Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በቲ ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ለንደን Grenfell Tower ዘጋጠመ ከቢድ ቃጸሎ ናይ ዝሞቱ ግዳያት ቁጽሪ 17 ከምዝበጽሐ ፖሊስ ለንደን ሓቢሮም። እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ‘ውን ስግኣቶም ገሊጾም።

በቲ ናብ ትማሊ 14 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ለንደን  Grenfell Tower ኣብ ዝተባህለ 24 ደርብታት ዘለዎ ህንጻ ዘጋጠመ ከቢድ ቃጸሎ ናይ ዝሞቱ ግዳያት ቁጽሪ 17 ከምዝበጽሐ ፖሊስ ለንደን ሓቢሮም። 37 ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክንክን

በቲ ናብ ትማሊ 14 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ለንደን  Grenfell Tower ኣብ ዝተባህለ 24 ደርብታት ዘለዎ ህንጻ ዘጋጠመ ከቢድ ቃጸሎ ናይ ዝሞቱ ግዳያት ቁጽሪ 17 ከምዝበጽሐ ፖሊስ ለንደን ሓቢሮም። 37 ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ብምግንዛብ ከኣ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኣብቲ ህንጻ ክሳብ 600 ዝኣኽሉ ነበርቲ ይቕመጡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ደሃይ ቤተሰብን መሓዙትን ናይ ሓያለ ኣብቲ ህንጻ ዝቕምጡ ዝነበሩ ነበርቲ ዝጠፍኦም ሓያለ ተቐማጦ ለንደን ህላወን ሞትን ፈተውቶም ክፈልጡ ክሳብ ሕጂ ሸቕልቀል ክብሉ ብማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሓበሬታታት ክለዋወጡ ይርኣዩ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ‘ቶም ደሃይ ኣጥፊኦም ዘለዉ ግዳያት፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዝርከቡ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ሎ።

ሓደ ካብቶም ደሃይ ኣጥፊኦም ዘለው ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ እንግሊዛዊ ምዃኑ ኣብ ቢቢሲ ዝተጠቕሰ Mo Tuccu ዝተባህለ ቤተሰብ ክበጽሕ ምስ ስድርኡ ናብቲ ህንጻ ምስ ከደ ሓደጋ ዘጋጠሞ ዜጋ

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት ፣ ነበርቲ ናይቲ ህንጻ በቲ ብቕጽበት ዝተላብዐ ብርቱዕ ቃጸሎ ተሸቢሮምን ከእውዩን ክጭነቑን ክስምዑ ከለዉ፣ ህይወቶም ከድሕኑ ካብ መንበሪ ክፍልታቶም ክዘሉ ተራእዮም።

መራኸቢ ብዙሃን ዓዲ እንግሊዝ ብዘቕርቡዎ ዘለዉ ጸብጻባት መሰረት፣ ነበርቲ ናይቲ ህንጻ ዝሓቖፈ ኮሚተ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ግዜ ሓደጋ ቃጸሎ ከጋጥም ከምዝኽእል ዘቕረቡዎ ጥርዓን ብሰበስልጣን ሰማዒ ከምዘይረኸበ፣ ኣብ 2013 እቲ ህንጻ ካብ ሓደጋ ሓዊ ብጸቢብ ከምዝደሓነ ይግለጽ። ንድሕነቱ ብስድራቤቱ ካብ 9ይ ወይ 10ይ ደርቢ ዝተደርበየ ህጻን ኣብ ታሕቲ ኮይኖም ነቱ ኩነታት ካብ ዝከታተሉዎ ዝነበሩ ሰባት ተቖሊቡ ከምዝደሓነ ‘ውን መሰኻኽር ሓቢሮም።

ብወገን ቤተሰብ ናይቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎ ሰባት ኮነ፣ ብሓፈሻ ኣብቲ ከባቢ ዝነበር ህዝቢ እኹል ሓበሬታን ግብረመልስን ብዘይምርካቦም ሕርቃኖም ክገልጹ ይስምዑ ከምዘለዉ ‘ውን ጋዜጠ ዘ ጋርድያን ጠቒሱ።

ንባርዕ ሓዊ ብዝምልከት ብኣካየድቲ ናይቲ ህንጻ ተለጢፉ ዝነበረ፣ ኣብ እዋን ሓደጋ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል ዘይርዱእ መምርሒ ምስቲ ነበርቲ ኣቐዲሞም ዝህቡዎ ዝነበሩ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ዘይምስምዑ ተደሚሩ ብወገን ወነንትን ኣካየድትን ናይቲ ህንጻ ሸለልትነት ከምዝነበረ ተፈጢሩ ብዘሎ ስምዒት ህዝቢ እቲ ከባብን ነበርቲ ‘ቲ ህንጻን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ማዕበራዊ መራኸቢታትን እዚ “ሰብ -ሰርሖ ሓደጋ እዩ” ክብሉ ቆጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ብርቱዕ ቃጸሎ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል 24 ሰዓታት ወሲዱሉ፣ ኮምሽነር መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን፣ ኣብቲ ተሃሚዅ ዘሎ ነዊሕ ህንጻ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሬሳታት ከምዘለዉ ክገልጽ ከሎ፣ ናብቲ ቦታ ኣቲኻ ደቂቕ መጽራይ መንነት ግዳያት ምክያድ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉሰበስልጣን ይጠቕሱ ኣለዉ።

መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ልዕሊ 200 ኣባላቱ ብምውፋር ነቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ፣ 9 ኣባላቱ ‘ውን መጠናዊ ጉድኣት ከምዝወረዶም ክግለጽ ከሎ፣ በቲ ኩነታት ዝሰንበደ ህዝቢ ‘ውን ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ኣማኢት ነበርቲ ኣድላዪ ምትሕብባርን ምጽጽንናዕን ይገብረሎም ኣሎ።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ኳ እንተዘይተገልጸ፣ ገለ ኣባላት ፓርላማ ከተማ ለንደንን ፖለቲከኛታትን ነቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝለከመ ቃጸሎ፣ ከም ኣሰቃቒ ቅዝፈት ብምግላጽ ገበናዊ መርመራ ክካየደሉ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ጀርሚ ኮርቢን እቲ ሓደጋ ብደቂቕ ተመርሚሩ ሓቁ ክወጽእ ኣለዎ ከምዝበለ ቢቢሲ ክሕበር ከሎ፣

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ትሪዛ መይ እቲ ሓደጋ ህዝባዊ መርመራ ክካየደሉ ምዃኑ ገሊጻ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Bazen June 15, 2017

    ኣዝዩ ዘሰምብድንን ዘሕዝንን ፍጻመ እዩ። ነቶም ደሃይ ፈተውቶም ቤተሰቦም ዝጽበዩ ዘለዩ ሰናይ የስምዓዮም፣
    ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ድማ ምሉእ ድሕነት ይሃቦም።

  • Bazen June 15, 2017

    ጸብጻብ ዜና ናይ ቢቢሲ ፈነወ : ሓደ ካብቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዉ
    ሰብኣይ ከምዝኾነ ትሕብር። http://www.bbc.com/news/uk-40280169

  • Bazen June 15, 2017

    By Mario Cacciottolo, BBC News

    Father Bisrat Berhanu, 55, is an Orthodox priest and lives in Lancaster Way. He’s been in the area for 19 years.

    He would visit people in Grenfell Tower, knew families there, and is shocked at what’s happened.

    “The community is dynamic, it’s close,” he says.

    “The people in the tower blocks knew each other, they were like a family. I’ve met people who lived there. We’ve cried together.

    “We’re feeling shock and shock. Everyone’s been ringing me, even people from overseas, asking just what has happened.”

    http://www.bbc.com/news/uk-40291227

  • k.tewolde June 16, 2017

    Death comes in all forms,anywhere,any time.Who would have thought it would knock in a cozy flat engulfing the residents who some of them evaded it closely recently and made it to the west.Lets pray,and those who lost their loved ones,let them get comfort in the company of the almighty Lord. Amen!

POST A COMMENT