩ ትርጉም ነጻነትካ?

14.    ብምኽንያት ህዝባዊ በዓላትን ፈስቲቫላትን ዝግበር ሳዕሳዒትን ጓይላን ዳንኬራን ህዝብኻ ጽቡቕ ከም ዘሎ ንኸምስል ንህዝቢ ዓለም ንምትላል ዝጥቀመሉ ሜላ ከም ዝኾነ ይስወጠካ’ዶ? እዚ ግን ነቲ ዘይርዳእ ይመስሎ ይኸውን፣ነቲ ዝርዳእ ግን ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝበሎም ”ኣቱም ቃርማ መጺጽኩም ጡፍ እትብሉ፣ገመል ግን እትውሕጡ፣ኣቱም ካብ ጨና ኣዳም፣ካብ ሽላን፣ካብ ካሙን ዕሽር እተውጽኡ፣ነቲ ኣውራ ነገር ከም ፍትሒ፣እምነት፣ምሕረት ግን ዘይትገብሩ”ዝበሎም’ዩ።ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጠፊኡዎ ዘይኮነ፣ከምቲ ”መሸላስ እናሓረረ ይስሕቕ” ኢዩ ዘሎ።

15.    እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣብ ዕላማኻ ጸኒዕካ ንቕድሚት ክትጥምት ዘግበረካ ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ስለምንታይ ሃሲሱ?

16.   እቲ ኣብ ነንሓድሕድካ ዘይምትእምማን ከም ዝሰፍን ምግባር ፣ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፣ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝኣለሞ ሰኪዐት ምዃኑ ንምርዳእ ንምንታይ ትዝንግዕ?

17.    ዕድመ ውልቀ-መላኺ ንምሕጻር’ከ ምስ እትኣምኖም ብጾትካ ጀነራላት ይኹኑ ኮሎኔላት ብዝዕባ ኣብቲ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ጭቆና ይኹን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብውልቂ ብስቱር ምዝርራብ እንታይ ዘፍርሕ ኣሎካ?

18.    ኣብ ነብሲ-ወከፍኩም ዘሎ ውሽጣዊ ስምዒት ትፋለጡ ኢኹም፣ስለዚ ነቶም ኣብ ጎነይ ጠጠው ይብሉ’ዮም እትብሎም ሓሳባትካ ብምክፋል፣ነቶም ምስጢር ከንፍሱለይ’ዮም ኢልካ እትጥርጥሮም ሃሱሳትን ፈተውቲ ነብሶምን ገዲፍካ ምስ እቶም ተባዓትን ውፉያትን ዳግማይ ታሪኽ ካብ ምግባር ዝኽልክለካ ሓይሊ ከም ዘይርከብ ትጠራጠር ዲኻ? ንግዚኡ ኣብ ምቾት ስለ ዘሎኻ፣ካብዚ ዝሓይሽ ኣይረክብን’የ ብዝብል ዓለማዊ ስስዕቲ ኣይትታለል፣ምኽንያቱ ወለድኻ ክምስሉ ”ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ”ይብሉ።እምበኣር ካብ ሓላፊ  ንዝኾነ ግዚያዊ ሃብቲ፣ንስምካን ታሪኽካን ቀዳምነት ምሃብ ኣይሓሽን’ዶ ይመስለካ?

19.   ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ንህዝብኻ ካብዛ ወሪዳቶ ዘላ መዓት ምስ እተውጽኦ፡ካብ ነጻነት ንላዕሊ ስለ ዝርእያ፣ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣብ ህዝብኻ ዘውረድካዮ ግፍዕታት ይቕረ ብምባል ታሪኽካ ብዝንኣድ ፍጻሜ ዘይኹላዕ’ዶ ይመስለካ? ልክዕ’ዩ ኣገልጋሊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ብምዃን ኣብ ህዝብኻ በደል ከም ዝፈጸምካ ሕሊናኻ ይወቕሰካ ይኸውን፣ሕጂ’ውን ክምብል በለሞ  ኣይተኻዕወን  ስለ ዝኾነ ብሕሊናኻ ተጣዒስካን ተነሲሕካን ነዚ ንህዝብኻ ኣብ ደልሃመት ሸሚሙዎ ዘለዎ መግዛእቲ ውልቀ-መላኺ ዓሊኻ ንህዝብኻ ሓርነቱ እንተ ኣጎናጸፍካዮ፣ህዝቢ ኤርትራ መሓሪ ኢዩ።ኣብ ምሕዋይ ዘሎ ቁስሊ ከም ዘይሓክኽ ርግጸኛ ኢየ።ምኽንያቱ ኣማኒ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ነታ ኣይሁድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብዓበይቲ መሳምር ኢዱን እግሩን ኣብ መስቀል እንዳ ሸንከርዎ ከለዉ ”ኦ ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈጡን ኢዮም’ሞ መሓሮም” ዝበላ ኢዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዝዝክር።ህዝብካ ከም ዝመሓር ግበር፣ክትመሓር ከኣ ኢኻ።

20.   እቶም ናይ ህዝቦም ስቅያትን መከራን ግፍዕን ከይዓጠጦም ፈተውቲ ስጋኦም ብምዃን ደገፍቲ ናይ’ዚ ውልቀመላኺ ኮይኖም ክሳብ ውድቀት ኢሳይያስ ኣብ ጎኑ ኮይኖም ዝምክቱ ግን ኣወዳድቖም ዘስካሕክሕ ኮይኑ ንባዕሎም ኣብታ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐያ ዘሎ ቦታ ተተኪኦም ኣብ ናይ ታሪኽ ሓተላ ክጓሓፉ ምዃኖም ይሓስብዎ’ዶ ይኾኑ? ክሳብ መወዳእታ ናይ ምጽናሕ ዕላማ ዘለዎም ሓለፍቲ፣ከምቲ  ” ዓያሱ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወቱ” ኮይኑ መወዳእትኦም ተዓሚትካ ናብ ደልሃመት ምጽዳፍ’ዩ።

21.    በል’ባ  ጀነራል እታ ’’ዓወት ንሓፋሽ’’ እትብል ጭርሖ ንግዚኡ ህዝቢ ንምትላል ዲኻ ትጥቀመላ ኔርካ? ከምኡ እንተ ዘይከውን ድማ መሰል ብዙሕነት ተደምሲሱ ብውልቀ-መላኺነት ክግበት፣ኢድካ ኣጣሚርካ ተዓዛቢ ኣይምኾንካን።

ዝኸበርኩም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ኤርትራ!!

ማእገራትኩም ብኮኾባት እንተ ተሓንጸጸ

ሰጊኤ ኣሎኹ ልቕሉቓት መቓብር ከይትኾኑ ደጌኹም ዘጌጸ

ህዝብኹም መዓት ወሪዱዎ እናተረበጸ

ክሳብ መዓስ’ዩ ክገዝኣኩም ወደ’ርባዓ ከም ዕንጨቲ እናፈለጸ

መራሒኹም ዘይትሸሙ ብህዝቢ ዝተመርጸ

ህርኩታት’ዶ ኣይነበርኩምን ከም ንህቢ ከም  ጻጸ

ኣይመዓርኩሙሉን’ዶ ደኣ ንወልቀ-መላኺ ከም ምጸምጸ

ኣይፋልኩም ታርኽኩም ከይሃስስ በላሕቲ ድኣ ኩኑ ከም መላጸ

ኣንቱም ሰባት ታሪኽኩም’ኮ ድንግርግር ኢሉኒ እናተሓናፈጸ።

ብጅግንነት’የ ዝፈልጠካ ኔረ በዓል ስረ

መዓስ ድኣ ናብ ጀለብያ ተቐየረ?

 

ንምንታይ ኣርሚምኩም ህዝብኹም ክምራሕ ብዕዉር

ብግፍዒ፣ብጭቆና ኣብ እህህታ ክነብር

ሕማቕ’ኳ እንተ ነበረ ናይ መንግስቱ ወራር

ባርነት ኢሳይያስ ዝኸፍኤን ዘስካሕክሕን’ዩ ካብ ዕረ ዝመርር

ለጋስ’የ ዝፈልጠካ ኔረ ውሃብ መዓር

ውልቀ-መላኺ ዲዩ ድኣ ምሂሩካ ዘይናትካ ምህጋር?

ብውፉይ’የ ዝፈልጠካ ኔረ መራሕ ግንባር

እንታይ ድኣ ዘለመካ ሃገርካ ብጎበጨረታት ክትውረር

ውልቀ-መላኺ ኣድጊሙልካ ዲዩ ብደባትር፣                                                                                               ወይስ ዓጢኑካ ብሰራውር ?

 

ተንበርካኺ ክትከውን፣ኢድካ ሂብካ ክትሰዓር

ክትሰዓር ግን ስለ ዘይባህሪኻ፡ሕሊናኻ ኣይተዕርብ ተባራበር

ሰራዊትካ ኣዝዝ ተለዓል ብሓባር

ውልቀ-መላኺነት ይፍረስ፣ይበተኽ’ውን ሰራውር

ምስላ ወለድኻ መዓስ ተረሲዓ

”ዝሓበራ ጣንጡ ኣርቃይ የጸንብዓ”

ስለዚ ስመር’ሞ ኣሕቅቆም ነዞም ደቀ’ርባዓ

ወደባት ክኾርዕ ህዝብኻ’ውን ክቐስን ሰበኣይ ይኹን ቆልዓ

ሆየ ሆየ ክብል ሽጉ ክውልዓ

መብራህቱ ክውልዕ ናይ ብሓቂ ሽምዓ።

 

ኣንቱም ጀነራላት!!! ግን

 

መንፈስኩም ብዓለማዊ ስስዕቲ እንተ ተዋሒጣ

ለበዋይ ዕሽሽ ብምባል ኣዒንትኹም ናብ ጉቦ ጭቁናት ጥራይ እንተ’ፍጠጣ

ኣኽብድኹም እንብዛ ’ተዘፍጠጣ

ክሳውድኹም  ከም መንጉዳ ብዕራይ እንተ ሓበጣ

ኣእዳውኩም ካብ’ቲ  ድኻ ህዝቢ ካብ የማነ- ጸጋም እንት ሸማጠጣ

ኣእዛንኩም ብኽያት ውጹዕ ህዝቢ ከይሰምዓ እንተ’ስቀጣ

ኣጻብዕትኻ ቃታ ብረት ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ከይስሕባ ’ተተጨበጣ

ጽባሕ ክወግሕ’ዩ፣ብህዝባዊ ናዕቢ ኪፍታሕ’ዩ እዚ ኩሉ ጣጣ

ደብተር ኪቕላዕ’ዩ ታሪኽኩም ሓፋሽ ህዝቢ ንኽፈልጣ

ዘሕዝን ናትካ’ዩ ጀነራል ዕምርኻ በጺሓ ክትልምን ናይ እሱራት ቋሬጣ

ጉድ እኮ’ዩ!! ጽቡቕ ጀሚርኩምስ ናብ ጋሬጣ

ኤረ ክሳብ መዓስ ኢኹም ጭራኹም ደጕልኩም ክትዕሸጉ ኣብ ሳንጣ!!

ዓወት ንጭቁን ህዝቢ ኤርትራ፣                                                                                                      

ውድቀት ንውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፣

 መሓረናዝጊ መርሃዊ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • efrienyohenes@yahoo.com March 23, 2012

    KUBUR HEWI MEHRNA GELIE HEKITAT ZELWO TSIHUF EKA TEHLWKA EZI AB SERWIT AGEDIDKA AWALID MEDFAR ZEBLKAYO GHIN TSADA HESOT EYU SEBY ABU SILIE ZENBRNA AB SERAWIT ETHIOPIA MALETKA TEKNKA U ARE RIGHT AB ERITRAWIYAN KEMZI MENFES YELEN SIRAT TSLYNAYO ELKA HEZBIN SERAWITN AYTTSERF HESOT TETDGME HEKI YEMSIL KEYNU .

    • linaelyas99@yahoo.com March 25, 2012

      ኣዋልድ ፖላይስ እምበር፣ ኣብ ሰራዊት አትዮጵያ ኣዋልድ ተዋጋእቲ የለዋን ሓፍተይ፣ ናትካስ ን እንዳማትካ።

  • SINGAPO-ERITREAN March 25, 2012

    “እመንዎ ኣይትእመንዎ !!! “BELIEVE IT OR NOT !!!”
    ትማሊ ምዓልቲ ,ዓድና ደዊለ ነዝማደይ ብቴሌፎን የዛርቦም…..እና ሓደ 65 ዝዕድሚኡ ሸራፍ ሓወቦና ኣሎ , ,… በዚ ናይ 2012 ሓድሽ ወራር ወያነ,ህዝቢ,ሃገሩ ክካላኸል ካብ 16 – 65 ዝዕድሚኦም ,,,ገገዝኡ ከይዶም ናይ 1 ወርሒ ታዕሊም ተዋሂብዎም ክዋግኡ,ናብ ካምቦ መዓለሚ ይወስዱ ኣለዉ …..ብረቡዕ,ነዚ ሰበይቱ መይታቶ ንበይኑ ዝነብር ሓወቦይ, ገዝኡ ይኹሕኩሑ እሞ…. ——-ያላ ..በል ተዳሎ ንዓናይ ይብልዎ…እሞ, ሓወቦይ ወትሃደራት ምዃኖም ምስ ርኣየ ,,,ደንጽይዎ..ናበይ ክኸይድ ?ይሓቶም….ሃገር ካብ ወያነ ክትካላኸል ንታዕሊም…..ዋይ ኣንቱም ደቀይ ኣነ ደኣ…ኣስናንኳ ዘይብለይ ..ይብሎምሞ….”.ስኒ ኣየድልየካን´ዩ ,ክትስሕቀሉ እኮ ኣይኮነን …ክትዋግኣሉ እዩ”….ኢሎም..ጽዒኖሞ ናብ ታዕሊም ተወሲዱ ይብላኒ ። ። ። እዋእ… ምክልኻል ሃገር ዕድመ ኣይውስኖን እዩ….ኢለ…በቲ ናይ ሓወቦይ,ሃገር ከይካላኸል/ከይዋጋእ ኢሉ ዘይሃገራዊ ምኽንያታት ገሪሙኒ ,ሰብ ኣይስማዕ ኢለ…ሓፊረ ናብ ድቃሰይ ከድኩ !!
    ድሕሪ ሕጂ ውን ሓወቦይ ኢለ ኣየዕልለሉን´የ, መሕፈር ዘርኢ !!!

  • Abnet Tesfai March 25, 2012

    SINGAPO-ERITREAN
    your posts are intersting and funny. but ” it is like…NLEBAM AMITELU KINDEYENAY KEYSIHTO… NAASHA DERGUHALU KINDEYENAY KEYRIDIO.
    why don’t you collect your post and publish them in a book. because they are WAZA MS KUMNEGHER.. they are funny, strong and with valuable messages.

    • Cambo March 25, 2012

      ኣያ ሲንጋፖ፤ ነዚ ሓውና ኣብነት ዝበለካ ዶ ኣቕሊብካሉ? ነዚ ብሃውሪ ዊን ክብለካ ከሎ ሰው ተብሎ ግጥምታት፣ ፖለቲካዊ ዋዛን ማሕበራዊ ጉዳያትን፣ ንእግሪ መገድኻ እናኣረምካ እንተትእክቦ፤ ሓደ መዓልቲ ጥራዝ ምኣኸለ ኔሩ። እዚ ድማ ነዚ ከምዚ ከማይን ደቂ ሓወቦኻን ብውሕዱ መምሃረን መዛናገዐን እሞ እስከ ሕስብ ኣብለሉ።

      • SINGAPO-ERITREAN March 25, 2012

        ካምቦ፣
        ወያነ ካብዘን 4 ቁሸታት ከይወጹ ፣ ዶብ ከይትሓንጸጸ ፣ እዚ ምኽሪ እዚ ክትመኽረንስ ፣ ዕሸላውን ዘሕንኽን እዩ !!!ሃሃሃ……..ናይ ቁም ነገር, ሎሚ ተሰቊሩኒ….ክገብሮ እየ. ነቲ ክእለተይ ምእማንካ የመስግን ።

    • SINGAPO-ERITREAN March 25, 2012

      Thanks abnet,
      I am going to start arranging them in one ,& take your advise seriously, I mean it . I am glad you understand ,the real meanning ,of my poems,humor.
      Will do, Abnet .

  • Abnet Tesfai March 25, 2012

    Issayas stayed for eight days preparing some tricks how to deceive again his followers
    the dictator is going to preach the stupid followers named higdefawian about the battle
    (sorry about the visit of Ethiopian army inside Eritrea)
    1. he wanted to reply for this issue to the hgdefawian while he was deaf about the naizghi’s issue because the battle incidence threatens his power and life and he will tell them that it was TORKASH… and we smashed and drove them away.
    2. look Eritrean people… the woyane regime is planning to destroy your country because woyane doesn’t want you to live.
    3. he may call the stupid higdefawian to rise fund under the name of MEKETE.
    4. he may call KITET for the poor eritrean people inside.
    5. he will mention America was behind woyane around the boarder
    generally he will show up in his TV with some tricks to soothe to bullshit hgdefawian which may be helpful like injection to stay better and trusted servants.

    • sol March 25, 2012

      You just hit on the nail ,Abnet. People already know what he is going to be questioned and his answer too.As a matter of fact he should brief the incident to the cabinet and discuss for possible solutions, later on to inform the public in different ways.
      I do not know why the diaspora Higdef to hear from His majesty, it should have beenb by other pertenient officials.

      This will be a litmus paper for the regime if it could handle ant crisis under this corrupt and incompetent leadership.

  • yafet.tesfay@yahoo.com March 25, 2012

    abnet bezeba eritrea ketzareb entokenka akedemka eritrea kemay temesel hint hiz aykonn eritreawi wen aykoneka dekala eka

  • Abnet Tesfai March 26, 2012

    yafet.tesfay@yahoo.com
    i know eritrea better than your stupid mind. as one of the best sons of my beloved country i physically been in tesenei,golij, kamchiwa, nacfa, aghra’e, ghud, kelhamet,afabet,shieb ghedghed, metkel abiet, mihlab, habero, halhal, melebso, felket, keren, akurdet,sawa, forto sawa, dighe, barentu, alighidir, talata’asher, cambo ashera, asmara, himbirti, liban, ghenfelom, ruba hiday, adishirum, ala, agonbesa, ghahtielay,nefasit embatkela, maaital massawa, emberemi, hirghighi, zula, haizen, adi omeru, robrobia, foro, tio, assab, balebuy, rahayta, debaisima, fahro, kiloma, rasdumiera, afambo, wade…………. this seems as if i am exaggerating things and as if i am misinforming….. yes… even i my self i don’t know how i could that, but it is true and true i know these and more other places of Eritrea because of the nature of the job i had in my country….
    but i know to talk with people like you (yafet.tesfay@yahoo.com) is how shameful it is. i know my people of all kind in culture, religion, region. i have very sweet people. and that is why i am trying to return his freedom from the bullshit dictator as much as i can. but the stupid people like you, living in diaspora are joking by the name of the eritrean people supporting one mad dog dictator/ human eater.
    DIKALA MALET ENTAY MUKANU AYTIFELTON EKA NISIKA… KEMTI NATKA ATAHASASIBA ENTEKOINU GIN KAB DICTATOR ISSYAS ANE YHAYSH… MIKINIATU ABOKA DICTATOR TIGRAWAY EYU.

    • ahmed saleh March 26, 2012

      WOW, mentioning all the places in (medda) Eritrea refreshs one’s memory on picturing
      again to the forgotten familiar landscape of some of those areas, I’m impressed.
      But concerning the commentator who try to question your identity , I care less for what he said. Because that is the only way of challenge they know, disgraceful and regerous behaviour. Stay strong with your SEWRAWI spirit.

  • Abnet Tesfai March 27, 2012

    ahmed saleh
    thank you!!!!!
    i will never stop to tell the truth, if it is possible i am ready to take any action to eradicate the devil from the beloved country with my heroic brothers anywhere in the world.

POST A COMMENT