Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን

ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን ኣኽብሮተ ካልኦት ካብ ነፍሰ ክብረት ይብገስ። እቲ ነፍሱ ዘየኽብር ንካልኦት’ውን ኣየኽብርን። እቲ ንካልኦት ዘየኽብር ድማ ኣብ መጠረስትኡ ነፍሱ የሕስር። “ምሳኻ ምንትራኽ ትሕቲ ክብረተይ’ዩ!” - እዚ እቲ ንርእሳቶም ኣብ ረሳሕ ጭቃ ቋንቋን ሕልናን

ብዛዕባ ክብረትን ሕስረትን

ኣኽብሮተ ካልኦት ካብ ነፍሰ ክብረት ይብገስ። እቲ ነፍሱ ዘየኽብር ንካልኦት’ውን ኣየኽብርን። እቲ ንካልኦት ዘየኽብር ድማ ኣብ መጠረስትኡ ነፍሱ የሕስር። “ምሳኻ ምንትራኽ ትሕቲ ክብረተይ’ዩ!” – እዚ እቲ ንርእሳቶም ኣብ ረሳሕ ጭቃ ቋንቋን ሕልናን ተግባርን ወዲቖም ንዓና’ውን ናብ’ቲ ዝወደቑዎ  ጭቃ ክጎሱና ንዝጽዕሩ ሕሱራት፡ ምስ ተወዳኣና፡   እንህቦ መልሲ እዩ። ናብ ደረጃኻ’ስ ኣይወድቕን! ምባል ከኣ ብቁዕ ኣቋም ነፍሰ ምክልኻል እዩ። እንተኾ፡ ንካልኦት ብዝኾነን ብዘይኮነ  ብምንኣስ ነፍሰ ክብረቶም ክብ ዘበሉ ዚመስሎም ምስሉያት ድማ ብዙሓት እዮም።

ነፍሰ ክብረት ካብ ስምዒት ዝያዳ ገዛእ ነፍሰ ኣተሓሕዛን ኣቀራርባን ኣተኣላልያን ኣዩ። እቲ ሰብ ኮነ ኢሉ ከሕስረና ምስ ዝፍትን እንህቦ መልሲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ንዝኾነ ሕስረት ናብ ውሽጣዊ መዛግቡ  ኣንሳሒቡ ዝውሕጥ ቦጥ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ እቲ እህህ እንዳበለ ዝነበርን ንመጠረስትኡ ንነፍሱ ካብ ውሽጡ ዝቐትልን እዩ። እዞም ዓይነት ሰባት እዚኣቶም መብዛሕትኦም ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ብቐጥታዊ ከባቢኦም ብሕስረት ዝዓበዩ እዮም። ከም ኣብነት ኣብ ሰኽራምን ዓማጽን ኣብ ውሽጡ ዝተበተነን ስድራ ቤታት ብቃልን ኣካልን እንዳተዓመጹ ዝዓበዩ ክንወስድ ንኽእል። እቲ ኣድጊ፡ ሰነፍ፡ በትኪ፡ ሕማቕ … እንዳተባህለ ዝዓበየ ኣብ ዓቕመ ኣዳማዊ ዕድሜኡ’ውን ንዝኾኑ ዝወርድዎ ሕስረታት ቍሒሙ ክነብር ካብ ተሞኵሮ ህይወት ተማሂሩ እዩ። መብዛሕትኦም ብዝተሰርጸሎም ስምዒተ-ትሑትነት ነፍሰ ጽቑጣት እዮም። እዚ እቲ ሕስረት ንቡር እንክኸውን እዩ። እዞም ዓይነት ሰባት’ዚኣቶም ምስ ሕስረቶም ተሰማሚዖም ንምንባር ንጠባየ ልሙስነቶም ናብ ኣዎንታ ደጊሞም ይገልጽዎም። (survival redefinition) ንኣብነት ብምእዙዝነትን ትዕግስትን። ኣዎንታዊ ምእዙዝነትን ትዕግስትን ኣሎዉ እዮም። እንተኾነ ንዝኾነ ሕስረት ምጕሳም ምእዙዝነትን ትዕግስትን ከነመኻንዮም ምፍታን ነፍሰ ምትላል እዩ። ኣኽብሮት ትእዛዛትን ትዕግስቲ ንባዕላን ኣስተብህሎ፡ ብልሃት ዝኣመሰሉ  ደረታት ኣሎዎም።

ብኣንጻሩ ድማ ብዝነኣሰት ሕስረት ኴይና ብዝተሰመዓቶም ቃልን ተግባርን ሰማይ ዝዘብጡን ዝጓሰጡን ኣሎዉ። እዚኣቶም እቶም ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ከማኻ ዝኣመሰለ ብልህን፡ ንፉዕን፡ ደፋርን፡ መልክዐኛን የሎን፣ ኣንታ ጎይታ ዓለም፡ ሰብ ንድ\ክስ ልትረግጾ እዩ ተፈጢሩ … እንዳተባህሎም ዝዓበዩ፤ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዙ ኣነነቶም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝተነፍሐን እያቶም።  ብዘይካ ንነፍሶም ንዘኽብርዎን ንዝፈትዉዎን የብሎምን። ኣነነቶም ነፍሱ ካብ ምንፋሕ ደው ኣይብልን። ኣነነት ሕፋንሳብ ነፍሱ ክነፍሕ እንተጀሚሩ ክሳብ ነፍሰ ነትጕ እዩ ዝነፍሕ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ቅርጻ ጠባያት ድማ እቲ ንኵሉ ሕስረት ውሒጡ ህይወቱ ምሉእ ከኣ ሕነኡ ክፈዲ ክውድብን፡ ክሽርሕን ዝነብር፣ ወሸለ ሓንቲ መዓልቲ ዕድል እንተረኺቡ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ሕኔኡ ዝፈዲ ቂመኛ ኣሎ። መዓልቲ ድሕሪ መዓልቲ ከኣ ኣብ ደንደስ ሩባ ተቐሚጡ ሬሳታት ኣሕሰርቱ በቲ ሩባ ከንሳፍፉ ይጽበ።

እቲ ዝበዝ|ሐ ካብ ሰብ ግን እቲ ሓደ ርትዓውን እሩምን ኣካባቢ ዓብዩ፡ ንክብረትን ሕስረትን ብግቡእ ኣለልዩ ኣብ ደረጃ ኣሕሰርቲ  ከይወደቐ ብልቡን ኣእምሮኡን ዝምክት ምዙን ሰብ እዩ።

እዚኣቶም መሰረታዊ  ጠባያት ድኣ’ምበር  ኣብ ሕድሕዶም ዘይተኣታተው ደረቓት መልክዐ ጠባያት ኣይኮኑን እንትምንታይ ጠባይ ሰብ ብብዙሓት ረቛሒታት ዝጽሎ ኴይኑ ኣዝዩ ሕልኽላኻዊ እዩ። ኣብ ጠራሙዝ መሊእና ክንሓጽሮን ክትጥንቍሮን (to label) ኣይንከኣልን። ንኣብነት መብዛሕትኦም መሳርሒ ዲክታቶራት ካብ’ቲ ቀዳማይ ቅርጻ ይመስሉ። ንኣብነት ጎንበላት ስታሊንን ስታሊን ንባዕሉ’ውን።  ስታሊን፡ ካብ ኵሎም ንዘኽብሮ ኣይነበሮን። ኵላቶም ድማ መቐመጭኡ ይልሕሱ። ንሳቶም’ውን ብግዲኦም ክብረቶም ብኡኡ ዝምለስ ግዲ እንዳመሰሎም፡ ነቲ ካብ ስታሊን ዝወሓጥዎ ሕስረት ናብ ብትሕቲኦም ዝርከቡ መሳርሕቶም የመሓላልፍዎ። ክሳብ ሓንቲ መዓልቲ ስታሊን ዝሓንቆም ድማ ተራ ‘ዕንጭቝሊት ስታሊን’ ይጻወቱ። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ እቲ ሕድሕድካ ምትሕስሳር ክሳብ’ቲ ዝተሓተ በዓል ስልጣን ይወርድ። ዲክታቶርነት ብመሰረቱ ኣብ ሕድሕዳዊ ምትሕስሳር ጎንበላቱን ኣባላቱን ዝተመስረተ ስርዓተ ስነኣእምሮኣዊ ዓመጻ እዩ።

ስለምንታይ ኢና ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ነቲ ካብ ሓደ ውልቀመላኺ ዝወረደና ሃገራዊ ሕስረት ውሒጥና ዝነበርና? ዝበለ ሕቶ ኵላትና ክንሓስበሉን፡ ብፍላይ ከኣ በዚ ሜዳይ’ዚ ዝሰልጠኑ ምሁራት እንተሃለዉ ከብርሁልናን ዝጽበዮ ዓቢዪን ሕልኽላኻውን ሕቶ’ዩ።

ኣተሓሳስራ፡ ረቀቕትን ብዙሕ ሻዕ’ውን ኮነ ከይተባህሉን ከይተገብሩን ክኾኑ ይኽእሉ። እንተድኣ ሓኪመይ፡ እቲ ብዛIባ ሕማመይን ምልክታቱን እቲ ዝጠበቐ ኣፍልጦ ዘሎኒ ኣነ ክንሰይን፡ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲረ ተቐሚጠ እንዳሃለኹን ብዛዕባዕባይ ምስ ተሓጋጋዚቱ ወይ ተኸናኻኒተይ ጥራሕ ዝዛረብ ኣብ ክብረተይ ከም ዝተከፈኒ እወስዶ። ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓኪም ከኣ ከይተቋወምኩ ኣይሓልፍን። ብድሕር’ዚ ከኣ እቅረታ ከይሓተተ ዝኸደ ሓኪም ኣይፈልጥን። እቲ ሕሙም፡ እቲ ንጉስ፡ ኣነ እየ’ሞ።

ንነፍሰይ ባዕለይ ክጣበቐላን ክከላኸለላን እንዳኸኣልኩ፡ ኣነ ከይሓተትኩ ምእንታይ ዝጣበቕ ‘ኣባሊገ’ እውን ኣይፈቱን። ብዛዕባ ነፍሰይ ባዕለይ ክገልጽ እኽእል’ዬ። ብዘይ ፍቓደይ ዝናገረለይ ግን ንክብረት ርእሰ ውሳኔይ ይትንክፍ። ባርያ’ስ ሓጋዚ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ ትብሉኒ ትኾኑ። ክሕግዝን ክሕገዝን ዘይፈቱ ኣይኮንኩን። ብዘይ ፍቓደይ ግን መዲደይ ኣይተሕድጉኒ። ኣነ’ውን ብዘይ ፍቓድ ተሓጋዚ ኣይሕግዝን።

ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ንኻልኦት ዘሕስሩ? እቲ መልሲ ቀሊል እዩ። ንካልኦት ብምሕሳር ነፍሶም ዘኽበሩ ስለዝመስሎም እዩ። እቲ ዓሻ ኢሉ ዝጻረፍ ኣነ ለባም እዬ እዩ ዝበለ። እቲ ደንቈሮ ኢሉ ዘሕሰረ ከኣ ኣነ ምሁር እዬ እዩ ዝበለ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ነቲ ወድዒ ሕፍረት ኣሕፊርካ ናብ ምእዙዝ ኣገልጋሊ ንምልዋጡ እዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓስከር ከኣ፡ ግርንቢጥ’ዩ፡ ኣዝዩ እሙን ዓስከር ይኸውን።  እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ ንነፍስኻ ኣብ ቦታ’ቲ ዘሕሰርካዮ ሰብ ኣቐሚጥካ ክትርኢ ዘይምኽኣል እዩ። ብ1938፡ ኦስትርያ ብናዚ ጀርመን ምስ ተታሕዘት፡ ኣይሁድ ንጽርግያታት ቬና ብመጽረይ ስኒ  ከጽርዩ ተገይሮም። ኮነ ተባሂሉ ንምሕሳሮም ዝተገብረ እዩ። እቲ ኵሉ ነዚ ዝረኣየ ህዝቢ ከኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ሰሓቖም። እቲ ዝሰሓቐ ንነፍሱ ኣብ ቦትኦም ኣቐሚጡ እንተዝርእያ ግን ኣንበይሰሓቐን።

ኣምራት ክብረትን ሕስረትን ብባህሊ ዝተጸልዉ እዮም። ኣብ ምዕራብ ምሽፋን ጸጕሪ ከም መሕሰሪ ደቂ ኣንስትዮ ይውሰድ። እቲ ነዚ ዘገድድ ባህሊ ግን ከም ምሽፋን ሕፍረት ደቂ ኣንስትዮ ይወስዶ። እሞ ኣድማሳዊ መግለጽን መልክዕን ሕስረትን ክብረትን የሎዉን ድዮም? ኣሎዉ።

ንሕና ኵላትና ደቂ ሰባት ካብ ሕድሕድና ነጻ ዝኾን’ና በብገዛእ ርእስና ዝሓደርና ደሴታት ኣይኮን’ናን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሕድሕድና ንጠቓቐም ኢና። ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝብን ከኣ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ንረብሕኡ ጥራሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ ከሕስሮ ይጅምር። ርእሰ ውሳኔ ህዝብን ውልቀሰብን ምግፋፍ፣ ብሕታውነትን ውልቃውነትን ሰባት ዘይምኽባር ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ተግባረ ሕስረት እዮም። ንህዝብኻን ንቤተ ሰብካን ንመሓዙትካን ምሕሳው ካብቶም ዝኸፍኡ  ተግባረ ሕስረት እዩ።  ነፍሰ ነጻነቱን ሓሳባቱን እንዳፈለጠ ዝሓደገ፡ እንክሕደግ ዘስቀጠ ድማ ንመጠረስቱ ከይሓሰረ ኣይኮነሉን።

ንነፍስና ካብ ኣደራዕ ኣሕፈርቲ ከመይ ንከላኸል? ፈለማ ንነፍስና ተንቲንና ክንፈልጣን ክንርድኣን ከም’ቲ ዘላቶ ከኣ ክንቅበላን ይነብረና። እቲምስነፍሱሓቐኛዝኾነስንዘራታትሕስረትኣይትንክፍዎን።ኣብልዕሊ‘ዚትኵር ኣፍንጫ መጠነኛነትን (sense of proportion) ውሽጣዊርግኣትን (internal distance) ዝኣመሰሉ ብቕዓታት ከነማዕብልን ይህልወና።

ንመዛዘሚ፡ እቲ ንካልኦት ዘሕስር፡ ኣብ መወዳእታ ንነፍሱ ይሓስር። እዚኣ ዘይትቕየር እምንቲ ሓቂ እያ።

ዳንኤል ሰ. ተስፋይ

04.07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • independent death August 5, 2014

    Daniel,

    I understand where you come from ,there are people that get under your (Daniel’s) skin. The best strategy is to have a thick skin.
    Some ppl indeed get under my skin, but then I reason it “If humans killed Jesus for raising the dead ,healing the sick ,walking the cripple..who am I to complain /be offended ? It works.

  • luna August 5, 2014

    Daniel Tesfai: As usual, your message is very educational and one of a kind. You take time to teach us(Eritreans)of key points which help shape our thoughts and behaviours. You write in superb Tigrigna. Keep it up.Thanks!

  • Truly Truly i say to you August 6, 2014

    ዝኸበርካ ዳነኤል ሰመረ ተስፋይ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝንጸባረቅ ዘሎ ጉድለት ስነ ምግባራት ብልክዕ ስለዝገለጽካዮ ከመስግነካ እደልይ። ኾይኑ ግን ኣነ ብባህረይ ንሽግራት ወይ ንጉድለታት ባህርያት ደቂ ሰባት ጥራይ ገሊጽካ ነቲ መፍትሔ ኣተሃሂዝካ እንታይ ከምድኾነ ከይሃበርካ ነቲ ነገር ምዝዛም ብወገነይ ልክዕን ዝድገፍን ኮይኑ ኣይስምኣንን እምበኣርከስ ከምቲ ዝገልጽካዮ ይብዛህ ይጉደል ኩላህና ጉድለት ከምዘለና ተኣሚና፣ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ወንጌል ከምዚ ኢሉ ዝገለጾ፥
    ” ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም።
    ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ -ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም ኢሉ እቲ ናይ ድህነት (ፈውሲ) መንገዲ ዝሓበረና (መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን
    2ይ ምዕራፍ 1-5)

    ከም ኡውን ንደቀ መዝሙሩ ቲቶስ ከምዚ ኢሉ ዝመኸሮ
    ” ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፋናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።

    እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። ናይ ዕሽነት ክርክርን ቊጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫው ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ።
    ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ -ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም ብምባል ወንጌል ኣምላኽ ነቲ ናይ ሽግር መፍትሔ ከምድኾነ ዝሓበሮ፣ (መልእኽቲ ጵውሎስ ናብ ቲቶስ 3ይ ምዕራፍ 3-11 ንኣናውን
    ነዚ ብስደትን ብህማቕ መነባብሮን ኣምሃድራን ምኽንያት ካብቲ ሕብረተሰብና ቀደም ዝነበሮ ሰናይ ስነ ምግባር ጎዲሉ ንዘሉ ሕብረተሰብ ናብቲ ንቡር ሰነ ምግባር ንምምላስ ወንጌል ኣምላኽ እዩ ምፍትሔና እንተበልኩ ሓይማኖት ዝሰብክ ዘለኹ´ዶ ኮይኑ ስለዝተሰማኣኩም ትነጽጉኒ ትኾኑ? ኣነስ ንኣስላማይ ይኹን ንክርስትያን፣ ንይሁድ ይኹን ንኣረመኔ፣ ንምሑር ይኹን ደይተምሃረ፣ ንድኻ ይኹን ንሃብታም፣ ንኣቢ ይኹን ንንእሽቶ፤ ምኽርን መንገዲ ኣምላኽን ንዝኾነ ሕብረተሰብ ንሞራላዊ ሰረት ( ህንጸት) ምፍትሔን ኣድላይን እዩ ይብል ኣለኹ እንበር፣ ሓይማኖት ኣይኮነን ዝሰብኽ ዘለኹ።

  • Statestic August 6, 2014

    very educational

  • Tezareb August 6, 2014

    ኣይተ ዳኒኤል፣
    ገድሊ ሰውራ ዝበሃል ጽንጽዋይ ካብ ዝተማህዘ ጀሚሩ ሓንቲ ኽብረት ኣይረኣናን፤ ብጀካ ውርደት ሕስረትን።

POST A COMMENT