Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብስራት፡ ፈነወ ሳትላይት ራድዮ ኣሰና ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑ ንኹሉም ደለይቲ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ብሓጎስ ነበስረኩም።

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክፍሊት ሳተላይት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ራድዮ ኣሰና፡ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶም ውፉያት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ `ንሕና ከለና እታ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ራድዮ

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራት ኤርትራውያን፡

ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክፍሊት ሳተላይት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ራድዮ ኣሰና፡ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶም ውፉያት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ `ንሕና ከለና እታ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ራድዮ ኣሰና ደው ክትብል የብላን` ኢሎም፡ ናይ ሳተላይት ወጻኢታታ ክሽፍኑ ብዝኣተዉዎ መብጽዓ መሰረት፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ሒደት መዓልታት ተሪፉዎ ዘሎ ወርሒ ግንቦት፡ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምሮ ተዳልያ ከምዘላ ብሓጎስ ተበስረኩም።

ነዞም ሻቕሎት ህዝብን ሃገርን ሕልናዊ ድርኺት ፈጢሩሎም እዋናዊ ሃገራዊ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ከም ቀደማ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ብሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ተዓፊኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና መቓልሕ ሓርነት ምንጒድጓድ ክትቅጽል ኣኻእሎ ንዝሃቡዋ ውፉያት ኤርትራውያን ከኣ፡ ብስም`ቲ ዓስቢ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቁ ተነፊጉ፡ ኣብ ክንዲ ሓርነትን ራህዋን፡ ዓመጽን ውርደትን ዝተፈድየ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝያ ተመስግኖም።

ድምጺ ኣሰና፡ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ብደገፍ ህዝቢ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን `መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና` ኢላ ንዘቕረበትልኩም ሃገራዊ ጻውዒት ኣውንታዊ ምላሽ ብምሃብ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብምስግጋር ንዓመታት ዘሳለኹማ ውሑዳትን ርቡሓትን ኤርትራውያን `ውን፡ ታሪኻዊ ኣበርክቶኹም ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስኑድ እዩ።

ሳላ ኣበርክቶኹም፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተሳቐየ ኤርትራዊ መንእሰይ ቃንዝኡ ኣብ እዝኒ ዓለም በጺሑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ስርዓት ምግልጋል ንህዝብኻ ምብዳል ምዃኑ ነቒሖምሉ `ፎእ` ስለዝበሉዎ፡ እቲ ብደረጃ ከተማ ሆጭ ኢሉ ኣዳራሽ ዝጸቦ ዝነበረ መጋብኣያታቱ ብደረጃ ክፍሊ ዓለም `ኳ ጸምዩ፡ ንጣር ሰብ ዝተቐመጦ ናይ ሰድያታት ኣኼባ ኮይኑ ተሪፉ፡ ብዓቢኡ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስጢርን ውዲትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ በሪሁሉ፡ ብልቡ `ይኣክል` ኢሉ፡ ምልካዊ ምሕደራ ብተግባር ንሓዋሩ ካብ ገጽ ኤርትራ ንምሕካኽ መደምሰስ ሃስስ ክብል ይርአ `ሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ተዋህሊሉ ዘሎ ንቕሓት ከኣ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡሉ ዝጸንሐ ብዓቲ ባውዛ ብርሃን ዝቐደዶ መታለሊ ስርዓት፡ እዋን ዕርበቱ ኣኺላ መሬት ከምዝወግሖ ዝብኢ ዓወንወን ይብል ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ኩነታት፡ እታ ንክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይቃልዓለም ብምንጽብራቕ፡ ለውጢ ብቕጽበት ክረጋገጽ ብዘይነግፈረግ እትጽውዕ ራድዮ ኣሰና፡ መደባታ ንግዚኡ ምትዕንቓፉ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን`ምበር፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽን ማእሰርትን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብጥምየትን ድኽነትን ከንበርክኽ ድቃስ ዘይብሉ ስርዓት፡ ምእንቲ `ዚ ዕላማ `ዚ ዘተኣታተዎ ምቕያር ባጤራን ዘይርትዓዊ ምጒዳል ሸርፍን፡ ንዓቕሚ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝንበር ህዝቢ ዝጥውር ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ኣዝዩ ስለዝጸለዎ፡ ከምቲ ንሓያለ ዓመታት ዝገበርናዮ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ዘሰጋገር ደገፍ ምሕታት ኣማቲኡና፡ ካልእ ቀጻልነት ዘለዎ ብልሓት ከነናዲ ንግዚኡ ከነወንዝፎ ተገዲድና ጸኒሕና።

እንተኾነ፡ እታ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ሰሚዓ ኣብ ኤርትራ ህጹጽን ሓቀኛን ለውጢ ክረጋገጽ ብእትገብሮ ተወፋነትን ጻዕርን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘሕደረት ራድዮ ኣሰና ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ምብኳራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ባእታታት መደብና ዳግማይ ክንጅምር ክገብሩልና ዝጸንሑ ቀጻሊ ጻውዒትንን ምትብባዕን ሕልናዊ ቅሳነት ስለዝኸልኣና፡ እቲ ቀጻልነት ብዘለዎ ውዱን መንገዲ ንምክያዱ ነሰላስሎ ዘለና ናይ ነዊሕ ውጥን ኣብ ቦትኡ ኸሎ ዝተወከስናዮም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣውንታዊ ግብረመልሲ ስለዝሃቡና፡ እንሆ እቲ ዕድል ፈነወ ናብ ኤርትራ ዳግም ተሳሊጡ፡ ንምጅማሩ ተዳሊና ኣለና።

ብኣንጻር `ቲ እኩይ ውዲቱ ንምስልሳል ጸላም ዝብርሆ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ወጋሕታ ሓርነት ሃረር ዝብል ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋህሊሉዎ ዘሎ ንቕሓት ናብ ተግባር ተቐይሩ፡ ጸሓዩ ናብ ሰማይ ኤርትራ ተሰቒላ ሓርነት ከስተማቕር ከኣ፡ ድምጺ ኣሰና፡ ሕጂ `ውን ከም ቀደም ዝለዓለ ሃገራዊ ወንን ኒሕን ዓጢቓ ተዳልያ ኣላ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ሓርነትን ራህዋን ህዝቡ ዘገድሶ ኤርትራዊ ክተሓባበራ ብልዑል ኣኽብሮት ትጽውዕ።

እቲ ሳላ `ዞም ግዱሳት ሃገራውያን ዝገበሩዎ መብጽዓ ውሕስነት ተረኺቡሉ ዘሎ ገንዘባዊ ደገፍ ንኽፍሊት ሳተላይት ዝዓምም ክኸውን ከሎ፡ እቲ መዓልታዊ ዝካየድ ትሕዝቶ ፈነወ ራድዮ ኣሰና ኣድማዒ ክኸውን ምእንቲ፡ ነቲ ካብ ምእካብ ሓበሬታ ክሳብ ምፍናው ትሕዝቶ መደባት ዘሎ ሓያል መስርሕ ዘሳልጥ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምሽፋን ህዝባዊ ኣበርክቶ ስለዘድሊ፡ ካብ ሎሚ 20 ሚያዝያ – ክሳብ 20 ግንቦት ዝጸንሕ ንጡፍ ወፍሪ ምድላብ ሓገዝን ወፈያታትን ኣበጊስና ከምዘለና ንሕብረኩም። እቲ ነዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕማም ንምስላጥ ክንበጽሖ ዘለና ታርጌት 30 ሽሕ ዶላር ምዃኑ እናኣዘኻኸርና ድማ፡ ከም ቀደም ወፈያኹምን ደገፍኩምን ከይፍለየና ንጽውዕ።

እወ፡ ሕጂ `ውን ከም ቀደም `መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና!`፡ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ወጮ ሕፍረት፡ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካባ ክብረት ከነልብሶ፡ ብሓባር ስለ ፍትሕን ሓርነትን `ኢደይ ኢድካ` ንበል!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

Assenna Foundation Ltd

20 ሚያዝያ 2018

ወፈያ ንምግባር ዘድልየኩም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ባንክ ይኹን ፐይፓል ንምርካብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና archive.assenna.com ተወከሱ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT