Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ – ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን 24 ጥቅምቲ 2014     ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡  እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ

ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

24 ጥቅምቲ 2014

 

 

ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡  እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ።

ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡ ኣድላይነቱ  ህጹጽ   ምዃኑ ፈሊጦምን፡ ንዝወሰኑዎ፡ ዉሳኔ፡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘይሕለል ድኻም ደኺሞምን፡ ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሑን፡ ሽማግለታት፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን፡ ኣባላት ስትራተጂ ዓዲን፡ ቀጺለውን ብስም፡ እቲ ኣፉ ተለጉሙ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊመ ከመስግን ይፈቱ።

ኣብ መግለጺ ብተባዕታይ ቃል ብምጽሓፈይ ኣሕዋተይ  ደቂ ኣንስትዮ ረሲዔ ኣይኮንኩን።ይቕረታ ከም ድፍረት ከይውሰድ ሓደራ።

ባይቶ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ቀዳሞት ወለድና፡ ቂምታ ዘልዎ ሰብ ከይህሉ፡ ኣቐዲሞም ይሓቱም! ንዝተቓያየሙ ዓሪቖም፡ እዮም ጉባኤኦም ዝጅምሩ ዝነበሩ።

እምብኣር፡ እዘን ክልተ መጻሕፍቲ “ታሪኽ ወሎዶ ህዝቢ ኤርትራ” ብሃለቅ ብርሃነ ዝተጻሕፈት፡ ከም ኡውን “ሕግታት መርየት ዓደቦ” ምስ እንውከስ፡ ክንደይ ኣሻሓት ዓመት ዝገበረ ህዝቢ፡ ታሪኽን፡ ዛንታን፡ ሕግታትን፡ ባህልን ልምድን፡ ቛንቛታትን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሕጂ ዳኣ እንታይ ረኸቦ? ጠምበር ኢሉ ሽግሩ ክፈትሕ ዘይከል????????ኣብ ጸገም ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ ደቁ መንጠቢ ጨኒቕዎም ፈቐዳኡ ዝጠፉን ዝቕበሩን ዘለዉ????

ኤርትራውያን መን ኢና??፡ ክንደይ ዘብን እዩ ትውልድና? መበቆልናን ዛንታናን፡ ታሪኽናን፡ ወግዕናን ያትናን ንፈልጥ ዲና? መንነትና ብግቡእ ክሳብ ዘይፈልጥና፡ ድማ ወሪድና ዘሎ ጸገም ጸነተ፡ እምበርዶ! ከም ህዝቢ ክነብር ኢና? ዘብል እዋን በጺሕና ኣሎና። ነዚ ከቢድ ሕቶ ክንምልሽ ናይ ግድን እዩ።ህጹጽ ምዃኑ ንኹሉ ክበርህ ኣለዎ።

 

“መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ቃል ኣቦው እዩ።

ዓድና መሰረትናን፡ መበቆልናን፡ መንነትና፡ መርየትናን ዝገልጽ እዩ። ኣብ ዓዲ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ ህዝቢ፡ መርየት፡ ባይቶ፡ኣምሓደርቲ ሽማግለ፡ ለባማት፡ ትምህርትን፡ ስልጠናን፡ ዛንታን ያታን፡ ምክብባርን፡ ፍቕሪን፡ እምነትን፡ ምትእምማንን፡ ጽንዓትን፡ ጅግንነትን፡ ምቕልሉነትን፡ ተወፋይነትን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይርከብ።

 

ወዲ ዓዲ፡ እንታይ ይገብር? ሰብ የኽብር። ኣይዳፈርን መሰል ሰብ ይሕሉ። ዝመጾ ይፈልጥ፡ ስነ ስርዓት ንዘጉደለ፡ ኣይወረጃን ወይ ጓሳ ኢሉ ይጽዋዕ። መነባብራኡ ድማ ኣብ ማሕረስን ኣብ መጓሰን እዩ። ከመኡ ድማ ጋሻ ይቕበል፡ መንገዲ ይመርሕ፡ መን ጓና መን ዘመድ ይፈልጥ፡ ኣከባቢኡ፡ መዳውብቱ ፡ መዋዳድርቱ ዝኾኑ ዓድታት ይፈልጥ፡ ኣብ ዓዲ ዝርከብ ቛቑራን ሽንጭሮን፡ ብዓትን ገደልን ይፈልጥ፡ መህደምን መሕብእን ናይ ዓዲ ይፈልጦ። ኣብ እንታይ እዋን ይጥቀመሎ ም ለሊጡ ድማ ይቕረብ …ወዘተ።

“ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ፡ ሞት ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ክፈርህ የብሉን።

ንሎሚ ካብ ሰለስተ ሕጊ ዓደቦ ንመምሃሪ ክጠቅስ፡ ፍቐዱለይ? ናይ ዓፈር፡ ናይ ኹናማ፡ ናይ ባዛን፡ ናይ መንዓምር በጃን…ወዘተ ከምዘሎና ንኹሉ ብሩህ እዩ።

 

ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣሎ፡ መረየት ኣሎ፡ ባይቶ ኣሎ፡ ህዝቢ ኣሎ፡ ዜግነት ኣሎ። ኣብ ዓዱ ብሕጊ ኣይነባበር። “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልን ኣብ ዓውዱ” ይባሃ።

ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ሕጊ ክህልዎ ኣለዎ።እዚ ካብኮነ፡ እስከ፡ ኣብ ሕጊ ኣድግና ተግልባ፡ ንሕጊ ከመይ ይገልጾ። “ ሕጊ ማለት ንንጉስ፡ ንመኳንንቲ፡ ንሕዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ዘሳማምዕ፡ ንሕዝቢ መሔለዊ፡ ብሰላም መንበሪ ዓቢ ረዲኤት ዘለዎ ነገር ማለት እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣድግና ተገልባ ብዘበናዊ ኣብ ጽሑፍ ንኽሰፍር ሓደ ዓመትን፡ ሽዱሽተ ወርሕን ወሰደ። ኣብ “ምዔም ምሓዝ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተኣወጀ።

“ለባም ተወከስ፡ ባላን ተሞርከስ”  ከም ዝባሃል፡ ኣብ ደብተር ሕጊ ስርዓት ዓደቦ፡ ኣብ መቕድም ዝሰፈረ ንመልከት!

“ህዝቢ ኤርትራ ካብ መርየቱ በቑሉ ናብ መርየቱ ዝዓልብ ንባህልንታቱ ዘንጸባርቕን፡ ንኣግባብ መነባብራኡ ዝሰርዕን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓድጊን ስነ መስርዕን ኮይኑ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝተቐርጸ ሕግን ስርዓትን ናይ መረት ዓደቦ ኣለዎ። እዚ ሕጊዚ ካብ 1480 ዓም ኣትሒዙ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሰፊሩ ንሕዝብና ኣብ ደረጃ ስልጡን ህዝቢ ዓለም ኣድይቡ ሚዛን ናይ ታሪኻዊ ምዕባለን ቀይዲ ናይ ህዝቢዊ ትካላትን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ኣገልግለቱ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ከበርክት ይርኤ።

ሕጊ እንዳባ ሽሕኳ ኣገልግሎቱ ካብ ብዙሕ ዘበናት እናተዋራረሰ እንተመጸ ባዕዳውያን ገዛእቲን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን በብ ኢብሪ እናተላዕሉ ጸቕጥን በብዓይነቱ ዕንቅፋትን ፈጢሮም ስለ ዘቛናጽብዎ፡ ከምቲ ግቡእ ክምዕብል ኣይከኣለን። ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንሕጊ እንዳባ ብምስትንዓቕ “ካብ ባህላዊ ትሕዝቶን ተራ ስርዓት ናይ ባህርያዊ ምንቅስቓስን ሓሊፉ ካልእ ክብሪ ክህልዎ ኣይክእልን” እናበሉ ስል ዝጓዕጸጽዎን፡ ተሓቲሙ ንዝወጸ ፡ብዙሕ ብራናታት፡ ድጓታትን፡ መጸሓፍትን ኣራርዮም ስለ ዘሕረርዎን፡ ንሕጊ እንዳባ ከነስተማቕሮን ብቐዳማይ ደረጃ፡ ሰሪዕና ክንኩስኩሶን ዕድል ኣይረኸብናን። ባዕዳውያን ጸላእቲ ዝፈጠርዎ ጉድኣት ግን በዚ ኣየብቕዔን። እቲ ዝገደደ” ሕግን ስርዓትን ናይ መርየት ዓደቦ ኣድሓርሓርን ንረብሓ መሳፍንቲ ዝቖመን እዩ” እናበሉ ናይ ስነ ኣእምሮ ደገልን፡ ናይ ስነ መንነት ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ሃገራውያን ስል ዘሰረጹ፡ ኣብ ክንዲ ብሕጊ እንዳባ ምኹራዕን ምሕባንን፡ ንዑኡ እናቆናጸቡን እና ኣነኣኣሱን መተካእታኡ ካልእ ምስ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየሳኒ ናይ ወጻእተኛታት  ሕጊ ወይ ክለሰሓሳብ ክስዕቡ ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣዕናዊ ምንቅልዋጥ እዩ”።

ዝብል ተመዝጊቡ ንረክብ። ንኣዳለውቲ ደበተር ሕጊ ምስጋና ይብጻሓዮም።

ኣብ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፡

“ንኹሉ ሕግታት ዓለም ዘጽንዕ መሰረት ድማ ሃይማኖትን ስራሕ ምፍታውን፡ ንንጉስ ምክባርን እዩ”  ይብለና። ሕጊ ኣብ ዝሕገገሉ ግዜ ብእየጋንታ ዝተወልዱ፡ ዓበይትን፡  ለባማትን፡ ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዝተባህለ ቦታ (ወረዳ ተኸላ) ምስ ቃንዳ መለኸቶም ተኣኪቦም ሰሙን ክልተ ቅነ፡ ንቑጽ እንገራ እናተመገቡ፡ ማይ ሩባ እና ሰተዩ፡ ኣብ ጽላል ሞሞና ኮይኖም እግዚኣብሄር ግለጸልና ኢሎም ሓገግዎ” ይብለና።

ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣከቡ፡ “ብቃንዳ መለኸት በርበረ ዝመስል ዘንጊ ሒዞም እናዞሩ፡ ስምዑ ዓደቦና እዚ ሓጊግና፡ እዚን ደንጊግና ኣሎና፡ ኣብ ልብኹም የሕድሮ እናበሉ ብምሳር ዝተጸርበ መልሓሶም ገይሮም የስምዑን የውርሱን ነበሩ፡ ህዝቢ ብወገኑ ይስመርዎ እናበሉ ብደስታ ተቐቢሎም ይሰናበቱ” ነበሩ።

“ንጉስ ኣብ ሰቐላኦም፡ ኣቦታትና ኣብ መሞናኦም ዝሓገጉልና፡ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ኢሎም ይምጉቱ ነበሩ”።

ንዳሕረዎት ትውልዲ ምሕጽንታን ወይ ለበዋን!! ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

“እግዚኣብሄር ሕግና ክሕተም ካብ ፈቐደልና፡ ብድሕረና ዝውለዱ ደቅና ክቕጽልዎ ምሉእ ተስፋ ኣለና። ካብ ሓድሽ ሕጊ ክትፈጥር ነቲ ዝነበረ እናጸረብካ ከተስልጥ ይቐልል። ቅድም ኦሪት ነበረ፡ ወንጌል ምስ መጸ ፍጹም ብርሃን ኮነ።ደቅና ሕግና ኣጽኒዕም ከሔድስዎን ከጽርዩዎን ኩልና ንምርቖም። ይብሉና።

እሞ! ንሕና ደቖም ተኸቲልናዮምዶ? ዝብል ሕቶ የቕርብ።

ሕጊ ናይ ሎጎ ጭዋ፡ ኣብ ማይላሓም ሓገግዎ። ኣቦታትና ክልተ ደብተር ሕጊ ገደፉልና። ወድሰብ ተወሳላትን፡ ተታላልን፡ ምናልባሽ፡ ብጉቦ እንተ ተወሳለት፡ ሓንቲ ደብተር ሓላዊት ትኸውን። ዓደቦ ዝመረጾም፡ እሙናት ዝኾኑ ደብተር ዓቀብቲ ብባይቶ ይምረጹ፡ ደብተር ድማ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞረ ይቕመጥ ነበረ።

ሕጊ ዓደቦ ሓደ ካብ ሓደ እንተዘይበሊጹ፡ ማዕረ መሰላት ዜጋን መሰል ዘራእትን፡ መሰል እንስሳታት ብጠቕላላ ዝሕሉ ሕጊ እዩ ነይሩ። መሰል እምነት ብፍቃድነት ዜጋ እዩ ዝውሰን።ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት ናይ ምእማን መሰል ነበሮ።

ስትራተጂ  ዓዲ!!!!

ስትራተጂ ዓዲ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ክንምልስ ኣድላዪ ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚ ክንምልሽ! ዓዲ ኸ! እንታይ ማለት እዩ?

እምብኣር፡ ዓዲ እንታይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና!  ንዓዲ መን ፈጠሮ ወይስ መን ወለዶ? ጥሻ ወይ መርየት ዘለዎም እኩባት ስድራ ቤታት እዮም ዓዲ ዘቑሙ። ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ድማ፡ ሕጂስ ዓዲ ኣኺልና ኢናሞ! ዓዲ ዘድሊ ኣኸለ መሰለ’ን ኣለና ኢሎም ዓዲ እገል ኢና፡ ኢሎም ይስየሙ። ዓዲ እገለ፡ ዝመርሖም ጭቃ፡ ዘካይድዎም ዓበይቲ ዓዲ፡ ሽማግለ ኣመሓደርቲ፡ሽማግለ ገላፎ መርየት፡ ዓቛሮ መርየት፡ ዝእከብሉ ባይቶ፡ ዝጽልዩሉ ቤት ጾሎት፡ ቤት ጸሎት ዘማሓድሩ፡ ሰብ ምስ ወፈረ ዓዲ ዝሕሉ በብታራ ኳደረ ይገብሩ ነበሩ።

 

ደቂ ዓዲ ኣግባብን ወግዕን ቀዳሞት ኩሉ ዘማልእ እዩ። ኣብ ግዜ ሓጎሶም ኮነ፡ ኣብ ግዜ ሓዘኖም፡ ኣብ እዋን ሽግርን ኮነ ኣብ እዋን  ራህዋ፡ ኣብ ግዜ ዓመጽ ኮነ ኣብ ግዜ ወራር ጸላኢ ኣብ ዘጓንፎም፡ ደወል ይድወል እሞ!  ዓዲ ይእከብ፡ ከም ህጽጹነቱ፡ በቲ ዘቖሙዎ ምስጢራዊ ምልክታት፡ ተጸዋዊዕም ኣብ ባይቶ ይመኻኸሩ ነበረ።

ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም መን መጺኡ! መንከ ተረፈ! መትረፊኡኸ! እንታይ መትረፊኡ የረጋግጹ። መትረፊኡ ምስተፈልጠ ኣብ ጉዳዮም ጉዳይ ይኣትዉ። መኤከቢኦም ኣብ ባይቶ ኣዳቒቖም ይዘራረቡ፡ ይካትዑ፡ ይሰሓሓቡ፡ ኣብ መጨረሻ ግና፡ ንዘምጽኦም ጉዳይ መፍትሒ ወሲኖም ብሓባር ይሰናበቱ። ጸላኢ  መጺኡ! እንተ ኾይኑ ንኩናት ይኸቱ። ኩሉ ነገር ዓዲ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይፍጸም። ደቂ ዓዲ ሓጎሶምን፡ መከራኦምን፡ ብሓደ ምዃኑ ኣሚኖም ቃል ዓዲ፡ ሕጊ ዓዲ ምዃኑ፡ ኩሉተሰማሚዑ ይነብር። ወዲ ዓዲ ዜጋ እዩ። ዜግነት ኣብ ዓዲ ይበቁል። ዓድታት ተኪበን፡ ወረዳ ይኾና።ወረዳታት ተኣኪበን ኣውራጃ ይኾና። ኣውራጃታት ተደማሚረን ድማ ሃገር የቑማ። ወዲ ሃገር ወይስ ወዲ ዓዲ ትርጉሙ ኩሉ ሓደ እዩ።

ካብዚ ተበጊስና ኢና፡ ስትራተጂ ዓዲ እንብል ዘለና። መንነትና ፈሊጥና፡ ክንምህርን፡ ክንቃለስን፡ ዝወሰና። መሰረት ዘይብሉ ፈራሲን፡ ተሰባሪን ስለ ዝኾነ፡ መንነትናን፡ ታሪኽናን፡ ባህልናን  እንተድኣ ፈሊጥና ተኣማሚናን፡ ተፋቒርናን ንክንሰርሕ የኽእለና። መሰረት ዘለዎ ቤት ድልዱል እዩ። ዓንዲ ዘለዎ ቤት ኣይፈርስ እዩ። ቀዳሞት ወለዲ ከመይ ገይሮም ሽግራቶም ይፈትሑ ከም ዝነበሩን፡ ይነባበሩን ከምዝነበሩን፡ የፍልጥናሞ፡ ብትዕግስትን፡ ብትብዓትን ንክንምጉት፡ የብቅዓና።

ነዚ ገጢሙና ዘለሎ፡ ሃገራዊ ጸነተ! ከምዘይናትካ ጉዳይ ኣማዕዲኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ኣምዕድዩ ንዝርኢ ዜጋ፡  ናይ ጥዕናዶ! ይኸውን? ኢልካ ዘሕትት እዩ። ሓደ ሓደ ምስላታት ቀዳሞት እስከ ንመልከት!

ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ፡

ንርስቲ ይዋጋኣላ፡ ኣንስቲ፡

ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት፡

ትርጉም ናይ እዚ ምስላታት እንተ! ተረዲእና፡  ሽግር ሃገርና ኣማዕዲኻ ዝርኣዮ እዋን ስለ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ስትራተጂ ዓዲ ሽግር ሃገርና ንኽንፈትሕ ምስ ኩሎም ዜጋታትና፡ ሓቢርና ንኽንሰርሕ ቕሩባት ምዃና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ፡ መሰረታዊ ዘተን ምትእኽኻብን፡ ጀሚሩ ኣሎሞ! ኣብ ዝላዓለ ደርጃ ንኽበጽሕ፡ ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ ዘይሕለል ጻዕሪ ንኽገብር ንኹሎም ዜጋታትና ጻዋዒትና ነቕርብ።

ስትራተጂ ዓዲ፡ ሽግር ሃገርና፡ መፍትሒኡ፡ ኣብ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኢሉ ይኣምን።ጉዳይ ሃገሩ ዓው ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ንብል። ፍቓድ ካብ ማንም ክሓትት የብሉን። ብካልእ ሰብ ክፈትሓሉ ድማ ኣይጸበ። ዝርርብ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ክጅመር ዘለዎ። ዝከባበር ስድራ ቤት ዝከባበሩ መሓዙትን መማኽርትን ኣለዉዎም። “መንም ምዃንካ ክፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ከም ዝባሃል፡ ኣደታትን ወዘራዝርን ንስድራ ቤተን፡ ድግድጊት ተዓጢቐን ክሙግታን፡ ክምክታን ምስ ዝጅምራ፡ ዓወት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይውዳእ። ካብ ዓዲ ቀጺሉ፡ ናብ እንዳታትን፡ ናብ ወረዳታትን፡ ናብ ኣውራጃታትን፡ ይበጽሕሞ! መእስሪኡን መዛዘሚኡን ድማ፡  ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይፍጸም።

ናይ ዉልቅና ጉዳይ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለኹ ኢልና ንነብስና ቅድም ምስ እንውከስ እዩ መፍቲ ጸገም ዝኸውን መንገዲ ዝርከብ። “ወለድና ፍልስፍና ኣይተማህሮም፡ እንተኾነ ፍላስፋትት እዮም ነይሮም” ነፍሰሄር ካርዲናል ጳውሎስ ጽድዋ ከም ዝበልዎ፡ “ሳእንኻ ማዕረ እግግርኻ” ከም ዝብሉ ወለድና ኣብ እንፈልጦን፡ ብእንኽእሎን ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ጸገም ምሓጸረ ንብል። ኣነ መን እየ? ኣበይ ኩነታትከ! ኣለኹ? ናበይ ገጸከ! ጉዕዞይ? ኢልና ምስ እንሓትት ንሰውነትና ነጻ ነውጽእ።

“ስጋ በሊዕካን ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካን ፈጽሚ” ይብሉ ቀዳሞት እሞ! ስትራተጂ ዓዲ ምስ ኩሉ ዜጋ፡ ሲቪካዊ ማሕበርን፡ ዉድባትን፡

ናይ ምስራሕ ዕቕሚ ከምዘለዎ ደጋጊሙ የረጋግጽ።

ሰብ ኣብ ዓዱ!፡ እኽልከ! ኣብ ዓውዱ!” ኢሎም ወልደና! ኣብ ዓዲ መርየት ኣሎ፡ባይቶ ኣሎ፡ ዜግነት ኣብ ዓዲ ይዋሃብ፡ ወዲ ዓዲ ማለት ዜጋ ማለት እዩ። መሰረት ዓዲ ስለዝኾነ ብዓዲ ንጀምር። ኣብ ስደን ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ፡ ዝነብረሉ ዓዱ ስለ ዝኾነ፡ ፍቕሩን ሕውነቱን ከደልድልን፡ ምቅርራቡ ከደልድን፡ “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝባሃለ፡ ኣብ ከባቢኡን፡ ዙርያኡን፡ ዝርከቡ ዜጋታቱ ለሊጡ ምእንቲ መንነቱን፡ ህዝቡን፡ ክብሩን ዝርርብ ጀሚሩ መፍትሒ ሽግር ህዝቡ ከምዝረክብ ጥርጥር የብልናን።

ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ንኹሉም ስዋኣትና!!!

ነዚ ዕዉት ንክኸውን ዘቕረቡን ዝደኸሙን

ምሁራት ኤርትራውያን ደጊምና ነመስግን።

ስትራተጂ ዓዲ!!!

24 ጥቅምቲ 2014

ቭየና፡ ቭርጂንያ

ሰምየን ኣመሪካ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Keren November 4, 2014

    Who cares about the origin of ato Huriy or his father Tedla Bayru? Yes, they may have some Igbo or Yeruba ethnicity from Nigeria, so is Weldeab Weldemariam from Axum, as Issaias is from Tembien and Ali Abdu Yonous from Shirie and Abdul Kadir Kebire is from Amhara-Jeberti in Wello in Ethiopia.
    As long as, they respect the traditions, languages and cultures of Eritrean ethnic groups, their origin should be respected.

    For example, If a person grows up in Keren and respects the languages of the Bilen and the Mensa’e Tigre, then the new immigrant/ aka, refugee should be allowed to live. Or, if a person grows up in Mendefera and respects the Tigrinya language and tradition of the Mendefra and Seraye people, that immigrant or refugee should be allowed to live and accepted, as Weldeab Weldemariam did.

    If an immigrant or refugee tries to burn the local history, tradition and language of the host values of the Bilen or Mendefera people and replace it by alien values and language, the immigrant or refugee should be told to get out and find his father’s village.

    Example: I live in Texas, USA and I will soon become an American citizen. I will never try to impose my Horn Africa and Eritrean values, languages and history on the people of Texas. I will respect their law, language and history. I will not see the Texas people as my slaves or Abeed. Never!

POST A COMMENT