Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዙሓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ መደበር ታዕሊም ሳዋ ካብቲ መዓስከር ኣምሊጦም ከምዝተበተኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፣ ብዙሓት ተመሃሮ ናይ’ቲ “ብዋርሳይ ይከኣሎ” ዝፍለጥ ካልኣይ ደረጃ መደበር ታዕሊም ሳዋ፣ ካብቲ ቦታ ኣምሊጦም ናብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ከምዝተበተኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ገለ ካብዚኣቶም ናብ ዓዶምን ዝነብሩለን ከተማታትን ክኣትዉ ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፣ ብዙሓት ተመሃሮ ናይ’ቲ “ብዋርሳይ ይከኣሎ” ዝፍለጥ ካልኣይ ደረጃ መደበር ታዕሊም ሳዋ፣ ካብቲ ቦታ ኣምሊጦም ናብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ከምዝተበተኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ገለ ካብዚኣቶም ናብ ዓዶምን ዝነብሩለን ከተማታትን ክኣትዉ ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ ብስርዓት ህግደፍ ተታሒዞም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ከምዘለዉ ‘ውን ተፈሊጡ።

ካብቲ ቕንያት ‘ቲ ኣትሒዙ ኣስታት 200 ተማሃሮ ካብ ሳዋ ጠፊኦም ሓንሳብ ከኣ ተጨውዮም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ክነፍስ ቀንዩ እዩ። እዞም ካብ ሳዋ ተበታቲኖም  ተበታቲኖም ዘለዉ ብዙሓት ተማሃሮ፣ በዚ ናይ ጭውያ ወረ ተሰናቢዶም ዝበረሩ ድዮም ወይስ እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝተወርየሎም ንገዛእ ርእሶም እዮም ግን ዛጊት ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ መንእሰያት ኣብ ምልዕዓል ከይሳተፉ ንምቍጽጻሮም ዘለዎ ፖሊሲ፣ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ካብ ስድራቤቶምን ከባቢኦምን ፈልዩ ዝሕዘሉ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ዝርከብ ሕዛእቲ መንእሰያት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ከባቢ ሳዋ ብራሻይዳ ዝተጨውዩ ገለ ድማ ካብቲ ቤትምህርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከለዉ ተታሒዞም ናብ በደዊን ሲናይ ተሸይጦም ብዙሕ መከራን ስቓይን ከምዘሕለፉ ብድምጺ መሰኻኽር ኣስሚዕናኩም ከምዝነበርና ይዝክር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT