Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባርያ እንተ ትህሉ!

እቲ ቅድሚ 16 ዓመት፡ ማለት ኣብ ዕለት 05/11/1997 ብሃንደበት ብሞት ዝተፈለየና ኮኾብ ድምጻዊ ነፍስሄር የማነ ገ/ሚካኤል (ባርያ) ህላወ ህዝቢ፡ ሃገር ከም ዝፈጥር እምበር ህላወ ሃገር ህዝቢ ክፈጥር ከምዘይክእል ብምእማን’ዩ “ቅድሚ ኹሉ፡ ሃገር ትሃሉ!” ብምባል፡ ብጉልባብ

እቲ ቅድሚ 16 ዓመት፡ ማለት ኣብ ዕለት 05/11/1997 ብሃንደበት ብሞት ዝተፈለየና ኮኾብ ድምጻዊ ነፍስሄር የማነ ገ/ሚካኤል (ባርያ) ህላወ ህዝቢ፡ ሃገር ከም ዝፈጥር እምበር ህላወ ሃገር ህዝቢ ክፈጥር ከምዘይክእል ብምእማን’ዩ “ቅድሚ ኹሉ፡ ሃገር ትሃሉ!” ብምባል፡ ብጉልባብ ሃገር፡ ህዝቢ ክደሃኽ፣ ህዝቢ ክስደድ፡ ህዝቢ ክሃልቕ ከይመኸረ ዝሓለፈ። ዕድለኛ ስለ ዝኾነ ኸኣ ነዚ ሕጂ ህዝቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ሓሳረ መከራ ከይረኣዮ ሓሊፉ። ኣብ ዓይንን ልብን ባርያ ኩሉ ግዜ ህዝቢ’ዩ ኔሩ። እዚ ስለ ዝፈልጥ ድማ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎን ጌሩዎን ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ልዑል ክብርን ፍቕርን ኣርእዩ ናብ ዓዲ ኩልና ዘፋነዎ። በዚ ኸኣ የማነ ባርያ፡ ኣብ ቅድሚ ሓርበኛ ኣቦና ነፍስሄር ወልደኣብ ወልደማርያም ብምስራዕ፡ እቲ ዝለዓለ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸበ ዜጋ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ።
ህዝብና ክጥሓን መዲድ ምስ ከበዶ
ህይወቱ ንምድሓን ዘሊሉ ካብ *እዶ     *ከንፈር መጥሓን
ከም በጊዕ ብኻራ በደው እናሓረዶ
ነዚ ጠላም ስርዓት ብሓዊ ከንድዶ
ተባዕ ተሳኢኑ *ንስልንስል ዝምዕዶ!       *ንነግፈረግ በሃሊ
ንስኻ ግን ባርያ ዕጠቕ ምበልካዮ
ህዝብኻ ክሳቐ ዓይንኻ ክርእዮ
ብግጥሚን ብዜማን እናሰናኻዮ
በጃ ምሓለፍካ ሕሰሙ ጼርካዮ!
እዚ ለዋህ ህዝቢ ብሰላም ክነብር
መኣዛ ናጽነት ላዛ ከስተማቕር
ንጉጅለ ሕሰም ኣዕሚዩቑ ክቐብር
ሓድነቱ ኣትሪሩ ንፍትሒ ክሰምር
*ፋህም ይደሊ ኣሎ ብዜማ ዝመክር!   *ለባም መስተውዓሊ
ህዝቢ ናብ መግዛእቲ ዳግም ተመሊሱ
ሽግሩ ክፈትሕ ሎሚውን ብቓልሱ
ባርያ ዜማታትካ ኩሉ ተሓዲሱ
ጽንዓት የስንቖ’ሎ ላዛኡ ነስኒሱ!
ዓሰረተው ሽዱሽተ፡ ዓመታት ሓሊፉ
ዘርእኻ ኣይሓረረን ዕባባኡ ኣርጊፉ
ህዝብኻ ካብ ሕሰም ክነብር ኣዕሪፉ
ህያው ዜማታትካ ንልቡ ተንኪፉ
ጽንዓት ይህቦ’ሎ ካብ ሞት ኣናጊፉ!
እቲ ለዋህ ህዝብኻ ብምልኪ ኣማሪሩ
ጸላኢ ክምክት ሓድነቱ ኣትሪሩ
ህዝቢ ናፊቑካ ናይ ጽንዓት መምህሩ
እኖሆ የስተንትን ንኣኻ ዘኪሩ!
ነዞም መጣቓዕቲ ብዜማ ክትመክር
ኣንታ መምህር ህዝቢ ሎሚ እንተ ትነብር
ብምሕደራ ምልኪ ህዝብኻ ከማርር
እኖሆ ኣብ መከራ ንኣኻ ይዝክር!
መንእሰይ ከም ጫቚት እናመንጠሎ ሽላ
ኣደ ተኾርምያ ኣብ ሓዘን እንከላ
ድምጻውያን ከድምቑ ናይ መላኺ ጓይላ
ኣብ ቦስተንን ሳዋን ሓዲሮም ኣብ ዝላ
ባርያ እንተ ትህሉ ሃገር መእወኻላ!
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ነቲ ድሕሪ ሕልፈቱውን እንተኾነ
ንህዝቢ ዝምህርን ዘጸናንዕን ዘሎ ኮኾብ ድምጻዊ ነፍስሄር የማነ ገ/ሚካኤል!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-11-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you November 10, 2013

    ኽቡራት የህዋት፣ ኣነ ወዲ ትካቦ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝዬ ስልዝኣገቦኩ፣ ቁሩብ መንፈሱ ምስተመልሰሉ፡ ነቲ ውጹእ ሕዝብና በቲ ዓምላኽ ዝሃቦ ሥነ ጥበባዊ ፀጋ ብእጽፊ ከምዝኽህስ ስለዝኣምን ንግዚኡ ብዙህ እዝን እትን እንዳበልኩ ክጿኣኖ ኣይመርጽን።
    ኾይኑ ግን፣ ውሩይ ሥነጥበባዊ ተስፋይ መሃሪ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብመንፈሱ ብዛእባ ናይዞም 365 ዓብ ላምፓዱዛ ዝኃለቁ ንጹሃት ዜጋታትና ሕሹኽ ኢልዎ እዩ መስለኒ፣ ናይ ሃዘን ደርፊ ከም ትንቢት “ባሕሪ” (Bahri) ኢሉ ዋላኳ እንተዜመ፣ ከምኡውን በቲ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ግፍኢ ስለዝሰከኽ፣ ዋላዃ “ይኣኽለካ!” ኢሉ እንተዜመ፥ ክሳብ ሕጂ ከምወዲ ትካቦ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ብደይምውሳዱ ኣዝዩ እዩ ገሪሙኒ። ተስፋይ መሃሪ ከምሰብ ትሁትን ንሃገሩን ሕዝቡን ዘፍቅር ለዋህ ሰብ ብምዃኑ ኢሳያስ ኣርኪቡሉ እጫ ህቡብ ደራፋይ ኣብርሃም ኣፈውርቂ ኣይነት ስጉምቲ ንከይወስደሉ ፍጹም ጸሎተይን ትምኒተይን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ምስቲ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ቅዝፈት ሕዝብና ብፍላይ ንቤተሰብ ግዳያት ላምፓዱዛ ንዝስምኦም ዘሎ ሃዘንን ጛሂን ዓጸቢቓ ስለዝተንጽባርቕ ነታ ምቕርቲ ናይ “ሃዘን” ግናስ ናይ “ፍቕሪ” ምጭውቲ ደርፉ ደጋጊምኩም ንክትሰሙኡዋ እእድመኩም።
    Tesfay Mehari Fihira) SAD MUSIC VIDEO !! Bahri

    ከምኡውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ነታ “ይኣክል!” (enough!) ትብል ረዚን መልዕኽቲ ዘለዋ ጠኣመ ዜሙኡ
    ( Tesfay Mehari (Fihira) sings ‘Yieakleka’ (Enough)
    ንትብል ቪድዮ ደጋጊምኩም ክትሰምኡዋ ብተወሳኺ ይእድመኩም።

    ቑሩብ ካብቲ ግጥምታት ደርፉ፣ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ።
    ይኣኽለካ! ተረታዕ ብሕጊ
    ይኣኽለካ! ውቅያኖስ ሃብቲ…. ይኣኽለካ
    ይብል ኣሎ ማዕበል ውጹኣት- ኣይትዝረጎ ቤትና-ቤትና
    ይብል ኣሎ ድምጺ ዉጹኣት ኣይትጠምት ቤትና- ቤትና
    ሕጂ ግና ግዜ ኣኺሉ ኣብ ዶብ ፀሓይ
    ጸልሚቲና ጎይታ ጽባህ ጥኡም ደሃይ።

    በዚ ኣጋጣሚ መርበብ ሃበሬታታት ከም ኣሰና፣ ነቲ ከምሃላልፍዎ ዝድልይዎ መልዕኽቲ፣ ግፍእታት ይኹን ናይ ሕዝቢ ሃዘን፤ ምስቲ ኩነታትና ዘንጸባርቕ ደርፊ ኣሰንዮም ንሕዝብና ከቕርብሉ እንተዝእኽእሉ ሕዝቢ ብዝያዳ ምተበራበረ። እዚ ክብል ከለኹ ኣይግበርን ዘሎ ኣናበልኩ ይወቅስ ከምዘየለኹ ክትርድኡለይ አፈቱ።
    እንተ ብዛእባ በርኸት መንግስት ኣብ ግን” ብዘይ ሕቶ ሪኢቶ ኩላህና ኣብ ባሕሪ ንእቶ” ካበለ ፣ ዉርዙይ ሰብ ስለዘይኮነ መንግስተ ኣብ ደይኮነ፤ መንግስተ ሲኦል ባእልኻ እቶ ኢለ ጥራህ ክኣጽዎ እመርጽ።

  • Hagerawi November 11, 2013

    Ane gin zigermeni truly truly as if people here can dictate what Artists can be or not can be…Eritrean artists are also victims of the regime..the old singers are old to do anything and nothing.do not be hypocrite. You all here clapped for issayas all the way…some of the artists like bereket were victimised by you all here because of their ELF background in the 1980’s because they were ELF..after independence they all went back to eritrea c’use its their mother Land…please please don’t lecture as if we don’t know what they went thru…specially bereket was the biggest victim of the ELF..EPLF poletics…so you are all probably one of those people who made his life misery in the 1980’s poletics outside eritrea. . You made hia life difficult becuause he was an ex ELF member…specially the guy here call himself Truly Truly…you have no truth in your crtisism..you yourself go to hell…Bereket is Legend who made you who you are Today.. until the day we stop prosecuting personalities like him then we really have big issue in our sick mind…Idont like pfdj but i owe to defend this kind of charachter assasinations.If you know the language of tigrigna then you really have owe to go back to school…bezey hito rito song have different message and try to analyse the words not in your sick mind interperation…you can not fit in the shoes of bereket.History will Judge him for his work not you.you have no authority to Judge any Artists…Truly truly…you are what they call Hiwik Zibi kerni yenekis

    Wedehankum

  • Mesinas November 11, 2013

    ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ብመጀመርያ ነቶም ዕላማ ጽሑፈይ በቲ ቅኑዕ መገዱ ዝተረደኣኩምን ዘይተረደኣኩምን ኩላትኩም ኣንበብቲ፡ ስለ’ቲ ሃናጺ ዓለቕኹም (ርእይቶኹም) ብልቢ ከመስግነኩም እፈቱ። ከምቲ ኣብ ጽሑፈይ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ገሊጸዮ ዘለኹ ብተውህቦን ክእለትን የማነ ባርያ ዘይቀንእ ስነ ጥበበኛ መቸም ዘሎ ኣይመስለንን። ቅዱስ ቅንኢ! ነፍሲ ወከፍና ነዛ ሃገርን ህዝባን ዓቕምና ዝፈቕዶ ኣበርኪትና ኢና ጌና ነብርክትውን ኣለና። ከም ናይ የማነ ባርያ ግን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ባርያ ወዲ ህዝቢ ወይ ድማ ኣገልጋሊ ህዝቢ ዘይኮነስ ንባዕሉ ህዝቢ ስለ ዝነበረ። ክብሪ የማነ ባርያ’ምበኣር ካብዚ’ዩ ዝብገስ። ብመሰረቱ ባርያ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ብወዲ ሃገር ይኹን ብባዕዳዊ ክግፋዕ ኣይፈቅድን’ዩ ነይሩ። ኣይፈቅድን ጥራይ ዘይኮነ ብጋህዲውን ይቃወም ኔሩ’ዩ።ነቶም ኣብ ከተማ ንዝሰኸረ ሰብ ብበትሪ ዝሃርሙ ወተሃደራት ከተማ ከይተረፈ’ዩ ዝጋባገቦም ኔሩ። ስለዚ ድማ ኢና ነዚ ኣያ ኹሉ ዝኾነ ባርያ ደጊምና ንዝክሮ ዘለና።

    ካልእ ክብሎ ዝደሊ ጉዳይ እንተሎ፡ ነቶም ጽቡቕ ተግባራት ባርያ ስለ ዘልዓልና፡ ድቃስ ዝስእን ዝመስሎም የዋሃት፡ ቅሰኑ ምባል’ዩ። የማነ ባርያ ኣልዒልናዮ ኣየልዒልናዮ ካብ ልዋም ድቃሱ ከምዘይባራበርውን ደጊመ ክሕብሮም እፈቱ። ካልእ ንእግረመገደይ ብዛዕባ’ዛ ብተደጋጋሚ ትላዓል ርእይቶውን ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር ኣሎ። “ዘረባን ምጽሓፍን ጥራይ ዋጋ የብሉን! ስጉምቲ ንውሰድ!” እትብል ርእይቶ ኣይሰማማዓላን’የ። ስለምንታይ ከምዘይሰማማዓላ መልሳ ካብዛ እትስዕብ ሕቶ ርኸቡዎ። ሓደ ግራት ኣቐዲምካ እንታይ እንታይ ጌርካ ምስ እትዘርኦ’ዩ እቲ ዝድለ ምህርቲ ክትረኽበሉ ትኽእል? መልሲ ናባኻትኩም እገድፎ።

    ካብ ሓውኹም መሲናስ

POST A COMMENT