Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅዋም …..

                                     ቅዋም ወዲ(ጓል)-ኣርባዓ፡                        04-06-14. “ወዲ-ኣርባዓ” ክበሃል እንከሎስ ከምሓደ ተኣፋፊ ቃል ይውሰድ ይኸውን። ከምኡ ድማ ወደ-ባትን ወ ዲ-ጓናን ናይ ምጉናይ

                                     ቅዋም ወዲ(ጓል)-ኣርባዓ፡                        04-06-14.

“ወዲ-ኣርባዓ” ክበሃል እንከሎስ ከምሓደ ተኣፋፊ ቃል ይውሰድ ይኸውን። ከምኡ ድማ ወደ-ባትን ወ ዲ-ጓናን ናይ ምጉናይ ባህጊ ወይ ዓላማ ብዘለዎም ሰባት ዝዝረብ ይመስል ኢዩ። እንተ ብወገነይ በዛ እ ዋን’ዚኣ ገለካብቲ ብቐደሙ ግር ዝብለኒ ዝነበረ ዝወለዶ መስርሕ ምትእስሳር ናይቲ ነገር ከውግዕ ክብ ል እንድየ፡ ሓደ ግዜስ ገለ ፍሉያት ምዙዛት ጉጅለ፡ ዓዲዓዲ እናኸዱ ‘ደቀርባዓ’ ዝባሃሉ ደቂ-ዓዲ ክም ምዝግቡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ሽዑ እቶም መዋግዕቲ እቲ ነገር ከም ተራ ዕላል’ ዃ እንተተዛረብናሉ፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኡ ኮነ ንምንታይነቱ ብዝምልከት ዝበጻሕናዩ ጭቡጥ ትንተና ኣ ይነበረን።

ግዜ ነፈጸ፡ ነገራት ከኣ ተቐያየሩ። ሎሚታት ድማ ንዓይ ንድሕሪት እናተመለስኩ ገለ ነገር ሕሹኽ ክብለኒ ጀመረ። እታ የማነ ህበይ ተኾልኲልዋ ከም ዝመጸ ዝውረየላ ሰልፊ ህግደፍ፡ ዋላ’ዃ ቅድሚ ናጽነት ትጀምር፡ ዝዓንተረትላ ግዜ ግን ኣብ ሳልሳይ  ጉባኤ ውድብ ህ.ግምባር ከምዝነበረት ኩልና ንፈልጦ። ብዛዕባ ሽዑ ዝነበረ ኣተዓዳድላ ስልጣን ንዝምልከት’ውን ዝተዓዘብና ዮ ነገር እናሓደረ ናበይ ገጹ ከምዝተጠምዘዘ ከየተኮርናሉ ኣይሓለፍናን። እቲ ምስጢሩ ኣብ ግዜ ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ዃ እንተተቓልዐ ብዘይካ’ቶም ብስኽራን ህግደፋውነት ልቦም ዝተሰልቡ ገዲፍና ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ኣካይዳ ህግደፍ’ዃ እንተዘይማእምኦ ብጋህዲ ክዛረብ ግን ኣይከኣለን። ክሳብ’ውን ብገለገለ መደናገርትስ ከምዚ ድሒሩ ዝተጋህደ “ቃልን ምስልን ተጋዳላይ ኣይተርኡይና ኣይተስምዑና” ከምዝበሃል ተገብረ። መቸም’ቲ ሽዑ ተጋዳላይ ብዘይምርጫኡ ተሓፊሱ ኣባል’ታ ህግ ደፍ ዝተሰምየት ግህድቲ ሰልፊ’ዃ እንተተቖጸረ፡ ብውሽጢ-ውሽጢ ዝግበር ዝነበረ ኣይተሰወረን’ሞ ቃልስና ንባንዴራ ጥራይ ብዘይምንባሩ ብጋህዲ “ቕዋም ይተግበር” ስለዝበለ ጥራይ ክሳብሎሚ ተተሓፊሱ ክእሰርን፤ ብስዉርን ግህዶን፡ ብውልቅን ጅ ምላን ንጠፍእ ኣለና። ገና ግን እዚ እናኾነ ድማ ዘቑጸልጸለ ዊንታታቱ ዝዋሓጦ ሰብ ከምዘሎ ይርአ ኣሎ። እንታይ’ዩ ወሪድና!

ቅዋማዊ ስርዓት ሎሚ ስለዝተባህለ ኣይኮነን ዝጥለብ ዘሎ። ሃገርና’ኾ ብዓንተቦኣ ዓዲ ቅዋመ-ዲሞክራሲ፡ ዓዲ ሕግን ፍትሕን ኢያ። ንበል ንምሕደራ ብዝምልከት ቀደም “ምረጹኒ ከመሓድረኩም” ዝብል ደላይ ስልጣን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ “ካባናስ ንስ ኻ ትሓይሽ’ሞ ምርሓና ድኣ” ተባሂሉ ነበረ ብክብረት ቆጽሊ ዝዕደል ዝነበረ። ውድድር ዘድሊ እንተነይሩ ድማ ብዘይካ’ቲ ጎዳ ኢ ነገራቱ ብስምምዕ ይትግበር ነበረ።ሽዑ’ቶም ስልጣን ዝተዋህቦም ኣመሓደርቲ ብዝነበሮም ዓሚቕ ፍልጠት ትውልዲ፡ ደቂ ዓዶም ይፈልጡ ሰብጎረቤትን ርሑቕን። ከምኡ’ውን ደቂ-ኣርባዓ ይፈልጡ ደቀባት። ንትግባረ ስራሕ ክጥዕሞም ፈጸምቲ ሽማ ግለታት’ውን ይመርጹ ነበሩ። ሽማግለ ብወገና ጋሻ ጸልማት ትፈልጥ ጋሻ ቀትሪ። መሬት ጤሳ ትፈልጥ መሬት ጽልሚ ኮነ መ ሬት ዓድን መንግስትን። ከምኡድማ ዝሕዛእ መሬት ትፈልጥ ዝሰዓር። ግዜኦም ዘብቅዑ ኣመሓደርቲ’ውን ከምቲ ኣደያይባኦም ‘ይኣኽለኒ’ ስለዝብሉ፡“ይኣኽሎም፡ የዕርፉ ኣብርይዎም” ተባሂሉ ንኣሽቱ ይምረጹ ከምዝነበሩ ኩሉና ንዝክሮ ኢና። ልዕሊ‘ዚተ ተሰኒዑ ዘዝመጸና ፋሽን ዲሞክራሲ ክንቅበል ናይ ኣባትና ኣጥፊእና ከምዘለና በታ ዘይስልጥንቲ ዓቕመይ ኣጸቢቑ ይስቖረኒ’ዩ። ዝኾነ ሰብ ዓዲ ስለዘለዎ ድማ ነዚ ዝበልኩዎ ይፈልጦ ኢዩ። ግን እንታይ’ዮም ዝብሉና ዘለዉ ወዮም ሰብ ሓደስቲ መተርኣስ?

እቲ ንምስረታ ሰልፊ ህግደፍ ተሓንጊጡ ከምዝተጋደለ ዝውረየሉ የማነ ህበይ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ዝኽሪ ናጽነት ብዛዕባ ተምሳሌት ስኑዕ ኣተገባብራ ትሕዝቶ ቅዋም ክዛረብ እንከሎ መዳርግቲ ከምዘይነበሮ’ዃ እንተተኣማመነ ብኣውራኡ ግዳ ክምልሱሉ ዝኽእሉ ከምዘይህልዉ ርግጸኛ ኮይኑ ኢዩ ብዘይካ’ታ ምርጫ ፕረሲደት ካልእ ኩሉ ትሕዝቶ ቅዋ ም ከምዝትግብርዎ ዘውሪ ዝነበረ። ብጣዕሚ’ዩ ድማ ዘሕዝንን ዘስሕቕን። የማነ ቅድሚ ኣብቲ ኣኼባ ምእታዉ “ቅዋም ትሰር ሑላ እንተኣሊኹም ንምንታይ ምርጫ ዘይግበር? ዝኣሰርክሞም ሰባት እንታይ ገበን ተረኺብዎም ክሳብ ሎሚ ተሓይሮም? ን ምንታይከ ኣብ ናጻ ቤት-ፍርዲ ዘይተቕርብዎም”? ኢሎም ዝውጥርዎ ሰባት ከምዘይህልዉ ኣቐዲሙ ብኣገልገልቱ ምስኣረጋገጸ ኢዩ ወርዘይዘይ ዝበለ። ነገር ስንቅን ሓሶት ኮይኑ እታ ክስራሓላ ዝጸንሐ ዝበላ ቅዋም ሓሶት ኮይናስ ናብዓላማኦም መብጽሒ ት `ንመጻኢመንግስታዊስርዒትመርሓፖለቲካዊጎደናዚቕይስቅዋምምንዳፍ’ክጅምርምዃኑበዚኣጋጣሚከፍልጥእፈ ቱ` ብዝብል ሓዳስ ፖለቲካ ሃንዲሶም ምህላዎምን ድሮ ናብ ምንዳፍ ሓዳስ ቅዋም ከምተደርገሙን ‘ኣበሲሮሙና’ ኣለዉ።

ናይ ኣቶ ሓጎስ ክሻ ገደደ። ይብል ንሱ “ፕረሲደንት ኤርትራ ኣብ ምርጫ ወሪዱስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከይተመርጸ ኣብ ኤር ትራ ኮፍ ዝብል ኮይኑዶ ይስማዓኩም ይኸውን? እቶም ከምኡ ትሓስቡ…..’ቲ ምርጫ ጌርናዮ ኣለና’ ኢልና ሓደመዓልቲ ውድ እ ምባሉ ኢዩ። ጽባሕ ግን ካልእ ክመጽእ ኢዩ። እቲ ምርጫ ናይ ሓቂ ኣይኮነን ናይ ሓሶት ኢዩ ተገይሩ፡ ከምዚ’ዩ ከምቲ’ዩ። ንሕና ካበይ ተበጊሶም እንታይ ክገብሩዎ ይደልዩ ኣለዉ’ዚ ሃገር ኣጻሪና ስለንፈልጥ..…ጽቡቕ ተፋሊጥና ከኣ ስለዘለና ክሳብ’ዚ ሃገር ብክልተ እግሩ ደው ዝብል ኣመሪካ ዝደለየቶ ኣይትገብር ካልእ ዝደለዮ ኣይገብር፡ ንዓና ዘዋጽኣና ጥራይ ኢና ንገብር”….

ኦይ! ካብ ኣብክንድኡ ጉንዲ መሰል ክሳድ ዝተገጥመ ቆፎ-ቀረንቀራስ ምሒር ምህርቲ ክርከቦ ትሓስቡ ትኾኑ። ብውሽጥኹም ‘ክንድዚ ዕሽነትከ ኣሎ ዲዩ’ ኢልኩም ንነብስኹም እናተወከስኩማ ድንገት’ቲ ከምኡ ዘለፋልፍ ዘሎ ነገር ኲናት ቅዋም ወዲ-ኣ ርባዓ ምዃኑ ከምተገልጸልኩም እመስለኒ። ከምኡ መበልየይ ምስጢር ናይታ መዝገብ ደቂ-ኣርባዓ ስለዘይፈለጥኩዋ ኢየ። ግና ኸ እቲ ክንድኡ ምዕጅውጃው ባዕሉ ምስክር ኢዩ። ማለተይ እንተድኣ ክንድኡ ይተኣማመኑ ነይሮም ክንዲ ዝጸደቐ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ንምንታይ ኣብ ሸፈጥ ኣትዮም? ንነገሩ ኢየ’ምበር ግደፍ ሽዑስ ሎሚ’ውን ድሕሪ’ዚ ኩሉ ንብሕትውና ዝተገ ብረ ህልቂት’ውን ብዘይ’ዛ ምስ መጠኖም ክነድፉዋ ዝሓስቡ ዘለዉ ቅዋም ጓል-ኣርባዓ እንተዘይኮይና እታ ሓፋሽ ዘጽደቓ ሓ ቀኛ ኤርትራዊት ቅዋም ከምዘይተዋጽኦም ስታዅ ቃል ኣቶ ኪሻ መስኪሩ ኣሎ።

ኣብ ዓመተ-2014 ንወያ ብግዜያውነት ዝቦኽቦኸት መንግስትን ኤርትራዊ መንነትን ናብ ቀዋሚነት ንምስግጋር ተባሂሉ ኣብ ዝ ተፈነወ ቤላቤሎ መንነት፡ ሓታቲ ብውሑዱ ክሳብ ኣርባዕተ ወለዶ ክጽብጽብ ከምዝግደድ ዝሰሎኸ ኣኽባር የረጋግጽ። እታ ና ይ ትውልድን ድሌትን መንነት ከምትቕበል ዝኣወጀት መንግስቲ ንምንታይ ክንድዚ ምጉራሕ ኣድለያ? ከይበልና’ውን ኣይንሓ ልፍን። እሞ ደጊመ እዚኸ ንምንታይ ኣድልዩ?

ብኣፍን ተንኮልን ክቡር ፕረሲደንትና ንምሕሳብን ምዝራብን ካብተገደድና፡ ንነገሩ ከምቲ ዝስማዕ ንባዕሉ ወዲጓሎም ንዓዲ- ዱቡስ’ኳ እንተተባህለ፡ ንርእሱኸ ብሓቂ ነዘን ኣርባዕተ ጅር ኤርትራውነት ሰጊርወንዶ ኣይፋሉ? እታ ብእልፊ ክቱር ጎበጨረ ተንኮላት ዳግማይ ንከተምሓርሕር ተዓሊሙ ክሳብሎም ካብ ጽዱቕ ቅዋምን ነባሪ መንነት ኮነ ነባሪ መንግስቲ ተሓሪማ “ግዜ ያዊ” ብዝብል ኣጸዋውዓ ዝሰልከየት ሃገረ-ኤርትራኸ ጥበባቶም ከምዘየዋጽኦም ምሂራ ደጊማ ብደምን ታሪኽን ከምዝተወልደ ት ኣረጋጊጻን ኣእሚናንዶ ‘ኣይፋል’ በሃላይ ኣሎ?

ድምጺ ዶርሆነቆ ኩሉሳዕ ብስራት ወጋሕታ ኢዩ። እቲ ንጣር ዝነበረ ናቋ ምብዝሑ ድማ ርጉጽነት ምቕንጣጥ ጸልማት የበስረ ና። እዚ ብስራት’ዚ ንዝበርትዐ ሓላፍነት ከሸክመና ኢዩ’ሞ ደቂ-ኤርትራ ከምቲ ዜማ ወዲ-ገብሩ ንኩሉ ካብ ኣርከብናሉ ሃየሕ  ጂ’ውን ንኩሉ ንዳሎ ኣይንሕመቕ!! ካብ ኩሉ ከምሕልና ፕረሲደንት ነንሕድሕድና እናኣናቖተ ስልጣኑ ንሳልሳይ ወለዶ ከመ ሓላፍስ ወጢኑ ብምፍሻሉ ዘርኡ ብሕነ ከምዝጭፍጨፉ ይግበር’ምበር፡ ኣብ ርእሶም ይኹኑ ኣብልዕሊ’ዞም ነብሶም ገበነኛ ም ዃና ኣሚኖም ብዘይ ህግደፍ ክሓድሩን ክውዕሉን ከምዘይኮኑ ዝመስሎም ዓገበኛታት ኣባላት ህግደፍ ዝወርድ ደምን ቂምን   ኮነ ኣብልዕሊ ናይ ማዕዶ ኣህዛብ ኣስናንና ከምዘሐርቀምና እንተመሲልዎም ከምኡታት ኣብ ዘብጻሓና ከምዘይብሉ ካብሕጁ ንግለጸሎም። እንተ’ታ ጸሓይ-ፈርሐት ጓል-ኣርባዓ ቅዋሞም ግን፡ ሎሚ ጸሓይና ዓሪባ መሲልዋ’ኳ እንተተቐላቐለት ሃገራዊት ቅዋም ስለዘላትናን ኣብ ልዕሊ ውሳነ ሓፋሽ ዘንሳፍፍ ስልጣን ስለዘየለን ከይተራእየትን ደም ከይዓደመትን ብዘላቶ ትሸረብ!!

ጸሓይና ንኣብልዕልን ትሕትን መሬት ዘለና ሃገራውያን መሊኣ ክትበርቀልና ኢያ!!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Dr.Mesghina Medhin June 5, 2014

    Hi Ammanuel.under what do u think my name and my e.mail address is listed.if u did it by mistake i do appreciate to remove my name.mesghina

  • ተወልደመድኅን June 5, 2014

    ሕቶ ንጎደፋ፡………..እቲ ንጣር ዝነበረ ናቋ ምብዝሑ ድማ ርጉጽነት ምቕንጣጥ ጸልማት የበስረና………።ኢልካሞ እንታይ ዝተበሰርካዮ ኣሎ።ካብ ሰብ ናብ ዝፈላለ ናይ ኣረኣእያን ኣጠማምታን ኣሎ።ንሕና ዘይተረዳእናዮ ዝተረዳእካዮ ወይ ዘስተዎኣልካሉ ክህሉ ስለዝኽእል፡ብዛዕባ ኤርትራ ጽቡቕ ክንሰምዕ’ና ብቀትሪ ዘይኮነ ብጸልማት’ውን ጽን ንብል ስለዘሎና ንገረና፡ብስራትካ።

POST A COMMENT