Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብስራት ንግሆ

ተዓገስ ኹኹናይ : ነቑ ኣርሓ ደርሆ በቲ ረጒድ ድምጺ : ሓባሪ ንግሆ ንስካ ኣይትስሕትን : ጸኒሕ ናይ ኣቦካ ሃየ ደጋግሞ : እቲ ጉሩም ድምጽካ ወጊሓ’ዶ መሬት : ኮይና ከብዲ ኣድጊ ተዓሪቖምና’ዶ : ሎምስ ኣቦይ እዝጊ ተንሲኦም’ዮም በሎ ፡ ዎዮም ሰብ-

ተዓገስ ኹኹናይ : ነቑ ኣርሓ ደርሆ
በቲ ረጒድ ድምጺ : ሓባሪ ንግሆ
ንስካ ኣይትስሕትን : ጸኒሕ ናይ ኣቦካ
ሃየ ደጋግሞ : እቲ ጉሩም ድምጽካ

ወጊሓ’ዶ መሬት : ኮይና ከብዲ ኣድጊ
ተዓሪቖምና’ዶ : ሎምስ ኣቦይ እዝጊ

ተንሲኦም’ዮም በሎ ፡ ዎዮም ሰብ- ቖጽሊ
የንፋሕኽ ብእግሩ ፡ ናይ መን ሰጋር በቕሊ
ዶው ኣይበል ፡ ኣብ ቅድሚ ጥሕሳ
ከይጻውተሉ ፡ ከም ናይ ልደት ቃርሳ

ጸሓይ ሕዝቢ ፡ ሊኢካ ጨረርታ
ሚስኪን ሓዊ-ለቶ ፡ ጠፍእዋ መስታ
ህግደፍ ኣሎኹ ፡ ከይብል ከም ቐደሙ
ሕምብርቱ ረጊጾም ፡ ነጋሪት ሃረሙ

ክሳድ ምሓዝ ከሎ ፡ እንታይ ይዓብስ ምኹላል
ጥሩምባ ሃሪሞም ፡ ብኮፉ ጀነራል

ኣብ መንጎ ህዝቢ ፡ እንከሎ ጉሒላ ጠላሚ
ጽባሕ ዝብልሲ ፡ እንታይ ምስ ኮነ ሎሚ
ቃልሲ ኾይኑ ፡ ኣንተበልኩ ሰንከልከል
መኣስ ይወድቕ ፡ ኣነ በዓል መትከል

ኢሉ ነዲሩ ፡ ወዲ ይክኣሎ
ክሕለብ እቲ ፡ ጸባ መኩእዎ ጎሎ
ኣለና ምሳካ ፡ ኣንታ ሰራሕ ቅያ
ፎርቶ ተመሲሕካ ፡ ድራርካ እንዳፍቕያ

ከምኣ’ያ ኢዱ ፡ ደጊምኩም ይፍለጡ
ክትምከቱ እኩም ፡ ጽጉባት ወጣጡ
ስልጣን ዝሓዘ ፡ ዓራት እንዳማቱ
ምትሓዙ እዩ’ምበር ፡ መገዲ ኣያታቱ

ገለ ሙላቕ ፡ ተረፍ እንተ ሃሊካ
ዘይሕሎ ክትሕሉ ፡ ጸላእ ጸልኢካ
ንሰማይ ተንቃዕርር ፡ ገበል ኣብ እግርካ
ሃጠው ቀጠው ግደፍ ፡ ተጠቀም በትርካ

ጎሪሑ’ዩ ሎሚ ፡ ኩሉ መላኣ ህዝቢ
ኣቲካ ጸኒሕካ ፡ ዕኾት እንዳ ንህቢ
ምጥፍእካ እንተ’ሒሹ ፡ ዓራርቦ ጸሓይ
ደምሰስትስ ኣሎና ፡ ከይትገድፍ ደሃይ

ኣቱም ካብ የብለይ ፡ ናብ የብለይ ትብሉ
እዝንኩም እንዳ ሰምዔ ፡ ልብኩም ተንዅሉ
ሃገር ሒዝኩም ፡ ሃገር ተጣራዒት
ግደፉ ጽገቡ ፡ ድቓስ ጥንቅልዒት

ኣዕዋፍ ሃግረይ ፡ ተንስኣ ዘምራ
ኣይጨነወክንን ድዩ ፡ ‘ዚ ሰናይ ኣዝመራ
ዕንጭራር ህግደፍ ፡ ድምጻ ተሎጉሙ
ኣበይ ከይጸንሕ ፡’ዚ ዘርኢ መርገሙ

ፍሉይ ኣይነበረን ፡ መዓልቲ ምስ ለይቲ
ቒቕ..ቒቕ ከይሰማዕና ፡ እታ ሳልሰይቲ
ኣበይ ከንድቅስ ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ! !

ኣበይ ከንሳደድ! “ኣለና” …………………

መረጸ ኣስመላሽ
02. 01. 13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Lone Selam February 4, 2013

    Ajokum sometime tiray Mengistu hailemariam Dergi echo Ab aga wickets radio regrade lit eyu ziaafene

POST A COMMENT