Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰራዊት ጅቡቲ ተማሪኾም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ 19 ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ስለዝኸሓዶም ንልዕሊ 5 ዓመታት ሰንፈላል ኮይኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ብምጥቃስ ድሕነት ይልምኑ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጫፍ ኤርትራ፣ ኣብ ራስ-ዱሜራ ብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ውግእ ብሰራዊት ጅቡቲ ተማሪኾም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ 19 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር፣ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኸሓዶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጫፍ ኤርትራ፣ ኣብ ራስ-ዱሜራ ብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ውግእ ብሰራዊት ጅቡቲ ተማሪኾም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ 19 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር፣ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኸሓዶም ንልዕሊ 5 ዓመታት ሰንፈላል ኮይኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ብምጥቃስ፣ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ኣብ ድሕነቶም ክተሓባበር ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣድላዪ ጻዕርታት ከካይዱሎም ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ተማሕጺኖም።

ንሳቶም፣ “ ‘እቲ ሃገራዊ ግቡእኩም ‘ዩ’ ኢሉ ኣብ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዘዋግኣና መንግስቲ፣ ‘ምሩኻት የብለይን’ ኢሉ ጠሊሙና፣ ‘ኣባላት ሰራዊተይ ብምነግስትኹም ከም ምሩኻት ተታሒዞም ስለዘለዉ ኣይለቀኩምን እየ’ ዝበለ መንግስቲ ጅቡቲ ኸኣ ምሕረት ከሊኡና” ብምባል፣ ዋናን ደንጋጽን ዘይብሎም፣ ሓዲግ-መዲግ ኮይኖም ተስፋ ዘይብሉ ሃለዋት የሕልፉ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት፣ፈለማ ኣብ ዝተማረኹሉ እዋን፣ ብርቱዕ መውጋእቲ ዝነበሮ ሓደ ብጻዮም ኣብ ኢድ መንግስቲ ጅቡቲ ከምዝተሰውአ፣ ሓደ ካልእ ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ብስነኣእሙርኣዊ ሕማም ይሳቐ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ከምዝበጽሖምን ኩነታቶም ከምዝፈልጦምን ብምጥቃስ ከኣ፣ እቲ ጉዳይ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዝተመኮረ ኣህጉራዊ ማሕበር ከይተረፈ ኣጊሙዎ ከምዘሎ ገሊጾም።  መብዛሕትኦም ተወጊኦም ከምዝተማረኹ ብምምልካት ከኣ፣ ደሞም ዝኸዓዉላ ሃገር እናሃለወት ሃገር ኣልቦ ኮይኖም ምህላዎም ካብ ኩሉ ንላዕሊ ምቕባሉ ሓርቢቱዎም ከምዘሎ ምስናይ ዓቕሊ ጽበት ኣገንዚቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ እዞም መሳኪን ኤርትራውያን ግዳያት ምስ ራድዮ ኣሰና ዝገበሩዎ ዝርርብ ኣብ ናይ ሎሚ ሰኑይ መደብ ድምጺ ኣሰና ተኸታተሉ።

ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኢስላሚክ ኮርትስን ብ2006 ኣብ ሶማል ዝተኸየደ ውግእ ተታሒዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ንዝርከቡ ክልተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ብተመሳሳሊ መንገዲ ስለዝኸሓዶም ክሳብ ሎሚ ተኣሲሮም  ከምዘለዉ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • misael July 2, 2013

    anta lokogna hasawi nestro woyane reskayo dika mes goitaka meles zenwi hezi knfethom ena kemzbele eska gina telam ahwatu eka wodogeba hgi tegedasi eritrean aitkun down with woyane and nistro woyane!!!

  • sara gual eritra July 2, 2013

    wey gud!!!!
    anta loms dma zegnetna wn kehdguna delyom
    baal haki aytzarebu (kab suru maat awtsa’ana tbl abbayey)
    bejaka amlakey nhaki mlesa ab eritra

  • seliho July 3, 2013

    misael, eti tserfis entay amtse’o? hasabat bihasabat yu zi’erem. tegarachawi hasabat amtsi’eka mibal mis chibtitatu ekul yu mesleni. i know there are many eritrean who need to go to school even at late age like you, but you need to know that you are not mature. may be what you know is taken from KEYAH METSIHAF, the source of dictatorship and ignorance,
    Misael hawey bejaka nay hirshaka tiray giber, politics is beyond your scope . poor misael br kind towards your people. weyis ab ertra bieteseb yeblkan

  • Truly Truly i say to you July 3, 2013

    This is very respectable and patriotic article from Fitsum Abreham! Keep it the good fight brother!

  • ahmed saleh July 3, 2013

    HGDF mendef militarized our youngs to abandon them and sadly they pay the price to be fund national threat .

    • ahmed saleh July 3, 2013

      DO NOT FORGET THEY PORTRAY THE COUNTRY AS BAD SEED BY CONFRONTING OUR NEIGHBORS . AT THE END POOR
      CIVILIANS PAID THE PRICE .

POST A COMMENT