Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ መግለጺ ተጋዳላይ ተስፋይ ተመንዎ፡

ክቡር ገዲም ተጋዳልይ ተስፋይ ተመንዎ፡ ንዝሃቦ መግለጺኡ፡ ብመጀመርያ ንተስፋይ ተመንዎ ብሂወቱ ጸኒሑ ዝሓልፈ ጸሊም ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ምብቃዑ ከመስግኖ ይፈቱ። ካብ 1970 ብምፍላይ ናይ ሰልፊ ነጻነት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትረ፡ ምሕዋስ ናብ ህዝባዊ ሓይልታትን፡ ቀጺሉ

ክቡር ገዲም

ተጋዳልይ ተስፋይ ተመንዎ፡
ንዝሃቦ መግለጺኡ፡
ብመጀመርያ ንተስፋይ ተመንዎ ብሂወቱ ጸኒሑ ዝሓልፈ ጸሊም ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ምብቃዑ ከመስግኖ ይፈቱ። ካብ 1970 ብምፍላይ ናይ ሰልፊ ነጻነት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትረ፡ ምሕዋስ ናብ ህዝባዊ ሓይልታትን፡ ቀጺሉ ናብ ህዝባዊ ግንባርን ከምይ ኢሉ ከም ዝተበጽሔ ስእላዊ መገለጺ ብምግላጹ ታሪኻዊ ሃብቲ ምኻኑ ክገልጽ ይፈቱ።
 
ቅድሚ ገዲም ተጋዳላይ፡ ብገለገለ ሰባት ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ኣምሊጦም ዝህብዎ ዝነበሩ መግለጺ ብዝሁሕ ፍልልይ የብሉን። እንታይ ድኣ፡ ነቲ ቀደም ዝንገር ዝነበረ ህርፋን ነጻነት ስለ ዝነበሮ ህዝብና፡ ሸለል ብምባሉን፡ እቲ ጨካን ባህርያት ህዝባዊ ግንባር ዓው ኢሉ ንኸይዛረብ ስለ ዝገበረ፡ ናይ ሱቕ ባህሊ ማዕቢሉ፡ እንሆ ድማ ሃገርና ናብ ምብራስ ተምርሕ ኣላ።
 
ክቡር ገዲም ተጋዳይ መልእኽቱ ብልክዕ እንተተረዲኤዮ፡ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ዝንቡዕ ምምሕዳርሓ፡ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ኣስመራ ምስተኣትወ ዝተጀመረ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ? ካብ መሰረቱ ብዓመጽን፡ ጎነጽን፡ ጭካነን፡ ቅዝፈትን፡ ምድንቛርን፡ ምንእኣስን፡ ምፍዛዝን ምድንዛዝን፡ ዝነበረን ዘሎን እዩ። “ቖርበት ኣበይ ተበላሽያ ኣብ ምንፋሓ፡ ኣብ ምንፋሓ ኣይኮነን ኣብ ምጥባሓ” ከም ዝባሃል፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ቀደም እዩ ገቢሉ፡ ብተግባር 1973 መንነቱ ኣርኣየን፡ ነገሰን፡ ድማ!  እዚ’ዩ መግለጺ ገዲም ተጋዳላይ።
 
ኣብቲ ግዝየቲ፡ ክኣስርን፡ ክጭፍጭፍን እንከሎ፡ ንግስነቱ ስለ ዝተኣምነሉ ድማ፡ ብዘይ ሓደ ጸገም ቀጸለ። ነዚ ገዲም ተጋዳላይ “ብስሪኡ ስልጣን ጨበጠ” ይብል። “ተቛዊሙ ጠጠው ዘብሎ ኣካል ስለ ዘይነበረ ድማ፡ ንብትምህርቶም ብሉጻትን፡ ዉፍያትን፡ ተጋደልቲ፡ ኣሲሩ ኣሕቐቖም” ይብል። እዚ ድማ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ገቡእ ፍርድን መግለጽን ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ብህዝባዊ ግንባር እንተ ሃልዩ፡ “መንካዕ ወይ ኣዕነውቲ ሰውራ ክኸውን እንከሎ፡ ቀጺሉ ድማ ዝስዕብ ብ1976 ብብጻይ ጎይቶኦም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ወይ ድማ “ናይ ሲኣይኤ” ሰለይቲ ልዕሊ ሹድሽተሚእትን ሓምሳን ተኣሲሮም ከም ዝተቐንጸሉ ይንገር። ብኣባልት ህግሓኤ ኣብ ካርቱም ሱዳን 1976 ይንገር ከምዝነበር ንዝክር። “ሲኣይኤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተኸሺሓ” ይብሃል ነበረ።
ሲዕቡ፡ ዶክተር ኢዮብ ገብረልዑል ምስ ብጾቱ የማናውያን ተባሂሎም 1978-1979 ከም ዝተቀንጸሉ ይንገር።
 
ገዲም ተጋዳልይ ተስፋይ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ሰልስተ ነገር ይምቀላ፡
1. ኣነ ዝወዓልክዎ
2. ካብ ብጾት ዝሰማዕክዎ፡
3. ሓቲተ ዝረኸብክዎ፡ እዩ ዝብል ዘሎ።
 
ቀዳመይቲ ባዕሉ ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ኣይነበርካ ኣይዋዓልካ ክባሃል ኣይካኣልን፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ስለ ዝኾነ። ቁጽሪ ክልተን ቁጽሪ ሰለስተን ግና፡ ኣነ ዝተፈልየ ሓበረታ ኣለኒ ዝብል ዜጋ፡ ንኽንሰምዕን ክንማሃርን ሃገራዊ ታሪኽና ክንፈልጥ፡ ክንመራመርን ከነጻርን ይሕግዘና ሓቅነት ድማ ይርጋገጽ።
 
ክቡር ምኒስተር ምክልኻል ዝነበሩ ኣቶ መስፍን ሓጎስ መግለጺኦም፡ ኣሸጋሪን፡ ዘሰንብድን ኮይኑ ረኺበዮ። ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ካብ ኣብ ክንዲ ክንምጉትን መጺእና፡ ንሕናውን እንፈልጦ ክንነግር ዝብሉስ ኣብ ዘልፋን ምንእኣስን ምእታዎም እዩ።  ይትረፍ ካብ ዓበይቲ መኳንንትን ሃገር ካብ ተራ ዜጋውን ዘይትጽበዮ፡ ዘስደምም፡ ዘሕፍር፡ ቃላት ክወጽእ ምስማዕና እዩ።  ኣብ ሃገርና ውርዝውና ኣይነበር ድዩ? ሰብ ክብሪ ኣይግቦን ድዩ?  ቀጺሉ “ዘይ ግሉጽነትን ጎናይ መናይ” ኢልካ ምንኣስን፡ መስል ናይ ዜጋ ምቕንጣጥ፡ ዜጋ ሙሉእ መሰል የብሉን ድዩ ዝፈልጦ ክገልጽን፡ ክምህርን ንህዝቡ? ናይ መሰል ምግላጽ ምዕንቃፍ፡ ነጻ ዓምዲ ዘየፍቃድ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይምድጋፍ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ኣብ ግዜ ግልጽነት እዚ ጠባይ ከይ ኣለናዮ ኣብ ዓውት ንኽንበጽሕ ከየስከፈኒ ኣይተርፈን።
 
ክቡር ኣምባሳደር/ ናይ ሕጊ ምኒስተር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገረማርያም ዝሃብዎ መግለጺ ምስቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ምኒስተር/ኣምባሳደር ደረጃ ዘይከይድ፡ ጽዩፍን፡ ግዕዘን፡ ኣንደበት ክስማዕ ኣይነበሮን፡ ኣይግባእን ድማ። ብመጀመርያ ክቡር ኣምባሳደር ምንም እካ ቅረታ ኣብ መግለጺ ገዲም ተጋዳይ ይሃልዎም፡ መሰል ዜጋ ክግህሱ መሰል የብሎምን። እሞኸኣ፡ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ይቃለስ ኣለኹ፡ ገና ተጋዳላይ እየ ዘለኹ እናበሉ። ንኽንድ ሰብን እዝግን “ሓሳዊ” ብምባሎም፡ ዝነበሮም ክብርን ደርጃን ባዕሎም ኣውደቕዎ። ኣብ መጎተ ሃገርና “ሓሶት ቃል” ድኣ ይበሃል እምበር ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ሓደ ክቡር ዜጋ ምንእኣስ ብሕጊ የቕጽዕ ምኻኑ ክበርሃሎም ይግባእ፡ ኣነ ካባኻ ስለ ዝበልጽ፡ ንስኻኮ! ትሑት ኢኻ ዝብል ቃል ክወጽእ ስለ ዘይግባእ፡ ንዝነበረ ትጽቢትን፡ ክብርን፡ እምነት፡ ኣብ ልዕሊ ክቡር ኣምባሳደር ዉዱቕ ኮይኑ ይርከብ።
 
ኣምባሳደር ኣድሓኖምን ምኒስተር መስፍን ሓጎስን ኣብ ተቃለስቲ ኢና እናበሉ፡ ሕጂ ንምታይ የምባህቁ ከምዘለዉ ክርዳኣኒ፡ ስም ኣምባ ገነን ፕረሲደንት ኢሳያስ ክለዕል እንከሎ ሽእገርገር ዘብሎም እንታይ እዩ? ክርደኣኒ ኣይካኣለን። ገና ፍቕሮም ከይወድኡ ደኾን ኾይኖም ናብ ስደት ስዒቦም፡ እቲ መግናሕትን፡ ምሽቕራርን፡ ዘልፋን፡ ምድስካልን ደኾን ናፊቖም ይኾኑ? ዝብል ሓሳብ ይመጸኒ፡ እንታዩ ሽግሮም፡ ሓቂ ተዛሪቦ ዘይ ዓርፉ ከኣ ይብል። ወይ ሰብ ነገር።
 
ኣብ ኣሰራርሓን ኣመሰራርታን መሪሕነት ኣቦ መንበር ኢሳያስ፡ ተጋዳልይ ሰለሙን ወልደማርያምን፡ ተጋዳልይ ተወልደ ኢዮብን ኣብ ኣኼባ ከም ዝተስሓሓቡ ይግለጽ።
ተጋ/ ሰለሙን ካብ ኣውራጃ ሓምሴን ክኸውን እንከሎ፡ ተጋ/ ተወልደ ኢዮብ ዲማ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ምኻኑ እዩ። ኢሳያስ ንኽልቲኦም ተሃላለኽቲ ከም ዝኾኑ ገበሮም ኣብ መሪሕነት ድማ ኣእተዎም። ቀጺሉ ኢሳያስን ሰለሙን ኮይኖም ንተወልደ ኢዮብ
ኣብቲ ርእሲ ዝነበረ ምትህልልኽ፡ ኣውራጃ ኣከለጉዛይነትን  እዮም ዝኣምኑ እናበሉ ነቶም ውድብ ክእረም ኣለዎ ዝበሉ ተጋደልቲ ጅግንነቶም ተጋድልነቶም ኣቖናጺቦም፡ መዕነውቲ ሰውራ ወስ መንካዕ ኢሎም ኣጥፍእዎም።
 
ይተካእ ይለቀም፡ ተጋዳልይ ሰለሙን ወለደማርያም ገለ ምስ የማናውያን ገለን ክሃድም ተቀትለ ዝብል መግለጺ ኣሎ። በቲ ኮነ በቲ ኣብ መንካዕ ደቂ ኣከልጉዛይ፡ ደቂ ሓማሴን፡ ደቂ ሰራየን ከም ዝነበሩ እዩ ዝግለጽ። ኣምባስደር ኣድሓኖም “ኢሳያስ ንኸጥፍኦም ዝደልዮም ኣውራጃዊ ጠቐነ ለጢፉ ከም ዘጥፍ” ይኣምኑ።
 
ኣብ መግለጺ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ብዛዕባ “ተጋዳልይ ምኪኤል ከተማ ካብ ኣውራጃ ሰራየ ዘመጸ ተጋዳላይ እዩ።እንተኾነ ንኢሳያስ ናብ ኣውራጃይ ከይደ ክምልምል ይፈቐደለይ ኢሉ ስለ ዝሓተ ኣይትፈቕደሉን፡ ተጋዳላይ ምኪኤለ ከተማ ተቐየመ። ብድሕሪኡ ጸኒሑ ንጸላኢ ኢዱ ሃበ፡ ኢዱ ሂቡ ግና ስቕ ኣይበለን ምልሻ ኮይኑ ኣብ ኩናት ባረንቱ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ጉድኣት ኣስዓበ” ክብል እንከሎ መልእኽቱ ናይ ኩናት ባረንቱ ንምትንታን ኣይኮነን።
 
እንታይ ድኣ? ኣምባ ገነን ንጉስ ኢሳያስ ዘስዓቦ፡ በቲ ሕማቕ ኣመራርሕኡ፡ ንተጋዳልይ ሚካኤል ኣቐየመ። ቀጺሉ ንጸላኢ ኢዱ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ጉድኣት ኣብጽሔ፡ ከም ምኪኤል ከተማ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ክንደይ ንተሓኤ፡ ንሱዳን፡ ንደርጊ ኢዶም ዘይሃቡ፡ ክንደይ ከ ነብሶም ቀቲሎም ዘይተባህሉ፡ እዚ ኢሳያስ ናይ ቀደምን ናይ ሕጂን ቀታሊ ዓማጺ ወናኒ ዘይፍትሓውን ከም ምኻኑ ንምግላጽ ዝመጸ ሓበረታ ድኣምበር ናይ ተጋ/ ምኪኤል ኣበይ ሞተ ኣይኮነን።
 
ከምቲ ተጋዳላይ መሓሪ ረዲ ( ኣለና) እታ ህግሓኤ “ከም ጥቦቖ ክዳን ኣስፈያ” ዝበላ፡ ውድብ ህዝሓኤ ካብ ሰልፊ ነጻነት ኣትሒዙ ናቱ ገንዘቡ ምንባራ እዩ ዝሕብር።
 
ኩናት ባረንቱ በየን ጀሚሩ በየን ተፈጺሙ፡ ነብሱ ዝኸኣለ መግለጺ ኣለዎ። ገዲም ተጋዳልይ ዝገልጾ ዘሎ ግና ሓንቲ እያ፡ ደጋጊሙ ዝገልጻ እዚ ሰብ እዚ ማለት ንጉስ ነገስት ኢሳያስ፡ ካብ ቀደም ንጉስ ፈላጺ፡ ቖራጺ እዩ ነይሩ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ነዚ ፈሊጦ ንግስነቱን ንብረቱን ጥሪቱን ምዃኖም ንተቐቢሎም ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።
 
ኣብ ዓንቀጽ 47-48 ህግሓኤ “ዋና ጸሓፊ(ፕረሲዳንት) ክቐትልን፡ ከደስክልን፡ ክኣስርን፡ክርሽን፡ ከውርድን ክሸይምን ምሉእ ስልጣን ከምዘለዎ ኣባልት ማእከላይ ሽማግለ ዝፈረምሉ ዝኣመንሉን ሰነድ ከምዘኾነ” ሕጂ ንስርዓት ህግደፍ ንቃወም ኣለና ዝብሉ ኣባላት ላዕለዋይ ሽማግለን ምኒስተርታትን፡ ኣምበሳደራት ዝነበሩ ስለ ዘለዉ፡ ሓቅነቱ   ብኣታቶም ክረጋገጽ ይካኣል።
 
ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ጅግንነት ተጋደልቲ ኣየቛናጸበን፡ እኳድኣ፡ “ካብ ማእሰርቲ ዝወጹ ተጋደልቲ ኣብ ቅድሚ ግንባር እናኣተዉ ብጅግንነት ተሰዉኡ” ይብል። ንገዲም ተጋዳልይ መኤረምታ ጽቡቕ እዩ! ጉደለታት ኣለካ ወይ ዝሃብካዮ መግለጺ ሓጺሩ፡ ወይ ኣጋኒንካ፡ ወይ ካብ መስመር ወጺእካ፡ ፍልይ ዝበለ መግለጺ ኣለኒ ዝብል ዜጋ መድረኽ ክፈት ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ምንእኣስ ክንመሃሃርን፡ ሓበረታ ክንለዋወጥን፡ ዲሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና፡ ዘልና እንፈልጦ፡ ዝሰማዕናዮ፡ ሓቅነቱ ከነርጋግጽ፡ ነባራት ተጋደልቲ፡ ከይጸነቱ ከለዉ፡ እናተጓየና ታሪኽና፡ ዛንታናን እንተን ንእክብን እንተንማሃረ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ።
 
ታሪኽ ሃገር፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ንብረትን፡ ሃብትን ድኣምበር፡ ናይ ፍሉይ ዉድብ፡ ወይ ናይ ፍሉያት፡ ተማሂርና ብሃልቲ ዝውነን ከምዘይኮነ ኩሉ ዜጋ ክበርሃሉ ይግባእ።
 
ክቡር ገዲም ተጋዳይ ተስፋይ ተመንዎ ነቲ መሪርን፡ ጨካንን ባህርያት ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ቀድም ብማእስርትን፡ ብስም ስለላን ዝጠፍኡ ንጹሃት ዜጋታት የብርህ ዳኣሎምበር፡ተጋዳልይ ህግሓኤ ብጅግንነቱ ጽኑዕ ምንባሩን፡ ዝነበረን፡ ዘሎን፡ ኣይከሓደን። ነቲ ተሪፉ ዘሎ ክስብ መደምታ ዝፈልጦ ክበጽሕ ድማ ብጽሞና ክንከታተሎ ይግባኣና።
 
እቲ ጸሊም ታሪኽና ግና ቅድም’ውን እንተኾነ ዝስማዕዃ እንተነበረ፡ ብሕሹኽሽኩን ድኣምበር፡ ኣብ መጋባእያ ከምዚ ተገሩ ኣይፈልጥን። ገበናት ከምዚን ከምዝን ኣብ ህግሓኤ ይግበርዩ ኢሎም ንዝገልጹ ዓይኒ ምስክርውን ኮነ ተቃወንቲ ደቂ ሃገር፡ ከይተሰምዑ ተሪፎምዮም። ህግሔ ዝነበሮ 03 ሓይለ ናይ ጸለመን ፍንፈናን ካብ ሕብረተሰብ ይፈልየካን፡ ሓዳርካ የፋትሓካን፡ ካብ ህዝቢ የነጽለካ ሰላዪ ሲ ኣይ ኤ ይብለካን ስለ ዝነበረ ሰብ ሱቕ መረጸ።
 
ሓቂ ዝፈልጡ ስለ ዘይተሰምዑ ድማ ሕማም ሃገርና ከም ዓቢ ሕበጥ ክስብ ሕጂ ከቐንዝወና ከሳቕየናን ይርከብ። ሕማምና ዘይምፍላጥና ድማ ትኽክለኛ ፈውሲ ኣይርኸብናሉን። ፈውሲ ንኽንረክብ ግና ግልጽነትን፡ ምክብባርን፡ ምትሕልላይን፡ ዓቕልን፡ ሓቅነትን፡ ክእለትን ይሓትት። ሕማም ሃገርና ከቢድ ምኻኑ ንማንም ክበርሃሉ ይግባእ። ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት ድኣምበር ናይ ዉሱናት ዜጋውን ኣይኮነን።
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
6 ሓምለ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • simmeret neber July 10, 2013

    truly truly
    the main problem is all his experienced is un true. better he said from his friends and he asked from other. please listen ato adhanom carefully. all he brought many evidence. ask others if you want to get more info. believe me they laugh at tefay.

  • Tekluu Gubtaan July 10, 2013

    Ato, Tsefay eqo tumuhen tenkolen Isseyas terdiwoo ,adi nab gedel tekeid kem zela felituu, eyu nti gedlii (meswaatii ahatenan ahwaatena nekontuu zegebree )zehadego.. ketalel zenebr seraat hadiguu !Ezii ka leboona eyu, kemsii metlaale aymertsen bwaga hiwot tenfas menaasai. kem issyas wefroo geza kewahaboo eyom elu 20 amet menaesay ab gilannet , tegadelii tsegiboom sekrom elu ba adiqualla ayaseren, ab adi abetoo sebat ayreshenen,senkulaan ab maihabaar beteit aytesahlomen,Ab Ruwanda ab Congo ,Sudan,…tegadelti leikuu adeda mot aygebroomen,…..behatsruu ashaat menesay tegadltii ekuunu agelgulot beadmeommn, edloomen aybaaken nsele seltaan…..issayas beal Adhanom Mesfun gen merktii neromm eezi kulu kegbeer..metaakati nerom!…..

  • Habtom July 10, 2013

    ኣቶ ሃይለ ኣዝዩ ዝምስገን ሪኢቶ
    ብቀዳምነት ኩቡር ገዲም ተጋዳላይት ተስፋይ ተመነዎ ነቲ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስናይ ብኣዝዩ ጥበብ ዝመልኦ ትረኻ ከቅቅርበልና ምብቃዑ ከምስግኖ። ብምቅጻል ሪኢቶ ኣቶ ሃይለ ነት ዝተረኸ ታሪኽ ተስፋይ ተመኖውን ብዝባእ ዝገለጸን፡ ንገዲም ተጋዳላይ ኣድሓኖምን ገዲም ተጋዳላይ መስፍንን ከኣ እቲ ዝበለጸ ንህዚ ንሕና ስለዝነበርና እዚ ትረኻ ጽቡቅ እዩ፡ እቲ ትረኻ ሓሶት እዩ ዘይኮነ ስለዝነበኩም እቲ ናቱኩም ትረኻ ናይ’ቲ ቃልሲ ክነግሩ ከምዝጽበዮም ዘዘኻኽር ኮይኑ ረኺበዮ።
    ኣዝዩ ሃናጺ ሪኢቶ

  • oromay July 11, 2013

    Mr. Haile please donot get offended by the comments of the bunch of ruffians. You have many readers and please donot stop telling us the truth.

  • Semhar July 12, 2013

    Thank! You are the best writer! Keep exposing this tyrant dictator!
    Thank you Mr. ሃይለ ገብረትንሳኤfor the magnificent and outstanding analysis.
    Your brilliant observations and terrific ideas will lead us to victory.
    Thank you for exposing the tyrant dictator, the mad dog, the ድያብሎስ Isayas and his blind followers HIGDEF.

    Thank you for standing for our land (our aditat, our villages and all our provinces) and our people all our nationalities.)
    Thank you for standing for our martyrs.
    The mad dog Isayas murdered all our liberation fighters, he took down the flag of our martyrs, the flag that united us and took us from 1952 s all the way victory 1991 to 1993.
    He took down our Liberation flag in 1993 and replaced it by his own flag.

    The mad dog Isayas dissolved our historical Eritrean provinces in 1996 and replaced them by his own Zobas.
    Thanks for standing for justice, for our provinces. The courageous demonstrators and all our people are ready to liberate our villages, our counties, our provinces, our land and our people.

    The mad dog Isayas
    in 1993 dissolved the law of the land “HIGHI INDABA” “Eritrean constitution” and replaced it by his own MAFIA Law.

    Thank you ሃይለ ገብረትንሳኤfor standing for freedom, equality, liberty and justice!
    2013 is the year that we dismantle the crazy mad dog ድያብሎስ Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.

    Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!
    Victory to our people!

    T

  • Adhanom G, knew not much July 12, 2013

    PS Adhanom did not know the Tgrawai Fiwi , and said wedi temnow was wrong. No adhanom is wrong, I knew Ftwi, who surrendered to Jebha fr. SaHil. 2nd the nacfa war , Adhanom was not there, good GOd, there r many of us who r alive, who participated the final war of nacfa. I say Adhanom is misinformed if not disinformed himself, with due respect to adhanom, of course.

  • belay nega July 16, 2013

    Haile Ghebretensae

    You and Tesfay the biggest thing you share in common is that both of you trying to make happy a third part at any cost.

Post a Reply to Semhar Cancel Reply