Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ምልቃቕ ናይቶም ሽዱሽተ “ጋዜጠኛታት” ብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፣ ማሕዩር ናይቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ገና ኣብ ቤትማእስርቲ ዝባኽኑ ዘለዉ ክሳብ 17 ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት ከምዘሻቕሎ ገሊጹ።

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንምልቃቕ ናይቶም ከም ጋዜጠኛታት ዝግለጹ ዘለዉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ግዳያት ብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ኣውንታዊ ዝርእዮ ኳ እንተኾነ፣ ብዓቢኡ ማሕዩር ናይቶም ካብ

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንምልቃቕ ናይቶም ከም ጋዜጠኛታት ዝግለጹ ዘለዉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ግዳያት ብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ኣውንታዊ ዝርእዮ ኳ እንተኾነ፣ ብዓቢኡ ማሕዩር ናይቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤትማእስርቲ ዝባኽኑ ዘለዉ ክሳብ 17 ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ።

 

ነዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዘለዉ ሓያለ ጋዜጠኛታት፣ ኣባላት ናይቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ሰበስልጣን፣ ከምኡ ‘ውን ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ብህጹጽ ክፈትሖም ከምዝግባእ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

 

ኤርትራውያን ዜጋታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ክኽበረሎም ስርዓት ኢሳይያስ ኣድማሳዊ ስጉምቲ ክወስድ ‘ውን ጸዊዑ።

 

እዞም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ ናይ ሓደ ሚልዮን ዋሕስ ንነፍሲ ወከፎም ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኡዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት እናተባህሉ ዝንገረሎም ዘሎ ንጹሃት ዜጋታት፣ እቶም ኣርባዕተ ኣብታ ትምህርታዊ ፈነወ ንዓበይቲ እተካይድ ዝነበረት ራድዮ ባና ዝሰርሑ ዝነበሩ መማህራንን ስነጥበበኛታትን ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም ክልተ ኸኣ ኣባላት ናይቲ ብ ሚኒስትሪ ዜና ዝመሓደር ድምጺ ሓፋሽ ዝነበሩ ምዃኖም ምንጻር ኣገዳሲ እዩ።

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ጋዜጠኛታት ዝለቐቐ ኣምሲሉ ነዚ ጉዳይ ፕሮፖጋንዳዊ መኽሰብ ንምምእራር ክጥቀመሉ ይፍትን ኳ እንተሎ ፣ ነቶም ብምኽንያት ጋዜጣዊ ንጥፈታቶም ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ምስ ሓየሮም ሃለዋቶም ኣጥፊኡዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት ክሳብ ዘይፈትሖም ናይ ዓመጽ ምልክን ባህርያቱ ተመሓይሹ ክብሃል ኣይክእልን እዩ።

 

ምፍታሕ ናይዞም ብዘይ ምኽንያት ን 6 ዓመታት ተኣሲሮም ንኡስ ዕድሚኦም ዝባኸነ ኤርትራውያን ንዓኣቶም ይኹን ንቤተሰቦም ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፣ ምፍትሖም ጥራይ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ዘይምኽኑይ ገበናት ናይቲ ስርዓት ከረሳስዖ ኣይግባእን። እዞም በቲ ኣብ ርእሲኦም ዝወረደ በደል ኣብ ክንዲ ካሕሳ ዝወሃቡ ብናይ ሚልዮን ዋሕስ ወጺኦም ዘለዉ ንጹሃት ግዳያት ብቐደሙ ‘ውን ክእሰሩ ኣይምተገብአን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • rezen January 29, 2015

    HONEST QUESTION?

    “>>>ብ ናይ ሓደ ሚልዮን ዋሕስ ንነፍሲ ወከፎም ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኡዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት…”

    Ransom!? One million what? >>> Nakfa? or what? I think demo.archive.assenna.com should push its extraordinary and commendable effort and find out the extent of the TRUTH. Amazing! The implication will tell a lot about Eritrean people — NOT about Issayas Afewerki who revealed himself already to Eritreans a long time!!!

  • robi January 29, 2015

    Isayas is a psychopath and a fool. He releases 6 journalists and puts thousands more in prison. Now he is officially handing over our motherland to Ethiopian while pretending to stand against the US and Ethiopia. What a loser!

  • Eritreawit January 29, 2015

    rezen (Andenet; LOL)

    When did he revealed himself the kING OF DEMHIT/MR Diga,that is his new name) to us?
    Qeyh bahri Hizkas ab digatat tqoraba, abey zelo dikha u zi dictator si. Were zom Demhit kemgele gerom nab adu zeziwesdulnna. Wala idun egrun asirna kinsedo inna.

POST A COMMENT