Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቋንቋ

ቋንቋ ፍሥሐየ መብራህቱ   ቋንቋ ኢዩ መዛረቢ መላዘቢ መቃረቢ መዋሰቢ መዋለዲ መዛመዲ መካየዲ መጻመዲ መናገዲ መማለዲ መፋቐሪ መካበሪ መናገሪ መፈከሪ መማኸሪ መነጸሪ መዋስኢ መጻብኢ መካትዒ መራትዒ መሞገቲ መነየቲ መፈጸሚ መለበሚ መሳነዩ መዛተዪ መወደሶ መሞገሲ መዋቐሲ መባኣሲ መሸምገሊ መጋላገሊ መሰንገሊ መዓንገሊ መፍለይ ቋንቋ

ቋንቋ

ፍሥሐየ መብራህቱ

 

ቋንቋ ኢዩ

መዛረቢ መላዘቢ

መቃረቢ መዋሰቢ

መዋለዲ መዛመዲ

መካየዲ መጻመዲ

መናገዲ መማለዲ

መፋቐሪ መካበሪ

መናገሪ መፈከሪ

መማኸሪ መነጸሪ

መዋስኢ መጻብኢ
መካትዒ
መራትዒ

መሞገቲ መነየቲ

መፈጸሚ መለበሚ

መሳነዩ መዛተዪ

መወደሶ መሞገሲ

መዋቐሲ መባኣሲ

መሸምገሊ መጋላገሊ

መሰንገሊ መዓንገሊ

መፍለይ ቋንቋ ዘረባ

መፍለይ ጸጕሪ ወለባ።

 

ቋንቋ ኣውጺኦምሉ ንዘረባይ

በዓል በሊሕ ቀርኒ ልቦም ጠዋይ

ዓዖ ተኸሉሉ ነምጌራይ

እምባጋሮ ኣቲዎ ድጊ ዋዕላይ

 መሰል ተገቢቱ ካብ ዓቛራይ

እጃመይ ከይሓርስ ከም ገባራይ

መሬተይ ቃዲሩ ግርሁ ሥርናይ

ቤተይ ተራሲዩ ብዓዳላይ።

ኣነ ዝበልኩ ግን “ስለምንታይ?”
ኣበያ ኢሎምኒ ተቓዋማይ
ጸላኢ ሰሚዮምኒ ተፃራራይ

ንእቡድ ክህቡኒ ንኣባይ

ግዳም ኣሕዲሮምኒ ሰፈር ኣህባይ

ስደት ኣርሓቑኒ ስግር ቀላይ።

 

ደቀይ ተወጺዖም ምስ’ታ ሔማይ

ብሕማም ጐረቤት ተላጋባይ

ሓቂዶ ክትመውት ኣሚን ዑቕባይ?

መግነዝ ኣሊሙላ’ቱ ፈዓላይ

መባሮ ኣትቢዑ‘ቱ ናሃባይ

ፍትሓት ኪገብሩላ ቀሺ ሕድራይ

ብዘይ ኣበ-ውሉድ ሓመድ ምድባይ

ጐቦር ከሰንዩ እልፊ ሕራይ

ልጓም ዘምሕረሎም ከም ኣምበላይ

መስገደል ለዓሎም ከም ኵሕላይ

ሓተላ ሓንፊፎም እፎ ጽራይ

ብሱል ከይቅርቡ ሓሰር ንፋይ   

ማዕከኖም ኣፍሪሶም የልቦን ሽሻይ

 ወግዒ ዚጐድሎ ናቶም ውራይ

ወራዙት ሰጊሮም ቋልዑ ምሕራይ

ንምሁር ጐሲኻስ ናብ ጠንቋላይ

ሓካይም ከለዉስ ብዓል ሥራይ

ሓቂዶ ንበሎ ጽውጽዋይ?

ቋንቋይ ኣስተብህሉ ቃል ዘረባይ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • WaEro January 5, 2015

    You know the language.

  • Berhane January 6, 2015

    ኣዝዩ ዝነኣድ ምለከት ቋንቋን፣ ዝቃዶ መልእኽትን ናዕታን።
    ከመይ፤ ከምዚ ከማኻ ይብዝሑ።

    • Berhane January 6, 2015

      ኣንብብ፥
      “ምለከት” ከም ምልከት። ምስ ይቕረታኡ።

  • ERITRAWIT January 6, 2015

    Nay behakey des zble degageme anbebewo des eleney yekenelna kbur haw!!!

POST A COMMENT