Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ብምቝሕ ሰንሰለትት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ሓራ ዝወጽአ ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ እዋን ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ

ብምቝሕ ሰንሰለት ምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሳቐየ፣ ካብ ቤትማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ፈንጢሱ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጽአ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ብምኽንያት መብል 23 ዓመት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ፍሉይ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሰና ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምፍንጣስ ካብ ማእሰርቲ ዘካየዶ ተኸታታሊ ቃለመጠየቕ፣ ንድሕረባይትኡ፣ ኣመዓባብላ ሞያኡ ከም ፓይሎት፣ ጸገማት ሓይሊ ኣየር ኤርትራን፣ ተሳታፍነቱን ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣተኣሳስራኡ ብምልካዊ ርዓት ኢሳይያስ፣ ኩነታት ማእሰርቱን ኣወጻጽኣኡን ዘጠቓልል  ሰፊሕ መርብርሂ ሂቡ ‘ሎ። 

እቲ ወዲ ክልተ ዓመት ከሎ ተሓዚሉ ምስ ስድርኡ ናብ ሳሕል ዝወፈረ ኣብ ጉዕዞ ሳሕልን ቤትትምህርቲ ሰውራን ብነፈርቲ ስርዓት ደርግ ዘጋጥም ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ዝዓበየ ብድሆኡ ከም ዝነበረ ዝዝክር ወዲ ስድራቤት ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ናጽነት ካብተን ዝደብድባኦ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ዝተራቐቓ ሚግ 29 ኣብ ሰማያት ኤርትራ ከብርር ዝበቕዐ ቀዳማይ ኤርትራዊ ፓይሎት ክንሱ፣ ቀዳማይ እሱር ኤርትራዊ ፓይሎት ኮይኑ 15 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ምብላዩ፣ ነቲ “ ሰውራ በላዒት ደቃ ‘ያ” ተባሂሉ ዝምሰል ኣበሃህላ፣ በቲ ጨካንንን ክፉእን መልክዑ ዘረጋግጽ ኣንደበት ምዃኑ ካብ ዛንትኡ ንርዳእ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዜና ኣሰና ከምዝተኻታተልኩሞ ፣ እቲ ፍትሒ ምስ ሰኣነ ነቲ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ዝርከብ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ካርሸሊ፣ ፈንጢሱ ባዕሉ ሓርነቱ ዘረጋገጸ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፣ ነቲ ሎሚ – ሎሚ ኣዝዩ ሳሕቲ ኮይኑ ኣበይ ከምዝኣተወ ንኹላትና ኣጨኒቑና ዘሎ ኤርትራዊ ጅግንነት ዘዘኻኽር፣ ዋላ ኣብቲ ዝኸፍአ ኩነታት ተስፋን ሓቦን ምግባር ዝፈድየካ ናይ ዓወት ጕንዖ ከምዘለዎ ብግብሪ ዘመስክር፣ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሕን ራዕድን ናብ ዝኸፍአ ባርነት መሊሱዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሞሽሚሹ ከምዘሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ክፍራሕ ዘይግብኦ ጓንጓ ስርዓት ተመሊኹ ይኸይድ ብምህላዉ ዘኪሩ ተባዕ ናይ ለውጢ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግብኦ ዘረጋግጽ ስጉምቲ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ንዛንታ እቲ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ባዕልኻትኩም ካብቲ ኣፍ ፈረስ ኣብ ድምጺ ኣሰና ርኸቡዎ፣ ካብ ሎሚ ምሸት 17 ግንቦት ኣትሒዝና ብተኸታታሊ ክንፍንዎ ምዃና ነዘኻኽረኩም።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
84 COMMENTS
  • yrhwo kidane May 20, 2014

    dejen belybe etye besenke ebude esyase hasesu zenber qoratse ertrawente. ab botu kem zelo aregagetskalu aleka emo . hije ke etom nehna nesu esu……… zeblu .men kon yebluka yekonu .kentsebe ena? ente neseka emo neze bako esyase bako kem zekone besereka ab makel ketmana aregagetsekalu aleka .emo nebrlna gena behije . bezuh alo nabe bayta zewerd .emo tueme yesmeana .

  • Tesfu Kbrom May 20, 2014

    ቢንያም ዝብሉኻ ሰብ ክትጻረፍ ዲኻ መጺእካ ካልእ ስራሕ ኣለካ። ንስኻ ሓደ ስዲ ሓንቲ ሸርሙጣ ዘኦበየትካ ክትከውን ኣለካ። ኣሰና መድረኽ መዛተዪ፡ ናይ ዜና ሓበሬታ እዩ። ከምዚ ናትካ ኣንጻር ኣሕዋትና ኤርትራውያን ብዕሉግ ዘረባታት መደርበዪ ኣይኮነን። እንተኸኣልካ ንሰብ ሓብር፡ ኣንቅሕ። ካብኡ ተረፈ ኢድካን እግርኻን ኣኪብካ ትም በል። ሰብ ይመውት ይቕዘፍ ኣሎ፡ ንስኻ ድማ ልኡኽ ውልቀመላኺ ግዲ ኴንካ ጽርፊን ቅለትን ተራእዩካ። ኣደብ ግበር!

  • the truth.. May 21, 2014

    leaving the country is not the best solution …one have to stay in the country end fight like man..all we wont is action .

  • tenfis May 24, 2014

    I am astonished by the great prison breaking opperation of the great hero “Dejen”. Your name itself tells that u are the brave man who can be a specimen for thousands of fellow Eritreans who suffer in prison unjustly.It was unable to follow the video clip interview with Dejen.

  • sina May 25, 2014

    I would like to thank to God for making me hear this surprising interview of Dejen Andi Hishel. Thank you Amanuel for your effort of wonderful interview.
    Dejen you are lucky for telling this history to your people. You explained briefly and nicely. He (the government) himself is an artist of complex and dictator.
    God save the people of Eritrea.

  • Beaye Mehari May 25, 2014

    i wont to say that you do the thing which seems impossible you are HERO .Nelson Mandela said that”It always seems impossible until it’s done.” so nothing is hard even know to make ERENA free lets stand up eritreans finally great Dejen .

1 4 5 6

POST A COMMENT