Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብልቢ ንስሓ፡ ምትእምማንን ሓድነትን’ዩ ዘማዕብል

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤት ማእሰርቲ እናኸደ ልጓም ጠበንጃ ስሒቡ ሰባት ክቀትል፡ ብሰንሰለት ክሞቁሕ፡ ብዘይፍርዲ ክኣስር ካብ ስራሕ ከባርር፡ ከደስክል፡ ብዱላን ሓጺንን ክቅጥቅጥ ዓቅሚ የብሉን እምበር ኩሉ ባዕሉ ክፍጽሞ ፍስሃ ምወረሶ። ኤርትራዊ ክሳቀ፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤት ማእሰርቲ እናኸደ ልጓም ጠበንጃ ስሒቡ ሰባት ክቀትል፡ ብሰንሰለት ክሞቁሕ፡ ብዘይፍርዲ ክኣስር ካብ ስራሕ ከባርር፡ ከደስክል፡ ብዱላን ሓጺንን ክቅጥቅጥ ዓቅሚ የብሉን እምበር ኩሉ ባዕሉ ክፍጽሞ ፍስሃ ምወረሶ። ኤርትራዊ ክሳቀ፡ ክስደድ፡ ክመውት፡ ክበታተንን ክጠምን መምርሒታት ምውጻእን ትእዛዛት ምሃብን ግን መዓልታዊ ስርሑን ሕልሙን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ መለለዪ ባህርያት ኢሳያስ፡ ውድቀትን ሕሰምን ካልኦት ሰባት ክርኢ እንከሎ’ዩ ዝያዳ ሓጎስ ዝስምዖ። ነቲ ሃጸይ ኢሳያስ ብቃልን ብጽሑፍን ዘመሓላልፎ ሰንሰለትን ቅጥዕን ዘይሓለወ ጉዳያት እሺ ኢሎም ተቀቢሎም ዝትግብሩ፡ ሞቶምን ሕየቶምን ምስ ኢሳያስ ዝወሰኑ እሙናት፡ ብመርዚ ህግደፍ ዝተታለሉን ከምኡ’ውን ንኽነብሩን ብፍርሕን ትእዛዛት ህግደፍ ዝትግብሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ድማ ኣለዉዎ። እዚ ሜላ’ዚ፡ ፈለማ ግቡእካ ፈጽም ድሓር መሰልካ ትሓትት ወይ ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል ዝዓይነቱ ፍልስፍና፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሎሚ ከም ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተራዒሙ ዝቅጽል ዘሎ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ክዋስኡ ዝጸንሑ ባዕሎም ብዝፈልጥዎ ጠንቂ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ካብ ምስ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኮይንካ ሕሰም ህዝብና ምንዋሕ ድማ ንህግደፍ ፎእ ምባል ጽቡቅ ምርጫ’ዩ።

መንእሰይ ኤርትራ፡ ብክቱር ሃገራዊ ስምዒት ንመሬቱን ህዝቡን ክብጆ ኢሉ ናብ በረኻ ክውጽእ እንከሎ ሕልኽላኻትን ኣበራትን ውድባት ኤርትራ ብግቡእ ተረዲእዎ ኣይወጸን። መብዛሕትኡ ድሕሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምጽንባር’ውን በቲ ሽዑ ብሓለፍቱን ካድራቱን ዝወሃቦ ዝነበረ መግለጺታትን ኣስተምህሮን ንነገራት ከምሓቂ ውሲዱን እምነት ኣሕዲሩን’ዩ ይቃለስ ነይሩ። ይኹን እምበር ገለ ባእታታት ነቲ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ውድባት ብኣጋ ተገንዚቦም ተቃውሞታት ከርእዩን መኣረምታ ከቅርቡን ተራእዮም። ግብረ መልሲ ናይቶም  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ግን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ሕጽረታትን ኣበራትን ከውሕዱን ክኣልዩን ዝፍትኑ፡ “ጸረ ገድሊ፡ ሃይማኖታዊ፡ መንካዕ፡ የሚን፡ ኣውራጃዊ፡ መስፍን፡ ንኡስ ብርጅዋ፡ ተበላጺ፡ ድሑር ፡ ፋሉል፡ ኣድሓርሓሪ፡ ሃሱስ” ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣስማት ብምጥማቅ፡ ብዙሓት ዜጋታት ተቀንጺሎም፡ ተኣሲሮም፡ ነብሰቅትለት ፈጺሞምን ካብ ሰውራ ከምዝርሕቁን ኮይኖም። ገለ ድማ ዒሕ እናበሉ ለውጢ እንተመጸ ኢሎም ዝኣመኑን ክሳብ ዕለተ መስዋእቶም ኣብ ሰውራ ክቅጽሉ ዝወሰኑን ነይሮም። እቲ ዘሕዝን ድማ እቶም ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ንሓርነት ህዝቦም ኢሎም ዝተጋደሉ’ሞ ስለምንታይ ኣፍኩም ከፊትኩምን ሓቂ ተዛሪብኩምን ተባሂሎም ብግሁድን ብስዉርን ዝሓቀቑ ዜጋታት፡ ስድራቤቶምን ቤተሰቦምን ሃለዋቶም ሓቲቶም ጸማም እዝኒ ምሃቦም’ዩ። ልሙድ ኣሰራርሓ ህግደፍ ስለዝኾነ ድማ፡ ሰባት ብምጭዋይ፡ ምእሳርን ምቅታልን ገና ይቅጸል ኣሎ። እቶም ሰባት ኣብ ምእሳር፡ ምጭዋይን ምቅታልን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኢድ ዝነበሮምን ዘለዎምን ድማ ይቅሬታ ክብሉን ብልቢ ክንስሑን ኣለዎም። ብግብሪ ንዕዘቦ ከምዘሎና፡ ኣብ ህግደፍ የማናይ ኢድ ዝነበሮም’ሞ ካብቲ ስርዓት ተገሊሎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ሰባት፡ ገሊኦም ብዛዕባ ኣበራት ህግደፍ ብጩቅ ኢሎም ኣይይተዛረቡን፡ ገሊኦም ድማ ንነብሶም ካብ ገበን ሓራ ንምግባር ንኢሳያስ ጥራይ ይውንጅሉ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ክንዲ ሓቢሮም ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝምክቱ፡ ነናቶም ውድባትን ማሕበራትን ብምምስራት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ግዜኦም የባኽኑ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ፡ ንሕና ብንሕና ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪኡን እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይጽፉፍ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ገበናት ተፍጺሞም’ዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብህግደፍ ብዝኸፍአ መልክዕ ይቅጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብውድባት ኤርትራ ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ዝተፈጸመ እከይ ተግባራት፡ ኣብ ምጽብጻብ ከይኣተና ብዕርቂ ይደቅስን ንዝመጽእ ንጠምትን ሓደ ኣጠማምታ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ  ኣይፋሉን ነፍስወከፍ ይዕበ ይንኣስ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ክፍረድ ኣለዎ ዝብል’ዩ። ብርእይቶይ ብዕርቂ ምዕራፉን ብሓድሽ መንፈስ ንቅድሚት ምስጓምን ዝበለጸ ይመስለኒ፡ ምኽንያቱ ንሱ’ዩ ባብ ሰላምን ምዕባለን ዝኸፍት። እንተኾነ እቲ ምርጫ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግደፍ እምበር ብርእይቶ ወልቀሰብ ወይ ጉጅለ ዝውሰን ኣይኮነን። ሓደ ዘየማትእ ጉዳይ ግን፡ ብልቢ ጌጋኻ ምእማን፡ ይቅሬታ ምሕታትን ንህዝብኻ ክትክሕስ ቅሩብ ምዃንን ግን ናይ ለባማት ስጉምቲ’ዩ። ከምቲ  ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ጉጅለ 15 ተዋፊሩ ዝነበረ ሓው ሚካኤል ኣርኣያ ኣብ ራድዮ ኣሰና “ኣነ ዋላ ተኣዚዘ ይፍጽሞ፡ ኣብታ ተዋፊረያ ዝነበርኩ መደብ ስራሕ ገበን እንተተፈጺመ ብዓቅመይ ተሓታቲ’የ” ኢሉ ብትብዓትን ብንጹህ ሕልናን ስምዒትን ዝገለጾ፡ ምንሳሕ ሓጥያት ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ ንመጻኢ ህይወትካ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበካ፡ ተኣማኒ ትኸውን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዳግም ትጽምበርን ብሓድሽ መንፈስ ተዋሳኢ ትኸውንን።

          ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1 ጥቅምቲ 2015)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • yamie October 2, 2015

    Ertrawyan mewedaetakum entay kon yekewun betaemie tehzenu beka sedeten moten koinu meleleyekum.

  • hp October 2, 2015

    ሰውራና ሕልኽላኽ ነይሩዎ፡ ዘድልን ዘየድልን መስዋኢቲ’ከኣ
    ተኸፎሉ።ሎሚ ከም’ዚ ሎሚ ምስንዕዘብ ኢሞ’ ከኣ ኣንታ
    ሰብ’ዶ የለን ኢዩ? ኣነስ’ባ ሰብ ኢየ ዝብልየ ኮይኑ ነገሩ፡
    ዘድሉዩን ዘየድሊዩን መራሕትና ዘይንፈልጥ፡ወይ’ውን ኢንዳፈለጥና ነዳኽር፡ከም (ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ ጥራጥ –
    ኣድጊ ለመደ) ከምዝበሃል ንኹሎም ስውኣት ዝረሳዕና ኢና
    ንመስል።ንብኹቱር ስልጣን ዝባዕለጉ ንቀንእሎም፡ንመዋኣል
    ዝበለዩ ኣብ ስደት ከሞኡ፡ንሽግር ክፈትሕ ዝህቅን የለን፡ኩሉ
    ናብ ስደት ኢዩ ዝጥምት፡ኣብ ዝደለዮ ምስ በጵሐ ከኣ መርዓ ይገብር።ሻቡ ድግስ ይገብር’ሞ ሞቱ የረጋግጵ።
    ብወገነይ፡ንዝሞተ ዲኣምበር ንዝተመርዓወ ድግስሲ? …

  • k.tewolde October 2, 2015

    Constructive advice to a receptive, progressive, and open mind. Thanks blue umbrella. A true Eritrean will do anything today to heal the deep self inflicted wound that is a major deterrent to our unity in the fight against tyranny by genuine repentance,and without self preservation. After all, we are only human,fallible.

  • meskel October 3, 2015

    Good writing and good advises but to no available population or society. It is “Dihiri may nab baEti” kind of message I think. God the almighty save and rescue the poor Eritrea from further destructions and darkness.

POST A COMMENT