Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅንያት ‘ሃገር ጥራይ ትሃሉ’።

ቅንያት ‘ሃገር ጥራይ ትሃሉ’።                   05-07-14፡ ከምቲ ናይቲ ጨጓር ከልቢ፡ ወያ ‘ኣላትና’ እንብላ ሃገርና ምህላዋን ዘይምህላዋን ካብ እንስከፈላ ሓያለይ’ዃ እንተሓለፈ፡ እንሆ ድማ ሎ ሚ ደረጃኡ ብዘየገድስ ኩሉ ኣባል ህግደፍ ኣውራ ድማ ሰበ-ስልጣናትን ኣለዉ ዝበሃሉ ስነ-ጥበበኛታትን ብእግሪ ኣያ

ቅንያት ‘ሃገር ጥራይ ትሃሉ’።                   05-07-14፡

ከምቲ ናይቲ ጨጓር ከልቢ፡ ወያ ‘ኣላትና’ እንብላ ሃገርና ምህላዋን ዘይምህላዋን ካብ እንስከፈላ ሓያለይ’ዃ እንተሓለፈ፡ እንሆ ድማ ሎ ሚ ደረጃኡ ብዘየገድስ ኩሉ ኣባል ህግደፍ ኣውራ ድማ ሰበ-ስልጣናትን ኣለዉ ዝበሃሉ ስነ-ጥበበኛታትን ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ንንግደት ቦ ለኛ ክጽንበሩዎ እንተተኣዘዙ ግደፍ ከምቲ ቀደሙ “ሳላ’ዚኦም ኢያ ሃገር መጺኣ” ክበሃል እንከሎ ዝነበረስምዒትን እምነትንሲ ሎሚ’ሞ ወጅሆም ብደባን ምስሊ ተረፍ ላምፓዱዛ ቀምሲሉ ተኾሚሮም ክራኣዩ ኣዝዩ ዘሕንኽ ዝኽሪ ኣርባዓ ዓመት ፈንጠዝያ ቦለኛ ምዃና ካብ ምግሃድ ሓሊፋ እቲ “እነና እነና” ምባል ምንም ዝፍውሶ ሕማም ከምዘየለ ከምጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ይርአ። ንምዃኑ ታሪኽ ተወፋይነትን ጽንዓትን ህዝብና ኣብ ቦለኛ ይጽምበል ምንባሩ ንዓና ንሃገራውያን ጓና ካብዘይኮነ ናይ ሎሚ ክንድኡ መለኸት ከድኣ እንታይ ኢዩ ጣቛኡ?

ድሮ እቲ ዝኸውን ዘሎ ንሪኦ ኣለና። እቲ ረጽምን ካልእ ሳዕቤንን ንምውጋድ ብኣዚዩ ውሑድ መጠን ካብቲ ዝተበገሰ ዝሳተፍ ዘሎ ሃገራ ዊ መልእኽቱ ብዝግባእ ከምዘመሓላለፈ ይርአ ኣሎ። ወዮም ዝበዝሑ ናይውሽጦም ቅሳነት ክዕቅቡ ዘይከኣሉ ዘይናይሓቂ ኣባላት ህግደፍ ግና ኣሽንዃይ ከምቲ ሕሉፍ ብወኒ ቦለኛ ክሰራሰሩስ በቶም ገበነኛታት ተዓብሊሎም ግዱድ ከኹድዱ ፍሽኽታ’ዃ ንጋዳ ኮይኑዎም ክትር ኢ ብሓቂ እንታይነት ደምበ ህግደፍ ዘግሃደ ፍጻመ ኮይኑ ይሓልፍ እንሆ። ወይልኡ ብውሽጡ ደም እናጎስዐን ስሚ እናተነዝሖን ክሳብ እ ዋኑ ክመስል ዝተገደደ እምበር ግርህና ናይተን ብምፍርራህን ሽሕጣንን ዝተኣኻኸባ ተመነይቲ ጽቡቕ ድሉላት ኣዴታትሲ ብእዋኑ ፍሉጥ ነበረ። መብዛሕትአን ምስዕድመአን ዝቀዳደማ ኣሕዋትና፡ ደርሆ ሆላንዳ ክመስላ ናይ ጓሂ ድዩ ታሕጓስ ብዘይፈሊ ኣፍልበን እናጸፍዓ ደ ሚቐን ክጎማጸጻ ተራእየን። ዝኾነ ኮይኑ ተግባራተን ብጭቡጥ ገላጺአን ኢዩ። ዘሽከርክርኦ ዝነበራ ጽላውልቲ ድማ ካብ ጭንቀተን (ስት ረሰን)  ዘናግፈን ዘይኮነ ዝያዳ ንምስሊ ጽላል ቀባሮ ብምዕዳሙ ፈስቲቫል ቦለኛ ግሩም ትእምርቲ መሰነባበቲት ክትከውን ንምነ።

ግና በቲ ሓደስ ሓቀን ኢየን። ዘይጓይላስ ሳላ ህግደፍ ኢየን ረኺበንኦ። ኩለን’ተን ካብ ናብራአን ዘዝሓከላ “ንኢሳይያስ ድኣ ንሱዶ በዚሕ ዎ”ኢልካ’ዩ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ። ብወገነይ “ሓቅኽን ኩሉ ሳላኡ ኢዩ” ክትብሉወን ይሕሸኩም። ምኽንያቱ እተን ብምዕዶ ፍትሕን ጥልመ ትን ልበን ዝሸፈተ ኣይናትኩምን ኢየን’ሞ ሞት፡ ጥምየት፡ ስደት፡ ሕዱር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኩሉሳላ ህግደፍ ምዃኑ ኣበይ ኢለንኦ።

“ኣብ ምንትምንታይ ኢዩ ሕጂ’ዚ ኩሉ ፋምጣጥ”? ኢለ እንተሓተትኩ ኣበሃህላይ ግልጺ ክኸውን ተስፋ እገብር። ቅድምስ ሃገርና ካብ መግዛእቲ ንምሕራራ ኣብዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ ንምሕያል ነበረ። ሎሚኸ ብህግደፍ እንታይ ዘይተገብረ ተሪፉ? ሃገር ክንዲ ዝተደኩዐት? ህዝባ ተሰዲዱን ብሕሰም ናብራ ተኻኢሉን ኣብ ኣፍደገ መቓብር ክንዲ ዝተሰርዐ? መሬታ ክንዲ ዝባደመ? መንእሰያ ክንዲ ከምኣቕሓ ዝተሸጠ፡ ዝተሰደደን ትሕቲ ንቡር ክንዲ ዝተናዕቀ? እታ ዝመትናላ ናጽነት በላዒት ህዝባ ኮይናስ ከምቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ናይ ኢሳይያስ ተመሊስና ጸባ ጡብ ኢቲዮጲያ ክንልሑኽ ክንምነ ምእንቲ ብመንግስቲ ኣስመራ ዘይተፋሕሰ ነገር የለን። ሓመደዕደ!!!

መቸም እቶም ከቢቦሙና ዘለዉ ተጻብኦታት ክሳብ ግዜኦም ተቐላዕቲ ብዘይምዃኖም ብሓደ ጎድኖም እናረኣና ኣማዕዲና ናይ ማዕዶ ጸ ላእቲ ክንጽብጽብ ግዜ ቀቲልልና ኣሎ። እቲ ኣውራ ዝኸፍአ ንእንታይነት ውሽጣዊ ፍጻመ ንዝምልከቱ ሕቶታትና ከይተመለሱ ወይ ከይ ዓገብናሎም ሕቶታት ኣብርእሲ-ርእሲ ኣዕለቕሊቑና። ብፍላይ ሎሚ ኣብዞባ ህግደፍ ሓታቲ የለ መላሲ ኩለን ኣዒንቲ ፈረረር ኮይነን ተሪ ፈን። ሓቂ ኢዩ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከምኡ ክኸውን። እቲ ቀንዲ ዓላማ’ኮ ኤርትራውነት ንምጥሓን ኢዩ። ኣይተረደኣናን ክኸውን ይኽእል  ‘ምበር ንሳቶምስ ነዚ ክፉእ ጥልመቶም ከም ምዕቡሉ ፖለቲካ ኣዝዩ ዘጃህሮም ምስክር ወረቓቕቲ ስለዝተሸለሙሉ፡ ንፈተነ ድማ ኣብ ው ሽጢ ሰብና ስለዝነዝሕዎ ንእዋኑስ ዓገብ ብሃሊ ተጓዲሉ ኣሎ። ንሳቶም ኩሉ ሰብ ጥርሑ ከምዝኸይድ ኢዩ ሕልናኦም። ኣብ ውሽጢ ዕር ቃኖም ዝወጹ ዝሕወስ ክዱን ድማ ገበነኛ ኢዩ። ምስ ሓሰውቲ፡ ህዝቦም ዘጥፍኡ ጣልማያት ዝሕወሱ ዓገብ በሃልቲ ጸረ-ሃገር ክጽብጸቡ ን ካልእ ማእለያ ዘይብሉን ብኽለት ተዓጢቑ ኣሎ ህግደፍ።

“እንታይ ዝኸውን ምንባር?”….ዝብል ዜማ ምስተኻዕበ ዳግማይ “ጥራይ ሃገር ትሃሉ”….ዝብል ድማ ሰዓበ’ሞ፡ ደርፊ ድማ ከም መሪሕ ክ ዉንነት ገይሮም ዘዝተርጎሙ ዘበሉ ታሪኽና ዝድህኽ ጥልመት ብምቑጻር ተቓውሞ ከስምዑ እንከለዉ፡ ገለ ‘ሓኸለቶት ኢና’ በሃልቲ ግና ሃገር ነይራን ከምትነብርን ኣምሲሎም ክውርቕዎ ተሰምዑ። እንተኾነ ኣበሃህላኦም ሃገር ብዘይህዝባ ትመስሎ ምስሊ መለሳ ዘመነ-መግዛእ ቲ ሓድሽ ክዉንነት ከምዘይብሉ ከረድኡ ብዘይም ኽኣሎም ሓሳባቶም ወካሊ ዝበረቐ ጸሓዮም ዝነገሰ ንጉሶም ምዃኑ ክሓብእዎ ኣይከኣ ሎምን።

ንነገሩ እታ ‘ከምሓኸለ’ ዝምስሉዋ ‘ዓዲ በይኖም’ እንተኾይና ንምንታይ ከምሓኸለ ክምስልዋ መሪጾም ክንሓስብ መመሊሱ ዝደንቕ ዛን ታ ክንሰምዕ ንኽእል። ‘ግርም’ ኢልናዮም ክንሓልፍ ዝከኣል’ዃ እንተኾነ ተመሊስና ስለንረዳዳእ ኣቐዲምና ክንገዳዳዕ ኣይጽቡቕን ኮይኑስ ከምርኢቶ ‘ኣይፋል ንጤሳኹምሲ ሕሰቡሉ ድኣ’ ምባል ኣይንገድፍን። ንእግረመገድና ድማ ምሩጽነት ሓኸለ ጥራይ እንተተራእይዎም ሓ ኸለ ድኣ ኩሉ እንዳኣሉ ደላይኣ! ደላይኣ ጥራይ ኣይኮነን። ንጸላኢኡ ዕረ ንፈተውቱ መዓር ክኸወን ጽቡቕ እንተኾይኑ ብፍላይ ንሓኸለ ዘ ይቁርጥም ኣስናን’ኮ የለን’ሞ ንሶምከ ንወዮ ሓኸለኦም ንመን ይምነይዋ ኣለዉ? ናብታ ሓርነታ ሓርጃ ንርእሳ ዑቕባ ትልምን ዘላ ህግደፍ!!

ቁንቁኛ ዘመናዊ በዓላት ህግደፍ ብከምቲ ዝውረየሉን ዝጉስጎሰሉን ኢልካን መሲልካን ምሕላፍ ዝገደደ ሓላፍነትካ ምዝንጋዕ ኢዩ። ብቐ ዳምነት ዘይንብሩነቱን ዘይዓለማውነቱን ተራእዩ ኣተዓዛዛቢ ኢዩ። ብኣውራኡ ህግደፍ እዚ ከምዚታት ዝዓይነቱ ፌስታን እልልታን ንገለ ድብያ ከምዘጻውዶ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ሰብ ናብ ጓይላን እልልታን ሰዲዱ ድሕሪ ፋም-ጣጥ ናብ ኣውያት ክድርግመና ካብ ዝበ ላሓት ክንዲ ዕድመ ስልጣኑ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ሓንቲ ካብቲ መዋእሉ ዝተጠቕመሉ መቃብር ጽንተት ንዝኾነ ቆፎ ጥበባቱ ናይ ቀረባ ኣብነት ዝኽሪ 30 ዓመታት ዓወት ግምባር ሰሜናዊ ሳሕል ንምኽባር ምሽብሻብ እናተገብረ፡ ኣብቲ ስዩም ግሪፒ ሸሞንተ ምኢቲ ብጥምየት ዝነሃላ ሃገራውያን ኣዒንቲ ኣብ ሓደ ንማሕረዲ ዝ ተቐረበ ገመል ዓሪፈን ዝረኣየሉ ጻልጣ ጎልጎል ድርባቦ፡ ኣብታ ምኽንያታ ተሸፊኑ ዘሎ ዝመስሎም ናብ ኩባያ ዝተቐየረት ዃዕናን መኪና ቤተ-ህግደፍ ዝነበሩ ዕዱማት ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ከምዝተገደዩ ብእዋኑ ተገሊጹ ኢዩ። ሰለስቲኦም ብኡንቡኡ ክዓርፉ እንከለዉ ናይ ‘ቶም ዝተረፉ ድማ ጽባሕ ክንገር ንጽበዮ ኢዩ። ሽዑ ኣብ ማይህሚመት ጓይላ፡ ኣብ ጎልጎል ሞት ድማ ኣውያቱ ዘይተሰምዐ ናይቲ ሰጣሕ ጎልጎል ቅዝፈት ዘሕለፈት ክርታትያ ነብስናስ ኣብ ፈንጠዝያ ዝኽሪ 40 ዓመታት ቦሎኛኸ ኣእዛንና እንታይኮን ይሰምዓ ይኾና?……….

ኣንታ “ለታይተላዓሊንኺድዓድና’                                                                                                                                           ኢልኩምዶኣይተፋነኹማን ‘ታቦለኛ                                                                                                                 ብኣዋጅ ወጺእኩም ጠርኒፍኩም ባልጃ                                                                                                                   እንታይ ኣምለሰኩም ድሕሪ መጋረጃ።………ክብክ ብወረጃ ቃላት ሓቲቱ ኣሎ ኣሰና።

ሓቁ፡ ሎሚ ድማ ገለስ ተጻዊድልና ክኸውን ኣለዎ! ንነገሩ ክንድኡ ሰበ-ስልጣናትን ስነ-ጥበባውያንን ቀራሪምካ ጉዕዞ ናይ ጣቓዶ ትብልዎ? ዘይጠቕሞ ሰንፈላል ዝልቡ ክኸደሉ ዝምነ መራሒ እዞም ልኡኻቱ ብዝኸዱዎ እንተዀብለሉ እንታይ ግዱ!! ብተንኮል ፕረሲደንት ኢሳ ይያስ ዝሰክሐት ልቢ ግን ብልሕጺ ክትዳሃል ጥራይ ዘይኮነ ብኣውራኡ መቕለቢት’ውን ኢያ። ብውሽጢ-ውሽጢ ኢሳይያስ ንቦለኛ ከም  ዝመጽእ ክቃላሕ ከምዘይቀነየ እንታይ ንምግባር ዓሊሙ ስለዝነበረ ኮን ይኸውን ንርእሱ ተሪፉ ከምዛ በዓል ደሓን ደቂ-ሃገር ብምስምስ 40 ዓመታት ጓይላ ከጣቕዑ ገሓሒጡ ብምፍናው፡ ንመራሕቲ ደምሕት ናብ ኣስመራ ዓዲሙዎም? እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዙ ንመንግስቲ ኢቲዮጲያ ከምዝተመሓላለፈ ዝፍለጥ ጸሓፊ ናይታ ጉምበት 7ተ ትበሃል ተቓዋሚት ከምቲ ዝሓሰቦ ኣስመራ ጥራሓ እንከላ እንተዝኣቱስ እንታይኮን ምሰዓበ? ብሓቂኸ ኢድ ህግደፍ ካብ ጥፍኣት’ዚ መራሒ’ዚ ሕጽብቲ ድያ ወይስ እኩይ ውጥናታ ፈሺልዋ?

ኦይ!!! የቕልሎ በሉ፡ ሃገር ድማ ጥራይ ድሓን ትሃሉ’ምበር ካብ ወረደ ድኣ ንሕናስ ዘይ ከምቀደምና ክንጋደል ኢና!!!

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Semhar July 10, 2014

    Did you see OUR LIBERATION FLAG in HIGDEF’s camp?

    NO, NO…you can see only ISAYAS’s FLAG!

    You can only see two flags made by the tyrant Isayas!
    {Before and after Independence}

    Two flags made by Isayas,
    Belong to the tyrant ISAYAS,
    And represent the tyrant Isayas!

    The only way to victory is to untie all our nationalities, our original provinces and raise our original flag, (SEMAYAWIT BANDERANA).
    We did it in our struggle for independence and we succeeded.
    We will do it again!
    Our victory is certain!

    TIME FOR all freedom fighter Eritreans to raise only one flag,
    OUR LIBERATION FLAG!

  • aus 17 July 10, 2014

    Don’t you see the four TEMBEN BOYS in one basket! wonderful, they hugg one another and swear with blood and sweat not to leave the rule, the power even if it costs the whole nations destiny. They laugh to one another…and ask where are the indigenous? The other replies.. don’t you know they are serving us in…the natives..yes we did call them thiefs, betrayers, sold outs. amazing, aren’t we asmarinos smart? Yes, temben was oppressed then, shouldn’t we have our share because any monkey rules its time. excuse me we have real monkey’s too advicing the top temben.

POST A COMMENT