Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቕልዕቲ ደብዳቤ ናብ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ምስ ኢሰያስ አፍወርቂ ዝገበርኩሞ ቃለ ምልልስ ምኽንያት ብምግባር ንኽልተ ዝተፈላለየ አረአእያ ዘለዎም ውልቀሰባት አቕሪብኩም ምዝርራብኩም ዝዝከር እዩ:: እቲ መደብ ሚዛናዊ ንክኽወን ምሕሳብኹም ዝምጎስ እኳ እንተነበረ: አብ ተግባር ግና እቲ መደብ ሚዛን ምሕላዉን

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ምስ ኢሰያስ አፍወርቂ ዝገበርኩሞ ቃለ ምልልስ ምኽንያት ብምግባር ንኽልተ ዝተፈላለየ አረአእያ ዘለዎም ውልቀሰባት አቕሪብኩም ምዝርራብኩም ዝዝከር እዩ::

እቲ መደብ ሚዛናዊ ንክኽወን ምሕሳብኹም ዝምጎስ እኳ እንተነበረ: አብ ተግባር ግና እቲ መደብ ሚዛን ምሕላዉን ዘይምሕላዉን መዔቀኒ ብዘይምግባርኩምን ኣብቲ ኣተሓታትታ እንተኾነ እውን እቲ ዝቀረበ ሕቶታት ሚዛን ከተትሕዝዎ ዘይምፍታንኩም ብዙሕ ሕቶታትን ምጥርጣራትን ኣላዒሉ እዩ:::

ቕድሚ ናብቲ ናይቶም ክልተ ዜጋታት ቃለ ምልልስ ውልቃዊ ርእይቶ ምሃበይ: ብሓፈሽኡ ብዛዕባ እቲ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝገበርኩሞ ሕቶን መልስን ብወገነይ ዘለኒ ትዕዝብትታ ከቀድም እደሊ::

ቀዳማይ:

ናይ መደብኩም ተኸታተልቲ ፡ ተወልደ ወልደገብሪኤል ናይ ስርዓት ኢሰያስ ተደናጋጺ ሙኻኑ ብተደጋጋሚ አብ ዝተፈላለዩ መደባት ክሕብሩን ተቃውሞኦም ከስምዑን ክገልጹን ምጽንሖም ዝዝከር እዩ:: ነቲ ርእይቶ ናይ ህዝቢ ጸማም ድምጺ ብምሃብ ሕጅውን ነቲ ቃለ ምልልስ ብፍላይ ምስ በዓል ስልጣን ህግደፍ ብተወልደ ክግበር ምውሳንኩም አብ ልዕሊ ተኸታተልትኹም ዘለኹም ዘይተገዳስነት አበርቲዑ እዩ ዘነጽሮ:::

እቲ ቃለ ምልልስ አብ ነጻን ዲሞክራሲያዊት ሃገር ይግበር ብምንባሩ እቲ መልሲ ናይ ኢሰያስ ዘይኮነስ እቲ ዝቀርብ ሕቶታት ከም ትጽቢት ንኤሪትራውያን እዋናውን አገድስን እዩ ኔሩ:: እዚ ክንሱ እቲ ዝቀርብ ዝነበረ ሕቶታት ይኹን ባህርያት ናይ አተሓታትታ ካብ ናይ ሙያዊ ጋዜጠኛ ዝረሓቀን ሚዛን ዝጎደሎን ናይ ሮግራጋት ሕቶታት ብምንባሮም ግና ንብዙሓት ከምዘሕዘነ ከይተንኸፍክዎ ክሓልፍ አይደልን::

እቲ ብኢሰያስ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት እውን መብዛሕትኡ ነቲ ዝተሓተቶ መልስ ኣይኮነን ዝህብ ዝነበረ ፡ ብተወሳኺ ካብ ሓቂ ዝረሓቁን መሰረት ዘይብሎም መሖጎሲ ዓያሹ እዮም ኔሮም::

እቲ ዝቀረበ መደብ ካብ ድልየትን ትጽቢታትትን ህዝብታት ኤሪትራን አመሪካን ዝርአሓቀ: ሽውሃት ዓያሹ ንምርዋይ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍረ አልቦ ትያትር: ሓታትን ተሓታትን ካብ ክውንነት ዝተኸወሉ: ኾነ ኢሎም ንሓቅታት ንክሓብኡ ዝተበገሱ ምንባሮም ንለባም ዝጠፍኦ አይመስለንን::

ካልአይ

ኢሰያስ አፍወርቂ ኣብ ኒውዮርክ አብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኽረኽብዎ ፈቲኖም ግና አይሰለጦምን:: አይሰለጦምን ጥራሕ ዘይኮነ አብቲ ዝዓረፈሉ ሆቴል ተጸብዮም ክወጽእ ከሎ ንዘቅረብሉ ሕቶ ክምልስ አይኮነንን ነቶም ጋዜጠኛታት ምስ ረአየ ንድሕሪት ተመሊሱ ስጋዕ ደኺሞም ዝከድሉ ክጽበ እዩ መሪጹ :: ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ኢሰያስ ዝምልሶ እኳ እንተኾነ ምስ ተወልደ ወልደገብሪኤል ቃለ ምልልስ ክገብር ዝመረጸሉ ሚስጢር ግና እንታይ እዩ? እቲ መደብ መዓስ ዝተሓንጠጠ እዩ?

ስልሳይ

እቲ መደብ አብ ናይ ትግርኛ ክፍለ ግዜ አብ ክልተ ተኸፊሉ ሰሉስን ዓርብን ንሰማዕቲ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ:: እቲ ዝገረመኒ ግና ቀዳማይ ክፋል ሰሚዔ ነቲ ካልአይ ክፋል ንዓርቢ እንዳተጸበኩ ከለኹ ቕድሚ ብድምጺ ኣመሪካ ምዝርግሑ ኩሉ እቲ ቃለምልልስ አብ መስከረም ዳት ኔት ተዘርጊሑ ምንባሩ እዩ:: ስለዚ እዚ ብኸመይ ክኸውን ክኢሉ?
ድምጺ ኣመሪካ ምስ መስከረም ዳት ኔት ዘተአሳስሮም አበየናይ ነጥቢ እዩ`?

ናብቲ ሚዛናዊ ኣይነበረን ዝበልክዎ ሕቶ ክአቱ::

ቀዳማይ

እቲ መደብ እቶም ዕዱማት ነቲ ኢሰያስ ዝሃቦ መግለጺ እዮም ርእይቶ ክህብሉ ዝተሓበረ:: ምስ ዳኒኤል ረዘነ ዝተገብረ እውን አብ መግለጺ ኢሰያስ ዘድሃበ እዩ ኔሩ:: ብአንጻሩ እቲ ምስ ኣለም ዘሞ ዝተገብረ ግና አብ ናይ ኢሰያስ ዘይኮነስ አብ ናይ ዳኒኤል መልስታት ዝተሞርኮሰ ብምንባሩ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣይነበረን:: ክኽወን ዝነበሮ አለም ዘሞ ኢሰያስ ከምዚ ኢሉ ንስኻ እንታይ ርእይቶ አለካ እዩ ክበሃል ዝነበሮ::

ካልአይ

ብተደጋጋሚ ኣብ መደባትኩም ሰባት ከተቅርቡ ከለኹም ገለ ሰባት ነቲ ዝሓተትኽሞ መልሲ ምሃብ ገዲፎም ዘይተሓተትዎ ክምልሱ ከለዉ አብ ክንዲ ነቲ ሕቶ ክምልሱ ትውከስዎምን ትመልስዎምን: አብ ካልእ አርእስቲ ኣትዮም ሃለውልወ ክብሉ ከለዉ ስቕ ኢልኩም ትሰምዕዎም :: ካብዚ ሓደ ሃለውሎው መልሲ ናይ አለም ዘሞ ክኸውን ከሎ ብዓቢኡ ድማ ናይ ኢሰያስ አፍወርቂ እዩ:::

ኣለም ዘሞ እቲ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኤሪትራውያን ናይ ሕልና እሱራት: ንሱ ብዛዕባ ክልተ ግብጻውያን ካብ ሽወደን ንግብጺ ተወሲዶም ዝተአሰሩን ንሽወደን ንኻልአይ ግዜ ንኸይአትዉ ዝተኸልከሉ አልዒሉ ዘይተባህለ ናይ ሓሶት መልሲ ዝሃቦ እዩ:: መንግስቲ ሽወደን ነቶም ክልተ ግዳያት ብዙሕ ሚልዮናት ካሕሳ ከምዝከፈሎም ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ምስ ናይ ኤሪትራ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝተሓሕዝን ከም አብነት ዘጥቕስ ጉዳይ እውን አይነበሮን::

እቲ ኣለም ዘሞ ዝበሎ ብፍሉይ አርእስቲ መልሲ ክህበሉ ስለዝኾኑ ነቲ ኣርእስቲ ንግዚኡ ይውንዝፎ::

ሳልሳይ:

እቲ ኣለም ዘሞ አብ ራድዮኹም ዝሃቦ ናቱ ድሕረ ባይቶ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ:: አለም ዘሞ ነቲ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ብዛዕባ ምኽንሻብ ይኹን ሕማማት ኤይድስ ዝምልከት ንስደተኛታት ዝህቦ ሓበሬታ ብትግርኛ ንኽቱርጉም ዝተቆጸረ ምንባሩን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብቲ ስራሕ ተባሪሩ ስጋዕ ሕጂ ብሓገዝ ናይ መንግስቲ ዝነብር ሰነፍ ፍጥረት እዩ::

ከምዚ ዓይነት ሰብ ዝኾነ ይኩን ብዛዕባ ሰብአዊ መሰላት አፍልጦ ይኹን ተመኹሮ ዘይብሉ መን ሙዃኑ ከየጻረኹም ናብ ረድዮኹም ዓዲምኹም ንናይ ምሁራት መልሲ ርእይቶ ንኽህብ ምዕዳምኹም ጌጋ ጌርኩም ክብለኹም እደሊ::

ሰላም ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • HGDF October 14, 2011

    You people are forgetting one thing VOA is not an Eritrean opposition media. And it is not just focused on politics. You want VOA to report the way the rubbish opposition media do. For example to report the demonstration by no more that 30 participant by opposition must be reported as hundreds of participants. A seminar by the opposition which ended in chaos must be named successful seminar. They must not report if it rains in Eritrea, but shortage of food and drought. They must not say a word that Eritrea is rich in minerals, instead they must report that Eritrea is buying weapons for gold. They must not say that Eritrea is a victim of Ethiopian occupation, but they must say Eritrea is a destabilizer. That is what you want from VOA. And you will never be satisfied until they do that.

  • selemon October 14, 2011

    tewelde ata lekbat kurkur hgdef

  • ye' October 14, 2011

    alem kem zebelo kem ziserh ab göteborg neneber yefelt hade nai senef zereba tezarbiki .alem hade katom abzi hadi mes shiweden nai wezatenayat tewekilu zerakeb felut seb be ertitrwiyan bi sheweden akal zegatet zetemsgene belih seb eyu.aytifeltion eki wei ketekifih zitebegeski eki

  • Hagos Bahta October 14, 2011

    ሰላም (ስም ወዲ ተባዕታይ ይመስለኒ ) በዚ ኣቀራርባኻ እዛ ቦታ ተወልደ ንዓኻ ትግባእ ኔራ እንተኾነ በዓል ተወልደ ካብቲ ኣሜሪካ እትህቦ ደሞዝ ናይ ህግደፍ ብጸሊም ዝኽፈሎ ስለ ዝዓቢ፡በላዕ ክልተ ጻሕሊ’ዩ :: ሽዩጥ ሰብ ድማ ጉዳይ ህዝቢ ኣይዓጦን’ዩ :: ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ካብታ ስራሕ ምብራሩ ኣይተርፎን’ዩ ::

  • abdi October 14, 2011

    Test

Post a Reply to ye' Cancel Reply