Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሽም ተቃዋማይ ምሽቃጥ ዓገብ ; መስከረም ዶት ነት

ንመስከረም ዶት ነት ዓገብ ክብል እደሊ። ከም ሽም እቲ ዝዓበየ ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ ስያመ ተዋሂብዎ ‘ሎ። ተቃዋማይ ዝብል ሽም። ብግብሪ ግን ኣይከምሽሙን። ተቃዋማይ እንተኾንካ እኮ ክህልወካ ዘለዎ ዕላማታት ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ብሽም ተቃዋማይ ግን ከኣ

ንመስከረም ዶት ነት ዓገብ ክብል እደሊ። ከም ሽም እቲ ዝዓበየ ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ ስያመ ተዋሂብዎ ‘ሎ። ተቃዋማይ ዝብል ሽም። ብግብሪ ግን ኣይከምሽሙን። ተቃዋማይ እንተኾንካ እኮ ክህልወካ ዘለዎ ዕላማታት ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ብሽም ተቃዋማይ ግን ከኣ ደጋፋይ ኮንካ ምቅራብ ኣይግድን። ንዝበልሐ መጉደሚ ኮንካ ከምቅራብ እዩ። ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከምመሽረፈት ዝመሰልዋ ከምዘለዉ ኣንቢበ ነይረ። ኣነ ግን ከም ሕቡእ ሓደገኛ መልእኽተኛ ወይ ሓርበኛ፣ ከም መጉደሚ በሊሕ ጌረ እያ ዝትርጉማ። እስኪ ኣብዚ ሎሚ ቅነ ብመስከረም ዶት ነት ዝቀርቡ ዘለዉ መጉደሚ ሓሳብት ንርአ፡ –

ንውሕ ንዝበለ ጊዜ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብኹሉ ኩርንዓት፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራዊያን ከስተብህለሉን ሓላፍነት ክሽከምን ከእውዩን ጥርዓናት ከቅርቡን ጸኒሖም ‘ዮም።  ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ጸቕጢ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት መጽናዕቲ ንኽገብር ብዝደረኾ ሓንቲ ናይ ምጽራይ ኮሚሽን ኣቑሙ እቲ ዘሎ ሓቂ ካብ ባሕሪ ብማንካ ንዓለም ምግላጹ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ። ስዒቡ ብደገፍቲን ተቃወምቲን እቲ ገሃሲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ፍልልይ ምግባሩ ብዙሕ ዘገርም ኣይነበረን። እቲ ዘገርም ዝዓበየ ተቃዋማይ እየ ዝብል መርበብ ሓበሬታ መስከረም ዶት ነት፡ ነቲ ናይ ደገፍቲ ሰላማዊ ሰልፍ ኣግፊሑ፡ ኣድሚቁን ኣስሚሩን ከቃልሕ ከሎ፤ ብኣንጻሩ ነቲ እውክለካየ ዝብሎ ደምበ ተቃወምቲን ደለይቲ ፍትሕን ግን ኣጽቢቡ፡ ኣህሲሱን ኣፏኺሱን ምቕራቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ሓደጋ ከምዘለዎ ምስ ናይ 1952 ውሳኔታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምምስሳሉ እዩ።  ሰብኣዊ መሰል ሰብ ይከበር፡ ዲክታተር ደው ይበል ስለተበሃለ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ከም ምሃብ ምስናድ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ገበን የለን። ካብ ዝበሎም ገለ ክጠቅስ

  1. ሕጂ’ውን ጉዳይና ባዕልና። ሕቡራት መንግስታት ኣእዳዎም ይኣክቡልና። ሎሚኸ፡ ንካልኣይ ግዜ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታት ክውሰን? ምስቲ እቲ ናቲ ጽሑፍ መልእኽቲ ዘሰማማዓን ጉዳይ “ጉዳይና ባዕልና ከነሳልጦ ተጸበይቲ ካልኦት ከይንኸውን” ዝበልካዮ ሓሳብካ ቅቡል እዩ። ምስ ኩነታትና ኣተሓሒዝካ ክትርእዮ ኮለኻ ግን ብኸመይ ኢና ጉዳይና ባዕልና ንዓሞ? ድጋፍ ኣየድልየናን ትብል ዶ? ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባና ክግደስ የብሉን ትብል ዶ? ንዓይ ከምዝርደኣኒ ልዕሊ ማንም ሃገር ኤርትራ ኣባል ብምዃና ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ብፍላይ ከኣ ድቁሱ ማሕበር ኣፍሪቃ ክግደሱ ይግብኦም ይብል። “ሕቡራት መንግስታት ኣእዳዎም ይኣኩብልና” ዝብል ኣስነቢባትና። ካብ ምንታይ? ከምቲ ኣብ 1952 ዝተገብረ ሃገርን ህዝብን ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝተገብረ ዓቢ ጌጋን፣ እዚ ስርዓት ዲክታተር ኢሳይያስ ከምዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ግህሰት መሰላት ሰብ ደው ንኽብል ኣብ ሓደ ጉጅለ ማዕቀብን ፍርዲ ንኽወሃብ ምግባርን ሓደ ዓይነት ውሳኔታት ዲያ ትብለና ዘላ? እንታይ ምስ ምንታይ ኢያ ከተላግብ ትፍትን ዘላ? ብደለይቲ ፍትሒ ንዝተገብረ ሰልፊ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ኢላ ኣመራሲሓቶ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ከኣ ብግዲ ክወጹ ከምተገብረ ጌራ ኣርእያትና። እቲ ሕቶ “እቲ ሰልፊ ናይ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ብድልየትን ብፍላጥን ዝገበሩዎ ዶ ይኸውን ተጌሩ?” ናይ ኣብየስ ናብ እምየ በሉ ዓበይቲ። ገማጢልካ ምቅራብ እባ ጽቡቕ። ከመይ ድዩ ነገሩ? እቶም ዝበዝሑ ብጥቅማጥቅሚ ዝተለኸፉ፣ እርግንኦም ኣብ ዓዶም ከሕልፉን ሃገራዊ ቀብሪ ክረክቡን ዝደለዩ ዓብይቲ ዶ ኣይኮኑን ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፍ ዝገበሩ? ኤምባሲታት ብዝወደብኦ ብኢመይል “ኣብዚ ሰልፍ እንተዘይተረኺብካ/ኪ. . . .” እንዳተባህለ ብምፍርራሕ ዝተገብረ ሰልፊ ዶ ኣይነበረን ዝተገብረ? ኤምባሲታት ስርዓት እቲ ጉጅለ ሎጅስቲክ ኣይሸፈናን ዲየን? ፖለቲካ ብሓሶት እዩ ዝሽፈን ይበሃል ‘ዩ፡ ከምዚ ዝመሰለ ርኡይ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓሶት ግን ኣይረኣኹን።
  2. “ሑቡኣት ኣንደነታውያን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ካብ ህዝባ መንዚዖም ንሕቡራት መንግሰታት ንምርካብ መስርሕ ኣበጊሶም ከም ዘለዉ ንዕዘብ ኣለና።” ዝብል ጽሑፍም ኣንቢብና። እቶም ናይ ቀደም ኣንድነታውያን ዝበሃሉ ከምቲ ኣብቲ ዓምዲ ተጻሒፉ ዘሎ ጌሮም ኣይገበሩን ኢልና ኣይንካታዕን። እቲ ሕቶ ክምለስ ዘለዎ “ጉልባቦም ዘይቀንጠጡ፣ ብመንገዲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምእንደገና ኔርትራ ኣሕሊፎም ንኢትዮጵያ ክህቡ ዝደልዩ ኣንድነታውያን ዝበሃሉ ተቃወምቲ ኣለዉ ድዮም? ዝብል እዩ። ኣነ ከምዚ ዝብሉ ተቃወምቲ ከምዘለዉ ኣይሰማዕኹን። እንተሃሊዮም ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ዝቃወምዎም ደምበ ተቃወምቲ እዮም። ብሓሶት ሚሂዝካ ምጥቃን ቀሊል እዩ። ሳዕቤኑ ግን ከቢድ ‘ዩ።  እቲ ጸገም እቲ ሓሶት ምስተቀልዐ ምዕጻፉ ‘ዩ ዝኸብድ። ካብ ጽሑፋት መስከረም ዶት ነት ክምዝተዓዘብናዮ ሕቡኣት ኣንድነታዊያን ዝበሃሉ ከምዘለዉ ኢዩ። እቲ ጉዳይ ተገማጢሉ ‘ምበር ጉጅለ ኢሳይያስ ‘ዩ ንሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣባላት ደምሂት ኢትዮጵያውያን ‘ዮም። ብስሩዕን ሕቡኡን ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተዓሊሞምን ተደራጅዮምን። ብዘይ ውግእን ተኹሲን ከኣ ሃገር ወሪሮም። እቲ ሓቂ ጉጅለ ኢሳይያስ ‘ዩ ሃገር ኣድፊሩ ዘሎ። ወዲ ሃገር ብባዕዳዊያን ሰራዊት ተገፊፉን ተሰራጥዩን። ሃብቲ ሃገር ተዘሪፉ። ገንዘብ ወርቂ ቢሻ ተሽሪፍሎም። ዓይና ብጨው ሰለተሓጽበት መስከረም ዶት ነት ነዚ ኸ ሓሶት ዶ ትብለና ትኸውን? እንተበለትም ዝገርም ኣይኮነን።
  3. ኤርትራ እኹል ብቅዓት ዘለዎም፣ ሃገርን ጥራይ ዘይኮነ ዓለም ከመሓድሩ ዝኽእሉ ምሁራትን ለባማትን ኣለዉዋ። ብሰንኪ ዲክታተራዊ ስርዓት ግን ባይታ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ደለይቲ ፍትሒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይከበር፡ ዲክታተራዊ ስርዓት ይፍረስ በሉ ‘ምበር፡ እዛ ሃገር እዚኣ ነፍሳ ከተማሕድር ስለዘይትኽእል ብሞግዚትነት ንኽመሓደር ሓጉዝና ኣይበሉን። ኣጻራይት ኮሚሽን እንተኾነም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣሎ በለት ‘ምበር ብዛዕባ ምሕደራ ኣየጽነዐትን። እቲ ጉዳይ ግልጺ እዩ ዘሎ። ስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ እንተኣልገሰስ እዛ ሃገር ፋሕ ክትብል እያ ብዘስምዕ ቃና ምቅላሕ ግን ንጉጅለ ኢሳይያስ ንምጥባቕ ዝግበር ዘሎ ካልእ ውዲት መስከረም ዶት ነት ‘ዩ።
  4. ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዓምዲ መስከረም ዶት ነት ብድሙቕ ካብ ተቃለሐ ሕጥቦ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ – “ሕጂ’ ውን ጉዳይና ባዕልና። ዝዕረ መሊኡ ኣለና.. ቁዋምና….ሃገራዊ ኣገልግሎትና…ምሕደራና..ሕቡራት መንግስታት ኣእዳዎም ይኣክቡልና።” እንታይ መልእኽቲ ክመሓላለፍ እዩ ተደልዩ ዘሎ? መደንጸዊ ንነፍስኻ ዘቃልዕ መልእኽቲ። ብዛዕባ “ሕጂ ‘ውን ጉዳይና ባዕልና” ማለቱ ሓሳባተይ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ስለዘለኹ ክሓልፎ። ዝዕረ መሊኡ ኣሎና ዝብል ተጠቂሰን ዘለዋ ነጥብታት ኣብ መስከረም ዶት ነት ሒጂ ሕመ ግህሰት መሰል ሰብ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ምስበለ ተልዕሎ ዘላ። ከም ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ እንታይ ኮይና እቲ ጎድፍ ዓይኒ ናይቲ ስርዓት ክዕረ ኣቀድም ኣቢላ ደየቃለሐቶ? ኣብቀረባ እዋን በቲ ስርዓት ዘይተኣወጀን እቲ ተገልግሎ ዘላ ጉጅለ ብጋህዲ ዘይተዛረበሉን ኣዋጅ ከምዚ ክትብል ኣጉሊሓ ኣቃሊሓ ነይራ፡ – “ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ወሪዱ” ዝብል ንኣንበብቲ ኣስነቢባ። ብዙሓት ኣበብቲ ሓቂ መሲልዎም ደጊሞም ዘቃልሕዎ ኣይተሳእኑን። ካልእ ተመሳሳሊ መስከረም ዶት ነት ዘንበበትና ከምዚ ይብል፡ – “ኣብቀረባ መዓልታት ናይ ሕርጊጎ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለኽትሪክ ንዓመታት ምትዕርራያት ክግበረሉ ጸኒሑ ስለተዛዘመ ኣገልግሎት ክህብ ክጅምር ‘ዩ።” እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግን እቲ ኣገልግሎት ኣይተጀመረን። እቲ ጸገም መሊሱ ገዲዱ ‘ምበር።
  5. ዝበዝሐ ክፋል መስከረም ዶት ነት ንናይ መርበብ ሓበሬታ ጉጅለ ኢሳይያስ ምቅላሕ እያ ትጥቀመሉ። ቀጺላ ከኣ ዜናታት ደቡብ ሱዳን። ድሕሪኡ ጎረባብቲ ሃገራት የመን ሱዳን ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኤሽያ። ኣብ መወዳእታ መምሰሊ ንተቃውሞ ደንበ። ኣብዘሓለፈ ሰሙን የማነ መንኪ (ርእሲ ሓሳማ) ኣብ ቻይና ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ጺሒፋ። እቲ መልእኽቲ ከምቲ ኢሳይያስ ንህዝቢ መዐሸዊ ዝጥቀመሉ ጥበብ መታለሊ “ማሽናት ተዋዲዶም ኣለዉ፣ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ንልምዓት ሓምሻይ ማርሽ ጌርና ክንምርሽ ‘ና።” ንዝብል መተካእትኡ ዝተመሃዘ ሽርሒ ‘ዩ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ዜናታት ምቅላሕ ንመስከረም ዶት ነት ብቁዕ ተቃዋማይ የብላ ‘ዩ ኢለ ኣያምንን። ዜናታት ናይ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ኣየድልየናን ኣይብልን። እቲ ሓበሬታት የገድሰና እንተኾነ ግን ከኣ ኣመና በዚሑ።  ምስናይ ተቃወምቲ ዕላማን ንድፍን ዝጎዓዝ ኣይኮነን። ነስከረም ዶት ነት ተቃወምቲ ንቅሓቶም ክብ ዘብልሉ፣ ደገፍቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝበራበርሉ፣ እቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብቲ ክፋእ ተግባሩ ክዕቀብ ዓገብ ትብለሉ ጽሑፋትን ዜናታትን ከተቃልሕ ነይርዋ።

 ኣቶ በረኸት ኪዳነ
ኣብ መስከረም ዶት ነት ካብ ዝተቃለሐ ሓደ መጉደሚ ጽሑፍ ብኣቶ በረኸት ዝተጻሕፈ ‘ዮ። እግረ መንገደይ ዓገብ ክብሎ ስለዝደለኹ ብሓንሳብ ኣውጺአዮ ኣለኹ።

 

ሚኒስተር ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኮሊን ፖወል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀሪቡ ብዛዕባ ዓዕነውቲ መሳርሕታት ዒራቅ ዝተዛረቦን እዚ ሕጂ ማይክ ስሚዝ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ ቀሪቡ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝተዛረቦን ዘለዎም ምትሕሓዝ ክርድኦ ኣይከኣልኩን። በረከት ኪዳነ ንነገራት እንታይ ምስምንታይ ከተሓሕዞም ከምዝደለየ ብጓል መገዲ ከረደኣና እንተዘይፍትን ምሓሸ ነይሩ።  ኮሊን ፖወል መሰረት ኣብዘይብሉ ፍጻሜታት ዝተዛረቦ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን እቲ ዒራቅ ብሳተላይት ዝረአ ናይ ሓሶት ሚሳይላት ኣብ ፈቀዶ እታ ሃገር ተኺላ ነይራ ፡  ዓዕነውቲ መሳርሕታት ብፍላይ ከኣ ንእስራኤል ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍኣ ዝኽእል ከምዘለዋም ኣውጃ ነይሯ ‘ያ። ኮሊን ፖወልም ኣብዞም ጭብጥታት ተመርኪሱ እዩ ኣብ ቕድሚ ሕቡራት መንግስታት  ቀሪቡ ብዛዕባ እዞም ዓዕነውቲ መሳርሕታት ዝተዛረበ። ኮሊን ፖወል ዝተዛረቦ ግን ምስ ማይክ ስሚዝ ዝተዛረቦ ምንም ርክብ የብሉን።  እቶ በረከት ኮሊን ፖወል ዝተዛረቦ ናይ ፈጠራ ሓሶት ዝበልካዮ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዒራቕ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሓሶት ሚሳይላት ኣይተኸለትን  ዓዕነውቲ መሳርሒታት ከምዝነብራ ኣይዓወጀትን ዲኻ ትብለና ዘለኻ?  ከምኡ እንተኾይኑ ሓሳባትካ ወይ ኣብቲ እዋን እቲ ኣይነበርካን ወይ ከኣ ኣይተወለድካን ሕጂ ከኣ ጌና ቆልዓ ኢኻ ዘለኻ ማለት ‘ዩ። ታሪኽ ተወከስ ክብለካ እደሊ።
ማይክ ስሚዝ ብሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ይፍጸሙ ኣለዉ ንዝበሎም ብርክት ዝበሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ሸይላ ኪዛሩዝን ማይክ ስሚዝን ኣነ ብዝኣመንኩሉ ነቲ ዘሎ ሓቂ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዘይኮነስ ብማንኪያ እዮም ጺሒፎም። ሓቂ የብሎምን ትብለና እንተሃሊኻ ኣቶ በረኸት! እስኪ ኽሓተካ። ማይክ ስሚዝ ይኹን ሼይላ ኪዛሩዝ ኣብዘቅረብዎ ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ዘየሎ ነገር ድዮም ኣቕሪቦም? ናይ ብሓቂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰብ ኣብ ኤርትራ የለን? ንምዃኑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡእኻ ፈጺምካ ዶ? ንኽንደይ ጊዜ ኣገልጊልካ? ሓፍትኻ ወይ ሓውኻ ወይ ናይ ቀረባ ኣዝማድካ ባሕሪ ኣይወሓጦምን ድዩ ወይ ናውቲ ኣካላቶም ንዕዳጋ ኣይቀረበን? ወይ ድራር በረኻ ኣይኮኑን? ወዘተ ነዞም ሕቶታት ክትምልሶም ዓቅሚ ኣለካ ዶ? ንዓይ ኣይመስለንን። ምኽንያቱም ኣዋቃዓይ ስለዝኾንካን ነቲ ሓቂ ኣሉ ትብሎ ስለዘለኻን። ነገራት ኣብ ምውቓዕ ብጉጅለ ኢሳይያስ ዝተዓለምካ እከይ ሰብ ኢኻ። ንነገራት ዘዋቕዕ ሰብ ነቲ ንዝነበረን ዘሎን ሓቂ ንኽጠልም ነግፈረግ ዘይብል ብጥቕሚ ዝዓወረ ስለዝኾነ።

 

ሓደ እቲ ናትካ ናይ ምውቃዕ ባህርያትካ ዝተጸንባረቀሉ ሓሳብ፡ መሰል ሰብኣዊ መሰላት ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ንኤርትራዊያን ክጣበቀሎም መሰል ከምዘይብሉ ንምግላጽ ዝተጠቀምካሉ መንገዲ ‘ዩ። ሕቡራት መንንግስታት ኣብ 1952 ኤርትራን ብመንግስትነት ጌና ከይፈለጣ ከሎ ብዝገበሮ ጌጋ ንዝፈጸሞ በደል ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ሰብ ክፍጸም ከሎ ኢዱ ኣጣሚሩ ክርኢ ከምዘለዎ ዘስምዕ ጽሒፍካ፡ እዚ ሓሳብ ንስኻ መን ምዃንካ ዘርኢ መስትያት እዩ። ከምዚ እንተትሕተት “ኤርትራ ስለምንታይ ኣባል ሕቡራት መንግስታት ኮይና” እንትትበሃል እንታይ ምመለስካ? ከምቲ ኣብጽሑፋክ ገሊጽካዮ ዘለኻ ዝተሰነዐ ተገብረ ዝበሃል ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣብ ኤርትራ፡ ሕቡራት መንግስታት ንኸቃልዓልካ ጥራይ ዶ ይመስለኻ? ኤርትራ ናይ ሚሊነም ሸቶታት ኣሰላሲላ ክትብለልካ ጥራይ ምጽባይካ ክሳብ ክንደይ ጨካን ሰብ ምዃንካ እዩ ዘርኢ። ኣባል ሕቡራት መንግስታት ምዃን ማለት እኮ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ምምእዛዝ ማለት እዩ። እቲ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ከኣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ሰብ እዩ። ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝመሽመሹ የሕዋት የለዉን ድዮም? እዛ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ትበሃል ነዚ ሓቂ ብምቕራባ ኣብምንታይ እዩ ዘሎ እቲ ጌጋኣ? ኣቶ በረኸት ክነግረኻ ንስኻ ነዚ ዝኸውን መልሲ የብልካን። ብዘይፍርዲ ብይጽናሓለይ ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን የለዉን ክትብለና ምድፋርካ ዘገርም ኣይኮነን። ንስኻ ሕሊናኻ ዝሸጥካ፣ ትብዓት ዝጎደለካ፣ ብፍርሂ ዝተኣሰርካ ምሩኽ ጉጅለ ኢሳይያስ ወይ ሓደ ካብኦም ስለዝኾንካ።  ዓገብ ናብ ልኻ ተመልስ ኢለ ይላበወካ።

 

መስከረም ዶት ነትን ጸሓፍታን ኣብ ተመሓላልፎም ዘላ ዓዕናዊ መልእኽታት እቲ ብኻልኦት ጸሓፍቲ ዝተወሃባ “መሽረፈት” ዝብል ሳጓ ኣብ ቦትኡ ከሎ “መጉደሚ በሊሕ” ኢለ ሰምየዮ ኣለኹ። እዛ መርበብ ሓበሬታ ኣንጻር ዕላማ ተቃውሞ ደው ማለታ ስለዝተዓዘብኩ ዓገብ ክብላ ዝተበገስኩ።ኣመሓደርታ ኣብ ልቦም ተመሊሶም ንደምበ ተቃወምቲ ዝድርዕ ጽሑፋትን መልእኽታትን ኣብ ዓምዳ ከተስፍር እላበዋ። ሓሳበይ ንምጥቕላል፡ ንኹሉ ጊዜ ይፈርዶ። ጊዜ ከኣ ኣለዎ። ኣብ ጸልማት ተጎልቢቡ ዝተርፍ ነገር የለን። ሓቂ ትዕጸፍ ‘ምበር ፈጺማ ኣይትስበርን። ሓቂ ትዕምጸጽን ትዕመጽ ን‘ምበር ኣይትመውትን  ኣይትቅበርን። ሓቂ ኣብ ጊዜኣ ቦለቅ ኢላ ክትወጽእ ‘ያ። ሽዑ እቲ ክፍኣት ክቃላዕ ‘ዩ እቲ ድንቁርናም ክሃስስ ‘ዩ። ሽዑ እቶም ደናቁር ክሓፍሩ እቶም ዓምጸጽቲን ጠለምቲን ከኣ ክቅበሩ ‘ዮም።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

02/07/2015

 

 

                            

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • habtom July 5, 2015

    Bflay keleta kidane zeal kedae knnekhalu ybehal?

  • habtom July 5, 2015

    Keleta kidane zbehal seb (kedae) any meskerem (hgdef) kendi eyu?

  • Jack July 5, 2015

    Weldone Debre

  • Jack July 5, 2015

    Keleta Kidane bidewu zimote Seb!

  • Tes July 5, 2015

    Dear Debre,

    Really great advice to meshrefet net. The problem is the website run and owned by individual who driven by greed who can not see the consequences of his action. Have no idea why he lower himself to that level but this Alem goitom is a village idiot who care only for himself even he doesn’t consider what he is going to leave to his children if he has. I feel sorry to any one associates with him whether by blood or otherwise. He is insane, or sad soul.

    the COI described Eritrea as a state ruled by fear not by law and that idiot reconfirm that by trying to intimidate those courageous individuals who make the UN to look in to the human right issue in Eritrea. He declare to show photo of the main players on his website. What he miss is that it is a budge of honer to stand up and be counted for justice. and the fear of PFDJ has been broken long ago. He is website is same as Radio Ruwandy and he should be brought in to law for inciting haters and division. But that I leave it to the law professionals.

    The two kidenes the main contributors of the site well for me they are paid agents of PFDJ. So they are doing their job so until the right time let them bark the lies and the garbage. What I could not understand Keleta Kidane. He seems a old man and expect him to be more wiser. But this guy is like he is living in past. He creates enemy from right and left like PFDJ. He is a focused soul. Sometime I wonder whether he has right mind when he begged continuously to his bass in Asmara. He believes all the solution is in that rotten organization. He sees with suspicion to all individuals or organization as enemy of the state of Eritrea if the resist the regime in Eritrea. He is narrow mined from awrajawie.

    Debre great article! good work brother

    • Debre July 5, 2015

      Dear Tes
      Nice to see the comments from you. Your comment is imperial as usual. thank you.

  • comment July 5, 2015

    ዝኸበርካ ደብረ፥ ሓቀኛ ዝሑፍ ጽሒፍካ። ዕላማ ናይ መስከረም ዶት ነት ፈጺሙ ኣይረድኣካና እዩ። ካብ ኩለን ዝረእኽወን ውብ ሳይታት እታ እንኮ መትከል ዘይብላ ወብሳይት ኮይና ረኺበያ። እቶም ጸሓፍታ ከኣ ካብ መትከል ዘይብሉ ስራሕ ዝሰርሑ እንተኣቃረጽዎ ዝሓሸ እዩ።

    ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

  • Fethi July 5, 2015

    Dear All,
    I have been saying this for a long time Meskerem.net is MEDENAGERI.net.
    Thanks.

  • Genet berhan July 6, 2015

    Good writing. Meskerem has a mission I don’t see the diference with Haddas Eritrea. They post the same almost. I donot read it. It is wast of time for me.

  • ertra n ertrawyan July 6, 2015

    Thanks Geneva 26, 06,2015. We could single out our enemies who seems were oposition but found to be HGDF. Keleta Kidane is the messenger of HGDEF so from now on wards you are no more spy of hgdef inside opposition. your status is changed from opposition to real HGDEF. Sorry but bye to hell with your dictator. People and time are now with us.

  • theland July 6, 2015

    “እቲ ስርሒት ሃይሞኖታዊ ድፍኢት ነይርዎ ከይከውን እዩ.” quoted from meskerem.net

    The man behind the notorious website has kept agitating tirelessly to plunge Eritrea into a religious war. All opposition sites, activists, Paltalk etc should aware of this man and do something.

POST A COMMENT