Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት መበል 54 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፡ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፣

  ጀጋኑ  ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ህዝብታት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ቅድሚ 54 ዓመታት ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ነጻነታዊ ሕቶኦም፡ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርዎ ተጋድሎ ረጊጾም ብዓመጽ ናብ ምጉባጡ ምስ ተሰጋገሩ ፡እቲ እንኮ ዝተረፎም

 

ጀጋኑ  ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ህዝብታት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ቅድሚ 54 ዓመታት ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ነጻነታዊ ሕቶኦም፡ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርዎ ተጋድሎ ረጊጾም ብዓመጽ ናብ ምጉባጡ ምስ ተሰጋገሩ ፡እቲ እንኮ ዝተረፎም ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ፡ ንደመኛ ጸላኢኦም ብዝተናወሐ ብረታዊ ተጋድሎ ክጸርግዎን፡ ንሰብኣዊ ክብሮምን ሃገራዊ መንነቶምን ከረጋግጹ ዕጥቂ ኣልዒሎም ናይ ሓርነት ድምጺ ዘበስሩላ ክብርቲ ታሪኻዊት ዕለት ኢና እንዝክር ዘለና።

እዚ ብዉሑዳት ሓርበኛታት.ኣብ ሓደ ጫፍ ናይ ሃገርና ኣብ ጐቦታት ኣዳል ዝተባረዐ ናይ ሓርነት ድምጺ እዚ ቀስ ብቐስ ኣብ መላእ ሃገርና ልሒሙ ካብ ብዙሕ ህዝብታት ኤርትራ /ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ዓርሞሾሻዊ ሓይሊ ፈጢሩ፡ ብዙሕ ናይ ሀገርና መሬትን ህዝብን ሓራ እናኣውጸኤ ዝተጓዕዘ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ እዩ። ከምዚ ኢሉ ካኣ ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመታት ጽዑቕ ቃልሲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ብረታዊ ተጋድሎ ኮይኑ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ። ኣብዚ ህዝብታት ኤርትራ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተሰውእሉን ዝሰንከልሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ዝፈትውዋ ሃገሮም ዝተሰደድሉን፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን ዝባደመሉን ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝብታት ዓለም ዓቢ ጅግንነታዊ ፍጻመን ቅያን ዝተሰላሰለሉ ፍትሓዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ።

ህዝብታት ኤርትራ ምስ እዚ ኩሉ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ጅግንነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ’ዚ  ግን ካብ ብጊሓቱ ኣትሒዙ ብቅኑዕ ስትራተጅን ስልትን ብቅኑዕ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን፡ ፈተውትን ጸላእትን ብልክዕ ብዘነጽር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ ዕዮ ጨቢጡ ብዘይምብጋሱ፡ እቲ ሰውራ ከበድቲ ሓጎጽጎጻት ከጋጥሞ ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለት ብዙሓት ብሄራትን ብሂረ-ሰባትን ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝሓቖፈት ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ኣብ ዘይረኸበትሉ እቲ ዝካየድ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡  ዝዋስኡ ተራ ሓርበኛዊ ሓይልታት ዘጋጥሞም ካልኣዊ ጐንጽታት ካልኣዊ ቦታ ኣብ ምትሓዝ ክጽገሙን፡ ብትምክሕትን ጽበትን ተወጢሮም ኣብ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ክሽከሉን ሜዳ ኤርትራ መን ብልዕልንኡ ተቖጻጸረ ክጓየዩ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲዊ ደሞክራሲ ከይተረጋገጸ እዩ ነጻነት ኤርትራ ዝተበጽሐ። ከም ናይዚ ውጽኢት ካኣ እዩ ጸረ ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ዝኾነ  ስርዓት ህግደፍ ንሕሉፍ ጐንጽታት መዝሚዙን ንፍረ ጻማ መስዋእቲ ህዝብታት ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ጨውዩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ደይቡ ዳግም ብኩሎም መልከዓት ጭቆናታት፡ ብሄራዊ፡ ደርባውን ሃይማኖታውን ጾታውን..ወዘተ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ክጭፍጭፎምን ሓሳረ-መከረኦም ከርእዮምን ነዊሕ ግዜ ዘይወሰደሉ።

ምዑታት ታቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ህዝብታት ኤርትራ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ተሓንጊጦም ሰፍ ዘይብል ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍሉ እንከለዉ፡ መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ክገብሩን ልዑላዊት ሃገር ጥራሕ ክእውጁን ኣይኮነን ነይሩ መበገሲኦም።እንታይዳኣ  ልዕላውነቱ ዘረጋገጸ ሓራ ዝኾነ ህዝብታት ክህሉ እዩ ነይሩ ትጽቢታት ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድልኦም። ኣብ ናጻ ደሞራስያዊ ሃገረ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ ዝማሓደር ህዝብን ሃገርን፡ ናይ ፖሎቲካ፡ ናይ ብሄር፡ ናይ ሃይማኖትን ጾታን ማዕርነትን፡ ናይ ሂወት ድሕንነትን፡ ቅዋማዊ ውሕስነት ክረጋገጸሎም እዩ ነይሩ ትጽቢታቶም። በዚ መሰረት ካኣ ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብትታትን ዜጋታትን ዘይተጓደለ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዘኽብርን ፈትሓውን ደሞክራያውን ምምቕራሕ ፖለቲክዊ ስልጣንን፡ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብትን ዝረጋገጸላ ኣብ ሰፊሕ ማሕበር ፖለቲካዊ ሂወት ህዝብታትና ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ንምትካል እዩ ነይሩ ባህግታቶም። መግዛእታዊ ሓይልታት  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ ግፍዕታትን ኣድልዎን ኣብ ናጻ ኤርትራ ብዝኾነ ኤርትራዊ ሓይሊ  ክድገም  ዝብል ትጽቢታት ኣይነበሮምን። ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ዝነበሮም ትጽቢታትን ተስፋታትን ንምዕባሊኦም ገቲኦም ዝሓዙ መሰረታውያን ጸላእቶም ዝኾኑ ድሕረትን ድኽነትን መሃይምነትን ካብ ስሩ በንቚሶም ክምሕውዎምን፡ ኣብ ጐደና ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ብናህሪ ክምርሹ እዩ ነይሩ ትጽቢታቶም። እዚ ኩሉ ልዑል ትጽቢታቶም’ዚ ከይተረጋገጸ ምትራፉ፡  እኩብ ድምር ናይ ጸረ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ድሕረትን ውጽኢት ኮይኑ ካብ ነዊሕ መስርሕ ተጋድሎና ሰፊኑ ዝጸንሐ ኣረኣእያን ተግባርን ብደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ልዕልናን ክስገርን ክዕወትን ናይ ዘይከአለ ተሞክሮን ታሪኽን ኮይኑ ብቑዕ ኣመራርሓ ናይ ዘይምርግጋጽ ሳዕቤን ምዃኑ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራ ብውጽኢት ናይዚ ካኣ እዩ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ጩራ ናይ ደሞክራሲ ዘይብሉ  ሰላምን ምዕባለን ሓርቢትዎም ከርፋሕ ናብራ ክነብሩን፡ ንዋሕዚ ስደት ክቃልዑን ኣብ ፎቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ክሃልቁን፡ ብነጋዶ-ሰብ ክሽየጡን ክሞቱን፡ ብግብረ ሽበራውያን ክሳዶም ክቕንጠቡን ልሙድ ዕለታዊ ተርእዮ እንዳኾነ ክመጽእ ዝጸንሐን ዘሎን።ብሰንኪ’ዚ ኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እዚ ካኣ እዩ ሎሚ ህዝብን ሃገር ኤርትራን ንብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሖም ንምድሓኖም ግዜ ዘይህብ ኮይኑ ህጹጽ እዋናዊ ዕማም ና ኩሎም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን ሃገራውያን ዜጋታትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ጀጋኑ ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ!

ሎሚ ባሕቲ መስከረም ንመበል 54 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋሎና ክንዝክር እንከለና፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝመጽእ ህጹጽ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዛዕባ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕማምን ስዋኣትና ዝወደቕሉ ናይ ሓርነት ሽግ ናይ ምብራህን ልዑል ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዃኑ እዩ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ  ኣብ ሰፋሕቲ ግንባራት ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ናይ ለውጢ ዓቕምታቱ ካልኣዊ ፍልልያቱ ካልኣዊ ቦታ ኣብ ምትሕዝ እናተጸገመ እናሽ5፡ዕ ብሰንኪ ትምክሕትን ጸቢብ ኣታሓሳስባታትን መሊኡ ክስጉም ኣብ ዘይኸኣለሉ ኣብ ምርግጋጽ ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ኣይተዓወተን።

ኣብ ዘይመሰረታዊ ጉዳያትን ፈልልያትን ተኸኣኢልካን ተጸዋዊርካን ሕድገታት እናገበርካ ምስጋር ከም ሓደ ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣይተታሕዘን ኣይሰረጸን’ውን። እዚ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝረኤ ዘሎ ድኽመታት ጸገማትን ካኣ ጽዑቕ መግለጺ ናይዚ መርኣያ’ዚ እዩ። ነዚ ክሰግር ካኣ ዕቱብ ዝኾነ ናይ ሓድነትን ቃልስን ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ምክያድ የድሊ።

ኣብ ክሊ’ዚ ወድዕነት’ዚ ካኣ መንእሰይ ወለዶን  ደቂ-ኣነስትዮን ምሁር ክፍሊ ሕብረተ-ሰብናን ካብዚ መስርሕ ቃልሲ እዚ ይኹን ካብ ሕሉፍ ተሞክሮና እኹል ትምህርቲ ቀሲሞም፡ ናይ ቃልሲ ተረኦም ዘዕዝዙሉ መንገዲ ንምጥጣሕ ንቑሕ ውዳበን ኣፍልጦን ጨቢጦም ንክቓለሱ ደ.ግ.ሓ.ኤ. ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ደገፋት ክገብር ቅሩብ ምዃኑ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክገልጽ ይፎቱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ ሕብረተ-ሰብናን ጭቑናት ኣባላት ሰራዊትን ዋላ’ኳ ብሰንኪ ቀንጻሊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ብቅሉዕ ክውደቡን ክቃለሱን እንተዘይከኣሉ ኣብ ትሕተ-ባይታ ኮይኖም ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ጨቢጦም በብዓቕሞም ኣስተዋጽአኦም ክገብሩ ደ.ግ.ሓ.ኤ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ጸዋዒቱ የቕርበሎም።

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ብደሞክራስያዊ ቃልስና ክዕወቱ እዮም!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡

(ደ.ግ.ሓ.ኤ)

ባሕቲ መስከረም 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Lemlem London September 3, 2015

    What is the bretawi Kalsi? what did Eritreans benefited from this? well her are the benefited:-
    War after war, killing, migration, imprisonment, disappearance of native Eritreans, raping our woman, sealing Eritreans body parts and etc.., well, this is the fact brother. Now we have a new version of clearing or wiping Eritreans out of Eritrea and that is “Eritreans eating Eritreans” like we usually do right?
    May God give us peace and stability
    Lemlem London

POST A COMMENT