Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብርዐይ ልሳነይ

ብርዐይ ልሳነይ ኢያ!!!(መልእኽቲ ነቶም ልሳን ህዝቢ ክዓብሱ ዝፍትኑ) ብርዐይ ልሳነይ ብኣ'የ ዝገልጾ ናይ ልበይ፡ ብርዐይ ሓያል'ያ ዘራይ ዘይድልያ፡ ኣብ ጸሓይ ቁሪ ፈታዊ ጸላኢ ተጥሪ፡ ኣብ ሽግር ራህዋ ብርዐይ ሓይሊ'ለዋ፡ ኣይትጽሕፍን ብወዝቢ ጻዕራም ከም ንህቢ ጠበቓ'ያ ናይ ህዝቢ፡ ኣብ ጊዜ ሽግር ንሓቂ ትምስክር፡ ኣብ ጊዜ ጸበባ ተጽንዕ ንህዝባ፡ እዛ ብርዐይ ኢያ ልሳነይ፡ ኣይትፈርህ መሊሳ ትበልሕ ዓመጽቲ ትገንሕ፡ ብርዐይ ኮርዒዳ ኣብ ኩሉ ዓዳ ተርክበሉ ኣብ ዝኸደት ከይዳ፡ ብርዐይ ዓቃል ንጸላእታ ተካል፡ ፈታዊት ሓቂ መርሃዊት ናይ ጭንቂ፡ ብርዐይ  ጸግዒ ድኻ ፈታሒት ማሕለኻ፡ ወገን ዘይብላ ዘይትምሕር ዝበደላ፡ ኣደ ውጹዕ ንሓያል ትቐጽዕ ሓቂ ተውጽእ፡ መን ክኽልክላ የለን ዝሕይላ ምእንቲ ህዝቢ ትዋጋእ ዘሊላ፡ ነኽብራ ብሓይሊ ኣይንቕበራ ትዛረብ'ያ ካብ መቓብራ ትወጽእ'ያ ጉድጓዳ ፍሒራ፡ ፡ ፍትሒ ይንገስ ወልዱ ተኽለ

ብርዐይ ልሳነይ ኢያ!!!(መልእኽቲ ነቶም ልሳን ህዝቢ ክዓብሱ ዝፍትኑ)

ብርዐይ ልሳነይ

ብኣ’የ ዝገልጾ ናይ ልበይ፡

ብርዐይ ሓያል’ያ

ዘራይ ዘይድልያ፡

ኣብ ጸሓይ ቁሪ

ፈታዊ ጸላኢ ተጥሪ፡

ኣብ ሽግር ራህዋ

ብርዐይ ሓይሊ’ለዋ፡

ኣይትጽሕፍን ብወዝቢ

ጻዕራም ከም ንህቢ

ጠበቓ’ያ ናይ ህዝቢ፡

ኣብ ጊዜ ሽግር

ንሓቂ ትምስክር፡

ኣብ ጊዜ ጸበባ

ተጽንዕ ንህዝባ፡

እዛ ብርዐይ

ኢያ ልሳነይ፡

ኣይትፈርህ

መሊሳ ትበልሕ

ዓመጽቲ ትገንሕ፡

ብርዐይ ኮርዒዳ

ኣብ ኩሉ ዓዳ

ተርክበሉ ኣብ ዝኸደት ከይዳ፡

ብርዐይ ዓቃል

ንጸላእታ ተካል፡

ፈታዊት ሓቂ

መርሃዊት ናይ ጭንቂ፡

ብርዐይ  ጸግዒ ድኻ

ፈታሒት ማሕለኻ፡

ወገን ዘይብላ

ዘይትምሕር ዝበደላ፡

ኣደ ውጹዕ

ንሓያል ትቐጽዕ

ሓቂ ተውጽእ፡

መን ክኽልክላ

የለን ዝሕይላ

ምእንቲ ህዝቢ ትዋጋእ ዘሊላ፡

ነኽብራ

ብሓይሊ ኣይንቕበራ

ትዛረብ’ያ ካብ መቓብራ

ትወጽእ’ያ ጉድጓዳ ፍሒራ፡ ፡

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Zeray September 5, 2013

    Excellent. Keep writing give us more Weldu!

  • ahmed saleh September 6, 2013

    WOW , It had been long time but nowadays we start to read independent thinking poems .
    Our elders said it all to prove that . HAKI TIKETN EMBER AYTSBERN . Well done HAWNA WELDU .
    Haknet sile zeneberena hagerna rekhibna , higi keman haknet sile zelena kiniuwet ina .

POST A COMMENT