Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብይን ገበነኛታት ቅትለት፡ 1ይ ክፋል፡

ብይን ገበነኛታት ቅትለት፡ 1ይ ክፋል፡                 26.02.16፡ መእተዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 7ይ ክፋል ጽሑፈይ “እሞ እዛ ሕብእቲ ሰልፍና ገበነኛ ከምዝኾነት እንተኣሚንኩም እንታይ ትፈርዱዋ?” ክ ብል ተሰናቢተኩም ከምዝቐነኹ ትዝክርዎ ትኾኑ። ንምጥቕላል ዝኣክል እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ክመልሰኩም። ዜማ ወዲ-እልፉ እንተሰሚዕኩም ኣብ ሃገርና

ብይን ገበነኛታት ቅትለት፡ 1ይ ክፋል፡                 26.02.16፡

መእተዊ፡

ኣብ ዝሓለፈ 7ይ ክፋል ጽሑፈይ “እሞ እዛ ሕብእቲ ሰልፍና ገበነኛ ከምዝኾነት እንተኣሚንኩም እንታይ ትፈርዱዋ?” ክ ብል ተሰናቢተኩም ከምዝቐነኹ ትዝክርዎ ትኾኑ። ንምጥቕላል ዝኣክል እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ክመልሰኩም።

ዜማ ወዲ-እልፉ እንተሰሚዕኩም ኣብ ሃገርና ጀግና ኣብ ግንባሩ ከምዝውቃዕ ዝኣምን ምስክር ጅግንነት ኣሎ። በቲ እዋን ‘ቲ ምስ ጸላኢ ፊት-ንፊት ብድሎ ነበረ ዝግጠም። ስለኡ ነቲ ናይ ብድሎ ጥምጥም ባዕልኻ ስለዘለኻዮ ንኣምላኽካ ካብ ፈ ተውትኻ ክከላኸለልካ ትምሕጸኖ። ትምሕጸነሉ ምኽንያት ባህልና ንክድዓትን ሳዕቤናቱን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ ነበረ። እዚ ነገር ቅንዕናንቅ ምስክር ጅግንነትን’ዚ ኣብ ግዜ ስውርቲ ሰልፊ ተጣሒሱ’ዩ። ከመይሲ ጀጋኑ ኣሕዋትና ብቕድሚት ምስ ጸ ላኢኦም እናተሓናነቑ ከይሓሰቡሉ ብገዛእ ‘ብጾቶም’ ብድሕሪኦም ብዝተዘርግሐ ስዉር ግንባር ማለት ብሕቖኦምን ዳሕረ ዋይ ወገን ኣራእሶምን ኢዮም ተቐልዒሞም። እቲ ኣብዚ ዳሕረዋይ መዋእል ህግደፍ ዝተራእየ ናይ ብምስማምን ብትሕዞ ን ስራሕ’ሞ ኩሉ ዝፈልጦ ግህዶ ዕዮ ብምዃኑ ባዕልኹም ተዳፍዕሉ። ንምሕጻሩ ዝኣክል ግና “እዛ ከምዚ ዝፈጸመትን ገና ድማ ዕዮኣ ዘይተወደአትን ደማኛ ህዝብና ሕብእቲ ሰልፍን ኣባላታንሲ ገበነኛ ዲያ? እንተኾይናኸ እንታይ ተፈርዱዋ?” ኢ ዩ ነይሩ’ቲ ሕቶይ።

እወ፡ ናይ’ዛ ሕብእቲ ሰልፊ ካበልዓልናስ ገበን ናይ ብስርዓቱ ማለትና ምዃኑ ፍሉጥ እንድዩ፡ ግናስ ነገር ‘ደሞክራሲ’ ብም ዃኑ ነቶም ከምገለ ዝደናገሩ እንተልዮም ብሓጺሩ ከነብራሃሎም ንምፍታን ዝኣክል’ስከ ነዛ ትስዕብ ኣብነት ተኸታተሉ።

ኣሸበሸብ ኮይኑስ ከምዚ እንተዝሕሰብከ። ንበል ዕድመ ናጽነት ሃገርና ድሮ ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩስ ጽባሕ ቱታ ክበሃል ም ቅርራብ ይግበር ኣሎ። ኣሸበሸብ’ውን ፈጣሪ ነቲ ንጉስ ዓልም ዝበሃል ሓደ ሰብ “ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ መንግስቱ ካብዘ ይዓገበ፡ ተቓውሞ ብምኢታዊ ንምፍላጥ ዝኣክል ረፈረንዱም ክግበር ኣለዎ” ከምዝብል እንተዝእዝዞን ንጉስ ድማ ከምኡ እንተዝእዝዝን ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ምተጸበኹም?

ኣስተውዕሉ “ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ረፈረንዱም እንተዝግበር” ድየ ዝበልኩኹም ሓቀይ? ወይ ጽጋብ! ዝሓሰበላካ ኣለዋ’ዩ ‘ዛ ነብሰይ። ዝሓሰበ ይሕሰበላ፡ እንተ ንቁምነገሩ ብወገነይሲ ብቀዳምነት ነቲ ምድንጋር ዝፈጥር ዘሎ ሽፉን ፖለቲካ ህግ ደፍ ክትርባዕ ምተላበኹ። ከመይሲ ህግደፍ ኣብ መስዋእትን ዓወትን ህዝባዊ ግንባርን ሰውራ ኤርትራን ይሕባእ ከምዘ ሎ ስለዝርዳኣኒ። ኩሉ ከምዝፈልጦ ብፖለቲካ የማነ ፍሻለ፡ ሃገር፣ ህዝብን መንግስትን ማለት ብኣምልኾ ኣልፋን ኦሜጋን “ኢሳይያስ” ማለት ጥራይ’ዩ ባቃ። ታሪኽ ኤርትራ ብኡ ተጀሚራ ምስኡ ከምትውዳእ፡ ግናስ እንተፈትዩ መንፈሱ ብመገ ዲ ወዱ ኣቶ ኣብራሃም ከምዘይጋደፈና ጌርና ክንኣምንን፡ ‘ጸላኢ’ ከይሰልኮም ስለዘጠንቅቖም ወዮም ንያቶም ዝሰተዀት ሰዓብቱ ካብ ገዛእ ሰቦም ኣብ ቀጻሊ ስግኣት ኣትዮም ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን ከነጻጽሩ ይራኣዩ። እቲ ቀንዲ ክሳራ ግዳ ኣብ ውድባት ተቓውሞ ይርአ ምህላዉ’ዩ። ሎሚ ብዙሓት ውድባት’ኳ እንተለዋ ነዚ ክንድኡ ዝኸውን ፖለቲካዊ ሃጓፍ ንምምላእ ንመንእሰያት ብሓደ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ራኢ ትምልምል ብዘይምርካብና ማለት ሃገራውነት ክሳብ ዘይተኾስኮሰ ጸገምና ክቕጽል’ዩ። እዚ ማለተይ ግና መጻኢና ብሩህ ክንሱ ምድንጓዩ ንምንጻር’ምበር እዚ ዘሎ ወለዶ ክወድቕ ድልድል ውርሻ ከዓኑ’ኳ እንተተፈተነ መንእሰይ ኣዕነንዩ ክመክንሲ ፍጹም ኣይተራእየን። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓደ ዓንዲ-ማ እከል ሓቂ ስለዘሎ ኢዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ንግዚኡ’ኳ እንተተጸገመ ከም ትኪ መውጽኢ ከምዘይስእን ብወገነይ ምን ም ኣይጠራጠረሉን።

እሞ ሎሚ ትእዛዝ ናይቲ ንጉስ ዓለም ክፍጸም ረፈረንዱም እንተዝግበርሲ ብዘይጥርጥር ልዕሊ’ቲ ኣብ 1991 ዝተዋህበ ደ ጊሙ ምተደምጸ። ሽዑ ዝነበረ መጠን /Ratio/ ብምኢታዊት 98% “እወ ንናጽነት” ኮይኑ 2% ድማ “ኣይፋል” ከምተቖጽ ረ ንዝክር። ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ድምጺ እንተዝወሃብ’ውን ብዘይጥርጥር ህዝብና “98% ኣይፋል ንህግደፍ፣ 100% ድ ማ ”እወ ንህዝባዊ መንግስቲ” ከም ዘድምጽ ቅንጣብ ኣይምተጠራጠርኩን። እታ 2% ሓራይ ንህግደፍከ ክንደይ ካብቲቲ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ትግምቱዋ?

መቸም ‘ሃሳሳት ስለዝኾንና’ ተጸበይትና ድማ ኣለዉ። “98% እወ ምስ ወላዲት ሃገርና ኢቲዮጲያ” ዝጽበዩ። ትጽቢት ን መን ይቐትል! ትውልዲ፡ ጉርብትናን ሓባራዊ ጸገማትናን እናቆጻጸርካ’ዩ እብለኩም። ምናዳ ጥበብ ኣምሓራ ወሃ’ዩ ኣቢሉ!

ናብ ካልእ ሓቂ ድማ ክወስደኩም። ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብሰበብ ጸቕጢ ኮሚተ ምጽራይ ገበናት ኣመኽንዩ ዝ ገብሮ ዘሎ ምእካብ ፌርማታት ትርጉሙ እንታይ ይመስለኩም? ብሓቂዶ እቲ ንጉስ ዓለም እንተንቂዱስ ብከምኡ ዝምለስ ን ዝጥበርን መንፈስ ኣልይዎስ ህግደፍ ትኣክል ብዓልቲ ቁንጭ-ቁንጮ ዕስብቲ ኣባጊዑ ብፌርማታት ከተደናግሮ ትኽእል ኮይና ትብሉዋ? ከምኡ ኣይኮነን። ግናስ ህግደፍ ድማ ውሕጅ ከይመጻ መገዳ ክትጸርግ ክትዋደ ትርአ እንሀት። ንጉስ ዓለ ም ነታ ኢሳይያስ ብመሪሕነቱ ዝተጋህደት ናጽነት ኣበይ ከምዘብጻሓ ዝሓተሉ እዋን ይቀራረብ ስለዘሎ ኣቕዲሙ ገለ ምስ ሊ ክህብ ይደሊ ምህላዉ። ማለተይ ኢሳይያስ ከም ውዑሉ ገይሩዶ ኣይፋሉ ዝሕተተሉ ግዜ ኣርኪቡ። ኣሸበሸብ’ውን መ ንእሰይ ኤርትራ ብሃንደበት ንኢሱ ከየውድቖ ስግኣት ኣሎ። መቸም እቲ ቅልጡፍ እሙን ቅያር ዘይምርካብ ንርእሱ ንኢ ሳይያስ ዕድመ ዘናውሓሉ ደገፍ ኢዩ። ብምዃኑ ንጉስ ዓለም ቅያር ከይረኸበ ኣሸበሸብ ድማ ንልቢ ኢሳይያስ ተንፈርፍር ጣሕሸም ከይትስማዕ ይፍራህ ስለዘሎ ንሱ ከምቅድሙ ተኣማኒ እንተልዩ ክቕጽል፡ እንተፈዂሱ ክውገን ስለዝተደልየ ኢ ዩ’ቲ ናይ ‘ሃገር ኣድሕኑ’ ጉያጉያን እቲ ፍቐደኡ ሰባት እናደናገርካ ዝእከብ ዘሎ ፌርማታትን።

ዝኾነ ኮይኑ ነዛ ክንዲ እምባ ትኸውን ሕቶ ዝግባእ ምልሲ ምቕራብ ስራሕና ከምዘይኮነ እንተመሰለና’ውን ሓቂ’ዩ። ምኽን ያቱ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንነገሩ ብሕጋውን ብኣዒንቲ ሞያውያንን ምጥማቱ ጉቡእ ብምዃኑ። ንኣብነት ስጋ ክንበልዕ እን ተንቂድና ዝተቐረበት ሓንቲ ስብሕቲ ሕርዶት ከምዘላታ ኣይትወሓጥን። ሓንቲ ዕባራ’ውን ከምዘላታ ኣይትጓሓፍን። ምሕ ራድ ውሁብ ካብኮነ ንተፈጻምነቱ ግና ግድን ሰብን መሳርሕን የድሊ። ንሰልፍና ንምጉዝዛያ’ውን ከምኡ ሕጋዊ ፍልጠትን ካራሩን የድሊ። እንተኾነ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ከደናግሩና ምእንቲ ተተመኹልዮም “ንስኹም ስልጣን እንተትሕዙ ካብ ህግደፍ ምገደድኩም” ክብሉ ንዘይበልናዮ ዝብሉና ዘይኮነ ክምዜጋታት መጠን ንገበነኛታትና ዝግባእ ብይን ምቕማጥናን ን ህዝባዊ መንግስቲ ምምናይናን እጃምናን ግቡእናን ምዃኑ ማንም ከስተውዕለሉ ዘለዎ ዘይተርፍን ዘይቁርመምን ሓቂ ኢዩ።

መቸም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከም ኢሳይያስ ዝተዋስአ የለን። እንተኾነስ ንሱን ሰውራ ኤርትራን ድማ ኣብ ሓደ መኣዲ ተ መሲሖም ከምዘይተደረሩ’ውን ንፈልጦ ኢና። ነገር ሕብእቲ ሰልፊ ግን ብሓፈሻኡ ካብ ሰውራ ኤርትራን ብፍሉይነት’ውን ካብታ ቆፎ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ዝተፈልየ ምዃኑ ክንመሚ ዋላ ነዊሕ እዋን እንተወሰደ ኣማስያና ግና ሰብ ናብሰቡ ኮይንልና እንሆ። ብምዃኑ እታ ብኣምሳል ኢሳይያስ ዝተነድቀትን ኢደበይዛኡን ሰልፊ ካብ ወናኒኣ ፈላሊኻ ክርኣዩ ኣይክ ኣልን ስለዝኾነ “ሕብእቲ ሰልፊ ገበነኛ ዲያ” ዝብል ሕቶና ናብ “ኢሳይያስ ገበነኛ ዲዩ?” ዝብል ጥርዚ ጽርዳዊ ጥምጥም ከ ምርሓና ግድን ኮይኑ።

“ኢሳይያስ ገበነኛ ዲዩ?” ኢልካ ዘረባኸ ኣሎ ዲዩ? እወ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ዕሱብ ገበነኛ!! ኣብዚ ዝርአ ዘሎ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ህዝቡ ዝመከተ ናይ ቱሽቱሽና ጸላኢ! ከምኡ ክንሱ ገሌና ንሱ ከም ‘ዲክታቶር’ ንስይሞ። ገሌና ከም መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ከም መራሒ ጀርመናዊ ሂትለር፡ ከም ኩባዊ ካስትሮ፡ ሩሲያዊ ስታሊንን ካልኦትን ክጽዋዕ ክርአ ብ ወገነይ ምሒር ይድንጽወኒ። ምኽንያቱ እንተበልኩም እቲ ዝፈተኖ ግፍሒ ናይ ውርሻ ሃጓፍነት ተጋሊሁ ስለዝረኣየኒ’ዩ።

ንነገሩ ኢሳይያስ ምስዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲ ዘራኽብ ባህሪ ኣለዎ ዲዩ? ከም ስታሊን ንሩስያ ብውትህድርና ጥራይ ዘይ ኮነስ ብፖለቲካ’ውን ርእሰማላውያን ሃገራት ኣንጻር’ቲ ወዲማሕበረን ሂትለር ምስኡ ከምዝስራዓ ኣይገበረን ዲዩ? ኢሳይያ ስ ከምስል ንኣመሪካ ከም ጸላኢት ክምድረላን ንሃገርና ክሽፍተላን-ምበር ከምቲ ናይ ካስትሮ ህዝቡ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመ ታት ብማዕርነት ጠርኒፉን ብሕክምና ጸብሊሉን ከይኣክል ኣመሪካ ንርእሳ ዝገበረቶ ጉድለት ክትእርም ከምተንበርከኸት መጠን፡ ኣብ ሃገርና ንዝገበረቶ ሃጓፍ ክትድብስ ዶባትና ክትሕንጽጽ፣ ዝምድናታታ ከተማዓራሪ ኣገዲድዋ ዲዩ? ከም መራ ሕቲ ኮርያ ሃገሩ ብዓለም ደረጃ ብፖለቲካን ሓይልን ተፈራሂት ከምትኸውን ኣኽኢሉዋ ዲዩ? ከም መራሕ ቻይና ብቁጠ ባውን ፖለቲካውን ኣውሒሱዋ ዲዩ? ከምቲ ገዛኢና መንግስቱ “መሬት ንሓራሲኡ” ዝበሎ ኢሳይያስከ ከምኡ ኣዊጁ ዲዩ? ብሓጺሩስ ኢሳይያስ ኣብምንታዩ ኢዩ ውፉይ፣ ሃገራዊ፣ ጸረ-ኣመሪካ፣ ሓላይ ህዝቢ . . . .? እንተ ብወረ’ሞ ክሳብ ወዲ ወ ርቂ ማህጸን እናጸውዓ ዘዕለላሉን ማህጸነን ዝወፈያሉን ከምዝበዝሓ ሰሚዕና።

ኢሳይያስ ኣብ ዓለም ብዘሎ ክፍኣት ኣኻኺቡ ብዓይነቱ ካብቶም ቀዳሞት ብዝኸፍአ ይገዝኣና ከምዘሎ ማንም ዝስሕቶ የ ለን። ፍሉይነቱ ንሳቶም ዶብ ጥሒሶም’ዮም ዝመጹና ነይሮም። ንሱ ግና ኣብ ቆርበትና ተጸፍዩ ከምቲ ንደርሆ ብማሸላ፡ ንሓማሴናይ ድማ ብማሕላ ዘታለለን ኣስመራ ኣሎ እናተባህለ ከይወሓጥ ሰጊኡ ወጻኢ ዝተቐመጠን ጀነራል ኣሉላ፡ ንሱ’ ውን ምትላል ብምውራሱ ካብ ቤተ-መንግስቱ ርሒቑ ክንዲ ደብረ-ቢዘን ዝምነ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝቕመጥ ባሕታዊ መራሕ ኤርትራ ኢዩ።

ኩሉ ንግደፎ፡ ብፖለቲካኡ’ውን ኣዝዩ ዑሱብ ዘብለና ንዝገብሮ ተራ ዲፕሎማሲያዊ ርክባቱ ቆራጢጥና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኣድላይ እዋን ዝትኮስ ካልእ ዱልዱል ምኽንያት’ምበር ኣልና። ንሱግና ከምዘይተዓሰበ ከምስል ምስ ኣመሪካ ምጽራ ፉ ፍጹም ዝድብሶን ዘታልሎን የለን’ሞ እቲ ብዋጋ ሃገርናን ደምናን ዝግበር ነገር ሕኸኸኒ ክሓከካ እናረኣናዮ ጥራይ ጥር ቅምን ስውርን እንተመሪጽና ንኺድ ጥራይ!

ንነገሩ መንግስቲ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘዝሓተተ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ናይ መንበርን ስራሕን ፍቓድ እንተ ዘይኮይኑ ዜግነት ከምዘይትህብ ትፈልጥዎዶ? ኣዝዮም ውሑዳት ብመውስቦ ወይ መንነቶም ብምቕያር ዝኣተዉ እንተዘይ ኮይኖም ኣመሪካዊ ዜግነታ ንተጋዳላይ ህ. ግንባር ሕርሚ ምዃኑ ክንሰምዕ ገለ ካብቲ ብፖሊሲ ኣመሪካ ክንዕጀብ ዝገብረ ና ፍጻመ ኢዩ። ከመይሲ ኣመሪካ ንተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ከም “ኣሸባሪ” (Terrorist) ኢያ ትጽብጽቦ ኢሎማ። ከም ኡ እንተኾይኑ እንታይ ኢዩ’ቲ ናብ ጌጋ ዘውድቕ ሽግር? ኣብ ቃል-ንቃሉ ዝህሉ ኣተረጓጉማ ከይንብሎ እንድዒድኣ ንሳ ት ብሎ’ምበር ብኣና’ሞ ኣብ ሞንጎ ቃልስን-ዓመጽን፣ (Struggle & Violence) ከምኡ’ውን ተቓላሳይን- ዓማጽን (Freedo m fighter & Violent) ዘሎ ትርጉም ፍጹም ዘደናግር የብሉን። ዘደናግር እንተዘይብሉ ድኣ ኣመሪካ እንታይ ኢዩ ሽንና? ነገር ስግንጢር ኣመሪካ ንናጽነት ሃገርና ተቐቢላ ኣምባሳዶራ ከምዘይለኣኸት ተገልቢጣ ጎርብታት ምጽዋዳ ኣብ ልዕለና ከ መይ ዝበለ ሕዱር ጽምዶ ኣጻዊዳ ኮይና?

ናተይ ነገር ሳዕሪርኒ ግዲ፡ ኮቦርታይ ተተሸፊነ “ለከን ሓደ ነገር ኣሎ” ክብል እጅምረልኩም። “ለከን ሓደ ነገር ኣሎ! ኢሳይ ያስ ከምቲ ዝተላእኮ ንሰውራ ኤርትራ ከምክን’ኳ እንተዘይከኣለ ቁምነገር ቃልስና ክብከል ምእንቲ ውሽጢ-ውሽጢ ብዝ ተወደበ ጥበብ ኣንጻር ህዝብን ተቓለስትን ንዝገብሮ ሽፍትነት ከም ባህሪ ሰውራ ኤርትራ ተመሲሉን ብ’ዓመጽ’ ተመስሪ ሑን ዝንወረሉ ባይታ ክፈጥር’ዩ ዝክጋደል ጸኒሑ። ኣመሪካ ድማ ከተምስል ዲፕሎማሲያዊ ነገራታ ከየቛረጸት ግና ውድ ባትና ኣሸበርቲ ከምዝነበራን፡ ከምመርትዖ ድማ እዚ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ እኹል ኣብነት ሽፍትነት ከምዝኾነን እንተተ ጠቕሰ፡ ነትን ነይሃሲ፣ ንቲ ድማ ናይጎጢ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ብዝፍኖ ናይ ትሕተ-ሃገራዊ መንቅባት ተተነዚሑ ክንብከልን ኣእዳውና ጠጠዊና ከነአውን፡ ኣማስያኡ ሰውራና ነበረያ-ነበረ ክውረየሉን፡ ኢሳይያስ ነቲ ናይ ብንጉሁኡ ዘጋደሎ ዓላማ ከምተዓወተሉን ሓድሽ ዓለማዊ ታሪኽ ክጸሓፈሉን ተሓሊሙ ኢዩ ተወጢኑ።” እብላ እናሓንሓንኩ ንነብሰይ።

ነገራቱ ዝዓጅብ እናመሰለኒ ድማ መመሊሰን ንብሕተይን ከምዚ እናበልኩ ዛራ ሓሳባት እውሕዘልኩም።

“ሓይሊ ኢሳይያስ ኣብምንታዩ ኢዩ? ስለምንታይከ ህዝቢ ንዘጽደቖ ቕዋም ሰንድይዎ? እንተድኣ ዓቕሚ ሃልይዎ ስለምንታ ይ’ዩ ስልጣን ብሕጋዊ መገዲ ክሕዝ ዘይተወዳደረ? ስለምንታይከ እቲ ክንድኡ ውግኣት ከከፊቱ ንዞባና እናበጽበጸ ኣመሪ ካን ካልኦት ሓያላትን ኣጽቂጥን? ስለምንታይ ኢዩኸ ነቲ ከም ፈጣሪ ዘምለኾ ህዝቢ ኤርትራ ጠሊምዎ? ስለምንታይከ. .”

ብኡንቡኡ ካልእ ስለምንታይ ይቕልቐለኒ። “ስለምንታይ’ዩኸ ወዮ ንጉስ ዓለም ንፖለቲካዊ ድኽነትና ምስወጠነ ተቐዳዲ ሙ ንብሙሉኦም ላዕለዎት ክፋል ተቓወምቲ ክእሰሩ ዝወሰነ?” ዝብል ኣውራ ነገር’ዩ ተቐጅልኒ። መቸም ኢሳይያስ ኣፈወ ርቂስኒ ክንድኦም ዝኣኽሉን ዝኸበዱን ሓለፍቲ ብስልጣኑን ብሓንቲ ረፋድን ክቕፍድ ተኽእሎን ብቕዓትን ከምዝነበሮ እ ንተመሲልኩም ኣይከምኡን። በቲ ዝተሓተ ግምት ንዓዓቶም ዘሀመለ ምስ ኣመሪካ ዝገበርዎ ርክብ ኣይነብርንዶ ትብሉዎ?

እቶም ብመልክዕ ጋዜጠኛ፡ ብመልክዕ ዲፕሎማሰኛ ኮታ በቢዓይነቶም ናብ ውሽጥና እናተጓረቱ ብውሽጢ ምስእኒ ጴጥ ሮስን ብጾቱን፣ ብግዳም ምስእኒ ዱሩዕን ብጾቱን ዝራኸቡ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ዝሓናጠጥዎ ሓበሬታ ግድን ካብ ኣፋቶ ም ዘጸቢ የብልናን። መቸም እቲ ኣዝዩ ውሱን ቃል ናይቶም ወዮም ነብሶም ዝወፈዩ ሰማእታትና ሰሚዕናዮ ኣለና። ንበል ቃል ናይቲ ብዓውታን ብትብዓትን “ሓሳብና ንግበር” ዝበለ ሃይለ ዱሩዕ ምስእንምርምር ንሕና ቅዋማዊ መንግስቲ ምድላ ይና ንኣመሪካ ከነሐጉስ ኢልና ዘይኮንና ብቀንዱ ንዓና ስለዘድልየና ምዃኑ ኢዩ ዝገለጸ።

ኣመሪካ ነዞም ሓርበኛታት ዘይፈተወቶም ምኽንያት እንታይኮን ኣቢሶም ንእለቱ ዝተቐፈዱ? እቲ ብክንዲ ዕብላኾ ፈሲ ወ ኻርያ እናተመሰለ ከይተፈተነ 100% ዝሓለፈ የማነ ህበይክ ነቶም ውሉዳት ብ’ጠለምቲ’ ምጅልሑስ ንመን ስለዝጠለሙ?

“ኮቶን ነገር ገለስ ኣላታ!” ኢየ ዝብል ክሳብሎም ብሽፉነይ። እቲ ዝበልዎ ዝገብር ኢሳይያስ፡ እቲ ዓለም ከምዝገበረትና ከ ምንግበር ዝመሃረ ጀነራል ኩሎም ብጾት ኣመሪካ፡ ወዮም ንሃገሮም ዝተጋደሉ ደቂ-ህዝቢ ኣንጻር ኣመሪካ! ኢሳይያስን ደ ቂ-መዛምርቱን ብውሽጢ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ብግዳም! ኣንጻር’ዚ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ኣንጻር’ዚ ምእንቲ መሰሉ ዝመተ ን ዝመውትን። ለከን ደርሆ ኣንዊሑ እንተኣሰራስ ሓቁ ኣይተፈትሐትን! ብናየማቱ ብዕስቡነቱስ ክንድኡ ፈጠጥ-መጠጥ!

ሎሚ ድማ ኮነ። ብዙሓት ተጋደልትናን ላዕለዎት መራሕትን ከም ክስእቲ ደርሆ ጉግ ኢሎም ይራኣዩ። ከምኡ ድማ ወዮ ም ብናይ መወዳእታ ኢድ ዝተወደቡን ገለ ፍረታት ናይዚ ብኩል ዓለም ፖለቲካ ክቖራጥሙ ዝኽእሉን ንርእሳቶም ዝተ ታለሉ ውሓላሉ መሰል ደቅና ኣፎም መሊኦም ሰውራ ናይ ሸፋቱ ከምዝነበረን፡ ንኤርትራ ብዘይ ውርሻ ቀዳሞት ክሃንጹ ዋ ምዃኖም ክግዕሩስ የኽፋኣሎም ከምዘሎን ከምተቓልዑን ብዘይምርድኦም ተዓዲሎም! እሞድማ ውሻጠ ትግርኛ . . .

እብለኩምሲ መድሃኒት ጸገምና ብኮፉ ምርኣይ ግዲ ስኢንናዮ ወይከኣ ከምቲ ‘ፈራህ ዓሰርተ በትሩ’ ዝበሃል ግዲ ዘንብይ ና ድሕነትና ብጓል-መገዲ ኢዩ ዝንደ ዘሎ። ገለ ዝብህጉ ኣረጋውያን ዘይብሉ ብቃልሲ መንእሰያት ጥራይ ክዕወቱ፡ ገለ’ው ን ተጋደልቲ ሻዕብያ ንሃገርና ከምታ ዘጥፍኡዋ ከምጽኡዋ ከምዘለዎም ዝጉርሑ ስቕ በሃልቲ፣ ገለን ብመገዲ ቢሄር፣ ብመ ገዲ ህዝባዊ ኣብያ፣ ብመገዲ ፖሊሲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ (Top down) ዘይኮነ ብካብ ታሕቲ ንላዕሊ (Down Top) ገል ‘ውን ሂወትና ኣብ ኢድ ወያነ ከምዘላ ኣሚኖም፡ ንሳ ከምገለ ነቐይ እንተኢላ ከምንጠፍእ ከርዕዱና ዝፍትኑ ዘይዕጡቓት፣ ከምኡ’ውን ገሊኡ ብኣጻድፍ፣ ብዓቐበ-ቁልቁል ዝተሓናነቕ . . . .

ኩሉ ሓራይ! ጥራይ ‘ጥይት ኳሕ ከይበለት’ ብናፍቖት መሰረታዊ ለውጢ ብዝጥረ ዓረ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ንሃገርና ካ ን ‘ብርለ’ ከምስሉዋን (ሻፎኦም ዓቲሮም) ካብ ኩነተ-‘ብርለ’ የናግፉዋን’ምበር ንሕናድኣ ዘይጽቡቕ እንታይ ደሊና! ግናስ ካልእ ብህሎን ምንዮትን ድማ ኣሎ ኢዩ።

“ሃገርና ኪኖ’ዚ ዘሎ ስርዓት ካልእ ኣየድልያን ኢዩ! እቲ መዋእሉ ዝተቓለሰ ውፉይ ፕረሲደንት ኤርትራኸ መከላኸሊ ነብ ሱ የብሉን ዲዩ? ክብሪ ኣይግብኦን ዲዩ? “ኣንታ ንበረልና-ንበረልና” ኣይተደርፎን ዲዩ? ጎደፋ ዝበሃልከ ‘ታዋይ ኢዩ ክሳብ ንህግደፍ ትኣክል ክፈርድ ዝደናናዕ ዘሎ? ናይ እንዳመን ደፋር ዓጋመ ኢዩ? ወረ ኣብ ወጻኢ ዝነብርን ዓዱ ከይዱ ዝነበረን ናይቶም ህግደፍ ምኳኑን ንፈልጦ ኢና! . . . . .

ኣብ ውግእ፡ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ክእቶስ ብጌጋ ምስ ብጾትና ብጥይት ንቖሻመድን ብቡምባ ከኣ ንደራራዕን ክሳብ’ው

ን ብገዛእን ንገዛእን ብጾትና ንውጋእን ንስዋእን ከምዝነበርና እዝከረኒ። እቲ ከምኡ ጌጋታት ብቀትሩ እንከሎ’ውን የጓንፍ ነበረ። ኣብ ሕድሮ ፓልቶክከ ከመይ ረኺብኩሞ? ኢሳይያስ ድማ ነዚ ጉድለት’ዚ ብከመይ ክጥቀመሉ ይዳሎ ኣሎ?

ይቕጽል፡

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • abel February 26, 2016

    Godefa
    I always read every article you have wrote. The style of your writing is very different, very unique and very easy to understand. The content of your articles is beyond my knowledge, full of information that is new to me. I do appreciate your work, Please continue teaching us

  • Mekhalif February 26, 2016

    ሓው ጎደፋ፣

    ከም ኩሉጊዜ መዘና ዘይብሉ ሚዛን (ኣናሊሲስ)።ብጣዕሚ ዘጕሂ ድማ እዞም ፓልቶክ ዝከታተሉ ደቅና በብሓደ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ተጋደልቲ እውን ሸፋቱ እዮም ኔሮም,መብዛሕትኦም ተገፊፎም ስለ ዝኸዱ ድማ ኣይፍረዶምን ክብሉ ምስ ሰማዕኩ እዝነይ ምእማን ኣብዩዎስ ገዛ ከይደ በኽየ። ኣብዚ ድዩ ወዲቑ ሰውራና ኢለ።ዋላ እቶም ኣቦይ ተሰዊኡኒ ዝብሉ እዞም ዝኣተዉ ተጋደልቲ ጥይት ተጸጊዖም ዘሕለፉ እዮም ክብሉ ምስማዕ ነቲ ብስዉኣትና ዝነብዕ ሰብ መመሊሱ የንብዖ።ኣነስ ነቢዔ ።

    • AHMED SALEH !!! February 27, 2016

      Mekhalif
      Lately we observed people behind internet-based communication screen to
      say strange languages which is surprisingly foreign to our ears .
      Myself regardless their identity I never gave attention to their wicked and corrupted mind set . Let cowards act the loudest group at our present
      difficult times because their big mouth control their head .
      Eritreans voted 98% verses 2% and that might click to bring attention
      and do not forget the Tigrigna speaking southern neighbors in disguise who resist to swallow the creation of Eritrean state .

  • ጎዶፋ፡ February 27, 2016

    ግዲ የለን ክቡር ሓው፡ ንብዓትካ ብኽያት ጥራይ ኮይኑ ኣይክተርፍን ኢዩ። ጥራይ ትገብሮ ምግበር።ዩ ካብ ንብዓት ዘናግፍ!

  • k.tewolde February 27, 2016

    Godefa, does the nickname ASHALBALO ring a bell?

  • Mekhalif February 27, 2016

    ከምቲ ንቕሓትካን ትምኒት ኩላትናን ይግበረልና፣ደኺምና እኮ መንእሰያትናን ተስፋናን ክንቀብር።

  • AHMED SALEH !!! February 27, 2016

    Godefa
    The case of the SECRET PARTY criminal reputation started to reveal lately
    and for know we leave the question to judgement day which won’t be long .
    When we speak about crime in general it is source of dysfunctional mind
    of human behaviors . For example , the lies and deception that covers our
    criminal elements true nature was part of the complex social challenges
    which blurs the right perception that caused vulnerability to rejection,
    dissolution and fear .
    Eritrean need soul search to free their soul , spirit and body that can
    give them back the lost self-confidence.

  • Adal February 28, 2016

    ዝኸበርካ ጎደፋ ኣጸሓሕፋ ኣንቀጻትካ ዝኾነ ተራ ሰብ ንክርድኦ የጸግሞ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ነዞም ብዙሕ ሕልኽላኻት ታሪኽ ዘለዎ ገድልና ዝተማሳተተ ርዲኢት ዘለዎም መንእሰያትና ብዝሳማማዕ ኣገባብ እንተትገብሮ ክንድይ ሰብ ንቅሓቱ መምሓየሸ ኔሩ ይመስለካ። እንተ ንዓይ እሞ ካብ መግብን መስተን በልዕካ እትረኽቦ ጥዕናዊ ዕግበት ጹሑፋትካ ኣምቢበ ዝረኽቦ ዕግበት ዝያዳ ሓይልን ሞራልን ይስማዓኒ። ብፍላይ ንጉዳይ ምስጢራዊት ሰልፊ ዝምልከት ዓንቀጻትን ቃለ መጠየቃትን ዕላላትን ብዙሕ ሰሚዐ ኣለኹ ግን ከም ናትካን ከም ናይ የማነ ተኽለገርግሽን ጌሩ ንነገራት ንዕምቆቶምን ስፍሓቶምን መርዳእታ ክህበኒ ዝኻለ ጹሑፍ ፈጺሙ ኣይገጠመንን። ብዝኾነ ኣጀኻ ቀጽሎ ብዙሕ ካባኻ ክንጽበ ኢና። በርትዕ። ምኽኒያቱ ንኹሉ ማሕለኻታት ዝበትኽ ንቅሓት ስለዝኮነ። ቀጽል ጥራይ

POST A COMMENT