Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በዓል መጋቢት 8 ኣብ ኖርወይ

በዓል መጋቢት 8 ኣብ ኖርወይ መጋቢት 8 ብደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ ኣብ ከተማ ሽየን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኖርወጃውያን ዕዱማት ዝተረኽቡዎ በዓል ካብ ምሉእ ኖርወይ ዝተረኽቡ ወኪላት ጨናፍር ምስረት ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገርን ሲቪካዊ ማሕበራትን ካልኦት

በዓል መጋቢት 8 ኣብ ኖርወይ

መጋቢት 8 ብደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ ኣብ ከተማ ሽየን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኖርወጃውያን ዕዱማት ዝተረኽቡዎ በዓል ካብ ምሉእ ኖርወይ ዝተረኽቡ ወኪላት ጨናፍር ምስረት ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገርን ሲቪካዊ ማሕበራትን ካልኦት ደለይቲ ፍትሕን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብዚ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዝተኸብረ በዓል ዝተነበ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ነይሩ። ነቲ በዓል ካብ ኦስሎ፡ ስታቫንገርን ትሮንድሃይምን ዝመጽኡ ስነጥበበኛታት ኣማዕሪጐሞ ኣምስዮም።

ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ሓደ መስፍነ ርእሰማላዊ ሕብረተሰብ መጠን ጓልኣንስተይቲ ንማለቱ መሰላ ሕሉውዩ’ኳ እንተ ተባህለ፡ ካብ ተባዕታዊ ልዕልና ናጻ እያ ምባል ነፍስኻ ምትላል ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ሰውራ ኤርትራ 30% ካብ ተጋደልቲ ደቂኣንስትዮ ከም ዝነበራ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ደቂኣንስትዮ ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱ፡ ኣብ ምምህርና፡ ኣብ ሕክምና ወዘተ ኣገልጊለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣህጉራዊ ጋዜጠኛታትን ውሩያት ሰባትን ዓለም ናብ ሜዳ ኤርትራ ወረር ብምባል ብዛዕባ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ይፍጽሞኦ ንዝነበራ ቅያ ኣድኒቖምን ጽሒፎምን። እቲ ዘገርም፡ ገለ ተጫረቕቲ ብጾት “ማዕርነት ደቂኣንስትዮ ዓዲኣቤቶ ክሳብ ንበጽሕ’ዩ፡” ክብሉ ከለዉ ከም ጭራቃን ጥራይ ንወስዶ ምንባርና እዩ። እቲ ሽዑ ከም ዋዛ ዝተባህለ ቃላት ግን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ባይታ ክንጸባረቕ ተራእዩ። ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ካብ ካልኦት ኣብ ኣፍሪቃ ወይ እስያ ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ብዘይፍለ ጽቑጣት ከም ዝኾና ብጭቡጥ ተራእዩ።

 

ድሕሪ ናጽነት ኢሰያስ ኣፍቀርቂ ንተጋደልቲ ኤርትራ ካብ ሃማደኤ ክንጽለንን ነቲ ማሕበር ናብ ሓደ ምእዙዝን ልሙስን መሳርሒ ክቕይሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ከም ሳዕቤን ድማ እሺ በሃልቲ ብዝኾና ሓለፍቲ ረቕሪቑ፡ ኣባላቱ ናይ ቃልሲ መንፈሰን ካም ዝዳኸም ገይሩወን። ንሓለፍቲ ማሕበር ብምእዙዛት ብምትካእ ድማ ኣብ ክንዲ ንማዕርነተን ዝቃለሳ ኣብ ካልኣዊ ጕዳያት ከም ዝተኵራ ገይሩወን። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝኣተዎኦ መብጽዓ ከም ዝተጠልመ ብዝርዝር ንምርኣይ ነዚ ዝስዕብ ኣብነታት ንመልከት።

  • ድሕሪ ረፈረንደም መንግስቲ ንዝበዝሓ ኣደቈልዑ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ተጋደልቲ ከጣይሰን ምስ ሓሰበ ብወገን ሃማደኤ ተቓውሞ ተራእዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት መንግስቲ ሜላ ብምቕያር ብፍላይ ነተን ኣደቘልዑ ዝነበራ ልዕሊ ሽሕ ዝኾና ተጋደልቲ ናይ ክሊማ ተጻባእነት ናብ ዘለዎ ቦታታት ብቕያር ክኸዳ ወይ ድማ ክጣየሳ ዝብል መምርሒ ሂቡወን። ዝበዝሓ ድማ ክጣየሳ ተገዲደን። እዚ ስጕምትዚ ካብ ነቐፌታ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድሓን ዝተወስደ ጥበብ ነይሩ። ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ግን ኣይስራሕ፡ ኣይትምህርቲ ብምዃን ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትየን ናብራአን ምእላይ ክሳዕ ዝስእና ኮይነን።
  • ምስ ምእዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደቂኣንስትዮ’ውን ናብ ሳዋ ክወርዳ ተገዲደን። ኣብ ሳዋ ታዕሊም ድሕሪ ምውዳእ ግን እተን ምልኩዓት ኣገልገልቲ ሓለፍቲ ክኾና ኣብ ቤትጽሕፈታቶም ክምደባ ጀሚረን። ኣብቲ ቤትጽሕፈታት መርውዪ ጾታዊ ስምዒተን ብምዃን ድማ ናብ ወሻሽማኦም ከም ዝተቐየራ ይፍለጥ። እዚ ተርእዮ እዚ ዝኾነ ኣብ ሳዋ ዝበጽሐ ተዓላማይ ዝፈልጦ ነገር’ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብፍላይ ኣብ ናይ ግንባራት ቤትጽሕፈታት ዝምደባ ደቂኣንስትዮ ንሓለፍተን ጥራይ ዘይኮነ መርወዪ ጾታዊ ባህጊ ኣጋይሾም’ውን ይኾና ምንባረን’ዩ።
  • ኤርትራ ብዙሕ ጸጋታት ዘለዋ ሃገር’ኳ እንተኾነት፡ ብሰንኪ ግጉይ ቍጠባዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ዝበዝሕ ህዝባ ኣብ ድኽነት’ዩ ዝነብር። መንእሰያት ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋልግሎት ብዘይ ደሞዝ ስለ ዝቝረኑ ኣባታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ኣይክእሉን። ስለዚ፡ መርዑቶምን ደቆምን ዝናብዮም ኣይረኽቡን። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ብርክት ዝበላ ዕሸላት ዝሓዘላ መንእሰያት ኣደታት ክልምና ንዕዘብ። ሽርሙጥና ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ክልኩል’ዩ። ዝበልዖኦ ዝሰኣና መንእሰያት ግን ንጸልማት ከም ጕልባብ ተጠቒመን ስዉር ሽርሙጥና ከካይዳ ምዕዛብ ልሙድ ነይሩ። ካብ ደቂተባዕትዮ ብዘይፍለ ድማ ብወተሃደራዊ ግፋ ከም ዓሳ ተጀሊበን ናብ ሳዋ ይወርዳ።
  • ደቂኣንስትዮ ታዕሊም ምስ ወድኣ ብወተሃደራዊ ሞያ ክምዕብላ ኣይክእላን’የን። ኵሉ ግዜ ካብ ጠማቲ ኣዒንቲ ሓለፍቲ ስለ ዘየምልጣ፡ ወይ ናይ ሓላፊአን ድሌት ከማልኣ ኣለወን። ኣይፋል እንተ ኢለን ግን ኣብ ታርጌት ስለ ዝኣትዋ፡ ክሳዕ ኣላሽ ኢለን ዝንብርከኻ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ይምደባ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዕረፍቲ ይኽልኣን ካልእ መሰላተን ይሕረማን። ኣብ መወዳእታ ድማ መጻወቲ ሓለፍቲ ብምዃን ኣይ ካብ ሓዳር ኣይ ካብ ስራሕ ዘርሞ ዘርሞ ይተርፋ። ካብዚ ዝተበገሰ ድሕሪ ናጽነት ብውትህድርና ስም ዝረኸበት ጓልኣንስተይቲ ዘይምህላዋ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። ኢሰያስ ብዛዕባ ናይ ደቂኣንስትዮ ሳዋ ምውራድ ኣብ ሲነማ ካፒቶል ንህዝቢ ኣኪቡ መደረ ኣብ ዝገበረሉ እዋን’ውን፡ ንእግረ መንገደን ከኣ ሞራል ይኾንኦም ኢሉ ኣባጭዩለን ነይሩ እዩ።
  • ሃገርና ኤርትራ ንደቂተባዕትዮ ጥራይ ዘይኮነ ንደቂ ኣንስትዮ’ውን ናብ ሓንቲ ከፋት ቤትማእሰርቲ ካብ ትቕየር ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣደታት ኤርትራ ሰብኡተን፡ ደቀን፡ ኣሕዋተንን ኣዝማደንን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝእሰሩወን እንተኾይኖም ከመይ ዝበለ ቍጠባውን ስነኣእምሮኣውን ጸገም ክወርደን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን። ካብ ከምዚ ዓይነት ሕሰም ንምግልጋል ድማ ካብ ዝፈትዋኣ ሃገረን ክሃድማ ይመርጻ። እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ጽንኵር ስለ ዝኾነ ግን ግዳያት በደዊን፡ ሳሃራን ዓሳታት ባሕርን ካብ ምዃን ኣይድሕናን። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ናይ ሓንቲ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ኣሰቃቒ ሞትን መቕዘፍቲ ናይ ሓንቲ ጥንስቲ ምስ መዳሕንቲ ናይቲ ዕሸልን ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መከራን ግፍዕን መርኣያ እዩ።
  • ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ጥኑስታን ሓራሳትን ከይተረፋ ፍትሒ ብዝጐደሎ ኣገባብ ይእሰራ፡ ይቕጥቀጣ ብዘይ ፍርዲ ድማ ኣብ ንዓመታት ይዳጐና። ደቅኽን ናበይ ከይዶም? እንተ ዘየምጺእክንኦም ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ክፈላ ይብሃላ። ከም ናበይቲ ስድራ መጠን ብስእነት ባኒ፡ ላምባ፡ ማይ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘጋጥመን ማሕበራዊ ጸገም ማእለያ የብሉን። ነዚ ድየን ደኣሞ ተቓሊሰን? እዚ እዩ’ምበኣር ህይወት ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ። ብህዝቢ መረረ ምስ በዝሐ ደቂኣንስትዮ ካብ ውትህድርና ናጻ ክኾና’የን ተባሂሉ ነይሩ። እቲ መምርሒ ግን ንህዝቢ ንምትላል ጥራይ ዝዓለመ ስለ ዝነበረ ገና ናብ ሳዋ መራድን ኣብ ሰራዊት ምግልጋልን ኣየቋረጻን።

መደምደምታ: ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ኣምር ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሕን’ዩ። 90% ኤርትራውያን ተጸቒጠን ብሓሳረ መከራ እናነበራ፡ ንርኣዩለይ ተባሂሉ ህዝቢ ዘሰከመን ሓላፍነት ክሰርሓሉ ዘይክእላ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ሚኒስተራት ስለ ዝተባህላ ጥራይ፡ ወይ ደርዘን ዘይኣኽላ መራሕቲ መካይን ስለ ዘለዋ፡ ማዕርነት ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ተረጋጊጹ ማለት ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ፡ ዓመት መጽአ ኣብ መጋቢት ሸሞንተ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ደፊኑ፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ደቂኣንስትዮ ብዛዕባ ዘመዝገብኦ ዓበይቲ ዓወታት ክዝርዝር ዓንገረር ክብል ይስማዕ’ዩ። ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ግን ንመሰለን መሪር ቃልሲ ኣሕሊፈን ከብቅዓ፡ ብስዉር ልዕልነት ደቂተባዕትዮ ይሳቐያ ከም ዘለዋ ክፍለጥ ይግብኦ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንማዕርነት ደቂኣንስትዮ ዘተባብዕ ጽዑቕ ጐስጓሳት ነይሩ ክብሃል ኣይክእልን። ከም ሳዕቤን፡ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝዕድመአን ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ጓልኣንስተይቲ ምስ ወዲተባዕታይ ማዕረ ድያ ተባሂለን ክሕተታ ከለዋ፡ “ብተባዕታይ ደርሆ’ዩ ዝወግሕ” ዝብል መልሲ’የን ዝህባ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልስን ናይ 25 ዓመታት ናጽነትን ደቂኣስንትዮ ኤርትራ ገና ከም ሓንቲ ክንፋ ዝተሰልዐት ዑፍ’የን። ብሓጺሩ ምስ ወዲተባዕታይ ማዕረ ክኾና ኣይከኣላን። እዚ ድማ ኣብቲ ዘብዝሕ ክፋል ህዝብና ዝነብረሉ ገጠራት ኤርትራ ኬድካ ብምዕዛብ ክረጋገጽ ይከኣል።

 

ዓወት ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ!!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Roman March 8, 2015

    Come every year, some people both inside Eritrea (mostly coerced by the state) and abroad celebrate the March 8th International Day without bothering to ask whether women in Eritrea are better off now or fifty years ago, before the revolution/armed struggle and its program of women’s liberation.
    What would be the opinion of people? We have no way of finding out for no poll has been made on the subject, nor has there been any significant writing.

    • Roman March 8, 2015

      addition – nor has there been any significant writings on the subject of the March 8th International Day.

  • Lemlem G/z March 8, 2015

    PFDJ has robbed the amazing history of Eritrean women in particular and the people in general.
    The entire leadership who would have told most of the history of EPLF, the victories and the failures, the hardships and the dark side are all incarcerated.
    The women during the revolution had managed to participate in all activities of life but they never have any power of decision making. And after independence they were not represented in the Government, they have no say about the indefinite national service which is affecting their life and their children’s life directly and is bringing about the disintegration of the fabric of Eritrean society.

  • Madingo March 8, 2015

    In countries where “revolution” was not experienced, such as in the Democratic Republic of Congo, women are often victims of sexual violence in the hands of government soldiers and war lords who often condone its use as a weapon of war. The public in the West has been rightly horrified by this rampant violence. In Eritrea, however, women and girls have been victims of systematic rape and abuse for many years in the hands of the regime, which allegedly fought for the rights of the women.
    Certainly, no International Women’s Day, March 8, introduced into the mass culture by a regime known for its gross abuse of women, is worth celebrating in today’s nation state of Eritrea.
    It is simply a great scandal and a gross insult that condones the policy of violence on the women’s in Eritrea.

  • Mamit March 9, 2015

    Thousands of Eritrean women who married or had children with Ethiopians were kicked out to Ethiopia in just few months after the “liberators” took control of Asmara…. point is, if EPLF had the slightest respect of women’s right, it would not have sent innocent women along with their kids to a place they had never been to before, simply because they fell in love with an Ethiopian soldier.
    Without doubt, no revolution or independence, noble or not, which sacrifices two generations of women is not worth celebrating and the case of Eritrea is a good illustration. Ironically, Eritreans and Ethiopians are coming together by love, setting up families as we speak. I am not sure what PFDJ can do about it this time! God bless the habesha people and women in particularly of both sides.

POST A COMMENT