Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ

ባኒ ንሰራሒኣ ሃባ፡፡ የማን ጸጋም ዘየገላብጥ ምስላ ዓረባውያን ኢዩ፡፡ ዘድልየካ ዘሎ ባኒ እንተኾይኑ ፍቶ ጽላእ ንሰራሒ ባኒ ክትህቦ ኣለካ፡፡ እንተስ ቆርሚሙ እንተስ ሸርሚሙ ባኒ ክህበካ ኢዩ፡፡ ንኻልእ እንተ ሂብካዮ ግን ባኒ ዝበሃል ኣይክትረክብን ኢኻ፡፡ እዚ

ባኒ ንሰራሒኣ ሃባ፡፡ የማን ጸጋም ዘየገላብጥ ምስላ ዓረባውያን ኢዩ፡፡ ዘድልየካ ዘሎ ባኒ እንተኾይኑ ፍቶ ጽላእ ንሰራሒ ባኒ ክትህቦ ኣለካ፡፡ እንተስ ቆርሚሙ እንተስ ሸርሚሙ ባኒ ክህበካ ኢዩ፡፡ ንኻልእ እንተ ሂብካዮ ግን ባኒ ዝበሃል ኣይክትረክብን ኢኻ፡፡ እዚ ምስላ’ዚ ንኹሉ ኣብ ዘዝገጥሞ ልዓቱ ስኹዓዮ፡፡  ንኹሉ ዘዝኽእሎ ሃቦ፡፡ ነፍሲ ወከፍ መን ምዃኑ መልክዑን ልክዑን ክፈልጥ ኣለዎ ንምባል  ኢዩ ተመሲሉ፡፡  እቲ ፋሕ ኢላ ውን ክሕዝ ዝፍትን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ግን ባኒ ንሰራሒ ባኒ ኣይህብን ኢዩ፡፡ እቲ ምኩርን ወሓለን ሰራሒ ባኒ ብህግደፋውያን እሙን ኣይኮነን፡፡ ህግደፋውያን  ብዓቢኡ  ባንን ሰራሒ ባንን ውን ኣይደልዩን ኢዩም፡፡ ባኒ ዘድምጽ፡ ባኒ ዝብል መዝሙር ወግሓ ጸብሓ ዝዝምር ሕንጻይ እንተረኺቦም እኹል ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ሕመረት ስነ ሓሳብ ህግደፍ ዘየለ ከምዘሎ ምምሳል ኢዩ፡፡ ብተስፋ ትሓድር ነብሲ፡፡ ግን ከኣ ዘይጭበጥ ተስፋ፡፡

እቶም ነዚ መዝሙር እዚ ብዝግባእ ክዝምሩ ዝኽእሉ ተባሂሎም ብህግደፍ መጽናዕቲ ተገይሩሎም ዝተረጋገጹን ዝተሓረዩን መናእሰያት ህግደፍ ኢዮም፡፡ ባኒ ዋላ ከም ሓርኢ ተመን ሽታ ማይ እንተኾነ ባኒ ኢሎም ስለ ዝደረፉ ከም ማና ካብ ሰማይ ዝፈስስ  ዝመስሎም የዋሃት፡፡ ነቶም ደርፊ ዘውጽኡ ዘይኮንኩ፡ ነቶም ደርፊ ዝደግሙ መናእሰያት ህግደፍ እየ፡፡ እቶም ኣውጻእቲ ደርፊ ብረብሓ ምስ ህግደፍ ተሸረኽቲ ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ንኽነብሩ ክሕስዉን ክውሽልኹን ኣለዎም፡፡ እቶም ደርፊ ዝደግሙ ሕንጻያት ግን ይዋእዮም ሸታሕ ኢሎም ዓፍራ ዝረገጹ ኢዮም፡፡ ኩልና ብኡ ስለ ዝሓለፍና ምሕረት የውርደሎም፡፡ ወጽዓ ወገናቶም ዝርኢ የዒንቲ፡ ኣውያት ኣሕዋቶም ዝሰምዕ እዝኒ ይሃቦም፡፡

ኣብ ግዜና ከምዚ ናቶም ብማዕዶ ብወንጭፍ ዘይኮነ ብስብከት ህግደፍ ተታሊልና ብሂወትና ውን መስዋእቲ ኮይና ሰንኪልናን ከርቲትናን ኢና፡፡ እቲ ዳሕረዋይ ብግርህናና ንመዓንተሪ ህግደፍ ዝገበርናዮ ኣበርክቶ፡ ከፊልካ ዝምለስ እንተዝኸውን ክንመልሶ ዓይንና ኣይምሓሰናን፡፡ መስዋእትና ስንክልናና ከርተትና መሰወዲ ህግደፍን መቕተሊ ወገናትናን ስለ ዝነበረ፡፡ እዚ ንኽሕደት ካብ ዩሁዳ ዘይፈለ ስርዓት ግን፡ ንዝመልስን ዝኸፍልን ኣበደን ዝብልን ኣሕቢሩ ስለ ዝቐትል ኣብ መቓብሩ ጸሊም ዕንበባ ምንባር ጥራይ ኢዩ፡፡ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ህግደፍ ዘታለለና ተወሪርና መብጽዓ ጀጋኑ ስውኣትና ነኽብር  ብዝብል ምስምስ ኢዩ፡፡ ከምዚ ሎሚ ህግደፍን ሱዳናውያን ራሻይዳን ተሻሪኾም ኤርትራውያን መናእሰያት ናብ በደዊን ሸይጦም ኮላሊቶምን ጸላም ከብዶምን ክዝረፉ ግን ኣይነበረን፡፡ ከምዚ ሎሚ እንተዝኸውን ብፍጹም መንፈስ ቁዱስ ኣብ ገድኑ ኣይምኾናን፡፡

ፍልልይና ምስቶም ኣናብስ ማዕዶ መናእሰያት ህግደፍ እዚ ኢዩ፡፡  ንሕና መቕተሊ ወገናትና ስሑል ካራ ንህግደፍ ኣይነቐብልን ኢና፡፡ መሳሰይ ንግብረ ኢኪት ህግደፍ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይንግብርን ኢና፡፡ ብቕትለት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከበሮ ህግደፍ ሒዝና ኣይንድብልን ኣይንዕልልን ኢና፡፡ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ንሓዝን፡፡ ኣውያት ወገናትና ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ነቃልሕ፡፡ ኣብቲ ዝጸንከረ እዋን ናይ ሂወት መስዋእቲ ኣብ ዝሕተተሉ ዝነበረ ግዜ ግን ኣለና ብምባል ንመስዋእቲ ዝተቐረብና ንሕና ኢና፡፡

ያጀምዓ ስርዓት ህግደፍ ዕቡድ ድዩ ጽሉል ምፍላጡ ውን ይጽግመካ ኢዩ፡፡ ብሂወቱ መስዋእቲ ዝኾነን ዝሰንከለን ሕጂ ውን ብኽልተ እግሩ ኣብ ዘንድድ ረመጽ ረጊጹ ምስ ሞት ክጋፈጥ ተቐሪቡ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ገዲፉ፡ ናይ ላዕሊ ከም ዝሓመመ  ሰማየ ሰማያት ዝጥምት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡  ኣብ ኢዱ ዝነበረ ጽሩይ ወርቂ ናብ ንሃስ ዝቐየረ እዚ ቀታልን ዓማጽን ስርዓት ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣቦታትና ክምስሉ ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባ ኢዮም ዝብሉ፡፡ ህግደፍ ነቲ ሓፊስ ልግዐ ጸባ ባዕሉ ቀቲሉ ጠስሚ ክረክብ ዘይከኣለ፡ ካብ ማይ ጨባ እንታዩ ከውጽእ ዝህቅን ዘሎ…….?  ማይ ጨባ ሕቖኖ ጎጽጉጾ ካብ ማይ ጨብኡ ኣይሓልፍን ኢዩ፡፡ ነገረ ህግደፋውያን ግን ተገምጥሎ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ሚሊየነም፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ቀታሊ ስርዓት ህግደፍ ታሪኽን ጅግንነትን እቲ ናይ ጽንኩር እዋን መንእሰይ ደምሲሶም ብዘይነበረን ዘይወዓለን ክምስርሕዎ ኢዮም ፈቲኖም፡፡ ታሪኽ ጀጋኑ ምድምሳስ ኣሰራቱ ምጥፋእ ዝተኻሕንሉ ክፍኣት ስለ ዝኾነ፡፡ ቀዳሞት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝሰርሕዎ መስተንክራዊ ጅግንነት ኣብ ከውሊ ተሓቢኦም ብዝኸረሙን ብዝሓገዩን ተዃሉ ተዘሪፉ ኢዩ፡፡ ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ጅግንነቶም ተጠሊሞም ሓንቂቕኩም ብምባል ብተመልከተለይ ተረሺኖም ኢዮም፡፡  ጀጋኑና ከዳዓትን ተሳዓርትን ተባሂሎም ክውንጀሉ ዓይንና ዝረኣዮን እዝንና ዝሰመዖን ግርንቢጥ ኢዩ፡፡ እቶም ንሻድሻይን ሰላሕታን ወራራት ዘፍሸሉ፡ ንኦፐሬሽን ናደውን ፈንቅልን መሪሖም ጸላኢ ዝደምሰሱ፡ ንናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝገበሩ ሓርበኛታት ሕልፈቶምን መስዋእቶምን ኣብ ሸላታት ዒራ ዒሮ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ መብጽዓን ጭረሖን ጀጋኑና ተጠሊሙ ኢዩ፡፡ ዓወት ንሓፋሽ መላገጺ ህግደፋውያን ኮይኑ፡፡ ሓፋሽ ህዝቢ እና ጨፍጨፍካን እና ረገጽካን ኣብ ጥራይ ጎልጎል……..

መለበሚ ናይግበርካ መለበሚ ናይኽላእካ ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ጽንኩር እዋን መንእሰይ ህግደፍ መን’ዩ ግርም ገይሩ ፈሊጥዎን ኣስተማቂርዎን ኢዩ፡፡ ህግደፍ ይሁዳ ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ጽንኩር እዋን መንእሰይ ሎሚ ብህግደፍን ስብከታት ህግደፍን ኣይዕሾን ኢዩ፡፡ ኣይሂ ናይ መዳፍዕ ቡምባታት ኣብ ዝባኑ ከጽሕይ እንከሎ፡ ካብ ሞትን ወረ ሞትን ርሒቖም ሂወቶም ኣብ ከውሊ ብዘማዕቆቡ ወረጃታት ማዕዶ ጅግንነቱን ዘሕብን ታሪኹን ክዝረፍ ድማ፡ ኣየፍቅድን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ህዝባዊ ግንባር ንሱ ኢዩ፡፡ ሃገር ብመስዋእቲ ጀጋኑ ተረኪቡ ንባዕሉ ውን መስዋእቲ ከፊሉን ሰንኪሉን ዕድመ ልክዑ ከርቲቱን ኢዩ፡፡

የግዳስ እዚ ዝበላዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ካሕዳይ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ናይ ጽንኩር እዋን ኤርትራዊ መንእሰይ ሓንሳብ ሓተላ ሓንሳብ ማዳ ሃገር ክብልዩ ተሰሚዑ፡፡ እንተኾነ ግን ላህመትን ወለላን ጽራይን ንሱ ኢዩ፡፡ እዚ ግሊያነት ህግደፍ መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ዝበታተን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ንሱ ኢዩ ህዝባዊ ግንባርን መተካእታ ህዝባዊ ግንባርን፡፡ ህግደፍን መናእሰያት ህግደፍን ግን ኣይኮነን፡፡ እቶም መናእሰያት ህግደፍ ኢና ዝብሉ ክኾኑ መሰሎም ኢዩ፡፡ መናእሰያት ናዚ ሂትለር ኢና እንተበሉ ውን ዝኽልክሎም የለን፡፡ እቲ ምንታይ ሰብ ከከም ባህርያቱ ካብ ጨና ሱዳን ላምባ ይፈቱ ኢዩ ነገራቱ፡፡

እንተ እቲ ህዝባዊ ግንባር ግን ንዋናታቱ ግደፉሉ፡፡ ህዝባዊ ግንባር መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጀጋኑ ደቁ ዝኸፈለሉ ናይ ጀጋኑ ውድብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ናይቶም ብተመልከተለይ ዝተረሸኑ ስንኩላን ሓርነት ውድብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ናይተን ውዕለት ምግዳለን ተጠሊመን መካይን ክሕልዋ ንፓርኪን ዝተፈርዳ ዋዕሮታት ውድብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ናይቶም ኣብ ዒራ ዒሮ ዝሓቐቑን ዝሐቁ ዘለዉን ሓርበኛታት ውድብ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ናይ ዝገዓሩ ዘይኮነ መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ውድብ ኢዩ፡፡ ሕድሪ ጀጋኑ ዝተቐበለ ድማ እዚ ባርነት መሪርዎ ኣንጻር ህግደፍ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ጽንኩር እዋን መንእሰይ ኢዩ፡፡ ልዕልዚ ህዝባዊ ግንባር ክኸውን ዝፍትን ግን እንድዒ……..

እቲ ናይ ክፍኣት መሃንድስ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ህግደፍ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ዘይንቡር ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ካብ ማህጸን ወጻኢ ክምስርሕ ኢዩ ፈቲኑ፡፡ ብሑጋ ድማ ተካእቲ ህዝባዊ ግምባር፡፡ ትደልዮኦሞ ይዝንግዓክን ኢዩ ነገሩ፡፡ ዘይንቡር ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ብረዒን ከም ዝኸውን ሃንደስቱ ውን ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ብሂወት መስዋእቲ ክኸፍል ቁሩብ ስለ ዘይኮነ፡፡

ይቕጽል…………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

michealaranchi@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • betiselemon@gmail.com March 21, 2013

    ኣራንሺ ሸልዒዳ
    መጽሐፍ ትጽሕፍ ከም ዘለኻ ደሃይካ ኣለኒ፡፡ ባዕልኻ ውን ሓቢርካና ኔርካ ኣተሃራሪፍካና ቀልጢፍካ ወድኣያ፡፡ ሓመድ ሓዝሓዝ ከም ተምስሎም ከይ ዘርጋሕካያ ከለኻ ተረዲኡና ኣሎ፡፡

  • kebaritekle@yahoo.com March 21, 2013

    ኣራንሺ ሸልዒዳ
    መጽሐፍ ትጽሕፍ ከም ዘለኻ ደሃይካ ኣለኒ፡፡ ባዕልኻ ውን ሓቢርካና ኔርካ ኣተሃራሪፍካና ቀልጢፍካ ወድኣያ፡፡ ሓመድ ሓዝሓዝ ከም ተምስሎም ከይ ዘርጋሕካያ ከለኻ ተረዲኡና ኣሎ፡፡

  • kebaritekle@yahoo.com March 21, 2013

    በጃኻ እባ ጽሐፍ በጃኻ በጃኻ
    እቲ ንብህጎ ጽኹፍካ ቃር ቃር ኢሉናዝኸበርካ ኣራንሺ

    ካልእ ዝብለካ የብለይን በጃኻ ጽሐፍ

  • weygud? March 21, 2013

    hi Aranchi bemejemereya tegebero dleka keyemesgenekuka ayehalefen haye haye belom dea EZOM MENESEYAT HGDEF entekieyelika keman ashematom enateqheseka wledom HADEMETI tekoyenom kea weledom ab gezeye qhalisi hadeyemom deqhom gulebab gerom adi kiatewu dedeleyu sele dekonu hayee etii haqhi awexhiayoo deaa

  • Brhane Misgna March 22, 2013

    ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ኣሰና
    ብመጀመርያ ኩሉ ሰሰላሙ ንዓኹም እንዳተመነኹ ኩሉ እትገብርዎ ደገፍን ምዕዶን ብዘየገድስ ካበይ መጺኡ (ምኽንያቱ ኣብ ናጻ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ስለ እንኣምን) ንኽቕጽልን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብትሕዝቶ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ንኹሉ ኣባል ሕብረተ-ሰብና ብሓፈሻ ንከምብዓል ኣሰና ፋውንደሽን ድማ ብፍላይ እፎይ ሰሪሕና እባኢና ዘብል ክኸውን ምሕጽንታይ የቕርብ።

    ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዕቡል ምዃኑ ዝልለ ብኣረኣእይኡ አብ ልዕሊ ናይ ዜና ዘርጋሕትን ኣብ ልዕሊ ርእይቶ ናይ ካልኦት ብዘለዎ ተጻዋርንትን ኢዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዙሕ ምንባብን ቅድሚ ናብ ነቐፌታ ምኻድካ ድማ ነቲ ዘንበብካዮ ምኩምሳዕን የድሊ። እዚ ምስ እንገብር ኢና ድማ ነቶም ብብርዖም ዝምግቡና ሰባት ከም ኩሉ ግዜ ማይ እንዳስተኻን እንዳኾስኮስካን ዘዕበኻያ ገረብ እናኽትርእያ እትሕጎስ ነሐጉሶምን ንዝያዳ ስራሕ እንድርኾምን። ብዙሕ ክዛረብ ኣይደለኹን የግዳስ በታ ዘላትኒ ንእሽቶ ዓቕሚ ሓንቲ ሃናጺት ነቐፌታ ወስ ከብል ስለ ዝደለኹ እየ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ሓደ ኪኢላ ናይ ጽሑፍ ብዝፈልጦ ንኽምግበና ኣብ ዝጽሕፈሉ ግዜ ኣብ ገለ ሰባተ ነቲ ጽሑፍ ብግቡእ ከይተረድኡ ናብ ርእይቶ ይዘሉ እሞ ካብቲ ምሉእ ሓሳብ ብምውጻእ ኣብ ጓል መንገዲ ኮለል ክብሉ ትዕዘብ። እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ ገሊኣቶም እሞ ነቲ ናብ ሪኢቶ ኣብጺሑ ዘሎ ጽሑፍ ብመሰረቱ ከይረኣዩ ናብ መልሲ ንርኢቶ ዘሊሎም ርኢቶ ክህቡ ትዕዘብ እሞ እዋይ ክሳብ መዓስ ኢና ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ህግደፍ ብሓያልን ተሪርን ረጒድን ጩራ እንዋግኦ እልካ ትሓስብ።
    ነዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ናይ ቀረባ ኣብነት ክህበኩም፤ ንሱ ድማ እዚ ኣብ ላዕሊ ብሓውና ኣራንሺ ዝተጻሕፈ ውሕሉልን መሃርን ጽሑፍ ኢዩ። ኣስተውዕሉ ሓውና ኣራንሺ ብዛዕባ ጥልመት ህግደፍ ምስ ውልቃዊ ተሞክርኡ እንዳ ኣረኣኣየ ከረድኣና ፈቲኑ ኩላትና ድማ እንቕበሎ ይመስለኒ። ክሕደት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ፣ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብቶም መቕርቦም ኣሲሩ ኣማህሚንዎም ዘሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበርን መዐቀኒ ስለ ዝሰኣነሉ ምስቲ ንክርስቶስ ዝኸሓዶን ተመሻጢሩ ዝሸጦን ውልቀ-ሰብ ይሁዳ ኢዩ ከመሳስሎ ዝፈተነ። ኣስተውዕሉ ሓው ኣራንሺ ብዛዕባ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ዝነበረ ኣባል እቶም 12 ሃዋርያ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ እንበር ብዛዕባ ነገድ ይሁዳ ማለት ህዝቢ እስራኤል ወይ’ውን ብዛዕባ እቶም ካልኦት ክልተ ይሁዳ ኣይተዛረበን። ኣብዚ ክብሎ ደልየ ዘለኹ እምበኣር ክብራት ኣንበብቲ ቅድሚ ምንባብና ምስትንፋስ፣ ከነንብብ ኮለና ምስትውዓልን ካብ ማእከል እቲ ትሕዝቶ ዘይምውጻእን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ቅድሚ ርኢቶ ምሃብና ከነስተውዕልን ይግብኣና። ምስ ብዙሕ ይቕረታ።

    ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ተመሃራይ ከለኹ ዘጋጠመት ከዕልለኩም፤ ኣብቲ ኣብ ኮሌጅ እንመሃረሉ ዝነበርና ግዜ እቲ መንድቕ ብጽሑፍ ናይ በብዕለቱ ዘጽንዑ ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ ንምዕራዩ ብዙሕ ገንዘብ ድሕሪ ምውጻእ ኣዝዩ ጽቡቕ ኮይኑ ዝረኣየ ሓደ ኣጽንዓይ “በጃኻትኩም ኣብዚ መንደቕ ከይትጽሕፉ” ዝብል ጽሒፉ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ኢዩ እሞ ነዚ ሓው ኣራንሺ ሂቡና ዘሎ ባርኾት ኣንቢብኩም ድኣ ሃናጺ ርኢቶኹም ኣፍስሱ እምበር ንርእይቶይ ርኢቶ ክትህቡ ክቡር ግዜኹም ኣይተጥፍኡ፤

    ወደሓንኩም!

  • michealaranchi@gmail.com March 23, 2013

    ዝኸበርካ ክብሮም
    ኣብ ኢመይለይ ይኹን ኣብ ኣሰና ፖስት ዝገበርካየ መልእኽትኻ በጺሑኒ ኣሎ፡፡ ስለቲ ኣኽብሮትካን ኣባይ ዘለካ ተገዳስነትን ሞራል ምሃብን ብልቢ የመስግነካ፡፡
    እታ ነዊሕ ግዜ ወሲደ ዝጸሓፍኩዋ መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ተወዲኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ማሕተም ክትኣቱ ኢያ፡፡ ኣርእሰቲ መጽሓፈይ ድርሳነ ደም (ናይ ደም ድርሰት) ዝብል ኢዩ ፡፡ ገበር መጽሓፍ ድርሳነ ደም ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኩሉ ክዝርግሖ እየ፡፡ ናይ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዘይፍለየኒ ድማ እምንቶ ኣለኒ፡፡
    ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
    Aranchi03@yahoo.com

POST A COMMENT