Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዙሓት ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብ ተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብመሰጋገሪ ሽማግለ ዝቐረበ ተጠርኒፍና ክንሰርሕ ዘድልዩና ናይ ርሑቕን ቀረባን ተግባራዊ መደባት ጀሚሩ።

  በይ ኤርያ ካሊፎርኒያ 20 ታሕሳስ 2013 ኣባላት ቦርድ ዳዕሮ በይ-ኤርያ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም እንዳበልና፡ ከምኡውን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ብዕለት 7 ታሕሳስ 2013፡ መሰጋገሪ-ሽማግለ በይ ኤርያ፡ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣሰላሲሉ።   1) ነቶም ብዕለት

 

በይ ኤርያ ካሊፎርኒያ

20 ታሕሳስ 2013

ኣባላት ቦርድ ዳዕሮ በይ-ኤርያ ንኩሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም እንዳበልና፡ ከምኡውን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ብዕለት 7 ታሕሳስ 2013፡ መሰጋገሪ-ሽማግለ በይ ኤርያ፡ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣሰላሲሉ።

 

1) ነቶም ብዕለት 24 ሕዳር 2013 ብህዝባዊ ኣኼባ ዝተበገሱ ሓሳባት ብዝያዳ ኣነጺሩ

2) መስርሕ ምርጫ ቀዋሚት ሽማግለ ኣባላት-ቦርድ ኣካይዱ

ብዙሓት ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብ ተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብመሰጋገሪ ሽማግለ ዝቐረበ ሚዛን ናይ ኣተሃላልዋናን ተጠርኒፍና ክንሰርሕ ዘድልዩና ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ተግባራዊ መደባት እዩ ጀሚሩ። ብሓባር ክንሰርሕ ከምንኽእል ዘረጋግጽ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታትና ማለት ኣብ በይ ኤርያ ዝተመዝገቡ ፖለቲካዊ ዓወታት ብምጥቃስ ከምኡውን፡ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር ኣብ ናይ እግሪ-ጉያ ብምንጣፍ፡ ንኤርትራ ወኪሉ አብ ሳን-ፍራንሲስኮ ዝገበሮ ምንቕስቓስ ኣብነታትዊ ምኻኑ ገሊጹ። ከም ህዝቢ ተጠርኒፍና ኣድማዒ ተራ ክንጻወት ምቛም ማሕበረሰባዊ-ማእከል (Community Center) ብዕትበት ክረአ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ከም ሃገርን ህዝብን ዘለናዮ ህጹጽነት ብምግምጋም ነዚ መድርኻዊ ጠለብ ንድሕነት ሃግርን ህዝብን ዘቐድም ምኻኑ ገሊጹ።

 

ድሕሪ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ፡ መሰጋገሪ ሽማግለ ናብ ዘዳለዎ መስርሕ አገባብ-ምርጫ  ኣምሪሑ። ስዒቡ ህዝቢ ኣብቲ ዝቐረበ ኣገባብ ምርጫ ርእይቶኡ ክህብ ተሓቲቱ፡ ህዝቢ ብዝዓግበሉ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምርጫ ተኸቲሉ ከኣ ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ ሓደስቲ ርእይቶታት ድሕሪ ምስማዕ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣገባብ-ምርጫታት ከኣ ቅሪቦም፡፡

 

1) ሓደ ካብ ነፍስወከፍ ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራት ዝውከሉን፡ ዝተረፉ ድማ ክልተ ዕጽፊ      ዝኮኑ ካብ ህዝቢ (ፖለትካዊ ኣባልነት ዘይብሎም) ክኸውን ዝብል ኮይኑ፡ ንኣብነት ሰለስተ ካብ ዉድባት እንተኾይኖም ሽዱሽተ ካብ ህዝቢ ይኾኑ ዝብል ኔሩ

2) ሓደ ካብ ነፍስወከፍ ከተማ ወይ ወረዳ ዝውከለሉ

3) ብክፉት ህዝባዊ ምርጫ ማለት ተሳተፍቲ ዝደለይዎ ሓጽዮም ኣብ ውድድር ዝኣትዉሉ አገባብ ዝብሉ ኔሮም።

 

ተሳተፍቲ ኢዶም ብምልዓል ካብቶም ዝቐረቡ ኣገባባት ክመርጹ ትሓቲቶም፡፡ እዚ ሳልሳይ ክፉት ህዝባዊ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ።

 

ናይ መሰጋገሪ ሽማግለ ግቡእ ዉክልና ንምርግጋጽ ከኣ እንተወሓደ 30% ደቂ-ኣንስትዮ ክኾና ተላብዩ። 90 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብልዑል መንፈስ፡ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ መድርኻዊ ህዝባዊ ማዕበል ንምዕዋት 18 ሕጹያት ንምርጫ ኣቕሪቦም፡ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ትሽዓተ ቐወምቲ ንዓመት ዘገልግሉ ኣባላት-ቦርድ ተመሪጾም፡፡

1) ተኽኣ ጸጋይ

2) ኣስገደትምሕረትኣብ

3) ፈረወይኒ ገርጊሽ

4) ትዕግስቲ ካሕሳይ

5) ዮናስ ወልደኣብ

6) ቴድሮስ ጸሃየ

7) ሜሮን ሰመዳር

8) ሩፋኤል ፍስሓጽዮን

9) ኣሰናይ ሙሴ

 

ብምቕጻል፡

 

ኣባላት ቐዋሚት ሽማግለ ቦርድ፡ ተደጋግሚ ኣኼባታታ እናካየደት፡ ንድፊ ዓንዲ-ሕጊን፡ መደብ-ስራሕን ከምኡውን ውሽጣዊ ስርርዕን ግዚያዊ ንሰርሓሎም ዘለና ዛዕባታት እዮም። መደባት ተሊማን ብቕልጡፍ ስራሓት ብጽፈት ምጅማር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ። ሓድነት መሰረት ምኻኑ ብምእማን ዓቕምታት ህዝብና ጠርኒፍናን ኣወሃሂድናን፡  ኣድማዒ ቃልሲ ክነካይድ ቐንዲ ዓላማና ምዃኑ ኣብቲ ንግዳያት ላምፐዱዛ ንምዝካር ዝተግብረ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት ብብሩህ ተገሊጹ’ዩ። ዳዕሮ በይ ኤርያ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንዕላማና ብዕትበት ክንሰርሓሉን ከምኡውን አሰራርሓና ትካላዊን ግሉጽነት ዘተአታተወ ክኽውን እምንቶና ጥራይ ዘይኮነ ተልእኾና ምኻኑ ንኣምን። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ምስ ኹሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ክንላዘብን ክንተሓጋገዝን ዕላማና እዩ።

 

ዳዕሮ በይ ኤርያ ሓድሽ-ዓመት ንምኽባር ዝመጹና ዘለዉ ሙዚቐኛታት፡ ንህቡብ ወዲ ትካቦ ኣገናዕ እንዳበልና፡ ከምኡውን ንሙዚቐኛታት ዓብዱ፣ ዳዊት፣ ከበደ፣ ረዘነን ጊደዎንን ነመስግን። ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኦክላንድ ዝኸይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ብዝቐረበልና ዕድመ መሰረት ክንሳተፍ ኢና። ብዛዕባ ሃገርና ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታትን ኣፈታትሕኡን፡ ከምኡውን ንሓድነት ህዝቢ ዝምልከት ምይይጥ ተሳትፎና ክረጋገጽ’ዩ።

 

ተወሳኺ መግለጺታት በብግዜኡ ክነስዕብ ኢና። ህዝቢ ኣብ ኣድራሻ መርበብ www.daerobayarea.org  ክከታተለና ነተባብዕ። መደባትና ንምዕዋት ብዝከኣለና ክንጽዕር ምኻና ደጊምና ቃል ንኣቱ። ዘለኩም ምዕዶን ሓሳባትን ብኢመይል board@daerobayarea.org ክትልግሱልና ብትሕትና ንሓትት።

 

ናይ ተበግሶና ድሕረ ባይታ፡

 

ዝሓለፈ 5 ጥቅምቲ 2013፡ ንግዳያት ላምፐዱዛ ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነስርዓት፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣድላይነት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ብተደጋጋሚ ገሊጾም። ጽቡቕ ድሌት ንምርኣይ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ተቛሪጹ እቲ ዕለትን ሰዓትን ቦታን ንህዝባዊ ኣኼባ ናይ በይ ኤርያ   ንጥቅምቲ 26 ተጸዊዑ፡፡ ኣብቲ መዓልቲ ልዕሊ 60 ዝኮኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተኻፈልዎ፡ ብዛዕባ ህልዊ ጸገማትና ዉዕዉዕ ምይይጥ ተኻይዱ። ኸመይ ጌርና ዓቕምና አወሃሂድና ብሓባር ንሰራሕ ዝብል ተፈላለዩ  እማመታት ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳታ ንኹሉ ኣብ በይ-ኤርያ ዝነብር ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ትውክል 5 ዝኣባላታ ግዝያዊት መሰጋገሪት ሽማግለ ብምቓም አኼባ ተዛዚሙ።  መሰጋገሪት ሽማግለ ንኹሉ ርእይቶታት ዝዉክሉ ዜጋታት ዝርከብዎ ናይ ምምኽኻርን ልዝብን ጉጅለታት ብምውዳብ፡ ከምኡውን ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኤርትራውያን ጸገማትና እንታይ’ዩ? ከመይከ ንፈትሖ? ዝብል ዛዕባ ብዕምቈት ንምዝታይን መፍትሒ ዝብሎ ተፈላለየ ሓሳባት ኣኪቡ። ግዝያዊ “ዳዕሮ በይ-ኤርያ” ብዝብል ስም ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ 7 ታሕሳስ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ናይ መሰጋገሪት ሽማግለ ስራሕ ኣብቂዑ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ትሽዓተ ዝኣባላታ ቀዋሚት ሽማግለ ቦርድ ከቕውም ብዓወት በቒዑ። እብ’ዚ እዋን’ዚ ሓዳስ ሽማግለ ቦርድ ንድፊ ዓንዲ-ሕጊን፡ መደብ-ስራሕን ከምኡውን ውሽጣዊ ስርርዕ እንሰርሓሎም ዘለና ዛዕባታት እዮም።

ብኻልእ ኣጋጣሚ ስጋዕ ንራኽብ ሰላም

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT