Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅናትኪ ሸጥ ይበል!

ቅናትኪ ሸጥ ይበል! ኣደይ ተለመኒ ስምዕዮ ኣውያተይ ከንቱ እናሓለፈ ዕድመ ንእስነተይ ምጥቓዕ ገዲፍኪ ምውዳስ ዓመጽተይ ይጠፍእ ኣለኹ ኣድሕኒ ህይወተይ! ብመስዋእቲ ኣሕዋተይ ወለደይ ከይድብስ ጀራዲን ጀነራል ክጽሂ ክኹስኩስ ኣደይ *ንዘለምቲ ረሃጸይ ከፍስስ          *ንጨቆንቲ፡ ንረገጽቲ ኣብ መሮር ሰፊረ ኣይነግድ ኣይሓርስ ብረት ተሓጊጠ ክዋጋእ ክትኩስ ክሕሉዎ ይሓድር ሰማይ ንኸይፈርስ! ነቶም

ቅናትኪ ሸጥ ይበል!
ኣደይ ተለመኒ ስምዕዮ ኣውያተይ
ከንቱ እናሓለፈ ዕድመ ንእስነተይ
ቓዕ ገዲፍኪ ምውዳስ ዓመጽተይ
ይጠፍእ ኣለኹ ኣድሕኒ ህይወተይ!
ብመስዋእቲ ኣሕዋተይ ወለደይ ከይድብስ
ጀራዲን ጀነራል ክጽሂ ክኹስኩስ
ኣደይ *ንዘለምቲ ረሃጸይ ከፍስስ          *ንጨቆንቲ፡ ንረገጽቲ
ኣብ መሮር ሰፊረ ኣይነግድ ኣይሓርስ
ብረት ተሓጊጠ ክዋጋእ ክትኩስ
ክሕሉዎ ይሓድር ሰማይ ንኸይፈርስ!
ነቶም ዘዕበዩኒ ለዋሃት ወለደይ
ጠዊረ ክኣሊ ከይነብር ኣብ ዓደይ
መሮር ዘስፈሩኒ ርጉማት ጸላእተይ
ሓሶት መደረኦም ኣይትእመንዮ ኣደይ
ፍትሑዎ በልዮም ካብ መቚሕ ንወደይ!
ኣደይ ንባርነት ስለ ዘይኮነንኪ
ኣርሒቐ ክስደድ ጠፊአ ውላድኪ
*ቃጽዖና ሓዲሩ ሰኣን ዝሓርሰልኪ      *ንእሽቶ ግራት
መሸላ ብኩፖን እናተቐለብኪ
ክሳዕ መዓስ ኢኺ ክትቀልዒ ጉልባብኪ
ናብ ቤተይ ክምለስ ክመልእ መሶብኪ
ይኣክል በልዮ ንምሕደራ ምልኪ!
ዋላ እተን ውሑዳት ደቀን ዝሓቈፋ
ከምኡውን መኻናት ሓድጊ ዘይገድፋ
ኣብ ቅርዓት ወጺአን ምልኪ እንተ ደገፋ
ሰብ ፍሉይ ረብሓ’የን ናይ ጥቕሚ ሓለፋ
‘ንሕና ንሱ” ክብላ ብዙሕ ተለፍለፋ
በድህየን ኣደይ ከይቆረጽኪ ተስፋ!
ከበሮ መላኺ ዋጣ ካድራቱ
ኣደይ ብዳንኬራ ቀልብኺ ዘሚቱ
ኣብ በረኻን ባሕርን ደቅኺ ኣጽኒቱ
እናረኣኽዮ ሃገርና ኣጸልሚቱ
ይኣክል ከይትብሊ ጸይቂ ተግባራቱ
እንታይ ዓቢሱዎ ልሳንኪ ለኺቱ!?
ፍረ ናይ ማህጸንኪ’ወ *ባልዋ ክጨውየኒ                *ኣርሓ መፍለስ
ውላድኪ ክድሃኽ እናረኣኽኒ
ክንዲ ንምድሓነይ *ኣሶት እትኾኒ                     *ፈውሲ፡ መድሃኒት
መግዛእቲ ባርነት “ከም ሰብካ’ዩ” ኢልክኒ
ሓልዮትክን ፍቕርን ምስ ሰኣንኩ *ሕጽኒ                *ሕቊፊ፡ ኣፍ ልቢ፡ ጓጓ
ሃጽ ኢለ ጠፍአ ባሕሪ ውሒጡኒ!
ዘይክማህ ጽንዓትኪ መሬት ከም ዘንቀጥቅጥ
ኣደይ ካብ ታሪኽኪ ጽቡቕ ጌረ’የ ዝፈልጥ
እንታይ ደኣ ሎሚ ድምጽኺ ዘጽቅጥ
ሽግርን መከራን ምልክነት ክቕንጥጥ
ንህባዊ ማዕበል ክርቢት ዘይሽርጥጥ!?
እዛ ሃገር ሰማእታት ግዳይ ናይዚ ገበል
ካብ *ሃግል ካብ ስደት ህዝባ ክገላገል     *መቚሕ
መግዛእቲ ድያብሎስ ካብ ሱሩ ኪንቀል
ሸሞንተ መጋቢት ብግብሪ ክትጽንበል
ኣደይ ከም ቀደሙ ቅናትኪ ሸጥ ይበል!
ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ!
ሓው መሲናስ ብስም ኣሰና 08-መጋቢት-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ERITRAWIT March 9, 2014

    Mesinas,
    Beautiful poem very sad we have two different Mothers in Eritrea shame to HGDEFAWYAN tebelestey.

  • Habte Kifle March 10, 2014

    Great Poem brother!!!!
    Our pen should not stop until the Eritrean suffering stops!!!

    God bless you!!!

  • Yemane Johar March 10, 2014

    Well done!

  • Selomon March 11, 2014

    Wonderful ploem.hopfully our mothers will understand how far is hegdef killing inocent eretrean for nothing

POST A COMMENT