Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብደውና ካብ ሞትና…!

ብደውና ካብ ሞትና

ብደውና ካብ ሞትና…!
 
ህልቂት ናይ ህዝብና ሓሳር መከራኡ
መስዋእቲ ከፊልኩም ንዓለም ካብ ተርድኡ
ሰማእታት ላምፐዱዛ ዓመትኩም መሊኡ!
 
ኣቱም ግይ ባሕሪ ምልኪ ዘጥፍኣኩም
ከምቲ ንቡር ቀብሪ ሓመድ ከይለበስኩም
ኣብ ጋህሲ ዓዲ ጓና ኣብ ሳንዱቕ ሰፊርኩም
ገለ ከየፍረናስ ዓመትዶ ኣታ መሊእኩም!
 
ከምቲ *ሃምበላትና ዝመሃርኩሙና                   *ጀጋኑና
ኣስላምን ክስታንን ሓደ ኣካል ኴንና
ነዚ ሓደ ከይሲ ምእላዩ ስኢንና
ተቐበልቲ ሕድሪ ብደውና ካብ ሞትና
ጀጋኑ ሰማእታት ንዑ ቅበሩና!
 
ኣውያት ናይ ኣሕዋቶም መታን ከይሰምዑ
ድምጾም ንምዕብላል ከበሮ ዝወቕዑ
ክዳን ኣጻዕዲዮም ወትሩ ዝስዕስዑ
ወለዲ ግዳያት ዝርንዛሕ ዘንብዑ
ጅግና ብምስኣኑ ዝኣልዮም ጸፊዑ
ህዝቢ ጨኒቑዎ ሰማእታት ጸዊዑ!
 
ደለይቲ ፍትሒውን ኣብ ደገ ዘለና
ሬሳታት ግዳያት ሓመድ ከየልበስና
ኣበየ ቦታኡ እናተኣከብና
ነቶም በቲ *ኣብሊስ ዝተዘርዑ ኣሕዋትና    *ሰይጣን
ናብ ጓይላ ምኻዶም *እናተቓወፍና         *እናተቓወምና
ይኣክል ክንብል ድሮ ዓመት ጌርና!
 
*ሓንዘር ነጊሱዎ መሬትናን ባሕርናን              *ቅንፍዝ
*ከተያ ስኢኑ ስቓይናን ንብዓትናን              *መዛዘሚ
ከም ኣውሊ ሃፊፉ ራእይናን ተስፋናን
ደባሲ ሓሪሙዎ ጓሂናን ሓዘንናን
ሃገር ኣንቀጥቂጣ ብምልክን ዓፈናን
ኣናብስ ኴንናያ *ሃም ብዘይኣስናን!               *ጓህማም
 
ሰኣን ዕኰት ምሓዝ ሰኪዔት ዘርጊሕና
ናብ ስደት ንጓዓዝ ጸላም ተጎልቢብና
በረኻን ስንጭሮን ሩባታት ጥሒስና
ካብ *ባልዋ ኣምሊጥና ዶባት ምስ ሰገርና   *ኣርሓ መፍለስ
ኣዛብእ ራሻይዳ ይመናጠሉልና
ኤርትራ ደቅኺ ንበርስ ኣለና!
 
ጭዉይ ሓርነትና ብዂናት ክንመልስ
ዝናር ተዓጢቕና ጥይት ከይንትኩስ
ደም ኣሕዋትና ደሞ ሎሚ ከነፍስስ
ኢልና ከነመኽኒ በዚሑ ሕልክስክስ
እኖና *ብጻኦት ካብ ሃገር ንፈልስ!         *ብብዝሒ፡ ብጃምላ
 
ካብቶም ዝሓለፉ ግን ህግደፍ ካብ ገደደ
ብህዝብን ሃገርን ወትሩ *እናለቀደ               *እናኣላገጸ፡ እናሓጨጨ
ይቕስበና ኣሎ ከነልዕል ጉራደ
ስለዚ፡ ኣታ ህዝቢ ተላዓል ብሓደ
ኣብ መንጎ ደቅኻ ሓዊ ከይተኣጉደ!
 
ህዝባዊ ናዕቢ’ዩ ዝሓሸ መፍትሒ
ተበገስ ብሓባር ተቓለስ ንፍትሒ
*ስልንስል ኣይትኹን ስቓይ መናውሒ   *ክልተ ልቢ
ምንባርካ ሓንሳብ’ያ ወጊድ በሎ ፍርሒ!
 
ዋላ’ኳ ከምቲ ዓሚ ቃል ዝኣተናዮ፡ ንጉጅለ ሕሰም ካብ ሃገርና ንምእላይ ኣይንተዓወት’ምበር ከም ዕሉል ገበነኛ መጠን፡ ናብ መጋባእያ ፍርዲ ንምቕራቡ ግን ሳላ ተባዓት ዘይሕለሉ ተቓለስቲ፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዕጽፊ ሰጒምና ከም ዘለና፡ ንኹላቶም ግዳያት ምልኪ፡ ማለት ሕዪራትን ስውኣትን ከየበሰርኩዎም ክሓልፍ ኣይደልን። እቲ ኣብ መላእ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ብሰንኪ’ዚ ብዘይካ ስልጣኑ ምሕላው ካልእ ቅንጣብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይብሉ ደማሒ ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ከኣ ውሕጅ ኣይሂ ፈጢሩ፡ ንጉጅለ ጓይላ ጸራሪጉ ክወስዶም ሙዃኑ ጥርጥር የብሉን!
 
ጽንዓት ንስድራቤት ግዳያት ላምፐዱዛን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
         
ካብ ሓውኹም መሲናስ 03-10-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • eritrean October 1, 2014

    All these lies written by woyane to turn Eritreans against our president. Shame, shame!
    Woyane is the author of all evil. Eritreans are not dumb.

    • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? October 1, 2014

      Demhityan,
      DIA is not a president, he is a mafia boss consisted of very few donkeys and their Tigryan allies DEMHIT. No Eritrean will call DIA his president unless if he is not DEMHIT and a criminal Eritrean.

    • ERITRAWIT October 1, 2014

      eritrean,
      Please give us a break no job,no future, that is why our people leaving our country. Where are you somewhere out side Eritrea shame on you!!!!

      • eritrean October 1, 2014

        If any one is dead or dying, it is woyanne!

        • ahmed saleh October 1, 2014

          Mesinas said it all .
          “Bidewna kab motna semaetna mexiom yikberuna”.
          That is what you call shameful acts of a man ,
          ato eritrawi . And we care less about weyane for
          your information because the concern belong
          only to them . NATEN GHEDIFEN INDA MATEN

  • kahesay keflom October 1, 2014

    eritrean soliders are fleeing the country in the south to ethiopia and in the west to sudan.this is alost a sighn of state collapse.Eritrean through out the world united!

  • kahesay keflom October 1, 2014

    eritrean diplomats assets and wealths are being sold secretly in asmara through their agents.

  • ERITRAWIT October 1, 2014

    Mesinas Brother,
    heart breaking poem the time will come this devil will pay the price and people who are helping him to do the dirty job.

  • weygud October 1, 2014

    ዘይተኣወየልና ኮይኑ እምበር ናይ ብሓቒ ብደውና ሞይትና ኢና፨ እቲ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት እዩ ሞይቱ። እቶም ተጋደልቲ ግና ቀደም እዮም ብህልውናኦም ሞይቶም ኣብ ኣኸባ ስረኻ ኣውጸኣዮ ተባሂሎም ዘውጽኡ፣ ብኸብዶም ዝተንፈሓኹ፣ ገጾም ዝተጸፍዑ ብተስታ ግንባሮም ከም ባላንችና ዝተነፍሔ.ወዘተ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ ግብረ እከይ ኣብ ግዜ ገድልን ሕጅን የለን። ሕልና ደንዚዙ ምቑዛም ጥራይ ኮይኑ ነገር።

  • weygud October 1, 2014

    From Taddesse’s article on radio Salina, I came to know that the criminal Mesfin who betrayed his collegues is still working for his master in the pretext of opposition party

POST A COMMENT