Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በሰላታት እቲ ናይ ህልቂት ኲናት – ሚኪኤል እምበየ (አራንቺ)

ሰላም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኩቡራት ኣሕዋት ደቂ ኤረይ ጻዕዳ፡፡እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀል ብሰላም ኣብጸሓና፡፡ሎሚ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ኮይና ዓኾዃይ ዓኾዃይ ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ፡እንብለሉ ኣብ ክልተ ገጽ ናይ መድረኽ መቐይሮ ኢና

ሰላም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኩቡራት ኣሕዋት ደቂ ኤረይ ጻዕዳ፡፡እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀል ብሰላም ኣብጸሓና፡፡ሎሚ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ኮይና ዓኾዃይ ዓኾዃይ ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ፡እንብለሉ ኣብ ክልተ ገጽ ናይ መድረኽ መቐይሮ ኢና ዘለና፡፡በቲ ሓደ ካብ ዘመነ ሉቋስ ናብ ዘመነ ዮውሃንስ እንሰጋገረሉ መድረኽ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ ካብቲ መስቀል እንተርኣኻዮ ውን ሰገጥ ዘይብል፡ንኣስታት 40 ዓመታት ደም ንጹሃን ኤርትራውያን እናመጸየ ዝሰወደ’ሞ ኣብዚ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ሰዓታት ከም ብዕራይ ግንበተ ሰነ ተዳኪሙ ናብ መቓብር ጥፍኣት ዘምርሕ ዘሎ ኢሳይያሳዊ ሰይጣን ብርግጽ እንገላገለሉ ታሪኻዊ ህሞት ምዃኑ ኢዩ፡፡ብዘይ ቀልዓለም ብርግጽ ውን ኢዩ፡፡እቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘዐወተ ኤርትራውያን ምጥርጣር ኣወጊዶም ሕድሕዳዊ ምትእምማን ከሕድሩ ዓሚቕ ሰረት ዘንጸፈ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ኣብ መጠረሽታ ዕለታት ወርሒ ጥቅምቲ ሓደ ስጉሚ ተሳጊሩ ሃገራውያን ከጋበእ ኢዩ፡፡በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ዝተሐላለኸ መድረኻት ሰጊሩ ናይ ሰላም ፍትሒ ራህዋ ዲሞክራሲ ጩራ ባናታቶም ዝኾለዐ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲምክራስያዊ ለውጢ በስም ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ምስጋና ይብጻሐዮ፡፡ እዚ ዓቢ ዋኒን ውራይ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝኾነ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞከራስያዊ ለውጢ ምሉእ ደገፍን ምትሕብባርን ከይፈለዮ በዚ አጋጣሚ ከዘኻኽር እደሊ፡፡

ድሕሪ ሚስጥረ ምብራዕ ኲናት ባድመ በሰላታት እቲ ናይ ህልቂት ኲናት ብብሩህ መገዲ ናብ ኣንበብቲ ከቕርቦ ምዃነይ ቃል ኣትየ ከምዝነበርኩ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡ከምቃለይ ኣብቲ ልክዕ ግዚኡ ከቕርቦ ብዘይ ምኽኣለይ እቕሬታ ኩቡራት ኣንበብቲ እዚ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡፡ እቕረ ምባል መደምሰስ ኩሉ ጌጋታትና ስለ ዝኾነ፡፡ሚስጥረ ምብራዕ ኲናት ባድመ ካበይ ናበይ ብኸመይ ምንባሩ ድሙቕ ብሩህ ስእልን ኣባይታ ዝነበሩ ጩቡጣት ሓቅታትን ፈሊጥኩምን ሰኒቕኩምን ክትኮኑ እምንቶይ ኢዩ፡፡

ቀቅድሚ ምብራዕ ኲናት ባድመ ነቲ ፍጹም ኣስካሕካሒ ናይ ጥፍኣት ባርዕ ክውልዕ፡ ብጎይትኡ ኢሳይያስ ከቢድ ሕድሪ ዝተቐበለ፡ ሜጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ዉጩ ከምቲ ልሙድ ከብዲ ምላሽ ሰትዩ ሓደገኛ ክወጽእ ዘይግበኦ ሚስጢር ሶቱኹዎ ነይሩ ኢዩ፡፡ንኣምባሳደር መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ኤርትራ ነበር‹‹ምሳኹም ዝመጽእ ክረምቲ ክንራኸብ ኢና፡፡››ክብል ኣሚቱሉን ደርጒሑሉን ኢዩ፡፡ላሕኲ ናይዚ ሚስጥር ድሕሪ ገለ እዋን ምብራዕ እቲ ኲናት ካብቶም ቀረባ ቀረብቲ ኣዕሩኽቲ ዉጩ ብሕሹኽታ ከዝረብ ተሰሚዑ ኢዩ፡፡ ምናልባት ኣንባሳደር መንግስቲ ኢትዮጲያ ውን ነቲ ምላቕ ሚስጥር ብዋዛ ዝርእዮ ኣይመስለንን፡፡የግዳስ መንግስቲ ኢትዮጲያኣብቲ ፈለማ ኲናት ዝተወላዓሉ ቦታ ክባቢታት ባድመ ሰራዊት ኣየቐመጠን፡፡ስለምንታይ ሻላ ርእይዎ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኲናት ክውልዕ ኢዩ ዝብል ፍጹም ግምት ስለ ዘይነበሮ ኢዩ፡፤

05 ግንቦት 1998 ዓ/ም መስዋእቲ ሹዱሽተ ኣባላት ናይታ ንስለያዊ ዳህሳስ ተባሂላ ዝወፈረት ጋንታ ክጋጥም ከሎ ፡ ሓደ ካለእ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ፡፡ኣብዚ ኣኬባ’ዚ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡የማነ ገብርኣብ(ሞንኪይ) ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ምስ መዘናታቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዘተን ምይይጥን ኢዮም ዝነበሩ፡፡ኣብ ከባቢታት ባድመ ገለ ጎንጽታት ተፈጢሩ መስዋእቲ ገለ ወተሃደራት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ውን ገና ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ከለዉ ኢዮም ፈሊጦም፡፡ኣብቲ እዋን’ቲ ጀነራል ስብሓትን መዘኑኡ ኢታ-ማጆር ሹም ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትነሳኤን ናብ ቦታ ፍጻመ ብምኻድ ነቲ ጉዳይ ከጻርይዎን ነቲ ጠንቂ ዝኾነ ስጉምቲ ከወስዱሉን ተረዳዲኦም ነይሮም ኢዮም፡፡እቲ ጉዳይ ገና ከይዓበየ ንምፍትሑን ንምህዳኡን ኣብ ርድድእ ተበጺሑ ክንሱ፡ ኢሳይያስ ንየማነ ገብርኣብ ብዘሃቦ ቀጥታዊ ትእዛዝ፡ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ኢና ንኸይድ ዝብል ሓሳብ ተቐይሩ፡፡እስከ ቁሩብ ሃዲእና ረጊእና ነቲ ጉዳይ ብዕምቀት ንርኣዮ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ኲናት ክውልዕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ እነተዝነብር፡ ብዓቢኡ ውን ግጭት ኣጋጢሙ እናተሰምዐ፡ ነዞም ከክንዲ ያሒት ዝኾኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብሰላም መፋነዎም’ዶ?እንድዒ?ብወገነይ ግን ኣይመስለንን፡፡

እቲ  ድሮ 05 ግንቦት ዝጀመረ ጎንጺ  06 ግንቦት 1998 ዓ/ም ወጋሕታ ብመሪሕነት ኮለኔል ገብረኪዳን (ሓኔታይ) ዝተመርሐ ሰራዊት ንባድመ ተቖጻጺሩ ንቕድሚት’ዩ ሳጊሙ፡፡ ሽዑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ ቀዲሙ ዝመጸ ናይ ረዳት ሓይሊ ፈጥኖ ደራሽ ዝተባህለ ሓውሲ ዞባዊ ሰራዊት ኢዩ፡፡ድሕሪ ምትሓዝ ባድመ ንሒደት መዓልታት  ምቅርራብ ነቲ ናይ ድሎ ብድሎ ኲናት እምበር ውግእ ኣይቀጸለን፡፡ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ከባቢ ባድመ ሰለስት ላዕለዎት ጀነራላት ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም(ውጩ)፡ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ኣብ ቦታ ፍጻመ ብኣካል ዝነበሩሉ ኢዩ፡፡ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ላዕለዎት ጀነራላት ሃንደበት ኣብ ዝተባህለ ጎንጺ ንምንታይ ኣድለየ?

ኣብ መንጎ እተን ሒደት መዓልታት ዓበይቲ ዓዲ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ ከልቲኡ ወገን መዃኑ ኢዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጲያውያንን ሓደ ናይ ዕርቂ ሽማግለ መዚዞም ነይሮም ኢዮም፡፡እዚ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ኣስታት 14 ሰባት ዝሓዘ ኮይኑ መጀመርያ ናብ ሰራዊት ኢትዮጲያ ብምኻድ ንዕርቂ ለሚኑን ተማሕጺኑን፡፡በዝረኸቦ ኣወንታዊ መልሲ ቀጺሉ ናብ ላዕለዎት ጀነራላት መንግስቲ ኤርትራ መጺኡ፡፡እቲ ንኣረገውቶት ምርኩስ ዝተደገፉ ውን ምእሳርን ምቕታልን ዘይንሕፍ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝወሰዶ ስጉመቲ ግን ፍጹም ነውራም ዘይ ሓላፍንታዊ ተግባራት ኢዩ ነይሩ፡፡ነቶም ውግእ ደው ይበል፡፡ ዝሓለፈ በሰላታትና ነሕዊ፡፡ዘባእስ የብልኩምን ኣሕዋት ኢኹም፡፡ጉዳይኩም ብሰላም ኮፍ ኢልኩም ተላዚብኩም ተረዳዲእኩም ፍትሕዎ፡፡ዝበሉ ለባማት ዓበይቲ ዓዲ ፍብፍላይ ነቶም ኢትዮጲያውን ናይ ወያነ ናይ ስለላ ልኡኻት ኢኹም ብምባል ቀጥታ ከም ዝእሰሩ ኢዩ ተገይሩ፡፡ድሕሪ’ዚ ኢሳይያስ ኲናት ባዕሉ ከመርሖን ከኣልዮን ሓደገኛታት ናይ ረድዮ መልእኽትታት ክመጹ ጀሚሮም፡፡ነቲ ድሒሩ ዝቐጸለ ኣስካሕካሒ ኲናት ብቐጥታ ዝመርሖ ዝነበረ ባዕሉ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ኣዝዮም ብዙሓት መልእኽታት ናብ እዚ ኮራት ይኹን እዚ ከፍላተ-ሰራዊት ብቐጥታ ዝመጽእ ዝነበረ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢዩ፡፡እቲ ምስ ወያነ ኣጸቢቕና ንፋለጥ ኢና ዝበሎ ትምክሕተኛነቱ ግን ገና ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ባዶሽ ምንባሩን ኣብ ምምራሕ ዘለዎ ትሑት ብቕዓትን ዝሓለፈ መድረኽ ብግብሪ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ፡፡

ድሕሪ ፈላሚ ኲናት ከባቢታት ባድመ እቲ ባርዕ ናብ ኩሉ ወሰናስን ኤርትራ ኢዩ ሊሒሙ፡፡እቲ ጉዳይ ሕቶ ናይ ባድመ እንተዝነብር ናብ ካልእ ክባቢታት ክሰግር እምበይ ምተገቦኦን፡፡እቲ ብስም ቀዳማይ ወራር ዝፍለጥ ከቢድ ኲናት ልዕሊ ልዕሊ ከባቢታት ባድመ ሓያል መስዋእትነት ዝተኸፍሎ ቦታታት ካብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ወጻኢ ኣብ መሬት ኢትዮጲያ ኢዩ፡፡ከባቢታት ዛላምበሳን ካብ ዓሰብ 71 ኪ.ሜ ከባቢታት ቡሬ ንውሽጢ ሶሊኹ ዝኣተወ ክፍለሰራዊት 525 ን፡፡ኣብ ኩሉ ዞባታት ኲናት ኢሳይያስ ባዕሉ ብቐጥታ ዝመርሖ ዝነበረ ድማ ኢዩ፡፡ኣብዚ ግዝያት እዚ ብወገን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጲያ ምክልኻል እምበር ናብ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ዝዛዘወ ስለቲ ኲናት ኣይነበረን፡፡እቲ ንውልቀ ዝናን ህቡብነትን ኢሳይያስ ዝተወለዐ ፈላሚ ኲናት ፍጹም ዘይተጸንዐ ብምንባሩ ሃፈጽታ ረስኑ  ዓቂቡ ከቕጽል ኣይከኣለን፡፡ብቐሊል ዘይግመት ከቢድ ክሳራ ሂወት መናእሰያት ኤርትራ ኣብዚ ዘይተጸንዓን ዘይኩውንነታውን ኲናት ጠፊኡን ተኸፊሉን’ዩ፡፡

ድሕርዚ እቲ ከም ሊቀ ሊቃውንቲ ኲናት ንነብሱ ባዕሉ ዘጠመቐ ኢሳይያስ ዝወሰዶ ስጉመቲ ንብዙሓት ምኩራት መምሃራን ውግእ ዘገረመ ኢዩ ነይሩ፡፡ገለ ቦታታት ሒዝካ ኣብ ናይ ምክልኻል መድረኽ ምእታው፡፡ጽኑዓት ድፋዓት ብህጹጽ ክህነጹን ክስርሑን ተወሲኑ፡፡ብሕጊ ወተሃደራዊ ስነፍልጠታዊ ስልቲ ኲናት ምክልኻል ተገዲድካ ትኣትዎ ሓደ ካብ ስልትታት ቅዲ ኲናት ኢዩ፡፡ምክልኻል ጸላኢኻ ላዕለዋይ ኢድ ጨቢጡ ኣብ ልዕሌኻ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ቦታን ሓደጋ ንኽወድቀካ ባእልኻ ኢድካ ምሃብ ኢዩ፡፡ልእሊ ዝኾነ ድማ ‹‹ነታ ቀዳምቲ ጥይት ንሕና ኣይንትኩሳን ኢና፡፡›› ክብል ብዓውታ ትዛሪቡ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ በዓል ዛላንበሳ ዘኣመሰሉ መሬቱ ተመንዚዑ ኢዱ ኣጣሚሩ ክርኢ ዝይሕሰብ ኢዩ፡፡እሞ ድኣ ኢሳይያስ ስለምንታይ ካብ ምጥቃዕ ናብ ናይ ምክልኻል ምድረኽ ከእቶ ኣዚዙ፡፡እዚ ገና መልሲ ዘይተረኽቦ ክፍታሕ ዝይተኻእለ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ዘሎ ኢዩ፡፡

እዚ ክኸውን ከሎ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይግበር ኣሎ፡ ኲናት በኸመይ ተጀሚሩ፡እንታዩ ምዕባለታቱ፡ኣፍልጦ ዳርጋ ኣይነበሮምን እንተበልኩ መግናን ኣይመስለንን፡፡ኣረ ገሊኦምሲ እቲ ንጹር ሓበሬታ ካብ ወከለቲ ኮራት ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ኦፐሬተራት ክረኽቡን ከሰምዑን ኢዮም ዝጓየዩ ነይሮም፡፡እቲ ንውልቀ ዝንኡ ደይመደይ  ኢሉ ኲናት ዝወዐለ ኢሳይያስ ነቶም ማዕረ ህዝቢ ብመገዲ 03 ነቲ ኩነታት ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ አብ ኤክስፖ ሃንደበታዊ አኬባ ጸዊዑ ጠንቂ እቲ ኲናት ወያነ ምዃኑ ብዘይ ገለ ስክፍታ ክቕሽሾም ፈቲኑ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ካብ ተጋባእቲ አኼባ ባድመ ንነዊሕ ግዜ ገና ካብ ዘበነ ገድሊ አብ ትሕቲ ወያነ እመሓደር ምንባሩን እንተኾነ ክርክር ከምዝነበረን እፈልጡ እዮም፡፡ አብ አኼባ ኤክስፖ ካብ ዝተላዕለ ሕቶ ድማ ሓደ እዚ’ዩ ነይሩ፡፡ኢሳይያስ ንኹሉ አብቲ አኼባ ዝወረደ ሕቶታት ምስ ዕላምኡ ስለ ዝጻረር ብድፍኑ አይፈልጦን እየ ክብል’ዩ መሊሱ፡፡

ብቐሊል ክዓርፍ ዝግቦኦ ዝነበረ ኲናት እናተሓላለኸ ከይዱ፡፡ኢሳይያስ ነቲ ብሩዋንዳን አሜሪካን ዝቐረበ መተዓረቂ ሓሳብ ክሳደይ ንኻራ ብምባል አቕቢጹ፡፡ካብ ባድመ  ወጺእና ማለት ጸሓይ ሞይታ ድሕሪ ደጊም ኣይትበርቕንያ ክብል ቁርጺ መልሱ አፍሊጡ፡፡ድሕሪ’ዚ ኣዝዩ ከበድ አሸሐት ሂወት ዝጠልብ አስካሕካሕቲ ኲናት ከምዘይተርፍ ምዃኑ እናተነጸረ ምጺኡ፡፡ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ንአስታት ትሽዓተ አዋርሕ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝተባህሎን ከምዝተኣዘዞን ዓሰርተታት ኣማኢት ኪ.ሜ ከናለታት ቀዲዱ ድፋዓት ሰሪሑ፡፡ ነቲ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይመጽእ ዝተባህለ ናይ ምጥቃዕን ሓደጋ ምውዳቅን ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት አብ ኢዱ ዝጨበጠ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መዝገቡ ሒዙ ኢዱ ኣጣሚሩ አብ ምክትታል ተጸሚዱ፡፡ ብኣንጻሩ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዝተረክበ ተበግሶ ናይ ምጭባጥ ዕድል ብምምዝማዝ ነዊሕ ግዜ ከበድቲ ምቅርራባት ንኲናት ብምግባር ኣበይ ብኸመይ እንተጥቃዕና ይሐይሽ ኣብ ዝብል ዓሞቕቲ ምርምራትን መጽናዕትታትን ኣብ ምክያድ ተአትዩ፡፡

ኣበለት ስለያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግሐ ጸብሐ ብዘይ ዕረፍቲ ብኣባላት ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ ዘይተታሕዛ ጃላ መሬት ኣብ ምፍታሽ ነዃላትን ቀዳዳትን ኣብ ምንዳይ ዝረቐቐ ፈኮስቲ ድፍዓት ኣየኖት ኢዮም ኣብ ምልላይ ብዝሕን ዓይነትን ሰራዊት ኣበየናይ ቦታ እንታይ ኣሎ ብዘይ ዕረፍቲ ደኺሞምን ሰሪሖምን፡፡ ድሕሪ’ዚ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ጥሪ 1999 ዓ/ም ዳግማይ ከቢድ ኲናት ክካየድ ምዃኑ ግሁድ ኮይኑ፡፡እቲ ዝገርም ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ከቢድ መጥቃዕቲ ክፍኖ ምቅርራባት እናተኻየደ ካብ አዘዝቲ በጦሎኒ ንላዕሊ ዝነበሩ መራሕሪ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ ንግዲ ውድድራት ተሸሚሞም ምንባሮም ኢዩ፡፡ በቲ ዝተሓተ ኣብ ሓደ ቦጦሎኒ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ድኳናት ኣብ ውሽጢ ድፍዓት ተኸፊቱ ገንዘብ ናይቲ ምስኪን ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምምንዛዕ ምውፋሮም ኢዩ፡፡ኣዘዝቲ በራጊድ ክፍላተ ሰራዊት እሞ እንተዘይ ተዛረብናሎም ይሐይሽ፡፡ገዚፍ ጉልበት ኣባላት ሰራዊት ኣብ ሕርሻን ካልእ ዓበይቲ ናይ ንግዲ ትካላት ኣዋፊሮም ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ኲናት ፋዕርኡ ውን ኣይነበሮም፡፡ሂወት መናእሰያት ኤርትራ ማዕረ ጤለ በጊዕ ተቖጺሩ፡፡ብመንጽሩ ድማ ወያነ ወላሐንቲ ክገብር ከምዘይክእል ዘይ ክውንነታዊ ጎስጋስ ንሰራዊት ብዘይ ዕረፍቲ ተዋሂቡ፡፡ሓላዘኑ ዝወደአ ተኲሱ ዕላምኡ ክሃርም ዘይክእል ብረት ሒዙ ኣብ ቅድመ ግንባራት  ንሞት ከም ዝፍረድ ኮይኑ፡፡

ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ እንትጮ ብዘት ናብ ጉርሁ ክአቱ ጀሚሩ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ብዝሒ ዘለወን ታንክታት መዳፍዓትን ክጓረት ተራእዩ፡፡ እቲ ዘይተርፍ ከቢድ ውግእ ኣብ ግንባር ዓሊቴና መረብ ክንፊ ጾሮና ክካየድ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት መልእኽታት ውሒዙ፡፡ ኣሎ ዝበሃል ሓይሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኮር 271ዓሰርተው ሓደ (11) በራጊድ ካብ ኮር 381 ሓደ ክፍለ ሰራዊት ክፍለ- ሰራዊት 525 ብምሉኡ ብዜካቲ ኣብ ቀዋሚ ድፋዕ ኣትዩ ዝነበረ ክ/ሰ 22 ኣብቲ ቦታ ከም ሪዘርቫ ሓይሊ ኮይኑ ክጸንሕ አብ ጸቢብ ቦታ ተጻፋጺፉ፡፡08 ለካቲት 1999 ዓ/ም ብለክዕ ኣብዚ ዝተባህለ ቦታ ክንፊ ጾሮና ሓያል ተባዕታይ ውግእ ጀሚሩ፡፡ነቲ ሊቀ-ሊቃውነቲ ኲናት ንገዛእ ነብሱ ዘጠመቐ ኢሳይያስ ዘዐሸወ ትያትሮ፡፡

2ይ ክፋል ይቕጽል
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ሚኪኤል እምበየ አራንቺ
aranchi03 yaho.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Taddesse T Gebremussie September 28, 2011

    Right now if Eritrean dont take action againest Isayas this mad person he will distroy Eritrea. Woldab Woldemariam the great Ipatriut Eritreans lison him,Eritrea will not reach todays problem. Was ISAYAS leader of any batalion? can any of his saporters tell to Eritreans &the world? his policey is policey of felerty/of madness.Eritreans think towice .GUALA is not life.

  • bisha October 6, 2011

    aranci dea abey felitkayo sireah rikeb anta agame grazie nideki asmera embear aranci kea temahirka wetsika bighetska tiflet tigraway mikuankas keyhaferka kem eritreawi konka kitkerib bel bel semanalka idiottttt.abeyedekake tifeltom etom jieganu eritrea etom jeneralat anta shekati beles bizekdihwa sekira kibehal semika do tifelit gerimuni u zelo bel zeymelealtika aytel el nowri u kondaf agame.bikedemus tayedekum lementi iklina biarebia teshekimkum temtsiwo melishkum tethiniwo adetatkum lewisen yisinkiteo besmeam ilna kinbeli kea silemariam ilkum kab afna tiwesdiwo fiter kinbel antum agametat beakum selam siena chenewti .

    • bisha October 9, 2011

      ዋይ ኣነ ቢሻ ስዲ
      ኣፈይ ከልቢ ይሽነሉ። ኩርኩር ኢሳያስ ኮይነ በቲ ዝጸሓፍኩዎ ርእይቶ ሓፊረ
      ሞተይ ይሃበኒ

      ዋይ ኣነ ቢሻ በስባስ

  • bisha October 15, 2011

    kkkk kkkkkkkkkkkkkkkk Eritrea N Eritrawian kedem bidemna hijim bidemna awetttttttttttt nimulue hezbi ERITREA.

Post a Reply to bisha Cancel Reply