Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ቅልዕቲ ደብዳቤ ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣ ሰላም። ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣

ሰላም።

ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ ሓሳባት ስለዘይነበርዎ ቀልጢፉ ኣሰልችዩኒ። ሓደ ሊቅ’ስ ሓዲስ ሓሳባት እንተዘይህልዎ ንነፍሱን ንካልኦትን ንምድጋም ስለምንታይ ንሊቃውንቲ ከናፍሩ ይኸፍተን ኢለ፡ ኣነ ጅግና መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንቢበ። ድምጽማጽ ሓዲስ ሓሳብ ኣይረኸብኩን። ነታ ናብ ምሕንባስ ክወስካ ትርብሸኒ ዝነበረት ሳራ ጓለይ ሓደ ጻዕዳ ወረቐትን መደምሰስን ሂበ ነቲ ሕንጻጽ እስከ ደምስስዮ በልኩዋ። ኣዕይንታ ኣፍጢጣ ነየናይ ሕንጻጽ? በለትኒ። ፕሮፌሶር፡ ንእሽቶይ ህጻን ንዝተገንዘበቶ ሓቂ ከመይ ክትግንዘቦ ኣይከኣልካን ገሪሙኒ። ዘይተሓንጸጸ ዶብ’ስ ከመይ ይድምሰስ? ንኤርትራ ከም ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ድኣ’ምበር ከም ነጻ ልዑላዊት ሃገር ጠቒስካያ ኣይትፈልጥን ኣብ ኣእምሮኻ ሕንጻጽ ዶብ የሎን እሞ ነየናይ ዶብ ኢኻ ክትድምስስ ደሊኻ? ዶብ ክትድምስስ ዋና ስርሐይ እዩ ኢልካ እንተወሲድካዮ ከኣ ፈለማ ዶብ ምንባሩ ክትቅበል ይነብረካ። ሕጂ ሕጂ፡ ፈቲኻ ኣይፈቲኻ፡ ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ዝሓደረት ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ክትኣምን ይግብኣካ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ዘይተበገሰ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደ ዓይነት ሓድነት ከምጽእ ዝፍተን ኵሉ ሃቐነ ወዳቂ ምዃኑ ከም ፕሮፌሶር ታሪኽ ካብ ታሪኽ ኣይተመሃስርካን። ንሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣቐሚጥካ ምግላብ ናብ ዝኾነ ሸቶ ኣየብጽሕን። ቀዋሚ ሓድነት ኣህዛብ ብውግእ፡ ብውዲት፡ ብፕሮፓጋንዳዊ ስነሽበራ ኪመጽእ ከምዘይክእል ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። “ … ኢሳያስ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ክገዝእ እዩ። ድሕሪ ኢሳያስ ከኣ ኤርትራ ከም ሶማል ክትበታተን እያ!” ዝበሉ ትንቢታትካ ኒሕን ንያትን ህዝቢ ኤርትራ ክቐትሉ ዝኣደኑ ፍሉጣት ሜላታት ስነኣእምሮኣዊ ሽበራ እዮም።

ነቲ ባህሊ ኤርትራዊ ትግራዋይ (ትግርይና ተዛራቢ ህዝቢ ከበሳ) ገና ኢትዮጵያዊ ባህሉ ኣየጥፍአን ዝበለ ሓሳብ ሰንዚርካ። ሕጅ’ስ ናብ ተራ ዕላል ቡን ወሪድካ ፕሮፌሶርነትካ ክጠራጠሮ ጀሚረ። ፈለማ፡ ኢትዮጵያዊ ባህልታት ድኣ’ምበር ኢትዮጵያዊ ባህሊ ዝበሃል ነገር የሎን። ነቲ ኣምሓራዊ-ትግራያዊ ባህሊ ማለትካ እዩ ዝኸውን። እዚ እንተላይ ባህሊ ኤርትራዊ ከበሳ እዩ’ሞ ስለምንታይ ነዚ ባህሊ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ባህሊ ጥራሕ ሰሪሕካዮ? እቲ ምሉእ ታሪኽ ኣኽሱም’ውን እንተላይ ታሪኹ እዩ። እሞ ድሕሪ ነጻነት’ስ ሓዲስ ዘይነበረ ባህልን ታሪኽን ዘይመሃዘ ዲኻ ደሊኻዮ!?

ህዝቢ ቢለን ኣጎው ምዃኑ ይኣምን ትብል። እወ፡ ምንጩ ኣገው እንድዩ። ምንጩ ዘይከሓደ ዲኻ ደሊኻዮ? እወ፡ ቢለን፡ ኤርትራዊ ኣገው እዩ። እንታይ’ሞ? እዚ ህዝቢ’ዚ ከም ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ኣብ ኤርትራውነቱ ይኣምን። ብመጠን ብዝሒ ህዝቡ ከኣ ካብ ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ንላዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲሉን ተሰዊኡን እዩ። ቢለን ኣጎዋዊ ኤርትራዊ ብሔር እዩ።

ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተመሃሮኣ ብምስጢር ናብ ጎንደር ትልእኽ ኢልካ። በዚ ኣቢልካ ድማ ፡ኤርትራ፡ ብመንፈሳዊ ሸነኻ’ውን ርእሳ ኣይከኣለትን ጽግዕተኛ ኢትዮጵያ እያ ንምእማት እዩ። ወይ’ውን ከም  መረጋገጺ ኢትዮጵያውነት ኤርትራ ወዲድካዮ ትኸውን። እቲ ኦርቶዶክስያዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ገና ውልዶ ኮይኑ ተማሃሮኡ ናብ’ቲ ምዕቡልን ምኹርን ቤት ትምህርታት ክህነት ኢትዮጵያ እንተሰደደ’ስ እንታይ’ዩ? ስለምንታይ ክንድ’ዚ ናብ ባይታ ቀንጠ መንጢ ወዲቕካ ፕሮፌሶር? ንስኻ’ውን ንታሪኽ ሃገርካ ኣብ ኣውሮጳ  እንዲኻ ተማሂርካዮ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም ተሓጋጋዚ መምህር ኣይመስለንን። እታ መልሓስ ምሁር ኤርትራዊ ንጥቕማ መቐመጫታት ክትልሕስ ኣመል ስለ ዝኾና ጥራሕ እዩ። ዶስ … ? ብቕዓትካ መዚነ ግን ገለ ፖለቲካዊ ባእታት ዝረቝሑኻ መምህር ድኣ’ምበር እቲ ኣካደምያዊ ዩኒቨርሲቲ ብክእለትካ ዝሓረየካ  ኣይመሰልካንን።  ንከብዲ ምላሽ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ  መሳርሒ ድኣ’ምበር ኣይመምህርን።

ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት እትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ መዓት ህዝቢ ዝሓለቐሉ ውግእ፡ ውግእ ኣሕዋት እኳ ኣይበልካዮን ውግእ ሕውነት እዩ ኢልካ ከተናእሶ ፈቲንካ። ሕውነት ካብ መዓስ እዩ ዝተዋግአ? ሕውነት የላዝብ እምበር ክሳብ ፈጺሙ ከጽንት ኣይሕልንን። መንግስታት ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ እዮም ተላዒሎም ነቢሮም። “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን!” ኢሉ ዝተዋግአን’ስ ኣብ ከጽንተኒ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ኣብጻሕኩዎ፡ ዘይ’ከ ሓወይ እዩ ነቢሩ! ኢለ፡ ብከም’ዚ ብቐሊሉ እቅረታ ክገብረሉ ኣይትጸበየኒ። ርትዓዊ ሰብ ድኣ’ምበር ጻድቕ ኣይኮንኩን።  ኣብ ክሳብ ክንድዚ ምቅታል ዝበጽሑ ኣሕዋት፣ ኣሕዋት ምዃኖም ዝቐበሩ ኣሕዋት እዮም። ሕውነቶም ደጊሞም ኪምስርቱ እንተደለዪ ከኣ ብከምዚ ሃታሃታን፡ ምድንጋርን ምፍርራሕን፡ ቀቢጸ-ተስፋነት ብምስፍሕፋሕን፡ ሃሮር! ንሕና ማዕቢልና ንስኻትኩም ንድሕሪት ቀሪኹም ኢልካ ብምቕናእን ምስትንዓቕን ዝፍጸም ኣይኮነን። እዚታት ኣብ’ቲ ህልኻዊ ስነኣእምሮ ኤርትራውያን መሊሱ ህልኽ ዝፈጥር ከንቱ ፈተነ እዩ። ፕሮፌሶር፡ ኣብ’ቲ ዘይነበርካዮ ውግእ ብርቱዕ ስምዒታት እዩ ተፈጢሩ። ሕውነት ናብ ድቕ ዝበለ ጽልኢ እዩ ተቐዪሩ። ኣብ’ታ ወርቃዊት መንበር ሊቅነት ተቐሚጥካ ዝኾነ መጽናዕቲ እንተኣካየድካ፡ ነቲ ዝተቐየረ ስምዒት ፈጺምካ ክትርድኦን ክትግንዘቦን ኣይትኽእልን። እዚ፡ ኣብኡ ብምውዓል ድኣ’ምበር ብመጽናዕቲ ዝግንዘብ ፍልጠት ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኵሉ’ቲ ግጉይ ፖለቲካዊ/ማሕበራዊ ርእይቶታትካ ኣብ’ኡ ብዘይምውዓልካ ኣብ ነፍስኻ ብዝፈጠርካዮ ስክፍታ(ኣበራዊ ስምዒት) ዝተሰርሐ ከይከውን እትስፎ።

ኣብ’ቲ ምሉእ ዘረባኻ ብዘይካ ኣቃባጣሪ ተራ ዕላል ቡን ዕቱብን ሃናጽን ንወርትግ ጠቓምን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩን። ኤርትራ’ስ ያኢ ብፍሉይ ኣይተወጽዐትን ንምባል እዩ እመስለኒ፡ 25% ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኤርትራውያን ነቢሮም ትብል። እዚ ኣብ መንፍዓት ተመሃሮ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ መንግስቲ ዝወሰኖ ኮታ እዩ ነቢሩ። እቶም ዝተረፉ 75% ካብ ሚእቲ’ከ እንታዎት ነቢሮም? እስከ ብግምት  ገለ 15% ትግራዎት ትግራይ፡ 5% ኦሮሞን ካልኦትን እንተ ነበሩ እቲ 50% ኣምሓራይ እዩ ነቢሩ። ትፈልጥ’ዶ ፕሮፌሶር ብዙሓት ብኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣዝዮም ትኵራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ወዲቖም ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ክጽንበሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ናይ ካርቱምን ካይሮን ዩኒቨርሲታት ከም ዝኾብለሉ? እቲ ትምህርተ ኣምሓርኛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝጀመረ ኤርትራዊ፡ ምስ’ቲ ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣዲኡን ቋንቋ ትምህርቱን ዝነበረ ሓደ ዓይነት ፈተና ኣምሓርኛ ክፍተን’ስ ቅኑዕ’ዶ ይመስለካ? ንስኻ ኣብ ጂማ ዓቢኻ እቲ ሽግርና ኣይነበረካን፣ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሽግር ኣይረኣየካን፡ ኣይግደሰካን። እቲ ናብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ከይትኣቱን፡ ትምህርትኻ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (ሳንታ ፋሚልያ) ክትቅጽሎን ዝገደደካ ምኽንያት ውድቀት ኣምሓርኛን ፍትወት ህዝቢ ኣስመራን ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፕሮፌሶር ረኺበ ኢሉ ነቲ ኵሉ ዘርባዕባዕካ ሓቂ መሲልዎ ከም ፖሊሲ ከይጥቀመሉ እፈርሕ። ኣንጻር ሓድነት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ዋና ደጋፊኡን፡ ደጋፊ ካብ’ኡ ንዝዓበየ ሓድነት ኣህዛብ ምስራቕ ኣፍሪቃን እዬ’ውን። ብልጽግናን ምዕብልናን እዚ ኣህዛብዚ ኣብ ግዙፍ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓድነታት ከምዝምስረት ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ኣብ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ብኵሉ ሸነኻቱ ከም ዝጥዕሞ እፈልጥ። እንተኾነ እዚ ሓድነት’ዚ ብምሉእ ድልዬትን ንቕሓትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣሎዎ በሃሊ እዬ። ውጽኢቱ ኣዎንታውን ነባርን ምእንቲ ክኸውን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ክፍጽም አማሕጽን።

ቀዳማይ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ኣህሩራዊ ሕግን ቤት ፍርድን ዝበየንዎ ክፍጸም ይግብኦ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተሰርሐ ጽልእን ዘይትምትእምማንን ከዓሪ ይኽእል። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንኤርትራ መሬታ ዝኾነ፡ 25 ትርብዒት ኪሎሜተር ዘይኣክል ዶራን መሬት እንተመለሰት፣ እንትርፎ ገለ ስምዒታት ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ክትንከፍ፡ ነታ ግዝፍቲ ኢትዮጵያ ዝጎድለና ኣይምነበረን። ንኤርትራውያን ግን ዓቢዪ ስምዒታዊ ትርጕም ምነበሮ። ንኢትዮጵያ ድማ ሳንቲም ከፊልካ ኣቕራሽ ምኽሳብ ምኾነ።

ካልኣይ፣ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ እቲ ዶብ ብንጹር እንተተሓንጸጸ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ስነ ኣእምሮ ኤርትራውያን ዝሰኣሎ ምስሊ ናይ ሓሶት ጸላኢ ኣልጊሱ ዘፈራርሓሉ ወድዒ ምሰኣነ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቃልሱ ኣብ ምልጋስ’ቲ ዲክታቶር ከተኵር ምኸለ። እዚ ከኣ ንሰላማዊ ዝምድናን ምትዕራቕን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምቅልጣፍ መገልገለ።

ሳልሳይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ዓመጻውን ኢድወነናውን ምእታው ኢድ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ክቍጠብ ይግብኦ። እዚ ነቲ ድሮ ክሳብ ዓንቀር ዒቕ ዝበለ ጽልእን ዘይምትእምማንን ዘገንፍልን ንጥቕሚ ኢሳያስ ከኣ ዝሰርሕን እዩ። ብኣንጻሩ፡

ራብዓይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ንመሰላቶም ከኽብር ይግብኦ። እዚ’ቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ሕውነት ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምኾነ።

ሓሙሻይ፣ ምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቛወምቲ ኤርትራውያን ካብ ቅኑዕ መንፈስ ዲሞክራስያውነትን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን ድኣ ክብገስ ይግብኦ’ምበር ካብ ከም መሳርሒ መሳለጢ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ክብገስ  ኣይግብኦን። እቲ ኤርትራዊ ህልኸኛ እዩ ኢልና እንዲና … ። ካብ’ቲ ዓቢዪ ሓውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልቦናን ወሃቢነትን ትዕግስትን ንጽበ። ኵሉ ዓይነታዊ ዕብዬቱ ከኣ ነዚኣቶም ክኸፍል ዘኽእሎ እዩ።

ሻዱሻይ፣ ንመጠረስታ፡ ቀጥታዊ  ወሳኒ መጻኢ ዕድሉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ሊቃውንትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኣምኑን ክቕበሉዎን ይግብኦም። ድሕሪ ነጻነት ካብ ዲክታሮርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዝደሊ ክሕተትን ባዕሉ ክውስንን ይግብኦ። ኣህዛብ ኤርትራ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ሓድነት ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ክነብሩ እንተደለዩ መሰሎም እዩ። ከም ሓንቲ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብሓደ ዓይነት ሓድነት ክነብሩ እንተደለዩ እውን ምርጫኦም እዩ። ህዝቢ ቢለን ምስ ህዝቢ ኣገው ክነብር ተደለየ ናቱ ምርጫ እዩ። ዓፋራውያን ምስቶም ካልኦት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ተጎጂሎም ዝነብሩ ዘሎዉ ዓፋራውያን ክጽንበሩ እንተ መረጹ ናቶም ጉዳይ እዩ። ትግራዋይ ከበሳ ምስ ትግራዋይ ትግራይ ሓቢሩ ክነብር ተደለየ ከኣ ናቱ ምርጫ እዩ። ቤኒ ዓምር ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ብሔራት ሱዳን ክነብር እንተደለየ’ውን ናቱ ምርጫ እዩ። ኩናማ ኤርትራ ከም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ክነብሩ እንተደለዩ ናቶም ጉዳይ እዩ። ብነጻ ድልዬትን ንቕሓትን እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝመጽእ ሃገርን ሓድነትን የልቦን።

ሓው ፕሮፌሶር ተኸስተ፡ ሃጠው ቀጠውካ ከንብብን ክምልስን ንባዕለይ ኣብ ሃጠው ቀጠው ኣትየ ንጓለይ ናብ ምሕባስ ክወስዳ ተማባጺዔላ ነቢረ’ስ ኣብኵርካና ብርቱዕ ኮርያ ኣላ። እቕረታ ክትሓታ ከኣ እጽበ። ንእገረ መገድኻ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸሪፍካዮን ኣስተናዒቕካዮን ኢኻ’ሞ፡ ኣብ’ቲ እቅርታ እንተትጽንብሮ ኣንበይጸላእኩን። የቐንየለይ።

ሓውኻ

ዳንኤል ተስፋይ

17.11.2012

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • Mebrahti November 20, 2013

    Dear Readers… determining and shaping the present and future of Eritrea is and must be left to Eritreans. There is no stopping Ethiopians like Tekeste from aspiring to influence such a privilege but that of Tekeste is unique and inherently biased… he was an Eritrean (or passing for one until his late thirties maybe early forties) and, in that camouflage, has tried his level best to navigate and deter the Eritrean movement for freedom. He tried to make good use of his involvement with the Swedish political parties and stop the party he belonged from supporting the Eritrean movement… and this recent move is nothing more than another attempt at realizing his aspirations of a son of deki-arb’a -as he put it himself – to claim back a country of his birth .. a country he lost in the pursuit of a unique position and specialization in his trade … a fantasizing historian … Tekeste when will you ever grow up?

  • Meretse Asmelash November 20, 2013

    ክቡር ዳኒኤል፡
    ጽሑፍካ ሓደ ግዜ ዘይኮነስ ክልተ ግዜ ኣንቢበዮ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንከንብቦ ግን ዝደፍኣኒ ጉዳይ ኣይነበረን። ክልተ ግዜ ዘንበበኒ ምክንያት’ውን ቀጺለ ንዝህቦ ሪኢቶ ክሕግዘኒ ኢለ እየ።
    ቅልዕቲ ደብዳቤ – ኣትኹሮ ፕሮፈ. ተከስተ ነጋሽ ክትብል ዝጸሓፍካያ ጽሕፍቲ ቅድሚ ምጽሓፍካ ክንደይ ግዜ ከምዝጥፍእካላ ንዓካ ጥራሕ’ዃ ዝምልከት እንተኮነ ከም ኣንባባይ ግን እዚ ሓቤረታ’ዚ ምንም ግዜ ዝጠፍኦ ኣይመስልን። እቱይምንታይ ኣብ ብሉዕ መኣዲ ንቀደም በሉ ዝበልካና ኮይና ተሰሚዑና። ንሓደ ሰብ ንቀደም በል ትብሎ መኣዲ ኣብ ምቅራቡ ወይውን ኣብ መንጎ መኣዲ ንዝተቀልቀለ ጥራሕ ይመስለኒ። ብዝተረፈ ግን ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተደረርካዮ ድራር “ንቀደም በል” ዝብሃል ኮይኑ ኣይስምዓንን።
    ካልአይቲ ሪኢቶ’ውን ኣላትኒ፡ እዚ ከኣ ንጽሕፍን ጥርቅምን(zip) ትምልከት እያ።
    መጀመርያ ግን ብሓቤረታ ከሰንያ፡ ኣብዚ ቀረብ እዋን ኣብ ኣስመራ “ዓርቢ ሓርነት” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎዋ ብለይቲ ተዘርጊሓ ከምእትሓድር ሰሚዒ ኣሎኩ። እዚ ዝኮነሉ ምክንያት ናይ ጽሑፍን ምንባብን መሰል ስለ ዘየሎ እዩ። ይግረምካ ግን ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ሓደ ዕላም ጥራሕ’ዩ ዝወቅዕ ንሱ ከኣ መቓልሕ ጥራሕ እዩ። ማለት ብሓላፍነት ኣይሕተትን።
    ዝኮነ ዓይነት ሕቶ ዘሎዎ መልሲ ድሕሪ “ጸሓይ ብራቕ” እዩ መርትዕኡ። ብጸሓይ ቀትሪ ንዝጽሓፍ ጽሑፍ ግን መልሲ ወርሒ ምስ ወጸት ዘስምዕ ኣይግድን። ሕዝካኒ ክትከውን ተስፋ ይገብር። ንእትጽሕፎም ጽሑፋት ሓላፍነት ከይተውስድ ዝገብረካ ምክንያት እንታይ ኣሎ። ማለት ምስጋና ይኩና ኣሰና ዳት ካም ናይ ጽሑፍ ሪኢቶን መልስን ሰሌዳን ኣዳልዩ ኣሎ።
    ስለዚ ስለ ጽሑፍካ ዝወርድ ሪኢቶታት ኹሉ’ዃ እንተዘይ ተብህለ ገለ ቁምነገር ዝሓዘለ ሪእቶ’ውን የሎን ኢልካ ስለ እትኣምን’ዶ ይከውን፡ ፍርዲ ናባካ።
    እዚ ክብለ ከሎኹ ግን ብድሕሪ ሕጂ ንእትጽሕፎም ጽሑፋት ኣይናፍቕን ማለት ኣይኮነን፤ እዃ ደኣስ ምትብባዕካ ይመርጽ።

    • daniel s. tesfai November 20, 2013

      ክቡር ሓው መረጸ፣
      ሰላም።
      ንዝጸሓፍካለይ መልሲ ኣርባዕተ ጊዜ ኣንቢበዮ። ምሉእ ብምሉእ ከምዝተረዳእኩኻ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ኣጸሓሕፋኻ ቅኔ ዓይነት ኴይኑኒ። ኣነ ንሓደ ፕሮፌ ተከስተ ኣብ ሓደ ቃለመጠይቕ ዘቕረቦ ሓሳብ ክምልስ ፈቲነ። እቲ ድራር ድሮ ተበሊዑ እንተነበረ ግን ሓቕኻ ኣብ ዝተበልዐ ድራር እዬ ንቀደም ኢለካ። ኣነ ንባዕለይ እውን ኣብ’ቲ ድሮ ዝተበልዐ ድራር እዬ ተቐሪበ። እሞ ክልቴና ኢና ብጥሙይ ከብድና ሓዲርና። እሞ ንክልቴና ጾምና ዘሕደረና እቲ ድሮ ዝተበልዐ ድራር ዝቐረበልና እዩ።
      ብዛዕባ ‘ዓርቢ ኤርትራ መቓልሕ ጥራሕ እዩ ዝወቅዕ ብሓላፍነት ከኣ ኣይሕተትን ዝበልካዮ ኣይተረድኣንን። መቓልሕ ናይ መን? ኣነ ግን ናይ ዝጸሓፍኩዎ ሓላፍነት እወስድ እዬ። ንኵሉ ዝቐርበለይ ርእይቶታት ክምልሰሉ ኣይግደድን ምኽንያቱ ንመልሲ ዘይበቅዑ ርእይቶታት ኣሎዉ። ነቶም ክምልሰሎም ዘገድሱኒ ሕቶታት ግን ይምልሰሎም እዬ። ንስኻ’ውን ሓደ ንጹርን ውሱንን ሕቶ እንተትሓተኒ ክምልሰልካ ደስ ምበለኒ። እታ ቅድሚ ‘ሒዝካኒ ክትከውን ተስፋ እገብር’ ትብል ሕቶ ዘስፈርካያ መስመር ንኣብነት ኣይሓዝኩዋን። ንርእይቶካ ብኣመተ፡ ብቅኔ ዘይኮነስ ብንጹርን ቀጥታዊን ቋንቋ እንተተቕርቦ ክርድኣካ ምኸኣልኩ’ሞ ቅድሚ ጸሓይ ብራቕ’ውን ምመለስኩልካ።
      ብንጹር እንተ ዝርድኣካ ምሳሓ ሓሳባት ምልውዋጥ ደስ ምበለኒ። ርእይቶይ ካብ ምግላጽ ደው ክብል ስለዘይኮንኩ እንደገና ክንጸዋወ ተስፋ እገብር።

      • daniel s. tesfai November 21, 2013

        ሓው መረጸ፡ ነቲ ደንጕየ ዝረኣኹዎ መልእትኻ ን ‘ሱዑድያ- ድያብሎሳዊ መንግስቲ – መልሲ ጽሒፈልካ ኣሎኹ። በጃኻ ርኣዮ።

      • Meretse Asmelash November 21, 2013

        ክቡር ሓው ዳኒኤል፡
        ሕቶታተይ ብክብሪ ምምላስካ የቀንየለይ። ገለ-ገለ ሕቶካ ተር ዝበለ ኣይነበረን (ቅኔ ዝዓይነቱ ኔሩ) ዝበልካዮ ግን በዝን እትን ኢለ ንኣወዳድቃ ቀለምካ ይሓልፎ እዩ ኢለ ኣይግምትን። ቕልዕቲ ደብዳቤይ ኣድራሽኣ ምስክራ። ኣብ ውሽጣ ተሰኪማቶ ዘላ መልእክቲ ከኣ መልሲ ከኣ ንፕሮፈሰር ተከስተ ዝምልከት’ዩ ኢልካ። ኣነ’ውን ተረድኦይ ንሱ’ዩ። እንተኮነ ግን ሱምዑለይ ረኣዩለይ ከየስምዕስ መጀመርያ እቲ ንሱ ዝበሎ ቀዲምና እንተዝሰምዕ’ሞ ካብኡ ከኣ ፈፍርድና ክንህብ። ብዝተረፈ ግን ቢሂሉ ከይሰማዕናስ እንታይ ንበል? ኣብ ዝብል ዙርያ ሓሳብ ዝተቀሳቀስኩ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ እየ ጽሒፈልካ። Bሃፈሻ ግን ዝጸሓፍካለይ ሪኢቶ ሃናጺ ኢዩ። ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ ሓደ ካብቶም ኣድነቅትን ናፍቅትን ጽሑፍካ እየ፣ ደሓን ቅነ !!!!!!!

  • Kabbire November 20, 2013

    I don’t know much about Prof Tekeste Negash but the article by ato Daniel Tesfay may help many like me to learn more about him.
    The link provided by Daniel Tesfay is not working at this time. So, I googled Tekeste Negash’s old article written in 2007. From my reading of this old article, Tekeste Negash looks an honest sage, so far he is right on target on what he said about the Liberation Struggle because we have nothing to show for all the years of bloodshed and the time wasted on destroying each other.
    From most of the comments, one can clearly see that young Eritreans feel allergic to anything Ghedli, be it Shaebia or Jebha.

    Young Eritreans feel that so much human life was paid and many years wasted for nothing. Nothing good had come from the 30 years of struggle and the 22 years so called Netsanet era.

    Professor Tekeste Negash said long ago that the so called “liberation struggle will one day be a burden to Eritrea”. At that time many Eritreans educated and less educated were angry at him but so far Tekeste Negash is right. The whole struggle only resulted into an endless misery where Eritrea is the worst place to live and Eritrean refugee is the most disrespected person living a life of slavery.
    If there is a person who believes that Eritrean Ghedli is worthy, then I hope it will not take another 22 years to prove Tekeste Negash was wrong.

    In 2007, Tekeste Negash wrote:

    “Eritrea is on the verge of dissolution. Unable to solve its conflict with Ethiopia, either by continued war or by negotiation, the Eritrean government has, according to my reading of the history, chosen the path that would certainly bring it to the dissolution of the country …

    “The tasks facing the Eritrean opposition movements are indeed daunting. Not only do the opposition groups have a lot of work to do in forging a stable ideology, they would have to define a realistic policy as well as put in place a leadership that could save the country form a fate similar to what happened in Somalia since 1991. But for the opposition to play a constructive role, it has to begin quite soon a process of demystification of Eritrea and its inhabitants …”

    Link: http://asmarino.com/en/articles/242-the-dilemma-of-eritrean-identity-and-its-future-trajectories

  • daniel s. tesfai November 21, 2013

    ሓው ከቢረ፣
    ሰላም።ተገዲስካ ነቲ ዝተጠቕሰ ወብ ሳይት ምድላካን (ንኽዕረ ንጊዜኡ ተዓጽዩ ኣሎ)፡ ተገዲስካ ተወሳኺ ጽሑፍ ፕሮፌ. ተኸስተ ስለዝቐረብካልና ንተገዳስነትካ አሞግስ። እንተኾነ ኣብ’ቲ ዘቕረብካዮ ጽሑፍ ግዳ ገለ ንኣሽቱ ትዕዝብትታት ኣሎዋኒ።
    1. ኣብ 2007ዓም ኴንካ ነቲ ዲክታቶርያ ስርዓት ኢሳያስ ዝኸዶ ዝነበረ ኣቕጣጫ ዕንወት ምርኣይ ነቢዪ፡ ጠንቛሊ ወይ ከኣ ሊቅ ታሪኽ ምዃን ኣይሓትትን። ካብ ፍርቂ 1995 ኣትሒዙ እቲ ኣዕናዊ ኣቕጣጫ ህግሓኤ ዝተራእዮምን ዝተቓወምዎን’ውን ኣሎዉ። ንምዃኑ እቲ ህወሓት ኣብ ምርጓድ ናይ’ዚ ኣቕጣጫ ዝተጻወቶ ግደ ኣብ ምንጻር ፕሮፌ. ዘውጽኣ ቃል’ኳ የላን። እንተላ ክፈልጥ ምደሊኹ።
    2. ሕጂ ንዝተኸስቱ ጭብጥታ ተጠቒምካ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ርኤኹም ሰውራ ኤርትራ ዝኾነ ምኽንያተ ህልውና ኣይነበሮን ምባል ቅኑዕ ( fair) ኣይኮነን። ኣነ ሰውራ ኤርትራ ብቑዕ መንቀልን ዕላማን ኔሩዎ በሃሊ እዬ። እቲ ክብገስ፡ ንመጻኢ ሓደ ኢሳያስ ዝተባህለ ጽሉል ዲክታቶር ኣብ ኤርትራ ክነግስ እዩ፡ ንኤርትራ ድማ ከዕንዋ እዩ፡ ስለ’ዚ ነቲ ረብሓ ዘይህልዎ ቃልሲ ገድሊ ዝህቢ ኤርትራ ደው ከንብሎ ኣሎና! ዘይበለ ኢለ፡ ካብ ናይ ሕጂ ኣፍልጦ ተበጊሰ ክኸሶ ኣይክእልን። እቲ ከም’ዚ ዝበለ ፕሮፓጋንዳ መንግስታት ኢትዮጵያ ግን፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኴይኑ ሰሚሩ።
    3. ከም’ቲ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋርን ናብ ውግኣት ንምጽማድ ዝተጠቕመሉ ግን፡ ገድሊ ኤርትራ ናብ ልክዕ መጠኑ ክጽረብ ( to be demystified) እድግፎ።
    ንመጠረስታ፡ ኣነ ኣብ ሞንጎ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጋግ ንምፍጣርን፡ ነቲ ድሮ ዘሎ ጋግ ንምግፋሕን ዕላማ የብለይን። እኳ’ድኣ ዕላማይ ብኣንጻሩ እዩ። እንተኾነ፡ እቲ መገዲ ኣብ ቅኑዕን ወድዓውን ኣቃርባ ታሪኽን፡ ኣብ ቅኑዕ ልብን ድልዬትን ዝተመስረተ ክኸውን ኣሎዎ። ካብ ኵሉ ድማ ኢትዮጵያ፡ ከም ዓቢ ሓው፡ ዝያዳ ተበግሶ ቅኑዕ ምግባርን ወሃቢነትን ትዕግስትን ቅኑዕ ሜላን ብተግባር ከተርኢ ኣሎዋ ብርሃሊ እዬ። ነቲ ሕቶ ዶብ ክትፈትሕ ዓቕምን ዕብየትን ኣሎዋ። ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ዝተገደዱ ገለ 70,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ከኣ ከም ‘ሓው’ ትሓዞም። ንሳቶም ድማ 700,000 ካልኦት ኣሕዋት ክሰርሑላ እዮም። ኢትዮጵያ ካብ ኣዴኹም እዬ ምባል ናብ ኣሕዋት ኢና በጺሓ። እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ መገዲ እዩ።

  • Fthi November 21, 2013

    The one who used the Name Kebire is the enemy of the right of self Determination of the Eritrean peoples. He does’nt deserve a comment.
    Brother Daniel! please don’t waste your time on commenting to such a garbage.
    Eritreans have fought against all Odds and wrote history. The current ups and downs is not going to erase history. Their heroism will be repeated and are going to defeat the unjust Regime in Asmara. Chauvinist Ethiopians will cry twice in history.

    • belay nega November 22, 2013

      “Their heroism will be repeated and are going to defeat the unjust Regime in Asmara. Chauvinist Ethiopians will cry twice in history.”

      Wake up,whatever is happening to the gov of Eritrea, is the effort[conspiracy] of Ethiopian gov. The so called oppositions are only cheer leaders.

  • Kabbire November 22, 2013

    This is an interview Prof Tekeste Negash did with an Ethiopian private newspaper.
    I just posted it only because many readers had requested for it, just to know why ato Daniel wrote a very angry personal attack on Tekeste Negash.

    I am sure the readers will have a good understanding after reading this. If there is a strong need and assena is willing to publish an Amharic translation should be available.

    የኢትዮ፡ኤርትራ ችግር መፍትሄ፣ ድንበር ማስመር ሳይሆን ድንበር ማፍረስ ነው

    0፱ ኞቨምበር፣ ፳፩፫
    Wሪትተን ብይ ዓድሚኒስትራቶር
    ፎንት ሲዘ ደችረኣሰ ፎንት ሲዘ ኢንችረኣሰ ፎንት ሲዘ
    ጵሪንት
    ዐማኢል

    ኤርትራ ራሷን እያወደመች ነው የኢትዮጵያ ትምህርት ችግሮች ቋንቋና ያለ እቅደ መስፋፋት ናቸው

    ፕሮፌሰር ተከስተ ነጋሽ በስዊድን አገር በኡፕስላ ዩኒቨርሲቲ የዘመናዊ ታሪክ ፕሮፌሰር ናቸው፡፡ ፕሮፌሰሩ በኢትዮጵያ ትምህርት ላይ ከፍተኛ ምርምሮችን ያደረጉ፣ በመስኩም የታወቁ ምሁር ሲሆኑ ከከዓምናው ጀምሮ በአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ የታሪክ ትምህርት ክፍል ተጋባዥ ፕሮፌሰር ሆነው በማገልገል ላይ ይገኛሉ፡፡ እ።ኤ።አ በ፩፱፬፯ በአስመራ ከተማ ተወልደው የአንደኛ ደረጃ ትምህርታቸውን በአስመራ፣ የሁለተኛ ደረጃ ትምህርታቸውን በጅማ ተከታትለዋል፡፡ የመጀመሪያ ድግሪያቸውን ከአስመራ ዩኒቨርሲቲ በህግ አግኝተዋል፡፡ ከ፩፱፯፪ እስከ ፩፱፯፬ በአስመራ ዩኒቨርሲቲ ያስተማሩት ፕሮፌሰር ተከስተ፤ በለንደን ዩኒቨርሰቲ ከ“ስኩል ኦፍ ኦሪየንታል ኤንድ አፍሪካ ስተዲስ” ማስተርስ ድግሪ ያላቸውን ያገኙ ሲሆን ዶክትሬታቸውን ከስዊድን አገር ኡፕስላ ዩኒቨርስቲ በታሪክ ትምህርት ሰርተዋል፡፡ የኤርትራን ወቅታዊ ሁኔታ እንዴት ይገልፁታል፧ እኔ የኤርትራን ጉዳይ መከታተል ካቆምኩ አስራ ሶስት አመት ሊሆነኝ ነው፡፡ ምክንያቱም ልለው የምችለውን ሁሉ ብያለሁ፡፡

    “ብሮትሀርስ ኣት ዋር” በሚል ከአንድ የኖርዌይ ተወላጅ ጋር በመሆን በፃፍነው መጽሐፍ፤ የኢትዮጵያና የኤርትራ ጦርትነት የወንድማማችነት ጦርነት ነው፤ ችግሩን ለመፍታት ሁለቱ አገሮች ወንድማማችነታቸውን ማመን አለባቸው ብለን ደምድመናል፡፡ ከዛ በኋላ ምንም ሠላም አልተገኘም፤ በኔ አስተያየት የሚገኝም አይመስለኝም፡፡ እስከአሁን በኢትዮጵያም ሆነ በኤርትራ ወንድማማችነቱን ማመን ላይ አልተደረሰም፡፡ የሁለቱ አገራት የወደፊት ግንኙነት ምን የሚሆን ይመስልዎታል፧ የኤርትራን ጉዳይ ማጥናት የተውኩት ተገድጄ አይደለም፡፡ በአንድ በኩል በኢትዮጵያ እየተካሄዱ ያሉ ነገሮች በጣም በጎ ናቸው፡፡ ኢትዮጵያ ብዙ ለውጥ እየተካሄደ ነው የሚል አቋም ስላለኝ ሲሆን በሌላ በኩል የኤርትራ ጉዳይ አልቆለታል ብዬ ስላመንኩ ነው፡፡ የጊዜ ጉዳይ ነው እንጂ ኤርትራ ራሷን በራሷ እያወደመች ነው፡፡ ኤርትራ ምንም ተስፋ የላትም ብዬ አምናለሁ፡፡

    ወደ ጥያቄሽ ስመለስ… የኤርትራና የኢትዮጵያ ሁኔታ እንዴት ይቀጥላል ለሚለው በኔ አስተያየት ከዚህ በኋላ ጦርነት አይካሄድም። ኤርትራ ግን የሶማሊያን አይነት የምትሆንበት፣ በአንድ ልትመራ ወደማትችልበት ደረጃ ልትደርስ ትችላለች ብዬ አምናለሁ፡፡ ከኢሳያስ አፈወርቂ በኋላ ኤርትራ ሶማሊያን ትሆናለች በሚል የሚሰጡ አስተያየቶችን ይቀበላሉ ማለት ነው፧ አዎ፡፡ ኢሳያስ እስካለ እሱ የፈጠረው ስርዓት ይቀጥላል፡፡

    የአለም አቀፉ ማህበረሰብ አቋም እና የኢትዮጵያ መንግስት የያዙት አቋምም ለዚህ አስተዋጽኦ ያደርጋሉ፡፡ ከኢሳያስ በኋላ ግን የኢኮኖሚ ችግር ብቻ ሳይሆን የብሔር ግጭቶች አሉ፡፡ ቆላማው የኤርትራ ክፍል የራሱ አጀንዳ አለው፤ ደገኞቹ ደግሞ እርስበርሳቸው በጣም የተከፋፈሉ ናቸው፡፡ ይህን መያዝ የሚችለው ኢሳያስ ብቻ ነው፡፡ ከሱ በኋላ አገሪቱን አንድ አድርጐ ወደፊት ሊያራምድ የሚቻል ይመጣል ብዬ አላምንም፡፡ የኤርትራ ጥያቄ ለምርጫ በቀረበበት ወቅት ከነበሩ አማራጮች ዋነኞቹ፤ መገንጠል፣ በፌዴሬሽን መቆየት እና አንድነት የሚሉ ነበሩ፡፡ በውድም ይሁን በግድ ሁሉም አማራጮች ተግባራዊ ሆነዋል፡፡ ኤርትራ ከተገነጠለች ፪፫ አመት ሊሆናት ነው፡፡ በአሁኑ ወቅት አንድነት የሚለው አቋም ቅሪት አለ ወይስ ሙሉ በሙሉ ተሸርሽሯል፧ የደጋው ኤርትራ ባህል በመሠረቱ ኢትዮጵያዊነቱን እንደያዘ ነው፡፡ ኢሳያስ ስልጣን እንደያዘ በሶስተኛ አመቱ ሆላንድ መጥቶ ባደረገው ውይይት፤ እኔም እድሉን አግኝቼ ሰምቼዋለሁ፡፡ እኛ ሠላሳ አመት ሙሉ ታግለን ብዙ ሰው ሞቶብን፣ ባለፉት ሁለት አመታት ውስጥ የኤርትራ ህዝብ የከፈልነውን መስዋዕትነት ረስቶ ከኢትዮጵያ ጋር ወዲያ ወዲህ ይላል ብሎ ተናገረ፡፡ ኤርትራ ነፃ ከወጣች ጊዜ ጀምሮ እስከ ጦርነቱ ድረስ የኤርትራ ህዝብ ከኢትዮጵያ ተለይተናል የሚል ብዙ ስሜት አልነበረውም፡፡ ደርግ መሸነፉ ላይ ነበር እንጂ ከኢትዮጵያ ጋር የመለየቱ ብዙ ግንዛቤ አልነበረውም፡፡ ጦርነቱ ሲጀመር ስሜቱ መቀዛቀዙን መናገር ይችላል፡፡

    ሌላው በደጋው ኤርትራ ያለው ትግርኛ ተናጋሪ ከጣሊያን ጊዜ የጀመረ የገዢና የተገዢ ግንኙነት ነበረው፡፡ እኛን ጣልያን ነው የገዛን በሚል፣ ትግራይ ያሉትን ትግሪኛ ተናጋሪዎች “እናንተ ከአዲግራት፣ ከመቀሌ፣ ከአድዋ የምትመጡ…” የሚል ነገር ነበር፡፡ ከጦርነቱ በኋላ የትግራይ ህዝብ የራሱን ማንነት ኢኮኖሚ በማሻሻል ላይ ስለሚገኝ በነዚህ ሁለት ትግሪኛ ተናጋሪዎች መካከል ያለው ፉክክር ማን ትግሬን ይወክላል የሚል ነው፡፡ ይህ ለጊዜው ችግር ሊፈጥር ይችላል፤ ግን እኔ እስከምረዳው ድረስ ኢትዮጵያዊነት ስሜት፣ ባህል፣ አስተሳሰብ አለ የምንል ከሆነ በደጋማው ኤርትራ አሁንም አለ። ከዛ ደግሞ ከአፋር ጋር ያለውን ትሽር ማየት ይቻላል፡፡ በኤርትራ ያሉ ቢለኖች አገዎች እንደሆኑ አይጠራጠሩም፤ አሁን ባለው ሁኔታ ምንም ማድረግ አይችሉም፡፡ ኩናማዎችንም ካየሽ ተመሳሳይ ነው፡፡ ወቅታዊውን የአፍሪካ ቀንድ ሁኔታ እንዴት ይገልፁታል፧ በአፍሪካ ቀንድ የኢትዮጵያ ሚና ከፍተኛ ነው፡፡ ሶማሊያ እና ኢትዮጵያን ካየን፣ ለሁለቱም የሚጠቅማቸው የሶማሊያ አንድ መሆን ነው፡፡ አሁን ያለው ሁለት ሶማሊያ በኔ አስተያየት ረጅም የሚጓዝ አይደለም፡፡ ከጥቅም አንፃር ካየነውም፣ ለኢትዮጵያም ሆነ ለሶማሊያ አይጠቅምም፡፡ በኤርትራና በኢትዮጵያ በኩል ስናየው፣ ኤርትራ የምትፈልገው ድንበር ሊኖር አይችልም፡፡ ይህን ደግሞ ሁለቱም አገሮች ያውቁታል፡፡

    የኤርትራ ሁኔታ ከኢሳያስ በኋላ አዲስ መልክ ይይዛል፡፡ በአዲሱ ሁኔታ የኢትዮጵያ ሚና ምን ሊሆን እንደሚችል በሚገባ ማጤን ያስፈልጋል፡፡ የኢትዮጵያ የውጪ ጉዳይ ፖሊሲ የኢትዮጵያን ጥቅም ለመጪው ሁለት መቶ ሶስት መቶ አመት ሊያራምድ የሚችል ሆኖ መቀረፅ ይገባዋል፡፡ የኢትዮጵያን የፌደራል አወቃቀር እንዴት ያዩታል፧ አወቃቀሩ በፌደራል መሆኑ ጥሩ ነው፡፡ በብሔር መሆኑ ግን መጥፎ ነው፡፡ የኢህአዴግ መንግስት ያደረገው ትልቁ ሽተት ነው፡፡ ፌደራል ስርአት በፊትም የነበረ ነው፡፡ የኢትዮጵያን የኋላ ታሪክ ካየሽ የፌደራል አወቃቀር አዲስ አይደለም፡፡ ንጉሠ ነገስት ስንል እኮ ንጉሶች አሉ፡፡ ከበላያቸው ንጉሠነገስት አለ ማለት ነው፡፡ አካባቢያዊ ፌደራሊዝም ነበር፡፡ የኤርትራ ህዝብ አሁን ያሉበትን የነፃነት ሁኔታ ከቀድሞው ጋር ሲያስተያዩት ምን ትርጉም ይሰጥዎታል፧ እኔ እኮ በመጀመሪያም ኤርትራውያኖች ከማን ነው የሚገነጠሉት የሚል አቋም ነው ያለኝ። ማነው ከማን የሚገነጠለው፧ የደቡብ ወይም የኦሮሞ ህዝቦች እንገነጠላለን ቢሉ ኖሮ ምክንያት ነበራቸው፡፡ የኤርትራ የነፃነት ጥያቄ በተነሳበት ወቅት ኤርትራውያኑና ከላይ የጠቀስኳቸው ህዝቦች በኢትዮጵያ ውስጥ ያገኙትን እድል (ጮምፓራቲቨ ኣድቫንታገ) ስናይ፣ ኤርትራውያኑ በጣም ተጠቃሚ ነበሩ፡፡ (በጣሊያን፣ በእንግሊዝ፣ በፌዴሬሽኑ ዘመን) በ፩፱፷ዎቹ የአዲስ አበባ ሀብታሞቹ እነሱ ነበሩ። በትምህርት መስክ ሃያ አምስት በመቶ የአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ተማሪዎች ኤርትራውያን ነበሩ። የሁለተኛ ደረጃ ተማሪዎችንም ካየሽ ፪፭ በመቶ የሚሆኑት ኤርትራውያን ነበሩ፡፡ ከተማረው ሰላሳ አምስት በመቶው ክፍል ኤርትራውያን ነበሩ፡፡

    ይህን እድል ያገኙ ሰዎች ከኢትዮጵያ እንገነጠላለን ሲሉ ምክንያቱን ለማግኘት አስቸጋሪ ነው፡፡ ምንም ምክንያት አልነበራቸው፡፡ ለነፃነት የተደረገው እንቅስቃሴ ፴ አመት ቢፈጅም ስልሳ ሺህ ሰው ቢሞትም በቂ ምክንያት አልነበረውም። የኔ ጥናት የጣልያን ቅኝ አገዛዝ በኤርትራ የሚል ነው። እንዲገባኝ ሞክሬያለሁ፡፡ ኤርትራ ከኢትዮጵያ መገንጠል እንዳለበት የሚያሳይ ምንም ነጥብ አላገኘሁም፡፡ ነፃ ወጣን አሉ፡፡ ሁለት አመት ሳይቆዩ እኛ የታገልነው ለነፃነት ብቻ አይደለም፤ የኛ ዕድል ከኢትዮጵያ ጋር ነው ማለት ጀመሩ፡፡ ይህን የሚሉት ተገደው ነው፤ ምክንያቱም የኤርትራ ኢኮኖሚ ከኢትዮጵያ ተገንጥሎ በራሱ ሊቆም የሚችል አይደለም፡፡ ኢትዮጵያ ልዩ አገር ነች፤ ነፃነቷን ጠብቃ የቆየች አገር ናት፡፡ የኤርትራ ቴሌቪዥን በቅርቡ “ዓንቺአንት ዐሪትረኣንስ” (የጥንት ኤርትራውያን) የሚል ዶክመንተሪ አቅርቦ ነበር፡፡ አይተውታል፧ (ረጅም ሳቅ) አላየሁትም፡፡ ግን ምንም አዲስ ነገር አይፈጥርም፡፡ ወጣቶቹ ኢትዮጵያን አያውቋትም፤ ነገር ግን መንግስት የሚያደርገው አንድ ነገር ነው፣ ህዝቡ የሚያስበው ሌላ ነገር ነው፡፡

    መንግስት በቴሌቪዥን የሚየሳየውና ህዝቡ የሚመኘውና የሚያስበው ሌላ ነው፡፡ እስከቅርብ ጊዜ የኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ከኢትዮጵያ ብትለያይም በድብቅ ወጣቶቻቸውን ለትምህርት ወደ ቤጌምድር (ጐንደር) ይልኩ ነበር፡፡ የኢሳያስን መረጃ በማየት ድምዳሜ ላይ መድረስ አይቻልም፡፡ ኤርትራዊውን ማን አገኘው፡፡ የተለየን ነን የሚል አቋም የት ነው ያለው፧ በኤርትራ የኢትዮጵያዊነት ስሜት ምን ያህል አለ ለሚለው መልስ ለማግኘት ድንበሩ መፍረስ አለበት፡፡ ለሁለቱ ህዝቦች መፍትሔ የሚሆነው በኤርትራ በኩል እየተጠየቀ ያለው ድንበር ሲሰመር ሳይሆን ከደርግ ሽንፈት በኋላ የተሰመረው መስመር ሲፈርስ ነው፡፡ ትናንት በአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ቋንቋ፣ እውቀት እና የጋራ ህልውና በሚል የውይይት መነሻ ጥናት አቅርበዋል፡፡ የኢትዮጵያ ትምህርት ላይ ጥናቶችን አድርገዋል፡፡ ዕይታዋ ምንድን ነው፧ ዋና ጥናቴ እሱ ነው፡፡ ትምህርት በጣም ተዳክሟል፡፡ የተዳከመው በሁለት ምክንያት ነው ብዬ አስቀምጣለሁ፡፡ አንዱ ያለዕቅድ መስፋፋቱ ነው። የሚፈለጉ ህንፃዎች፣ አስተማሪዎች፣ መፃሕፍቶች ሳይሟሉ እንዲሁ ሠፍቷል፡፡ ሌላው ዋነኛ ምክንያት የቋንቋ ጉዳይ ነው፡፡ እንግሊዝኛ ቋንቋ አያዋጣንም፡፡ በራስ ቋንቋ መማር የህልውናና የመበት ጥያቄ ነው፡፡ ዜግነትዎ ከየትኛው ነው፧ ስዊድናዊ ነኝ፡፡

POST A COMMENT